ማሕበራዊ ኣነባብራን ባህሊ ምትሕግጋዝን ብሄረሰብ ሲዳማ

ኢትዮጵያ ወናኒት ናይ ብዙሕ ቋንቋን ብሄረሰባትን ልዕሊ ምዃና ኣብ ውሽጣ ንዘመናት ብጠንካራ ማሕበራዊ ርክባት ዝተኣሳሰረ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ‘ያ። እዚ ልምዲ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ማህበራዊ ኣነባብራን ንዘመናት ባህሉን ልምዱን ሓልዩ ንክፀንሕ ካብ ዘለዎ ጥቅሚ ብተወሳኺ ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ዓብይ ግደ እናተፃወተ መፂኡ ‘ዩ። ማሕበራዊ ክብርታቶም ሓልዮም ኣፅኒሖም ሐዚ ድማ ማሕበራዊ ኣውዳድብኦም ናብ ወለዶ ካብ ዘሰጋገሩ ህዝብታት ኢትዮጵያ ህዝቢ ሲዳማ ሓደ ‘ዩ። ናይ ሎሚ ባህልን ጥበብን ዓምድና ድማ ናይዚ ማሕበረሰብ ማሕበረሰባዊ ኣወዳድብኡ ተጠቂሙ ብሕብረት ዝሰርሖም ባህላዊ ስርዓት ኣሰራርሓ ገዛ ክንርኢ ኢና። ብሄረሰብ ሲዳማ ከም ካልኦት ሕበረተሰብ ጠንካራ ማሕበረሰባዊ ምትእስሳር ዘለዎም’ዮም።

ብጣዕሚ ቀሊል ካብ ዝብሃል ስራሕ ወፃኢ ዝኾነ ይኹን ስራሕ ብሓባር ‘ዮም ዝሰርሑ። ቅልል ዝበለ ስራሕ እንተኾነውን “ዴ” እናበሉ ብዝፅውዕዎ ስርዓት ብወፈራ ‘ዮም ዝሰርሑ። ኣይተ ከቤታና ሆጤሶ ዝተብሃሉ ፀሓፊ ኣብ “የሲዳማ ህዝብና ባህሉ” ዝብል መፅሓፎም ከምዝገለፅዎ፤ “ዴ” ማለት ኣብ ሞንጎ ኣዝማድ፣ ኣዕርኽቲን ብቀረባ ዝፋለጡ ሰባት ብወፈራ ፤ ብምፍቅቃድን ብፍቅርን ዝስራሕ ስራሕ ‘ዩ። ንኣብነት ብ”ዴ” ካብ ዝስርሑ ዓይነት ስራሕቲ ምፍሓር፣ ፃህያይ፣ ዘርኢ ምዝራእን ዓፀዳን ዝኣምሰሉ ‘ዮም። ካብዚ ልዕል ዝብሉ ስራሕቲ ግና ብ “ሴራ”(ብሕጊ) ዝምስረት እንትኾን “ጭናንቶ” እናተብሃለ ዝፅዋዕ ብቁሸትን “ኦላ” ብዝተብሃለ ቀጠናን ዝውደቡ ውዳበታት ‘ዮም። ጭናንኝ በሲዳማኛ “ሴራ” ማለት ሕጊ ማለት ከምዝኾነ ዝሕብሩ እቶም ፀሓፊ፤ “ጭናንኝ “ ብመጠን ካብ “ኦላ”ዝነኣሰ ማሕበራዊ ኣወዳድባ እንትኾን፤ “ኦላ” ድማ ብስፍሓቱን ብቁፅሩን ዕብይ ዝበለ ብማእኸላይ ናይ ቀጣና ዝኣክል ቁፅሪ ህዝቢ ዝሓቁፍ ማሕበራዊ ኣወዳድባ ዘለዎ ምዃኑ የብርሁ።

