ኣብ ምኽንያታዊነት ዝተደረኹ ዜማታት ጥላሁን ገሰሰ

1933 ዓ.ም በዓል መስቀል ንቤተ ሰብ ኣይተ ገሰሰ ኣውደ ዓመት ጥራሕ ኮይኑ ኣይሓለፈን። ምኽንያቱ ምስ ምኽባር እቲ በዓል ብተወሳኺ ንገዝኦም ብስራት ሒዙ ‘ዩ መፂኡ። እዚ ድማ በዓልቲ ቤት ኣይተ ገሰሰ ዝኾና ወይዘሮ ጌጤ ጉሩሙ ወዲ ዝተገላገላሉ መዓልቲ ብምዃኑ ኣብቲ ገዛ ዓብይ ድርብ ሓጎስ ፈጢሩ ‘ዩ ሓሊፋ።

በዚ ዕለት ዝተረኸበ ፍረ ንመላእ እቲ ቤተሰብ ናይ ሓዱሽ ዓመት ዓብዪ ውህብቶ ‘ዩ ነይሩ ። ብሓዳር ንዝተፃመዱ ናይ ዓይኖም መዕረፊ ዝኾነ ወዶም ድማ መፀውዒ ስም ተወሂብዎ ጥላሁን ገሰሰ ድማ ተባሂሉ።

ዕሸል ጥላሁን ኣብ ኣዲስ አበባ ፍሉይ ስሙ ‹‹ጠበንጃ ያዥ›› ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ከም ካልኦት መሓዙቱ እናተፃወተ ዓብዩ። ንዝሪእዎ ኩሎም ቁልዕነቱ ደስ ዝብል ሰሓባይ መልክዕ፣ ማራኺ ቁመና ነይርዎ። ጥላሁንን ኣዲስ ኣበባ ሓቢሮም ብዙሕ ኣይዘለቁን ነይሮም። ድሕሪ ምኽባር ልደት ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመቱ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ወሊሶ ንክኸድ ግዲ ኾይንዎ ኣቦ ሕጉኡ ኣብ ዝነብሩሉ ወሊሶ ክነብር ተወሲኑሉ ምንባር ጀሚሩ ‘ዩ። ኣብቲ እዋን ኣብቲ ዝነበረሉ ከባቢ ዝርከብ ናይ ራእሲ ጎበና ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊቡ ፊደል ክቆፅር’ውን ጀሚሩ ‘ዩ።

ጥላሁን ምስ ትምህርቲ ኣብ ወሊሶ ብኣካል እንተተራኸቡ’ዉን፤ ነሃቱ ድልየት ግና ናይ ቀለም ትምህርቲ ኣይነበረን። ኣብ ውሽጡ ሓዲርዎ ዝነበረ ፍቅሪ ሙዚቃ ‘ዩ ነይሩ። ነዚ ዘስተውዓሉ ኣቦሕጉኡ ኩነታቱ ኣይፈተዉሉን። ስለዝኾነ ከዓ ኣብ ትምህርቱ ጥራሕ ትኹረት ገይሩ ንክመሃር ብተደጋጋሚ መኺሮምዎ። ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣመሓዳሪ ዝነበሩ ሱዳናዊው ሼድድ ንጥላሁን ብዝተፈለየ ትኹረት ብምርኣይ ኣብ ሙዚቃ ዘለዎ ዓቅሚ ብምምዛን ናብ ሱዳን ከይዱ ሙዚቃ ንከጠናኽር ምኽሪ ለጊሶሞ ነይሮም። ጥላሁን ግና እቲ ዝተበሃሎ ክገብር እንተዘይኸኣለ’ውን ምስ ዘሎ ውሽጣዊ ስምዒቱ እናተሟገተ ፀንሐ።

