‹‹ፍቅር እስከ መቃብር›› ናብ ድራማ

ብዛዕባ መፅሃፍ ልቦወለድ ‹‹ፍቅር እስከ መቃብር ›› ዝዝረበሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ ‘ዩ ፤ ሓደ ምንባብ ዘይፈቱ ሰብ ‹‹ፍቅር እሰከ መቃብር›› እንታይ ‘ዩ ተባሂሉ እንተተጠይቑ ‹‹መፅሓፍ ሃዲሰ ኣለማየሁ ›› ኢሉ ምምላሱ ዘይቐሪ ‘ዩ፡፡ ፍቅር እስከ መቃብር ምንባብ ዘይኽእሉ ‘ውን እንተናኣሰ ብሽም ይፈልጥዎ ‘ዮም፡፡ ምክንያቱ ዝስመዐሉ ኣጋጣሚ ሰፊሕ ብምዃኑ፡፡ ፍቅር እስከ ማቃብር ካብ ፀወታ ሰፍር ክሳብ ክሳብ ዓበይቲ መድረኻት ብዙሕ ተባሂልሉ ‘ዩ፡፡ ብሃገር ለኸ ተደማፅነት ዘለዎ ብሄራዊ ሬድዮ ኢትዮጵያ ኣብ 1990ታት ንብዙሕ እዋን ተተረኹ ‘ዩ፡፡ ኣብ ፍቅር እስከ መቃብር ዘለዉ ገፀ ባህርያት ብህይወት ዘለዉ ክሳብ ዝመስል ኣብ ውሽጥና ኣትዮም ‘ዮም፡፡

 ናብ ምንባብን ምፅሓፍን ልምዲ ናብ ዘለዎም ሰባት እንትንመፅእ ድማ ፍቅር እስከ ማቃብር ብዙሓት ዘተ ፣ ብዙሓት ፅንዓታዊ ፅሑፍ ተገይርሉ ‘ዩ። ቅድመ ምርቓን ድሕረ ምረቓን ምርምራት ተሰሪሕሉ ‘ዩ።ኣብ ብዙሕ ጋዜጣን መፅሄትን ዳህሰሳ ተኻይድሉ ‘ዩ። ጣብያታት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ብባዓል ሞያታት ስነ ፅሑፍ ብዙሕ ተባሂልሉ ‘ዩ፡፡ ብዙሕ ናይ መድረኽ ዘተ ተኻይድሉ ‘ዩ፡፡ ፍቅር እስከ መቃብር ሽሙ ዝለዓል ኣብ ናይ ባዕሉ መድረኸ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ስነፅሑፍ፣ ኣብ ናይ መፅሓፍ ዘተ ይላዓል ‘ዩ፡፡ ኣብ መምሀሪ መፅሓፍ ውሽጢ ይጥቀስ ‘ዩ፡፡ ተምሃሮ ካብ ቀዳማይ ብርኪ ጀሚሩ እንተነኣሰ ብሽም ይፈልጥዎ ‘ዮም። ፍቅር እስከ መቃብር መፅሓፍ ብፍቕሪ፣ ማሕበራዊ ናብራ ኾነ ፖለቲካዊ ስርዓት እናፈለየ ከዛቲ ዝኽእል ‘ዩ መፅሓፍ፡፡

ብቕርፂ ስነ ፅሑፍ ድማ ናይ ባዕሉ ዝኻኣለ መድረኽ ክኾን ይኽእል ‘ዩ፡፡ ኸዚ ድማ እዚ ዘመን ብዝፈቕዶ ብድራማ መልክዕ ክረአ ‘ዩ፡፡ እዚ ዝስራሕ ድማ ብቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ‘ዩ። እዚ ንምስራሕ ድማ ብባዓል ሞያታት ዘተ እናተኻየደ ‘ዩ። እቲ መፅሓፍ ኹሉ ዝሓቖፈ ‘ዩ፡፡ ካብቲ መፅሓፍ ከም ሃይማኖትን ፖለቲካን ጭብጢ እንተሓቲትና ዝተፈላለየ ኣረዳድኣ ክረክብ ንኽእል ኢና ፣ ምናልባት ‘ውን እቲ መንእሰይ ስለ በዛብህን ሰብለወንጌልን ፅንዓት ፍቕሪ ክወስድ ይኽእል ፣ ብዛዕባ ሃይማኖት ኣቦታት ብዛዕባ እምነት ንክረክብ ንኽእል ኢና ፤ ፖለቲከኛ ‘ውን ኣብቲ ሰዓት ዝነበረ ኣገዛዝኣ ክነግረና ይኽእል ‘ዩ፡፡ እቲ መፅሓፍ ካብዚ ንላዕሊ ብዙሕ ከዛትይ ዝኽእል ‘ዩ፡፡

ኸዚ ድማ ብቴሌቪዥን ድራማ ክመፅ ‘ዩ፡፡ ተወሳኺ ሓሳባትን ክሸራሸሩ ‘ዮም ማለት ‘ዩ፡፡ ዘመን ተሸጋሪ ስራሕ ምስራሕ ዘለኣለማዊ ከምዝኸውን እዚ መፅሓፍ ምስክር ‘ዩ፡፡ ባዓል ሞያን ስነፅሑፍን መምህርን መሰረት ኣበጀ ከምዝብልዎ ፣ ኣብቲ እዋን ብስነ ፅሑፍ መዚኖም ሽልማት ዝህቡ በዓል ሞያታት ነይሮም ‘ዮም፡፡ እቶም ንጉሳውያን ‘ውን ኣይቃዎሙን፡፡ ኣንበብዎ ኣየንበብዎ ናይቲ መፅሓፍ ታሪኽ ይፈልጥዎ ‘ዮም ፤ እቶም መራሕቲ ብፖለቲካ ፣ ኢኮኖሚ ብዝኾነ መገድ ዘረድኡ ኣካላት ኣለዉዎም።

 ፍቅር እስከ መቃብር ናይቲ ግዜ ዝነበረ ዘውዳዊ ኣገዛዝኣ ዝገለፀ ‘ዩ ነይሩ፡፡ ስነ ፅሑፍ ክፃሓፍ ዘለዎ ክኾን ስለዝግበኦ ቅንዕናን ሰናይ ተግባርን ነገርን ‘ዩ፡፡ ብዛዕባ ምክብባር ከርኢ ይግባእ ፡፡ ሕማቕ ነገር ጥራሕ ምርኣይ ካብ ሓቃዊ ዓለም ካብ ዝረአ ዝተፈለየ ኣይኾንን ኢሎም፡፡ መፅሓፍ ፍቅር እስከ መቃብር ናብ ድራማ ተቐይሩ ንምርኣይ ናይ ኹሉ ድልየት ኾይኑ ኣሎ፡፡ እቶም ብመፅሓፍ እንፈልጦም ገፀ ባህርያት ብዝንቀሳቐስ ምስሊ ምርኣይ ባህጊ ኹሉ ‘ዩ፡፡ ነዚ ድማ ብቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ብድራማ መልክዕ ዝቐርበሉ እዋን ትፅቢት እናተገበረሉ ይርከብ፡፡

7 መጋቢት 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You