ቑፅሪ ፀሓፍቲ ደቂ ኣንስትዮ ንምንታይ ዊሒዱ?

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጀሚሩ መፅሓፍ ዝፅሕፉ ሰባት እናበዝሑ ይመፅኡ ኣለው። ቅድም ኣብ ዝበሉ ዓመታት መፅሓፍ ምፅሓፍ ዝኽእሉ ምሁራት ዝኾኑ ፍሉጣት ሰባት ጥራሕ ይመስል ነይሩ። ምፅሓፍ ንዕኦም ጥራሕ ዝተዓደለ ውህብቶ ተገይሩ ይቁፀር’ውን ነይሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ንመፅሓፍ ብዘለና ኣመለኻኽታ ‘ዩ። ከምዝፍለጥ መፅሓፍ ኣብ ውሽጡ ብዝሓዞ ፊደላት ዝተፅሓፈ ሓሳብ ‘ዩ። እዚ ሓሳብ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታን እንዛረቦ፣ እንሰምዖን እንሪኦን ማለት ‘ዩ። ዝኾነ ፍልይ ዝበለ ዝስሕብ ነገር ክንርኢ ከለና ንቤተሰብና ወይ ንኣዕርዕሩኽትና ንዛረብ ኢና፤ ፀሓፍቲ ድማ ብፍሉት ተውህቦን ፈጠራን ሓዋዊሶም መፅሓፍ ይገብርዎ ማለት ‘ዩ።

 ነዚ ነገር ብምርዳእ ይመስል ካብ ዝሓለፉ ቀረና እዋን ናብዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ውሽጢ ዘለው ሰባት መፅሓፍ ክፅሕፉ እንርኢ ዘለና። በቢከባቢኡ ካብ እንሪኦም መፃሕፍቲ ብተወሳኺ ብቀረባ እንፈልጦም ሰባት መፅሓፍ ክፅሕፉ ንርኢ ኣለና። እዚ ኹሉ እንተኾነ’ውን ቁፅሪ ፀሓፍቲ ደቂ ኣንስትዮ ሐዚ ‘ውን ውሕድ ‘ዩ። ብዙይ ምኽንያት’ውን ናይ ሎሚ ናይ ጥበብ ዓምድና ንምንታይ ቁፅሪ ፀሓፍቲ ደቂ ኣንስትዮ ውሑድ ኮይኑ ዝብል ንምርኣይ ክንፍትን ኢና። ሕይወትን መነባብሮን ፀሓፍቲ ንመብዛሕትና ከም እንሪኦ ዋላ እኳ እቲ ዝንሪኦ ብትኽክል ንኹሎም ፀሓፍቲ ዝገልፅ ኣይኹን ‘ምበር ንመብዛሕትኦም ግና ዝገልፅ ‘ዩ ክንብል ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ኣብዝሓ ናይ ፀሓፍቲ ህይወትን መነባብሮን ናይ ምቾት ህይወት ከምዘይኮነ ‘ዩ። ብዙሕ ግዘ ንንዋታዊ ነገራት ትኹረት ኣይህቡን።

