ጥበብ ብሩባ ኣባይ እንትግለፅ

ብዛዕባ ሩባ ኣባይ ብዙሕ ተባሂሉ ‘ዩ፤ ካብዚ ብላዕሊ’ውን ብዙሕ ክብሃለሉ ዘለዎ ‘ዩ። ምኽንያቱ ሩባ ኣባይ ህይወት ብዙሕት ስለዝኾነ።  ግብፃውያን ‹‹ሩባ ኣባይ ሕይወት ግብፂ ‘ዩ›› ዝብል ዓለም ለኸ ጭርሖ ገይሮሞ ‘ዮም። እዚ ድማ ካብ ንእሽተይ ክሳብ ዓብይ ስለዘጋውሕዎ ‘ዩ። ኣባይ ንኢትዮጵያ ሕይወት ምዃኑ ግና ብዝግባእ ልክዕ ተዘሪብሉ ‘ዩ ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ክንዲቲ ክዝረበሉ ዝግባእ ስለ ዘይተዘረበሉ። ይኹን ‘ምበር ዋላ እዃ ውሕድ እንተኾነ ኣባይ ንኢትዮጵያ ህይወት ምዃኑ ዝሕብሩን ዝምስክሩን ኣይተሰኣኑን፤ ነዚ ካብ ዝምስክሩ ድማ ሓደ ህዝባዊ ስነ ቃላትን ውፅኢት ኪነ ጥበብን ‘ዮም።ምክንያቱ እዞም ውፅኢታት ጥበብ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ’ውን እናተቀባበሉ ዝመፅኡ ‘እዮም። ናይ ህዝቢ ታሪካውን ነባራዊ በዓል ቤትነት ዝገልፁ’ውን ‘ዮም። ከመይ ንዝብል ድማ ሓደ ሓደ ካብ ስነ ቃላት ግጥምታት ንምርኣይ ክንፍትን ኢና።

ኣባይ ንግብፂ ፍልፍል ሓይልን መስኖን እንትኾን ንኢትዮጵያ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ተጀሚሩ ዘሎ ምንቅስቃስ ልምዓት ከምዘሎ ኮይኑ ቅድም ክብል ግና ናይ ብዝሓት መግለፂ ጥበብ ኮይኑ ‘ዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ኣባይ ‹‹ካብ ኢትዮጵያ ግብፅን ዝበለፀ ንመን ትፈልጥ?›› ተባሂሉ እንተዝሕተት ‹‹ንኢትዮጵያ›› ምባሉ ኣይተርፍን ምክንያቱ ዝተወለደሉን ዝዓበየሉን ስለዝኾነ። ምሁራን ከም ዝብልዎ ግና። ብግልባጡ ግብፃውያን ካብ ንእሽተይ ክሳብ ዓብይ ካብ ሓረስታይ ክሳብ ነጋዳይ ወታደር ይፈልጥዎ ‘ዮም ዝብል ‘ዩ። ንክፈልጥዎ ዝገበረ ድማ ብዛዕባ ኣባይ ግዘን ቦታን ከይተፈልየሉ ብዝግበር ሰፊሕ ስብኸት ኣብ ቤት ትምህርትታት፣ ኣብ ሃይማኖት ቦታታት ከም ምግቢ በቢሰዓቱን በቢመዓልቱን ኣብ መራኸቢ ሓፋሻት ብምድግጋም፤ ሕልፍ ኢሉ ድማ ንሃልኪ ፖለቲካ ብበዝሒ ዝጥቀሙሉ ዝለዝኾኑ ኩሎም ግብፃውያንን ካልኦት ንግብፃውያን ዝፈልጡ ኩሎም ይፈልጥዎ ‘ዮም ምባል ይክኣል።

ይኹን ‘ምበር ናይ ብሓቂ ኣባይ ካብ ግብፂ ንላዕሊ ኣብ ኢትዮጵያ ኣይተዘመሮን ድዩ? ትኽክለኛ መልሱ ንተመራመርቲ ሓዲግና ኣንሕና ከም እንፈልጦ ግና ኣባይ ልዕሊ ግብፂ ኣብ ኢትዮጵያ ተዘሪብሉ፣ ተዘሚርሉን ተደረፈሉን ‘ዩ እኳ እንተዘይበልና፤ ካብ ግብፂ ዘይንኣኣስ ግና በስብከት ከይኾነስ ብተፈጥሮ ንሃልኪ ፖለቲካ ብፖለቲከኛታት ከይኮነስ ብህዝቢ ዝተፈጠረ ባህልን ጥበብን ማንነት ክሳብ ዝኸውን ተዘሪብሉ፣ ተዘሚሩሉ፣ ተደሪፍሉ ተገጢምሉን ‘ዩ።

ኣባይ ንኢትዮጵያ ክሳብ መግለፂ መንነትን ዝበፅሐ ምዃኑ ካብ ዝምስክሩ ነገራት ድማ ሃገራዊ ጥበብ ካብ ዝኾኑ ስነ ቃላት ሓደ ‘ዩ። ሰብ ሞያ ፅንዓት ባህሊን ስነ ፅሑፍን ከምዝብልዎ ስነ ቃል ናይ ሓደ ማሕበረ ሰብ መግለፂ መንነትን ‘ዩ። ምክንያቱ ስነ ቃል ብትእዛዝ ሕገ መንግስቲ ወይ ብፅዕንቶ ሓደ ወገን ዝፍጠር ከይኮነስ ማሕበረሰባዊ ስነ ልቦና ዝግለፀሉ ስለዝኾነ ‘ዩ። ህዝቢ ሓዘኑ፣ ሓጎሱን ቅሬታኡን ዝገልፀሉ’ውን ‘ዩ። እዞም መግለፂ ስምዒት ዝኾኑ ሃፍቲ ስነ ድማ ዝፍጠሩ ካብ ዝርኣዩ ነባራዊ ኩነታት ነው።

