ተተካእቲ ንምፍራይ ዘኽእላ መድረኽ ኪነ ጥበባት

ቀልቢ ደቂ ሰባት ካብ ዝስሕቡ መዘናግዕቲ ዓይነት ኪነ ጥበብ ውሽጢ ሙዚቃ ሓደ ‘ዩ። ሙዚቃ ካብ መዘናግዒነቱ ብተወሳኺ ብዙሓት ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ካልኦት ሃገራዊ መልእኽትታት ዝመሓላለፈሉ ዘፈር ጥበብ ‘ዩ። ብሙዚቃ ፍቅሪ፣ ሓድነት፣ ጅግንነት፣ ፅባቐ፣ ሕያዋይነትን ምትሕስሳብ ሓባራዊነት ዝመሳሰሉ ካብ ዝስበኸሉ መንገዲ ሓደ ‘ዩ።

ብሙዚቃ ውልቀ ስምዒት፣ ታሕጓስ፣ ፍቅሪ፣ ኣተሓሳስባ፣ ብሓፈሻ ባህግን ድልየትን ብዘይገደብ ካብ ዝገለፀሉ መንገዲታት ሓደ ‘ዩ። ብሙዚቃ ናይ ውልቀ ስምዒት ድልየትን ካብ ምግላፅ ብዝሓለፈ ናይ ካልኦት ስምዒት ምኹርኻር፣ ምልዕዓል፣ ምንቅቃሕን ብርትታዕን ይክኣል። ከምኡ ስለዝኾነ’ውን ‘ዩ ሙዚቃ ናይ ዓለም ቋንቋ ‘ዩ ዝብሃል።

ኣብ ትግራይ ኮነ ብሓፈሻ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ኢትዮጵያ ቀዳሞት ሙዚቀኞታት ኣብ ግዜኦም ብናይባዕሎም ዓይነትን ስልትን ኣደራርፋን ብምዝያም ናይ ባዕሎም ናይ ጥበብ ዓሻራ ኣቐሚጦም ሓሊፎም ‘ዮም። ናሃቶም ኣሰር ተኸቲሎም ድማ ብዙሓት ተተካእቲ ሙዚቀኛታት ክፍጠሩ ኪኢሎም ‘ዩም።

ንሶም ‘ውን ብተራኦም ብናይባዕሎም ቅድን ስልትን ጥበብ ሙዚቃ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ ሞኪሮም ‘ዮም። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ሐዚ’ውን ናይዚ እዋን ወለዶ ሙዚቀኞታት ካብቶም ናይ ቀደሞቶት ሙዚቀኞች ወሲዶም ብናይ ባዕሎም ፈጠራ ተጣቢቦም ብዙሓት ስራሕቲ እናቕረቡ ይርከቡ።

ዋላ እኳ ኣብዚ እዋን ዘለው ኣብዝሓ ሙዚቀኞታት ኣብ ክንዲ ብስራሕቲ ሙሉእ ኣልበም ምምፃእ ብነፀላ ዜማታት ሰሪሖም ኣድመፅቶም ንምስሓብ ፃዕሪ እናገበሩ እንተኾኑ’ውን ካብ ውሑዳት ሙዚቀኛታት ወፃኢ ከምቶም ቀዳሞት ሙሉእ ኣልበም ሰሪሖም ሓደሽቲ ናይ ሙዚቃ ስራሕቲታት ሒዝካ ምምፃእ ማለት ዳርጋ ብርቂ እናኾነ ዝመፅእ ዘሎ ይመስል።

ተተካእቲ ድምፃውያን ንምፍራይ ዝግበር ፃዕሪ’ውን ብዙሕ ዝብሃለሉ ጉዳይ ኣይመስልን። እዚ ከምዙይ እናሃለወ ኣብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ግና ብዝተፈላለዩ ቴሌቪዥናት ዝመሓላለፍ ዝነበረ ኣይዶላት ውድድር ሙዚቃ ሓደሽትን ተተካእትን ሙዚቀኞታት ንምፍራይ ዓብይ ግደ ዝፃወተ ከምዝነበረ ዝዝከር ‘ዩ።