ኣከዳድንኦምም ኾነ አካላዊ ትርኢቶም ፅቡቕ ኣይኾነን። እዚ ናይ ደጋዊ ትርኢቶም ዝተፈጠረ ናይ ውሽጣዊ ባህሪያታቶም ‘ዩ ምባል ይክኣል። ንዚ ምኽንያት ክኾኑ ካብ ዝኽእሉ ሓደ ድማ ንደጋዊ ነገራት ብዙሕ ትኹረት ስለ ዘይህቡ ‘ዩ። ፀሓፍቲ ፍሉይ ናይ ምስትውዓል ክእለት ዘካዕበቱ ‘ዮም። ሓደ ፀሓፊ ስራሕቱ ብዝበለፀ ተፈታዊ ተመራፂ ካብ ዝኾነሉ ሓደ ብልዑል ናይ ምስትውዓልን ምዝካርን ብቅዓቱ ‘ዩ። እዙይ ጥራሕ ዘይኮነስ ፀሓፊ ኣካላዊን ጂኦግራፍያዊ መልክዓት ካብ ምስትውዓል ብተወሳኺ ውሽጣዊ ስምዒታት ብፍሉይ ምስትውዓል ዝገልፅ ‘ዩ። ዓርስና እንትግብሮ ነገራት ይገልፀልና። ናይ ደቂ ኣባት ባህርይን ስነ ልቦና ብኣግባቡ ይርዳእ። ስለዝኾነ’ውን ‘ዩ ፅሑፋቶም ክነንብብ ከለና ትኹረትና ዝስሓብ። እዚኦም ኩሎም ነገራት ንምርካብን ንምስትውዓልን ፀሓፊ ከንብብ ኣለዎ። ምንባብ ክብሃል ከሎ ናይ ግድን መፅሓፍ፣ጋዜጣ ወይ መፅሄት… ብሓፈሻ ዝተፅሓፉ ነገራት ጥራሕ ዘይኮነስ ደቂ ሰባት የንብብ፣ ተፈጥሮ፣ ስነ ልቦና ዝመሳሰሉ ኩሉ ብምንባብ ‘ዩ ንቁሕ ፀሓፊ ዝኸውን። ናይ ርእስና ትኹረት ብዛዕባ ፀሓፍቲ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ምዃኑ፤ ማሕበራዊ ሕይወትን ስነ ልቦናናን ንፀሓፍቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝምችውን ዘኽእልን ድዩ? ሓደ ፀሓፊ ትኹረቱ ዝስሕብ ዝበፅሖ ቦታ ናይ ምብፃሕ ዕድል ኣለውንዶ? ማለት’ውን ነገራት ንምስትውዓል ዘኽእል ኩነታት ኣለወንዶ? ብሓፈሻ ተፈጥሮን ከባቢታትን ንምጉብናይ ዝኽእል ማሕበራዊ ነፃነት ኣለወንዶ? ኣብዚ ልቢ ክብሃል ዘለዎ ነገር ብብዙሕ ነገራት ተሳትፎ ደቂ ኣነስትዮ ውሕድ ‘ዩ።

 ስለ ዝኾነ ድማ ብናይ ተፈጥሮ ክእለት ኣፈላላይ ከይኮነስ ብማሕበራዊ ኣነባብራ ውሽጢ ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ‘ዩ። እዚ ኹሉ ኾይኑ’ውን ዋላ ውሑዳት ይኹና ‘ምበር ፀሓፍቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣለዋ ‘የን። እዘን ፀሓፍቲ ደቂ ኣንስትዮ ከመይ ኢለን ፀሓፍቲ ኮይነን እንተይልና ድማ ኣብዝሓ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝውዕልዎ ክውዕላ ስለዝኸኣላ ‘የን። ብሓፈሻ ፀሓፍቲ ደቂ ተባዕትዮ ይኹኑ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓደ ኮፍ ኢሎም ከይተንቀሳቀሱ ዝስራሕ ስራሕ የለን። ምኽንያቱ ሓደ ደራሲ ዘይረኣዮ ዘይሰምዖ ክፅሕፍ ኣይኽእልን። ሓደ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ‹‹ደቂ ኣንስትዮን ሳይንስ›› ኣብ ዝብል መድረኽ ኣብ ዝቀረበ መፅናዕቲ ነዚ ዘራጉድ ሓሳብ ተላዒሉ ነይሩ። እዚ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ተመራማሪ ሳይንስ ንክኾኑ ከባቢአን ከስተውዕላ ኣለወን።

 ስለዝኾነ’ውን ዝኾነ ሰብ ክገብሮ ዝኽእል ምንቅስቃሳት ንምስትውዓል ዕድል ክረኽባ ይግባእ፤ ተፈጥሮ ብኣግባቡ ከስተውዕላ ኣለውን ዝብል ‘ዩ ነይሩ። ኣብ ላዕሊ ከምዝሓበርናዮ ፀሓፍቲ ደቂ ኣንስትዮ መፅሓፍ ዝፅሕፉ ንምፅሓፍ ዘኽእል ዕድል ስለዝረኸባን ነዚ ዘኽእል ምንቅስቃሳት ስለዝረኽባ ‘ዩ። ንኣብነት ፀሓፊት ታደለች ኃይለሚካኤል (ዳኛው ማነው) ዝብል መፅሓፍ ዝፀሓፈት እቲ ዝፀሓፈቶ መፅሓፍ ንምፅሓፍ ኣብ ዘኽእል ዓይነት ምንቅስቃስ ውሽጢ ዝሓለፈት ስለዝነበረት ‘ያ። ስለዝኾነ ፀሓፊ ንምዃን ብስቃይን መከራን ምሕላፍ ናይ ግድን ዋላ እንተዘይኮነ ከባቢ ምዕዛብ ግና ናይ ግድን ‘ዩ።

Recommended For You