መንፈሳዊ መሳርሒ ዜማ ጥበብ በገና

 “በገና” በግዕዝ ኣፀዋውዑ ‹‹እንዚራ›› ዝብሃል እንትኾን፤ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ከምዝብልዎ ‹‹በገና ›› ማለት ‹‹ በገነ ›› ካብ ዝብል ኣምሓርኛ ቃል ከም ዝተወሰደ ዝገልፁ ኣለው። ብኻሊእ ወገን ድማ ‹‹ወግሥ ወ መዝገበ ቃላት ሐዲስ ›› ኣብ ዝብል ናይ ሃለቃ ኪዳነወልድ ክፍሌ ኣብ መፅሐፈ ሰዋሰው ‹‹በገና›› ከምዘሎ እንትትርጎም መዝሙር ከም ማለት ‘ዩ ።

በገና ብዝተገተሩ ክርታት ዝስራሕ ኮይኑ፤ ንውሕ ዝበለ ቁመት ዘለዎ፣ ኣብ ታሕቱ ስፍሕ ዝበለን ኣብ ላዕላዋይ ርእሱ ‹‹ቀንበር›› ወይ ‹‹ጋድም›› ይብሃል። ኣብዚ ክፍሊ ኣካሉ ኣብ ዝመልኽዓ ገይፁ መቃነይ ኣለውዎ። ብየማንን ፀጋምን ምስቲ ታሕታዋይ ሰፊሕ ክርታት ዝተወጠሩሉ ሳንዱቁ ዝተተሓሓዘ ዓምድታት ኣለውዎ።

በገና ዓሰርትር ክርታት ዝሓዘ ኮይኑ፤ ብርኩማ ፣ እንዚራ፣ መወጠሪን መውቅዕን/ ድህንፃ / ዝተብሃሉ ክፍልታት ነቲ በገና ሙሉእ ንምግባር ዝሕግዙ ኣካላት ‘ዮም።

ሕድ ሕድ ኣካላቱን ኣሰራርሑን ብዝምልከት ድማ ሃይማኖታዊ ተምሳሌታት ዝገበረ ትርጉም ከምዘለዎ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ይሕብሩ።

ምጅማር በገና ኣብ ኢትዮጵያ መዓዝን ከመይን ከምዝጀመረ ብኣግባቡ ዝሕብር ሓበረታ ዋላ’ኳ እንተዘይተረኽበ፤ ምስ ምምፃእ ታሪኽ ቀዳማይ ሚኒሊክ ናብ ኢትዮጵያ ሓቢሩ መፂኡ ክኸውን ከምዝኽእልን ከምዝትሓሓዝን ‘ዩ ዝግመት።

ካብ ኣኽሱም ዝቦቀለ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ብሓሙሽተ ምህዞ ዜማታቱ ማለት ውን ድጓ፣ ፆመድጓ ፣ ዝማሬ፣ መዋዕሰት፣ ምዕራፍ ብዝተብሃሉ ዜማታቱ ኣብ ዓለም ናይ ዜማ ታሪኽ ቀዳማይ ብፅሒት ንክህልዎ ዝኾነ።ካብ ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ እናተመሓላለፈ ዝመፅአ መገልገሊ ዜማ ካብ ዝነበሩ መሳርሕታት ሓደ በገና ከምዝንበረን ቅዱስ ያሬድ ሓዊሱ ካልኦት ይጥቀሙሉ ከምዝነበሩ ሊቃውንቲ ይሕብሩ።

በገና ከም ካልኦት ናይ ዜማ መሳሪሒታት ጊዜን ቦታን ተወሲኑሉ ብግቡእ ዘይተትሓዘ ስለዝነበረ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ‹‹ምሟት›› ዘሎ መሳርሒ ‘ዩ ዝብል ሽም ተዋሂብዎ ነይሩ። ይኹን ‘ምበር ኣብ ሃገርና ጥራሕ ተዓቂቡ ዝርከብ ናይ ዓለምና ቅርሲ ንክኸውን ክኢሉ ‘ዩ።

በገና ጥንታዊ ድሕረ ባይታኡ እንትምርመር ታሪኹ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ኦሪት ዘፍጥረት ጀሚሩ እናተልዓለ ከምዝፀነሓ ክረጋገፅ ተኻኢሉ ‘ዩ። በገና ንፈውሲ፣ ንድሕንነት፣ ንማሕበራዊን መንፈሳዊ ግልጋሎታት እናወዓለ ፀኒሑ ‘ዩ። እዚ መሳርሒ ዜማ ምስ ደቂ ሰባት ንነዊሕ ዓመታት ዝዘለቀ እንትኾን ሰባት ኣብ ሓጎሶምን ሓዘኖምን ዝገልፅሉ ዘመን ተሳጋሪ መሳርሒ ‘ዩ።