ክልቲኦም ኣወዳድባታት ሓደ ዝገብሮም ግና ብናይ ሕብረተ ሰብ ሕጊ ዝግዝኡ ምዃኖምን ንዓቅመ ኣዳም ዝበፅሓ ወዲ ተባዕታይ ኩሉ ኣብዞም ኣወዳድባ ናይ ግድን ክካፈሉ ከምዘለዎም ይገልፁ። ናይ ጭናንቶ ስራሕ ገዛውቲ ምስራሕ ከምዝኾነን ዝኾነ ይኹን ኣብዚ ትካል ውሽጢ ዝርከብ ኣባል ገዝኡ እንተፈሪስዎ በዚ ትካል ንከስርሕ ሙሉእ መሰል ኣለዎ፤ ነዚ ትካል ዘተሓባብሩ ወይ ዝመርሑ ድማ ክልተ መራሕቲ ይህልውዎ። እዞም መራሕቲ ብሲዳምኛ “ሙርቻ” ዝብሃሉ ከምዝኾኑን እዚኦም መራሕቲ ኩሉ ኣባል ኣብ ዝተረኸበሉ ዋናን ሓጋዝን ብምዃን ብኢድ ብልጫ ዝምረፁሉ ስርዓት ከምዘሎ ይሕብሩ። ከም ኣገላልፃ እቶም ፀሓፊ፤ ገዛ ክሰርሕ ዝደሊ ኣባል እቲ ትካል ን”ሙርቻ”ታት ይዛረብ እሞ፤ ንሳቶም ድማ ንመላእ እቶም ኣባላት የፍልጡ። እቲ ህዝቢ ድማ ውፃእ ኣብ ዝተብሃሎ መዓልቲ ወፂኡ ነቲ ገዛ ሰሪሑ የርክብ። ንስራሕ ኣብ ዝእዘዝሉ እዋን ዝተወሰነ ንገዛ መስርሒ ዝውዕሉ ሒዞም ይመፅኡ።

 እቶም ገዛ ንክስርሓሎም ዝሓተቱ ኣባላት ከምዝሓተትዎ ብቅደም ሰዓብ ይስርሓሎም። እቲ ገዛ እንትስራሕ ብትኽክል ምስርሑ እቲ ሙርቻ ይከታተል። ብኣግባቡ እንተዘይተሰሪሑ ድማ ከምብሓዱሽ ፈሪሱ ንክስራሕ ይገብር። ኣብዚ ስራሕ ዘይእዘዝ ኣባል እንተሃልዩ በቲ ሕጊ መሰረት ይቅፃዕ። እቲ ቅፅዓት ዝወሰን ብቶም ሙርቻን ሽማግለን እንትኾን፤ እቲ ዝተውሃቦ ቅፅዓት እንተዘይፈፂሙ ኣብ ቅድሚ መላእ ኣባላት ቅፅዓቱ ንክፍፅም ይንገር፣ኣይፍፅምን እንተይሉ ድማ ካብቲ ትካል ይእገድ። ዝተኣገደ ሰብ ድማ ካብቲ ማሕበረሰብ ይግለል። ሰብ ናብ ገዝኡ ኣይኸድን ተሓዊሱ ቡና ኣይሰትን ዝኾነ ነገር ካብ ሰብ ለሚኑ ኣይውሃብን ካብ ሓዊ ጀሚሩ። ካሊእ ይትረፍ እቲ ዝተኣዘዞ ቅፅዓት ከይከፈለ እዚ ትካል (ጭናንቶ ወይ ኦላ) በዲሉኒ ‘ዩ ኢሉ ናብ ካሊእ ትካል ኸይዱ ንክኣትው’ውን ከምዘይፍቀደሉ እቶም ፀሓፊ ይገልፁ። ነቲ ትካል ሕዲጉ ክወፅእ እንተደልዩ መጀመርያ ቅፅዓቱ ክፍፅም ኣለዎ ይብሉ። ከም ገልፃ ኣይተ ከቤታና፤ ብመሰረት ባህሊ ሲዳማ ሽማግለታት ዓብይ ክብርን ተሰሚዕነት ስለዘለዎም “ንሙርቻ”ታት ከይተረፈ ናይ ስራሕ መምርሕን ምኽርን ይህቡ ‘ዩም። ኣብዚ ሽማግለታት “ጭሜሳ” ወይ “ልዋ” ዝብሃሉ ብዕድመ ዓበይቲ ዝኾኑ ሳባት ‘ዮም። በቲ ትካል ዝስራሕ ሓደ ገዛ ተሰሪሑ ንክውዳእ ካብ ክልተ ሰሙን ክሳብ ክልተ ወርሒ ይወስድ። ኣብዚ ናይ ስራሕ እዋን እዚ ነቶም ሰራሕተኛታት ምግብን ቡናን ዝኽእሎም እቲ ገዛ ዘስርሕ ሰብ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ኣዕርኹቱን ኣዝማዱን’ውን ይሕግዝዎ ‘ዮም። ብፍላይ ናይ በዓልቲ ገዝኡ ኣዕርኽቲ በዚ ዕለት ኣነ ምግቢ ከዳሊ ‘የ ኣይትስርሒ እናበላ ይሕግዝኣ ‘የን። በዚ መንገዲ ዝቀርብ ምግቢ ድማ “ካኣጡ” ይብሃል። ከምዚ ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ገዛ ክሰርሓ ከለዋ ውዕለተአን ይምለሰለን ‘ዩ።

