ታሪኻዊት ወርሒ ኢትዮጵያ

 ሕድሕድ ወርሕታት፣ ዕለታትን ዓመታትን ብዝፍጠር ኩነት ምኽንያት ዘመን ተሻጋሪ ዓሻራ ኣዕሪፎም ናይ ሃገር ታሪኽ ዝቅይርሉን ብትውልዲ ዝዝከሩሉ ዕድል ይፈጥሩ ‘ዮም። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ውሽጢ ድማ ከም ወርሒ ለካቲት መቀይሮ ነጥቢ ዝኾነት ወርሒ ዘሎ አይመስልን።

ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘመን ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ወርሒ ኾይና፤ ካብ ሓጋይ ዝርከባ ወርሕታት ሓንቲ ‘ያ። ክሳብ መትሐዚ ዓርብዓ ፆም ዘሎ እዋን’ውን፣ መርዓታት ዝድገሰሉን ብዙሕ ናይ ፌስታን ደስታን ዝግበረሉን ናይ ፅጋብ ወርሒ ‘ያ እንተተብሃለት ዝጋነን ኣይኮንን።

ኣብዛ ወርሒ ብታሪኽ ካብ ዝዝከሩ ፍሉጣት ሰባት ዝተወለዱላን ዝዓረፉላን ‘ያ። ንኣብነት ካብ ፖለቲከኛታትን መራሕትን ግራኝ ኣሕመድ፣ እቴጌ ጣይቱ፣ ንጉስ ወልደጊዮርጊስ፣ ራስ ደስታ ዳምጠው፣ ራስ አሉላ እንግዳን ካልኦት ብሔራዊ ጀጋኑ ካብዛ ዓለም ዝሓለፉላ ወርሒ እንትኾን፤ብተመሳሳሊ ኣብ ዘርፊ ኪነ ጥበብ ስም ዝነብሮም ብዙሓት ስሙያት ጥበበኛታት ካብ ዝዓረፉ ንኣብነት ለካቲት2 ፀሓፊ አቤ ጉበኛ፣ ለካቲት 12 ፀሓፊ ስብሐት ገብረ እግዚአብሄር ፣ ለካቲት 18 ጸጋዬ ገብረመድህን ፣ ለካቲት 23 ማሞ ውድነህ ፣ ከም ‘ውን ደራሲን ጋዜጠኛን በዓሉ ግርማ ካብ ገዝኡ ወፂኡ ዝተረፈላ ለካቲት 24 ‘ዩ ነይሩ።

ኣብ ማእኽላይ ዘመን ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ምስ ተኸተልቲ እስልማና ዝኾኑ ሱልጣኔታት ብተደጋጋሚ ኹናት ዝገብሩሉን፣ ብ1928 ዓ.ም ወራሪ ጣሊያን ኣብ ሽረ፣ ተንቤንን እምባ ኣርዓዶምን ዓውደ ኹናታት ኣብ ዓለም ዝተኸልከለ መርዚ ኣብ ልዕሊኦም ብዝናብ ንክቃፅሉ ከምዝገበረ ናይ ታሪኽ ፅሑፋት መሰኻኽር ‘ዮም።

ብኻሊእ ገፅ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብዙሓት ዓወታት ዝዓተረትሉ ወርሒ እንትኾን፤ ንኣብነት ንወራሪ ግብፂ ኣብ ጉራዕ፣ ንወራሪ ጣሊያን ኣብ ዓድዋ፣ ከም ‘ውን ጦርነትን ሶማሊያ ኣብ ካራማራ ዓወት ዝተዓተረሉ ‘ዩ፡፡ከምኡ ‘ውን ኣብ ለካቲት ወርሒ ናይ ሓረስቶት ዓመፅ ኣብ ልዕሊ ሃፀይ ሃይለስላሴ ዝዓመፁ እንትኾኑ። ብተመሳሳሊ መምህራን፣ ተምሃሮ፣ ገናሕቲ መኻይን፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፣ ተኸተልቲ ሐይማኖት እስልምናን ወታደራትን ኣንፃር ሃፀይ ሃይለስላሴ ተቃውሞ ናብ ጎዳናታት ብምውፃእ ሕዝባዊ ወያነ ክቅስቀስ ክኢሉ ‘ዩ።ከምኡ’ውን መናእሰይ ትግራይ ፣ ሕዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ናብ ገድሊ ወፂኦም ኣብ ደደቢት ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመርሉ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1967 ዓ.ም ‘ዩ፡፡