ኣብ ኦሪት ዘመን በገና ምስ እንቢልታ ተዋሂዱ ናይ ቃልኪዳን ታቦት ይዕጅብ ከምዝነበረ ይሕበር። እስራኤላውያን’ውን ፀላእቶም ከሸንፉ ከለው ኣብ እዋኖም ንምስጋና ይጥቀሙሉ ነይሮም ‘ዮም።

ብዛዕባ በገና እንታይነት ቅርበት ዘለዎም ሰባት ከምዝብልዎ ድማ በገና እንትውቃዕ መንፈስ ይስሕብ፣ ክፉእ ስምዒት የባርር፤ ዘዕገርግር ሓይሊ የረጋግዕ። እዚ ሓቃዊ ናይ በገና ባህሪያት ዋና መገለፂ ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ብፅቡቅ ፅዕንቶ ፈጣሪነቱ ንክቅፅል ኣኽኢልዎ ‘ዩ ይብሉ።

ኣብ ትካል ሲሳይ በገናን መሳርሕታት ዜማን ስራሕ መካየዲ ዝኾኑ መምህር ሲሳይ ደምሴ ገብረፃዲቅ ኣብ ሓደ እዋን ንሓደ ሬዲዮ ጣቢያ ብዛዕባ ሓያልነት በገና ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ ከምዚ እሎም ነይሮም። ‹‹ ናይ በገና ሓፍቲ እንጨቲ ፀሪብካ፣ ቆርበት ሸፊንካ፣ ክሪ ወጢርካ ምውቃዕ ዘይኮነስ ነቲ በገና እናተፅወቱ ድውይ ምፍዋስ ‘ዩ›› ኢሎም ነይሮም።

በገና ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕን ሸሞንተ ሚኢትን ዓመት ዕድመ ከምዘቍፀረ ዝዝረበሉ ኮይኑ። ኣብዞም ዘመናት ኢዚኦም ኩሉ ፈጣሪ ንምምስጋን ዘገልግል ዝነበረን ይውዕል ነይሩ። ኣብ ኢድ ቤተክህነትን ስልጣን ዘለዎም ናይ ቤተመንግስቲ ስባትን ተኸቢሩ ዝቅመጠሉ ሚስጢር ሓቢሩ ዝፀንሓ ክብርን ልዕልናን ንምዃን መረዳእታት ይሕብሩ።

ካብዚኦም እቴጌ ምንትዋብን ሓዊሱ ሃፀይ ቴዎድሮስ፣ ሃፀይ ዮሃንስ፣ ሃፀይ ሚኒሊክን እቴጌ ጣይቱን ከም ‘ውን ናይ ሃፀይ ሃይለሰላሴ ኣቦ ዝንበሩ ራስ መኮንን ፍሉጥ በገና ወቃዒ ከምዝነበሩ ይንገር። ብፍላይ ሃፀይ ቴዎድሮስ ናይ ዓለም ከንቱነት ክስምዖም ከሎን እቴጌ ተዋበች ከኣታውሱ ከለውን ብሓዘን እናቆዘሙ መዕረፊኦም በገና ከምዝነበረ ይዘረበሎም።

ግጥምታት በገና ካብ ካልኦት ዝተፈለዩ ‘ዮም። ኣብ ካልኦት ናይ ሙዚቃ መሳርሕታት ዝተለመዱ ዓይነት ዜማ ስለዘይብሎም።ንበገና ዝኾኑ ግጥምታት ተሓሲብዎም ዝፅሓፉን ኣብ ኣእምሮ ብዝተፈለየ ፅዕንቶ ዘሕድሩ ‘ዮም።

ኣብዝሓ እዋን በገና ንፆም፣ ንስሃን ፀሎት ኣብ ዝግበረሉ እዋን ዝውቃዕ ሓያል መሳርሒ ‘ዩ። ታቦታት ንምዕጃብ’ውን ዘገልግልን ብፍላይ ናይ ህዝቢ ክርስቲያን ዓብይ ፆም ኣትዩ ፋሲካ ክሳብ ዝኸውን በገና ወቃዕቲ/ደርደርቲ ጎሊሆም ዝርኣይሉ እዋን ‘ዩ።

ብዙሕት ከምዝስማዕምዑሉ ድምፂ በገና ዝተፈለየን ውሽጣዊ ስምዒት ዝቅይር ‘ዩ። መንፈስ ዘሐድስን ብዙሓት ንፆምን ፀሎትን ዝጠቀምሉን ምስ ፈጣሪኦም ብዝተፈለየ ዝራኸብሉ ሓያል መሳርሒ ዜማ ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 21 መጋቢት 2015 ዓ.ም

Recommended For You