ቅድም ኢሎም ዝግበሩ ዝነበሩ ናይ ሰብ ተሰጥዎ ውድድር ሙዚቃ ድሕሪ ምቁራፅ ግና ደጊሞም ናብ መስኮት ቴሌቪዥን ቅልቅል ክብሉ ክርኣዩ ይጅምሩ ኣለዉ። ቅድም ኢሎም ዝጀመሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብፋና ቴሌቪዥን ‹‹የፋና ላምሮት›› ኣይዶል ውድድር ሙዚቀኞታትን ካልኦትን ብተወሳኺ ብብርኪ ትግራይ ድማ ከም ‹‹ኣይዶል ሪም ጥበባት›› ዝኣምሰሉ ኣብ ዝሓለፉ ቁሩብ ዓመታት ድሙቃትን ሰሓብትን ዝኾኑ ኣይዶላት ጀሚሮም እንተነበረ’ውን ብዝተፈጠረ ኮቪድን ኹናትን ምችው ዘይኮኑ ኩነታት እንተተቋረፁ’ውን ኣብቲ ዝነበሮም ፃንሒት ግና ቀሊል ዘይብሃል ሰብ ተውህቦ ሙዚቃ ንክንርኢ ኣኺሎምና ነይሮም ‘ዮም።

ድሕሪ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ኲናት እቲ ንዓመታት ብዝተፈላለየ ስቃይን መከራን ዝሓለፈ ህዝቢ ብፍላይ ድማ መናእሰይ፣ ዕሸላትን ሰብ ፍሉይ ተውህቦ ጥበብ ሙዚቃን ዝኾኑ ኣእምርኦም ካብ ሕማቃት ስምዒታትን ድብርታትን ንምውፃእን ንምህዳስን ካብ ዘለዎ ረብሓ ብተወሳኺ ኣብ ዕብየት ቋንቋ፣ ባህልን ጥበብን ዝህልዎ ረብሓ ብቐሊል ዝርኣይ ኣይኮነን ፡፡ ካብቲ ዝነበሮ ጭንቅን ፀበባን ወፂኡ ሓድሽ ናብራ ንምንባር ኣብ ምድላው ዝርከብ እንተኾነውን ሐዚ ‘ውን መብዛሕቲኡ ህዝብና ኣብ ኸቢድ ፀበባ ዘይወፅአ ናብ ንቡርነት ክምለስ ግድን ‘ዩ፤ ሕውየት መንፈስ የድልዮ ‘ዩ። ስለዝኾነ’ውን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተዉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ።

ስለዝኾነ ነዚ ንምስኻዕ ካብ ዝሕግዙ ነገራት ሓደ ሙዚቃ ስለዝኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ብላዛ ትግርኛ ተዳልዩ ኣብ ቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ ጀሚሩ ዘሎ “ላዛ ኣይዶል” ተባሂሉ ዝተሰየመ ሓደሽቲ ኮኾባት ኪነት ዝፈርዩሉ ፍሉይ ሽልማት ዘለዎ ውድድር ኣብ ምሕዋይ ኣእምሮ ዕሸላት ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ይኽእል ‘ዩ።

ዘፈር ሙዚቃ ናይ ተተካኢነት ሕቶ ኣብ ዝለዓለሉ ዘሎን ዝተጨናነቀ ኣእምሮ ኣብ ምህዳስን ምርግጋዕን ልዑል ግደ ንክፃወት ተስፋ ኣብ ዝግበረሉን ኣብዚ እዋን፤ ኹናት፣ ምምዛባልን ሰላም መሊኡ ኣብዘይተረጋገዐሉ እዋን ከመይ ኣይዶል ውድድር ሙዚቃ ይካየድ ዝብል ሕቶታት ይለዓሉ ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ኣብ እዋን ዘይተረጋግዓ እዋን ኮይንካ’ውን ሙዚቃ ፣ ሰላም ኣብ ምስባኽ፣ ሓድነት ህዝቢ ኣብ ምዕዛዝ፣ ኣብ ምቅርራብ ኣብ ምትሕባርን ኣእምሮ ኣብ ምርግጋዕን ዝህልዎ ግደ ቀለል ኣይኮነን፡፡

ብሓፈሻ ተተካእቲ ድምፃውያን እናወሓዱ ኣብ ዝመፅኡሉን ምሕዳስ ኣብ ዘድልየሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም ብብርኪ ትግራይ ‹‹ላዛ ኣይዶል›› ብብርኪ ሃገር ድማ ከም ‹‹ባላገሩ››…ዝበሉን ካልኦትን ተመሳሳሊ መድረኻት ተተካእቲ ሰብ ተውህቦታት ሙዚቃ ድምፃውያን ኣብ ምፍራይን ህዝቢ ኣብ ምህዳስን ዝህልዎም ግደ ልዑል ስለዝኾነ ተጠናኺሮም ንክቅፅሉ ክበረታትዑ ‘ምበር ክውቀሱ ኣይግባእን።

 ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 26 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም

Recommended For You