ኮይኑ ንሎሚ ትኹረት ሂብና እንሪኦ ግና አብርሃም ደቦጭን ሞገስ አስገዶምን ዝተብሃሉ ኣብ ልዕሊ ማርሻል ሩዶልፎ ግራዚያኒ ቦምቢ ብምድርባይ ዝገበርዎ ፈተነ ቅትለት ተኸቲሉ፣ ወታደራት ፋሺስት ጣሊያን 30 ሺሕ ንፁሃን ኢትዮጵያውያን ዝተጨፍጨፉሉ 12 ለካቲት 1929 ዓ.ም ‘ዩ።

እዚ በቢዓመቱ በዓል ዝኽሪ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓወልቲ ሰማእታት ለካቲት 12 ብምርካብ ሕቑፊ ዕምበባ ምቅማጥ ሓዊሱ ብዝተፈላለየ ስነ ስርዓትን ብሚድያታትን ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፃትን ዓብይ ሽፋን ዝወሃቦ በዓል ብ12 ለካቲት 1929 ዓ.ም ኣብራሃ ደቦጭን ሞጎስ ኣስገዶምን ዝተባህሉ ክልተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ልዕሊ እቲ ጨካን ምንባሩ ዝንገረሉ ኢጣልያዊ ጀነራል ግራስያኒ ቫይስሮይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም። እቲ ቅትለት ምስ ፈሸለ በቲ ፈተነ ዝተቖጠዐ ጀነራል ግራስያኒ ‘ዓንፆ ዓንፆ ንማዕፆ’ ከም ዝበሃል ሰራዊት ኢጣልያ ብኤርትራውያን ዓሳክር ተሰንዮም ንኣዲስ ኣበባ ንሰለስተ መዓልታት ሓመዳ ንላዕሊ ገበርዋ።

ኣብዚ ጨፍጫፍ እዚ ልዕሊ 30ሽሕ ሰባት ከዓ ከምዝቀተሉ ታሪኽ ይሕብር። ሓደ ሓደ ካብቶም ነቲ ዛንታ ግፍዒ ግራዝያኒ ከምዝሰነድዎ ደረስቲ ናይ ታሪኽ ተመራማርቲ ከምዝገልፅዎ፤ እቲ ሕነ ምፍዳይ ኣብቲ ቅትለት ዝተፈተነ ከባቢ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ምሉእ ኣዲስ ኣበባ ከምዝነበረ ‘ዩ ዝገልፅ።

ምናዳ እቶም ብሰብ ፀሊም ክዳን ዩኒፎርም ዝፍለጡ ዉፅኣት ፋሺስታ 6ይ ክፍለሰራዊት ኣብ ፈቐድኡ እናኸዱ ሰባት ክሓርዱን ንሓለፍቲ መገዲ ክቐትሉን ገዛዊቲ ከንድዱን ብዓበይቲ መካይኖም ሰባት ክረግፁን ክሕምሽሹን ከምዝተራእዩ ተሰኒዱ ‘ዩ። ምሒር ጭካነኦም ንቖልዓ ሰበይቲ ከምዘይገደፈ ይሕበር። ኣብ ኢንሳይክሎፐድያ ኢትዮፒካ ተሰኒዶም ዘሎዉ ዛንታታት ከም ዘርእይዎ፡ ኣብ ደብረሊባኖስ (ሸዋ) ከይተረፈ 449 ዝዀኑ ፈለስትን ኣቕሺሽትን ድያቆናትን ምስ’ቶም ፈተነ ቅትለት ገበርቲ ርክብ ነይሩኩም ተባሂሎም ተቐቲሎም።ንዕኡ ተኸቲሉ ‘ውን ንሃገር ዝኹርዕ ቃልስን ጀግንነትን ተመዝጊቡ ሓሊፉ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ወርሒ ለካቲት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ናይ ብዙሕት ታሪኻት መቀይሮ ነጥቢ ኮይና ንወለዶታት ብዙሓት ብደስታን ሓዘንን ዝዝከሩ በዓላት ዝፈጠረት በጃ ህዝቢ ዝሓለፉ ሰማእታትን ጀጋኑን ዝዝክሩላን ኮይና ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፍሉይ ተዘክሮታት ዘመዝገበት ወርሒ ‘ያ።

ወጋሕታ 16 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You