ኣባይ ናይ ኢትዮጵያውያን መንነትን ተዘይኸውን ነይሩ ስነ ቃላት ብኸምዚ ዓይነት ብኣባይ ጉዳይ ኣየዕለቅልቁን ነይሮም። ኣብ ተረትን ምሳሌታት ውሽጢ ኣባይ ኣሎ፤ ኣብ ባህላዊ ደርፍታት፣ ኣብ ስም ኣወፃፅኣን ኣብ ካልኦት ብዙሕ ነገራታትና ኣባይ ኣሎ። ካብ ተረትን ምሳሌታትን ውሽጢ፤ ኣባይ መሕደሪ ዘይብሉ ጉንዲ ሒዙ ይዘውር፣ ኣባይ እንትመልእ ተሳገር ብኻሊእ፣ ኣባይን ስንቅን እናሓደረ ይቀልል፣ ወዲ ኣባይ ማይ ፀሚእዎ፣ … ዝኣምሰሉ እንትኾኑ ኢዚኦም ዝተፈላለየ መልእኽትታት ንምግላፅ ካብ ዝጥቀመሎም ተረታት ‘ዮም። ናብ ቃል ግጥምታት እንትንኸይድ። ብፍላይ ኣብ ባህላዊ ደርፍታት ኣምሓርኛ ውሽጢ ካብ ዝደጋገሙ ነዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ኣለው።

ቀደም ከም ሎሚ ብዙሕ መሳገሪ ድልድል ኣብዘይ ነብረሉ እዋን ኣባይ ምስጋር ዝከኣል ኣብ እዋን ሓጋይ መጠን ማዩ ኣብ ዝቅንሰሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እንትኾን፤ ብፍላይ ኣብ ክልቲኡ ጫፍ ዝነብሩ ፍቅረኛታት ኣብ ዝደለይዎን ኣብ ዝመረፅዎን እዋን ንክራኸቡ ስለ ዘይኽእሉን ድሕሪ ነዊሕ ኣዋርሕ ይራኸቡ ስለዝነበሩ ናፍቆትን ፍቅርን እንትብርትዖም ብፍላይ ሕቡእ ፍቅሪ ዘለዎም ብግልፂ ከይዛረቡ ስለዘይደፍሩ ብኻሊእ ኣምሲሉ ‘ዩ ንፍቅርኛኡ ዝገልፃ ንኣብነት ኣብዚ ንፍቅረኛኡ ማሽላ ኢሉ ዝገለፃ ንርኣይ

ኣብ ኣባይ ማዕዶ ዘሪአ መሽላ

ኣዕዋፍ ወሪረንኦ መሳገሪ ስኢነላ

ኣብዚ ‹‹ኣዕዋፍ‹‹ ተባሂለን ዝተገለፃ ናይ ሓቂ ኣዕዋፍ ዘይኮናስ ንፍቅረኛኡ ዝደልዩ ካልኦት ንዕኡ ዝፎኻኽርዎ ኣወዳት ንምግላፅ እንትኸውን፤ ክብሎ ዘደልየ ድማ ኣብ ኣባይ ማዕዶ ጓል ኣፍቂረ ብሰንኪ ምምላእ ሩባ ኣባይ ግን ክረኽባ ኣይኸኣልኩን ብምባል ንኣእምሩኡ ዕረፍቲ ዝኸልኦ ሓሳብ ዝገለፅ ዘሎ። ካሊእ ክረምቲ ሩባ ኣባይ መሊኡ ምስ ፍቅረኛኡ ምርኻብ ዝተቆራረፀ ፍቅረኛ ንክራኸብ ዝኽእል ኣብ እዋን ሓጋይ ምዃኑ ዓቅሉ ዝፀበቦ ፍቅረኛ ሓሳቡ ከምዚ ክብል ይገልፅ።

ኣባይ ጉደል ተብልክዎ ኢሉኒ ታሕሳስ

ኸብዲ መን ይኽእል ክሳብ ሽዑ ዝዕገስ

ታሕሳስ ኣብ ወቅቲ ሓጋይ ካብ ዝርከብ ናይ መጀመርያ ወርሒ ‘ዩ። ክሳብ ናይዚ ሓጋይ ወቅቲ ክሕልው ዘይኸኣለ ኣፍቃሪ፣ ዘለዎ ኣማራፂ ሓንቢስካ ምስጋር ‘ዩ። እዚ ዝኸውን ድማ ምሕንባስ ዝኽእል እንተኾይኑ ‘ዩ። ምሕንባስ ዝኽእል ድማ ከምዚ ክብል ይደርፍ።

እስኪ ክሳገር ሓምቢሰ ኣባይ

ጓል ኣፍቂርካ ድቃስ ካበይ!

ካብ ናይ ህዝቢ ግጥምን ተረትን ብተወሳኺ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ኣባይ ኣባይ ክትብል ኣብዝሓ እንፈልጣ እጅጋየሁ ሽባባው ሓዊሱ ብዙሓት ናይ ኪነ ጥበብ ሰባት ብደርፍፊ’ውን ገሊፆሞ ‘ዮም። ብሓፈሻ ካብዚ እንርድኦ ኣባይ ሂወት ዝኾነ ንግብፂ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ’ውን ህይወት ከምዝነበረ እዩ። ድሕሪ ሐዚ ግና ኣባይ ናይ ጥበብ መግለፂ ጥራሕ ዘይኮነስ ፍልፍል ሓይሊን መንፈስ ይከኣልን’ውን’ዩ።

 ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 28 መጋቢት 2015 ዓ.ም

Recommended For You