ካብ ተዘክሮታት ሜሪ ኣርምዴ

ሜሪ ኣርምዴ ኣብ ማኸል ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ኣራዳ ጊዮርጊስ ስለ ተወለደት ምስ ኪነጥበብ ንክትዛመድ ምኽንያት ኮይንዋ ‘ዩ፡፡ ቆልዓ እናሃለወት ኣብ ኸባቢኦም ካብ ዝነበሩ እንዳ ሜስ ናይ ምኻድ ልምዲ ነይርዋ። ከምኡ እትገብረሉ ምኽንያት ድማ ሜስ ምስታይ ደስ ስለዝብላ ዘይኮነስ ኣብቲ ቦታ በቢመዓልቱ እትሪኦ ደርፍን ሳዕስዒትን ትማረኽ ስለ ዝነበረት ‘ዩ።

ሜሪ ኣርምዴ በቢመዓልቱ ቤት መስተ (ሜስ) ብዝኸደት ቁፅሪ ናይቲ እዋን ውሩያት ዝነብሩ ደረፍቲ ከም ንጋቷ ከልካይን፣ ባፈና ወልዴን ጥሩ ብርቄ ትሪኦም ነይራ፡፡ ሜሪ ኣብቲ እዋን ብብሉፅ ድምፅን ሳዕስዒትን ፍሉጣት ንዝነበሩ ሰባት ከም ካልኦት ብኣድናቆት ጥራሕ ክትሓልፎም ኣይደለየትን የግዳስ ብመጋረዲ ተሓቢኣ ብምርኣይ ንዕዖም ንምምሳል ትለማመድ ነይራ።

ኣብቲ እዋን ናይ ውሽጣ ድልየት ዝፈለጡ ሰባት ሱማ እናፀውዑ፤ ንክትደርፈሎም እንተላዓዕልዎ ሜሪ ደስ እናበላ ምድራፍ ቀፀለት። ቀስ እናበለት’ውን ፍሉይን ጡዕሙን ላዛ ዘለዎን ንእዝኒ ዝጥዕም ድምፂ ዘለዋ ምዃና’ውን እናተፈለጠ ኸይዱ። በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ግዘ ናብ ግዘ ዘድንቅዋ ኣድመፅታ እናበዘሑ ኸይዶም ‘ዮም።

ዜማ ቤት መስተ (ሜስ)

ሜሪ ውዕልኣን ሓዳራን ክኸውን እትደልዮ ዝትናፍቆን ዝነበረት ኣብ ቤት መስተ ምምላለሳ ዘስተውዓሉ ቤተሰባ፣ ከም ባህልን ወግዕን እቲ ማሕብረሰብ ሰበይቲ ክትፈትል፣ ክትሰፊን ክትምሃርን ብተደጋጋሚ እንተመዓድዋ’ውን ንሳ ግና ክትሰምዖም ኣይኸኣለትን። የግዳስ ኹሉ ትኹረታ ኣብ ደርፍን ሳዕስዒትን ገይራ ‘ያ ቀፂላ።  እናሓደረ ንኻልኦት ቆልዑት ስግኣት ከይትኸውን ስለዝተኣመነሉ። ዘመድ ኣዝማዳ ተኣኪቦም ብምምኻር፤ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሚሲዮናት ኣትያ ክትምሃር ገበርዋ።

ይኹን ‘ምበር ሜሪ ቤት ትምህርቲ ሚሲዮናት ኣትያ ክትመሃር ‘ኳ እንተጀመረት ክትቅፅል ግና ኣይከኣለትን፡፡ ምኽንያቱ ኣብኡ’ውን ምድራፍ ስለ ዝቀፀለትን እዚ ልምዳ ድማ ናይቲ ቤት ትምህርቲ መነኮሳትን መምህራንን ስለ ዘይፈትውዎን ንኻልኦት ሕማቅ መርአያ ተግባር ‘ዩ ኢሎም ስለ ዝኣመንሉ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ክትባረር ተገይሩ ‘ዩ፡፡

ካብኡ ንደሓር ዕፃ ሜሪ ግልፂ ኾይኑ። ብዙሕ ከይፀነሐት ትምህርቲ ዝፀለአ እግራ ኣብ ቤት መስተ ኣብፅሒዋ። ናይ ኣራዳ ሰተይቲ ንሜሪ እናድነቁ ግጥሚ እናሃቡ በቲ ረጒድ ድምፃ እናዜመት ብዙሓት ኣድነቅቲ ኣብዝሐት።

ዳንስን ፋሽንን

ኣብ ኣራዳ ጊዮርጊስ ኣብ ዝነበረ ፃንሒታ ምስ ሓንቲ ፈረንሳዊት ወፃእተኛ ሰበይቲ ተፋሊጣ፡፡ ናይቲ እዋን ዝነበረ ዘመናዊ ኣከዳድናን ብጥራሕ እግሪ ኮይንካ ዝድነስ ዳንስን ተማሂራ። ንናይቲ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዝተፋልጠሉ ግና ብብዙሓት ተቀባልነት ኣይረኸበን ነይሩ፤ብፍላይ እቲ ኣከዳድና ንተመልከትቲ ዘቆጥዐ ‘ዩ ነይሩ።

