‹‹ፀፀት›› ንኩርዓት ዓድዋ

እቲ እዋን ከምዚ ሎሚ ናይ ውሽጢ ዓዲ ፊልም ዝበዝሓሉ እዋን ኣይነበረን። ፊልም እንታይ ማለት ከምዝኾነ’ውን ዘይፍለጠሉ ናይ ገጠር ከባቢታት ክሕልው ይኽእል ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ቴሌቪዥን ኣብ ከተማታት ጥራሕ ዝተወሰና ‘የን ነይረን፤ ቤት ሲኒማታት’ውን ኣይነበሩን፡፡ ቅድሚ 28 ዓመታት ብ1987 ዓ.ም ነስሓ/‹‹ፀፀት›› ዝተብሃለ ፊልም ተሰሪሑ። እዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ደርጊ ስርዓት ተኣልዩ፣ ኢህወዴግ እታ ሃገር ተቆፃፂሩ ናይ ሽግግር እዋን ወዲኡ መንግስቲ ኮይኑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ‘ዩ።

 እዚ ፊልም ድሕሪ 28 ዓመት ናብ ምርኢት ብምምፅኡ ኣድሂባ ኣዲስ ዘመን ጋዜጣ ዘቅረበቶ ብምትርጓም ከምዝ ስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፡፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዳያስፖራ ቤት ምኽሪ ዘፈር ርክብ ወፃኢ ብሓላፍነት ዝሰርሑ ዘለው አለባቸው ደሳለኝ ፤ ኣብቲ እዋን መንእሰይነቶ ‹‹ፀፀት›› ዝተብሃለ ፊልም ፅሒፎም፣ ብተስፋዬ ስንቄ ተዳሊው፣ ብሩቅያ አህመድ ፈርዩ ንምርኢት ኣብቂዖም፡፡ ናብቲ ፊልም እንትንምለስ፤ እቲ ፊልም ናይ ፍቅሪ ፊልም ኮይኑ፤ ናይ ክልተ ሰዓት ንውሓት ዘልዎን ብመልካሙ ተበጀ፣ ኣበበ ኣዲስ፣ ቤተልሔም ኣሰፋ፣ ኩራባቸው ወልደማርያም፣ ተስፋዬ ሲማ፣ ፍቃዱ ተክለማርያምን ቻቺ ታደሰን ብተዋሳኣይነት ተሳቲፎምሉ ‘ዮም፡፡

እዚ ፊልም ናይ ሃገርና ማሕበራዊ ህይወትን ልምድን ዘርኢ ‘ዩ። ከምዚ ናዚ እዋን ዓይነት ፍልምታት ቅድሚ ምስርሖም ናይ ኢትዮጵያን ልምድታት ሕነ ምፍዳይ ዘርእን ዝተሓላለኸ ናይ ፍቅሪ ታሪኽ ‘ዩ፡፡ ኣብ ነባራዊ ዓለም ከምእንሪኦ ኣብ ርክባት ፍቅሪ ውሽጢ ፤ ካብ ዝተፈላለዩ ድልየታት ዝተበገሱ ሕነ ምፍላይ እንትፍፀሙ ንርኢ ኢና። ኣብ ነስሓ ፊልም ውሽጢ’ውን እዞም ተርእዮታት ዘርኢ ‘ዩ። ሐዚ ኣብዚ ፅሑፍና ዕላማን ትሕዝቶን እቲ ፊልም ምትንታን ዘይኮነስ ድሕሪ 28 ዓመታት ናብ ምርኢት ምምፅኡን እቲ ፊልም ድሕሪ 28 ዓመታት ናብ ምርኢት እንትመፅእ ዓወት ዓድዋ ንምዝካር ሒዝዎ ዝመፅአ ዓላማ ምፍላጥ ‘ዩ፡፡ እቲ ፊልም ብዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ትያትር ሃገር ፍቅሪ ምርኣይ ዝጀመረ እንትኾን ብመንፅር ሐዚ ብዘሎ ሃገራዊ ኩነታት፤ መዓዝ መዓዝ ከምዝርኣይ በቶም መዳለውቲ ክንገር ‘ዩ።