ሓደ መዓልቲ ግና ናይ ጥላሁን ታሪኽ ክልውጥ ዘኽእል አጋጣሚ ተረኽበ። ኣብቲ እዋን በዓል ሞያ ትያትር ሃገር ፍቅሪ ቲያትር ዝነበሩ ኣብ ቤት ትምህርቶም ናይ ሙዚቃ ትርኢት ንምቅራብ ኣብዝተረኸብሉ ኣጋጣሚ ንጥላሁን ፅቡቅ ዕድል ‘ዩ ነይሩ። ናብ ኣይተ ኢዩኤል ዮሐንስ ቅርብ ኢሉ እቲ ዘለዎ ኽእለትን ድልየትን ኣረድኦም። ኣይተ ኢዩኤል’ዉን ብግቡእ ምስ ኣዳመፅዎ ድልት እንተሃልይዎ ናብ አዲስ አበባ ክመፅእ ከምዝኽእል ሓበርዎ። እቶም ገያሾ ካብ ወሊሶ ድሕሪ ምምላሶም ጥላሁን ድቃስ ስኢኑ ብኣግባቡ ትምህርቱ ክከታል ኣይኸኣለን።

ሓደ ንጉሆ ናይ ጥላሁን ልቢ ቆሪፁ ተላዒሉ። ዝኾነ ሰብ ከይረኣዮ ካብ ገዛ ጠፊኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጉዕዞ ጀመረ። ኩነታቱ ዝፈለጡ ኣቦ ሕጉኡ ንዘመድ ተዛሪቦም ሰላይ ልኢኾምሉ። ዓሰርተ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር በእግሩ ድሕሪ ምጉዓዝ ጥላሁን ቱሉ ቦሎ ምስ በፅሐ እንዳ ሓፍቲ ኣቡኡ ሓዲሩ ብፅባሕቱ ጉዕዝኡ ቅድሚ ምቅፃሉ ግና ተተሒዙ ናብ ወሊሶ ንክምለስ ተገበረ ።

ተገዲዱ ተመለሱ ወሊሶ ዝኣተወ ጥላሁን በቲ ዝኾነ ነገር ኩሉ ብጣዕሚ ሓዘነ። ህልኽን ጣዕሳን ሕዝዎ ብውሽጡ ድማ ናብ ዘፍቅሮ ናይ ሙዚቃ ጉዕዝኡ ዘተዓናቀፍዎ ሰባት ብኽፋእ ዓይኑ ይሪኦም ነይሩ። ኣብቲ ዝነበሮ ገዛ ንሓደ መዓልቲ ኣይፀነሐን። ዳግማይ ብፅዕነት መኪና ተሳፊሩ ጉዕዞ ጀመረ። ኣዲስ ኣበባ ዘብፅሖ እግሩ ኣብ ሃገር ፍቅሪ ቴያትር ረኺብዎ። ናይ ጥላሁን ናይ ውሽጡ ድልየት ናይ ሙዚቃ ፍቅሩ ገጢሙሉ ትምኒቱ’ውን ተሳኺዑ ።

ናይ ትማሊ ናይ ወሊሶ ጎብለል ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ተፈላጢ ንምዃን ግዘ ኣይወሰደሉን። ከምድላዩ ዝእዘዘሉ ጎሮርኡ ዝተወሃብዎ ግጥምትታትን ዜማታትን ኮለል እናበለ ብምዝያም ብዙሓት ክስሕብ ክኢሉ። ናይቲ እዋን ተፈታዊ ድምፃዊ ብምዃን ቀዳማይ ኮይኑ። ንዉሱን እዋን ኣብ ሃገር ፍቅሪ ዝፀነሐ ጥላሁን ንኻሊእ ዕድል ምሕፃዩ ኣይተረፈን። ናብ ክቡር ዘብዓኛ ተዛዊሩ ምስ ዉሩያት ናይ ሙዚቃ ሰባት ጎኒ ክስለፍ ክኢሉ ‘ዩ።

ልዑል ተፈላጥነቱ ተኸቲሉ ግና ካብ ፈተና ኣየምለጠን። ኣብ ናይ ታሕሣሥ ዕግርግር ተባሂሉ ዝፍለጥ ደሪፍዎ ብዝተብሃለ ዜማ ትርጉም ተዋሂብዎ ንእስራት ኣብፂሕዎ ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ጥላሁን ገሰሰ ዘይነኽኦ ናይ ሂይወት ጫፍ፣ ዘየልዓሎ ናይ ዓለም ሓቂ የለን። ክፍኣት የዋህነት፣ ሓዘን ታሕጓስ፣ ህይወትን ሞትን፣ ብድምፃ ጥላሁን ተዳህሲሶም ‘ዮም። ገንዘብ፣ ምርካብ ምስኣን፣ ሃፍትን ድኽነትን፣ ብዜማታቱ ተላዒሎም ‘ዮም።