ፀጉሪ ብካውያ

ኣብዝሓ ምስኣ ንክሰርሓ ዘምፅተን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ሓዱሸን ዝነበረ ዳንስን ፋሽንን ንምልምማድ ፈሪሐን እንተነበራ’ውን ብብዙሕ ፃዕሪ ንክለምዳ ብምግባርን ሰሪሐን ህይወተን ክቅየራ ክኢለን ‘የን። ፍርቀን ናይ ባዕለን ቤት መስተ ኸፊተን፣ ካልኦት ከዓ ቪላ ገዛውቲ ሰሪሐን ናብርአን ንክቅየር ገይራ ‘ያ። ይኹን ‘ምበር ሜሪ ካሊእ ለውጢ ስለ ዝደለየት ካብታ ፈረንሳወይቲ ዓርካ ዝረኸበቶ ሓዱሽ ተሞኪሩ ዘይፈልጥ ሞያ ኣፋሊጣ ‘ያ፡፡ ቅድሚኡ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ፀጉረን ብግቡእ ኣይሕዝኦን ነይረን። ሓደ ሓዲአን ‹‹ኣምበሬ ጭቃ›› ዝተብሃለ ቅብኣት ጣሲመን ብናይ ሓበሻ ሚዶ እናመሸጣ ኣንሶላ ዘባላሽያን ንምርኣዩ ብዙሕ ዘይስሕብን ‘ዩ ነይሩ።

ሜሪ ግና እቲ ዝንበረ ልማድ ከምዘይኮነን ሓዱሽ ስራሕታ ድማ ንምፍላጥ ክራራ ኣልዒላ፣ ነዚ ዝስዕብ ግጥሚ ገይራ ደሪፋ :-

ዘስራሕክዮ ዓራት ረጒድ ዕንፀይቲ ’ዩ፣

ዘንፀፍክዮ ፍርናሽ ውን ሳዕሪ ሱሉልታ ’ዩ፣

እግርኺ ካብ ዝሕፀብ ሸውዓተ ዓመቱ ’ዩ፡፡

ናይ ፀጉርኺ ኣውራ ዓይነይ ከጥፍአኒ ’ዩ፡፡

ብምባል ኣብቲ እዋን ንዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ከተፋልጥ ክኢላ ‘ያ። ብድሕሪኡ ሓንቲ ናይ ካሊእ ፀጉሪ እናረአያ ብዙሓት ዓማዊል ከተፍሪ ክኢላ ‘ያ፡፡ ዘለወን እናኸፈላ ዘይብለን ድማ እናተለቅሓ ፀጉረን ክትኮሳ ጀሚረን ‘የን። ልክዕ ቅድም ኢሉ ሓዱሽ ዓይነት ዳንስን ቀይ መብራህትን ከምዘፋለጠት ስራሕ ምትኳስ ፀጉሪ’ውን ብኢድ ሜሪ ኣርምዴ ክፋለጥ ጀመሩ። ብተወሳኺ ኣፍሮ ፀጉሪ ናይ ዝነበረን ኣመልኪዓ ብምቁራፅ ተፀብቀንን ጎና ጎኒ’ውን ‹‹በርሞሌ ›› ዝብሃል ሽቶ ትሸጥ ነይራ ‘ያ፡፡

ደሞዝተኛ ሜሪ

ኣብቲ እዋን ኣብ ቤት ማዘጋጃ ኣዲስ ኣበባ ንድምፃውያን ንኪነ ጥበባውያን ስልጠና ይወሃብ ኣብ ዝነበረሉ፤ ስልጠና ዝህቡ ካፒቴን ናልባንድያን ናይ ሜሪ ሙያዊ ሓገዝ ደልዮም ፃውዒት ስለዘቅረቡላ ኣብ ቤት ቲያትር ተቆፂራ ናይ ዳንስን ክዳውንትን ዲዛይን በዓልቲ ሞያ ኮይና ሰሪሓ ‘ያ፡፡

ሜሪ ብክራር ኣወቃቅዓን፣ ብተፈጥሮኣዊ ድምፃን ብ ኣዘራኣራቢ ግጥምታታን ፍልጥቲ ‘ያ ነይራ፡፡ ዝኾነ እዋን ምስ ሓደ ዝተፍቅሮ ዝነብረት ብዘይረብሕ ነገር ተዃርዮም ድሕሪ ተፈላልዮም ምትራፎም ከምዚ ክትብል ደሪፋትሉ ነይራ።

ተዝፈልጥ ነይረ ከምዚ ዝፍለየኒ

ኣይምኾረኽዎን ዝበለ እንተበልኒ፣

ኣብ ሰጣሕ ሜዳ ይወቅዐካ ዕንቅፋት፣

ተፈላሊኻ ምትራፍ ብሓደ መዓልቲ ጥፍኣት፡፡

ብምባል ብዘይረብሕ ተባኢሳ ምትራፋ ጣዕስኣ ገሊፃ ‘ያ። ብሓፈሻ ሜሪ ውርይቲ ድምፃዊት ካብ ምዃና ብተወሳኺ ኣብ ሃገራ ቀዲማ ዘመናዊነት ዘፋለጠት፣ ፀጉሪ ምትኳስ፣ ናይ መርዓ ቬሎ ኪራይ፣ ብቀይሕ መብራህቲ ዳንስን ብካልኦትን ሽማ ብደሚቅ እትፅዋዕ ‘ያ።(ኣብዚ ፅሁፍ ዘሎ ግጥሚ ካብ ኣምሓርኛ ዝተተርጎመ ’ዩ)

 ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 19 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም

Recommended For You