ፍቼን ጫምበላላን መለወጢ ዘመን ብሄረሰብ ሲዳማ

ሲዳማ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ብሔር፣ ብሄረሰባት ህዝብታትን ሓደ እንትኾን፤ ቅድም ኢሉ ክፍለ ሃገር ሲዳሞ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረን ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ክልል ሲዳማ ዝርከብ ህዝቢ ‘ዩ። ህዝቢ ሲዳማ ካብ ሲዳማ ወፃኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ዝነብር ህዝቢ ‘ዩ። እዚ ህዝቢ ናይ ባዕሉ መለለይ ቋንቋ፣ ባህሊን ልምድን ዘለዎ ‘ዩ። ሓደ ካብ ባህልታቱ ፍቼ ጫምባላላ ‘ዩ።

ኣብ ብሄረሰብ ሲዳማ ፊቼን ጫምበላላን ዘይፈላለዩ በዓላት ‘ዮም። ፊቼ መዛዘሚ ኣረጊት ዓመት (ድሮ ሓዱሽ ዓመት) እንትኾን፤ ጫምባላላ ድማ መብሰሪ ሓዱሽ ዓመት ‘ዩ። መፅሄት “ፊቼ” ኣብ 2006 ዓ.ም ሕታማ፤ ታሪኻዊ ኣጀማምራ በዓል ፊቼን ጫምባላላን መዓዝ ከምዝኾነ ብትኽክል ዘይፍለጥ እንተኾነ ‘ውን በቲ ብሄረሰብ ሃቤላ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ከባቢ ካብ ዝነበሩ ፊጦራ ዝብሃሉ ሰብኣይ ፊቾ ብዝትብሃል ጓሎም ምኽንያት ከምዝተጀመረ ንቅድመ ፅንዓት ዝተኣከቡ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ፊቾ ዝትብሃል ናይ ኣይተ ፈጦራ ዝኾነት ጓል ንዓቅመ ሄዋን በፂሓ ሰብኣይ ኣእትያ ዝሞቀ ሓዳር፣ ዝተትረፍረፈ ሃፍቲ ምስረኸበት ብመሰረት ባህሊ እቲ ብሄረሰብ በቢዓመቱ ብጠስሚ ዝተሰርሐ ቆጮን ርጉኦን ሒዛ በቲ ባህሊ “ቀባዶ” ተባሂሉ ብዝፍለጥ እዋን ንኣዲኣን ኣቦኣን ትጥይቆም ነይራ። እቲ ዘምፅአቶ ምግቢ ምስ ቤተሰብን ጎራብትን ድሕሪ ምምጋብ ድማ ካብ ኣቡኣ ምርቃትን ኣድናቆትን ይቀርበላ ነይሩ።

ኣብ ባህሊ ሲዳማ ቆልዑት ዝምገቡ ድሕሪ ምምጋብ ዓበይቲ ስለዝኾነ ካብ ዓበይቲ ዝተረፈ ምግቢ ምስ ናይ ጎረቤት ቆልዑት ብሓደ ተኣኪቦም ምስ በልዑ ጫንባላላ እናበሉ ታሕጓሶም ይገልፁ፡፡እዚ ማለት ድማ (ከምዚ ዝበለ ፅጋብ ተመሊሱ ይምፃእ ) እናበሉ ብደርፊ ይገልፁ። ብተመሳሳሊ ናይ ፊቾ ምጥያቅ ወለዲ ብዘላቂነት ክስታወስ ስለዘለዎ ብምግላፅ ፊቾ ነቡኣ ኣይተ ፈጦራ በቢዓመቱ ኣብ ዝትጥይቀሉ ዕለት ዝግበር እኽለማይ ዝፈጥሮ ታሕጓስ መሰረት ብምግባር ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ነዚ ዕለት ናይ ሲዳማ ፊቼ ተባሂሉ ንክኽበር ተቀባልነት ረኺቡ ብመራሕቲ ዓሌት ናይ ዘመን መለወጢ ንክኸውን ከምዝተወሰነ ናይቲ መፅናዕቲ መረዳእታ ይሕብር።

ይኹን ‘ምበር ፍቼ መለወጢ ዘመን ብሄረሰብ ሲዳማን ታሪኽ ኣቆፃፅራ ዘመን ብሓደ ምትሕሓዙ ብኣፈታሪኽ ካብ ዝተረኸበ መረዳእታ ወፃኢ ተወሳኺ ፅንዓት ከምዘድልዮ ተሓቢሩ ‘ዩ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ሒደት ነዊሕ ዘመን ብሊቃውንቲ እቲ ብሄረሰብ መሰረት ዑደት ዓመታት ገይሮም ሜላ ኣቆፃፅራ ናይ ዕለት፣ ወርሒን ዓመትን ብምግባጥ ፊቼ ናይ ዓመት መቀየሪ በዓል ንክኸውን ምውሳኖም ኣብ ፅንዓታዊ ፅሑፍ ተብራህሪሁ ይርከብ። ናይ ፊቼ ትርጉሙ ድማ ድልድል ዓመት መቀየሪ ሓዱሽ ዓመት ናይ በረከት ታሕጓስን ፌስታን ይኹነልና ከም ማለት ‘ዩ። ካብቲ ዋዜማ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ቀፂሉ ዘሎ ድማ ጫምባላላ ወይ ሓዱሽ ዓመት ተባሂሉ ዝፅዋዕ እንትኾን፤ ስለ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ፈጣሪ ንምምስጋንን ስለ ቀፃሊ ዓመት ድማ ፅቡቅ ትምኒት ዝግለፀሉ ናይ ታሕጓስ ዕለት ‘ዩ።

ነዚ በዓል ድምቀት ተባሂሉ “ቡርሻሌ” ዝብሃል ካብ ቆጮን ፀባን ዝስራሕ ናይቲ ከባቢ ፍሉይ ባህላዊ ምግቢ ተዳልዩ ዝመገብሉ ዕለት’ውን ‘ዩ። ናይ ብሄረሰብ ሲዳማ መቐበሊ ዓመት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፤ ቤተሰብ ዝጥያየቁሉን፣ ዝተበኣሱ ሰባት ዝተዓረቅሉን ከም ‘ውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝወራረስ ሃገራዊ ፍልጠት ንተተካኣይ ወለዶ ዝመሓላለፈሉ ዓብይ በዓል ከምዝኾነውን ይግለፅ።

ቅድሚ ምኽባር እቲ በዓል ዝኾነ ዓይነት ስጋ ኣይብላዕን ‘ዩ። ምኽንያቱ ድማ እቲ በዓል ናይ ፍቅሪ መርኣያ ብምዃኑ እንስሳት ኣይንክኡን፣ ኦም ኣይቁረፅን ክብሉ ዓበይቲ ዓዲ ይገልፁ። ዩኒስኮ ካብ ዝመዝግቦም ዘይድህሰሱ ባህላዊ ቅርስታት ዓለም ፍቼን ጫምበላላን መለወጢ ዘመን ብሄረሰብ ሲዳማ ተመዝጊቡ ዝርከብ ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 12 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም

Recommended For You