ኪነ ጥበብ ንዓወት

ከምቲ ዝፍለጥ ኪነጥበብ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዳርጋ መንቀሳቐሲ ሞተር ንቕሓትን ብሉፅ ኣተሓሳስባን’ዩ እንተበልና ኣይጋነንን። ብፍላይ ድማ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ መንጎ ኣብ ቕድሚት ክትስራዕ ዝገብርዋ ዘኹርዑ ታሪኻት ሓደ ዓወት ዓድዋ ‘ዩ፡ ፡ኣብ እዋን ኲናት ዓድዋ ግደ ኪነ ጥበብ ዕዙዝ ከምዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ፡፡

ኪነ ጥበብ ክንብል ከለና ኣብ እዋን ኲናት ንሰራዊት ከም ዓብዪ ስንቂ ኮይኑ ዘገልግል እንትኸውን ኣብዚ ግዘ እዚ ከም ሽለላ፣ፈኸራን ዝተፈላለዩ ደርፍታት ንቲ ሰራዊት ጅግንነት፣ ወነን ኒሕን እናፈጠሩ ብስምዒት ሰዓራይነት ንኽምላእን ተዓዋታይ ንክኸውንን ብተወሳኺ ድማ ብዝገጥሞ መሰናክል ከይፈርሕን ንቕድሚት ንኽጥምት ዝገብሮ ዓብዪ ህያብ ውፅኢት ኣእምሮ ደቂ ሰባት ‘ዩ፡፡

ኣብ እዋን ኲናት ዓድዋ ግደ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ሉኣላውነት ሃገር ንምሕላው ካብ ኣርባዕቲኡ ጫፍ ሃሚሙ እንትዘምት ወዲ ተባዕታይ ይኹን ደቂ ኣንስትዮ ኹሉ ብኽእለቱ ንሃገሩ መስዋእቲ ኸፊሉን ኣብዚ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ሓበንን ናፅነትን ክንበፅሕ ገይሮምና ‘ዮም፡፡ነቶም ጀጋኑ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ድማ ኽብሪ ይግበኦምን ነመስግኖምን።

ካብ መንጎ ህያባት ኪነጥበብ እቲ ሓደ ፈኸራ እንትኸውን፤ፈኸራ ድማ ግጥማዊ ስነ ቃል ‘ዩ። ቀንዲ ዕላማኡ ኸዓ ስምዒት ሰባት ምቕስቓስን ወነ ምልዕዓልን ‘ዩ፡፡መብዛሕቲኡ ግዘ ፈኸራ ዝበሃል ኩናት ቅድሚ ምክያዱ ወይ ኸዓ ድሕሪ ዓወት ‘ዩ። ሽዑ ሰባት ስምዒቶም ክለዓዓልን ናይ ሓባር ፀላኢኦም ብሓባር ከጥፍኡን ስምዒቶም ኣብ ምልዕዓል ፈኸራ ዓቢይ ግደ ‘ዩ ዝፃወት። ፈኸራ ኣብ እዋን ኩናት ጥራሕ ኣይኮነን ዝፍከር፡፡ ብፍላይ ‘ቶም ዝሓለፉ መሳፍንቲ ድግስ ከዳልው ከለው ሓሻኽሮም ዝሰርሕዎን ዘይሰርሕዎን እናወሳሰኹ ንጎቶቶም ብፈኸራ የሞግሱ፡፡ ምስ እዙይ ብተወሳኺ ኣብ እዋን መርዓ ድማ ኣዕርኸቲ ብዛዕባ መርዓዊ ወይ ኸዓ ብዛዕባ ናይ ባዕሉም ጀግንነት ክፍክሩ ይረኣዩ፡፡

ፈካሪ እንትፍክር ዲኖ ይለብስ፣ ፋረ ይኣስር፣ ዝናር ይዕጠቕ፣ ገዘሞ ወይ ገጀራን ዋልታን ይሕዝ። ዘርእዮም ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ድማ፤ ይዘልል፣ ሓፍ ኮፍ ይብል፣ ደው ይብል እሞ “እከከ … እናበለ ብትዕዝብቲ ርእሱ ይንቕንቕ፣ ዓይኑ የፍጥጥ ስኑ የሕጨምጭም ወዘተ.፡፡ ምስኡ ኸዓ “ከምኡ በል … እወ … ይበል …” እናበሉ ዘዳንቑ ኣለው ‘ ዮም፡፡ ቀፂልና ኣብነት ፈኸራ ክነስዕብ፤

ቱታ … ቱታ … ቱታ …

ከውሒ እየ ኣይፍለፅን

ሰቲ እየ ኣይነቅፅን

ዘይቑርጠም ሓፂን ዕረ

ዘይልወ ሓለንጊ ጉማረ

ዘይቋሓም ሑሩጭ በርበረ

***

ቱታ … ቱታ … ቱታ …

መሪ ከምትኪ

ከይተንከይዎ ዘይትንኪ

ምስተንከፍዎ ደም ዘብኪ

እንትሓልኽ ፀጋም ኣቢሩ

እንትትኩስ ገረብ ኣሳጊሩ

ሓሰት እንተነይሩ ዝነበሩ ይንገሩ

***

ከመይ ኢኻ ኣሉላ ኣባ ነጋ

ተምቢን ዶ ዓድኻ ዓዲ ወይዘራዝር ወጋ

ከመይ ባ እየን እምበይተይ ገረዳ

መብረቕ ሓዚለን ዘይስምብዳ

ሓቂ ረመፅ ሓቑይፈን ዘይነዳ

ንፋስ ቀውዒ ናይ ክረምቲ ነጐዳ

ኣሉላ ትብለላ ብምድሪ ብዓዳ

ሽግ መስቀል ወሊዶም ጐይታ እንግዳ

ራእሲ ኸደት ሰጊዳ ሰጊዳ

ደጃት ኸደት ሰጊዳ ሰጊዳ

ከም መንደላይ ተመን ተወርዋሪ

ከም ኣንበሳ ብቕልፅም ሰባሪ

ሰብኣይ ከሰላ ውሽማ ባሕሪ

***

ዘራፍ! ዘራፍ! ዘራፍ!

ቃላይ ቃላይ ዝኸይድ ከም ዓሳ

ገረብ ገረብ ዝኸይድ ከም ኣንበሳ

ወትሩ ዕጡቕ ብረቱ ምስ ለጐመ

ፈታውን ፃሊእን ዘገረመ

ዘይስኮን ናይ ልቡ ገባሪ

ምንጉዳ ዘውፅእ እንትኹሪ

ቁጡዕ ከም ግልገል ነብሪ

ንዓመፀኛ መባረሪ (ፈኸራታት ካብ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ሴትሎቪች)

ፈኸራ ዋላኳ ኣብ እዋን ኲናት ዓድዋ ኣዝዩ ዝፍለጥ እንተኾነ፤ድሕሪ ኲናት ዓድዋ እስካዕ ሐዚ እናተጠቐምናሉን በዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ናፅነቶምን ክብሪ ሃገሮምን ንምሕላው ከምኡ ‘ውን ሰራዊት ዓወት ንኽጎናፀፍ ዓብዪ ግደ እናበርከተ ይርከብ፡፡ምስጋና ንክብሪ ሃገሮም ዝተዋደቑ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን!

ወጋሕታ 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You