ብዛዕባ ጥላሁን ገሰሰ ዜማታት ሓደ ብሓደ ምዝርዛር ማለት ‹‹ሩባ ኣባይ ብማንካ›› ከምዝበሃል። ጥላሁን ዘየልዓሎ ናይ ሂወት ሓቅታት የለዉን እሞ ሓደ ሓቂ ካብ ኻሊእ ኣወዳዲርካ ምፍላይ ብጣዕሚ ኣፀጋሚ ‘ዩ.። ኣብዚ ዳህሳስና ጥላሁን በምኽንያት ኣዚምዎም ተባሂሉ ካብ ዝበሃሉ ብጣዕሚ ዉሑዳት ጥራሕ ንምሕባር ክንሙክር ኢና ።

“ዋይ! ዋይ! ሲሉ” ዝብል ደርፉ ኣፍቲ እዋን ኢትዮጵያ ብዘጋጠማ ድርቅን ጥምየትን ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ወዲቃትሉ ዝነበረት ዘመን ‘ዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን መላእ ዓለም ኢትዮጵያን ርዕሲ ገይሩ ብዛዕባ ዝኸፈአ ጥምየት፣ በቢመዓልቱ ከምቆፅሊ ዝረግፍ ምስኪን ህዝባ ብጣዕሚ ዝውረየሉ ብ1967 ዓ.ም’ዩ። ጥላሁን ገሰሰን ናይ ሙያ መሓዙቱን ብሞያኦም ኣብቲ ህዝቢ ዝበፅሐ ክፋእ ጥምየት ሪኦም ኣንባዖም ጥራሕ ሱቅ ኣይበሉን። ኣብ ኢዶም ዝኣተወ ግጥሚ ምስ ዜማ አዋሂዶም ንኹሉ ‹‹ይብፀሐለይ›› ክብል ብልዑል ሓዘንን ብኽያትን ደሪፋ።

ጥላሁን ብዚ ንወገናቱ ንክንበፅሕ፣ ክፉእ እዋን ጥምየት ንክስታወስ ገይሩ ‘ዩ። እዚ ዘይርሳዕ ዜማ ንኢትዮጵያውያን ናይ ክፉእ መዓልቲ መዘኻኸሪ ኮይኑ ዓመታትን ሓሊፋ።

“አልማዝን አይቼ” ዝብል ሙዚቃ ብዘመን ደርጊ ብዝነበረ ናይ ሥልጣን ሹመትን ምውራድን እዋን ዝወፅአ ‘ዩ ነይሩ። ይኹን ‘ምበር እቲ ግጥሚ ዝሓዞ መልእኽቲ በቲ ዘመን ዝነበሩ በዓል ሥልጣናት ዝምችው ኣይነበረን ይበሃል።

“ጃፓኗን ወድጄ” ዝብል ሙዚቃ ናይ ባሕሪ ማዕዶ ናይ ፍቅሪ ታሪኽ ዘዘኻኽር። ጥላሁን ኣብቲ ዜማ ከምዝገለፆ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኣብ ሩሑቅ ምስራቅ እናሃለወ ምስ ሓንቲ ናይ ጃፓን መንእሰይቲ ብፍቅሪ መውዳቁ ዘርኢ ሓቂ ዘለዎ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ጥላሁን ገሰሰ ብኣምሓርኛ ካብዝተፃወቶም ብተወሳኺ ብጣዕሚ ብዙሓት ብኦሮምኛን ብሱዳንኛን ደርፍታቱ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኩሎም ደርፍታቱ ብዝብሃል መልክዑ ተፈተዉትን ተደመፅትን ኮይኖም ንዓመታት ሓሊፎም ‘ዮም።

 ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 03 ግንቦት 2015 ዓ.ም

Recommended For You