እቲ ገዛ ተሰሪሑ ምስተወደአ ድማ ከፍቲ ተሓሪዱ ይድገስ። ናይቲ ከባቢ ዋና ምግቢ ዝኾነ “ዋሳ” (ቆጮ) ንምድላው ብዙሕ ስራሕ ዝሓትት ብምዃኑ እቲ ምድላው ቅድም ኢለን ‘የን ዝጅምርኦ። ስለዝኾነ’ውን እቶም ኣወዳት ገዛ ምስራሕ ክጅምሩ ከለው እተን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንድግስ ዝኸውን ምግቢ ምድላው ይጅምራ። ገዛ ኣብ ዝስርሓሉ እዋን እተን ደቂ ኣንስትዮ “ሓኖ” ዝብሃል ደርፊ እንትደርፋ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ድማ “ዌዶ” ዝብሃል ፀወታ ይፃወቱ። እቲ ገዛ ተሰሪሑ ምስተወደአ ኣብ ዝግበር ድግስ ድማ መናእሰይ ተኣኪቦም ‘ፋኖ” ዝብሃል ደርፊ እናደረፉ ሙሉእ ለይቲ እናተፃወቱ ይሓድሩ። እዚ ድሕሪ ምዝዛም ገዛ ዝግበር ድግስ “ኢማኔ” እናተብሃለ ዝፅዋዕ እንትኾን፤ ናይቲ ገዛ ስራሕ መሰረት ንምጅማር ኾነ “ኢማኒ” (ናይ ገዛ ምርቃት) ድግስ ንምግባር ናብ ኾኾብ ዝቆፅሩ ፈለጥቲ ተኸይዱ ፅቡቅ እዋን ይምረፅ፤ “ኣያንቶ” ብዝተዛረብዎ ዕለት ድማ እቲ ተግባር ዝፍፀም ይኸውን።

እዚ ልዑል ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ጥቅሚ ዘለዎ ክብርታት ኣብዚ ሓዚ እዋን ብዝተውሰነ ብርኪ እናተሸርሸረ ምምፅኡ ናይቲ ኣከባቢ ይሕብሩ። ብፍላይ ባህላዊ ገዛ ኣሰራርሓ ናብ ዘመናዊ ገዛ ከም (ቆርቆሮ) ገዛ እናተተክአ ብምምፅኡ ኩሎም ነናይባዓሎም ይስርሑ ኣለው። እዚ ድማ ባህላዊ ኣሰራርሓ ንክርሳዕ ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ዓቅሚ ዝፈታተንን ወፃኢ ዝውስኽ ምዃኑ ይሕብሩ። ካብ ኩሉ ብላዕሊ ድማ ናይ ምትሕግጋዝን ተሓሳሲብካ ናይ ምንባር ባህልን እናተሸርሸረ ብምዃኑ ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ፅቡቅ እሴት መሊሱ ንክዕንብብ ናይ ብፅሒቶም ግደ ክረባበረቡ ይግባእ ይብሉ።

14 መጋቢት 2015 ዓ.ም  ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You