ናቲ ፊልም ፀሓፊ ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኩነታት ተደፋፊኡ ካብ ሃገር ወፂኡ ‘ዩ እኳ እንተተብሃለ፤ ካብ ሃገር ንምውፃኡ ግና ናይቲ ፊልም ትሕዝቶ ዝኾነ ብፅሒት ኣይነበሮን። ይኹን ‘ምበር እቲ ፀሓፊ ካብ ሃገር ድሕሪ ምውፃኡ ካብቲ ናይ ፊልሚ ትሕዝቶታት ዝተፈላልየ ትርጉም ምሃብ ተጀሚሩ ነይሩ ‘ዩ። ብፍላይ እቶም ገፀ ባህሪያታት ዝሓዝዎም ስማት ብምሕባር እዚ ስም ናዚ ብሄር ‘ዩ ፤ ሓሳቡ ድማ ከምዚ ንምባል ደልዩ ‘ዩ እናበሉ ናይ ፖለቲካ ውክልና ዝህብዎ ኣይጠፍኡን። ኣብ እግረ መንገድና ኣብ እዋን ስርዓት ንጉስን ደርግን ብግልፂ መንግስቲ ምውቃስ ዘይክኣል ስለዝነበረ፤ ብዙይ ምኽንያት ኣብቲ እዋን ዝድረፉ ዝነበሩ ደርፍታት ንፍቅሪ ዝድረፍ ኣምሲሎም ንሃገር ይድረፍ ነይሩ ‘ዩ።

 በዚ ልምዲ ውሽጢ ዝመፅአ ልማድ ናይቲ እዋን ስርዓት ነፃነት ሂበካ ‘የ እንተበለ’ውን ምጥርጣርን ከምዚ ክብሃል ተደልዩ ‘ዩ ዝብል ምድላይ ትርጉም ግና ኣይተረፈን ነይሩ። ይኹን ‘ምበር እቲ ፀሓፊ ከምዝተዛረቦ እንተኾይኑ ካብ ሃገር ዝወፅኣሉ ምኽንያት ምስቲ ፊልም ዝተተሓሓዘ ጉዳይ ኣይነበረን፡፡ ኣብዚ እዋን እቲ ፍልም ዝርኣየሉ ምኽንያት በዓል ዓድዋ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ከተማታት፣ ከምኡ’ውን ካብ ሃገር ወፃኢ ድማ ኣብ ጎዳናታት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ብኩርዓት ንምኽባር ‘ዩ። ዓወት ዓድዋ ንመተሓራረቂ ካብ ምውዓል ብምውፃእ ናይ ኩሎም ፀለምቲ ሕዝብታት ናይ ኩርዓት ኣርማ ምዃኑ ምርኣይ የድሊ። ፀሓፊ አለባቸው ደሳለኝ ንኣዲስ ዘመን ጋዜጣ ከምዝገልፅዎ፤ ዓድዋ ናይ እገለ ዝብሃል ኣይኮነን። ከም ‘ውን ናይ ፀለምቲ ሕዝብታት ጥራሕ ‘ውን ዝብሃል ኣይኮነን፡፡ ንፀዓዱ’ውን ነፃነትን ማዕርነትን ዘምሃረ ‘ዩ። ኣብ ደቂ ሰባት ውሽጢ፤ ባሪያን ጎይታ፣ ፃዕዳን ፀሊምን፣ ላዕላይን ታሕታይን፣ ተገዛኢን ገዛኢን… ዝብሃል መደብ ክህልው ከምዘይብሉ ዘርኣየ ‘ዩ። ዓወት ዓድዋ ፃእዳ ሕብረተሰብ ባዕሉ ካልኣይ ንክሪኢ፣ ፖሊሲታቱ ንክፍትሽ ዝገበረ ‘ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ዓለም ለኸ ናይ ስርዓት ለውጢ ንክመፅእ ዝገበረ ‘ዩ፡፡ ስለዝኾነ እዚ ኢትዮጵያ ዝረኸበቶ ዓወት ዓድዋ ብብርኪ ዓለም ለኸ ክርኣይን ክምዝገብን ስለዘለዎ ናይ ነስሓ/ፀፀት ፊልም ምርኣይ ማለት በዓል ዓድዋ ከም ምርኣይን ሃገር ምፍላጥን ‘ዩ። እቲ ፊልም ንምፅሓፍ ክልተ ዓመት ከምዝወሰድሉ ኣብቲ እዋን ንመፅሄት ጦቢያ ተዛሪቡ ነይሩ ‘ዩ፡፡ ብድሕሪኡ ‘ውን ‘ዩ እዚ ኩሉ ናይ ፊልምታት በዝሒ ዝመፅአ፡፡ ሐዚ ዘሎ ናይ ፅርየትን ትሕዝቶን ምምስሳል ፀገም ‘ምበር ኣብ ሃገርና ናይ ብዛሓት ፀገም ክልዓል ኣይስምዓን፡፡ ስለዝኾነ ቅድም ክብል ፊልም ዝሰርሑ ዝነበሩን ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ልምዲ ዘለዎም ዓበይቲ ሰባት ናብቲ ኢንዱስትሪ ፊልም ተዝኣትው ንብል፡፡ እንተተኻኢሉ ፊልም ተዝሰርሑ፤ ምስራሕ እንተዘይኪሎም እኳ እንተወሓደ ሓሳብ እንተዝህቡ ንብል፡፡

9 ለካቲት 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You