መፅሓፍ ኣደ- ሳይንስ፣ጥበብን ፍልስፍናን

‹‹ሽም መፅሓፍ:- ኣደ፤ ደራሲ:- ይሁኔ ኣየለ (ዶክተር) ፣ ዘመን ሕትመት:- 2015 ዓ.ም ብዛት ገፅ:- 406 ፤ ዋጋ መሸጢ 500 ብር፤ ካብ መሸጣ መፅሓፍ ዝተረኽበ ኣታዊ ሙሉእ ብሙሉ ሸኽሚ ኣዴታት ንዘቃልሉ ተግባራት ዝውዕል›› ይብል። ፀሓፊ ዶክተር ይሁኔ አየለ ይብሃል። ኣብ ዘፈር ኣመጋግባን ጥዕናን ተመራማሪ ዝኾኑን ኣብቲ ዘፈር ዘትኾሩ ዝተፈላለዩ መፃሕፍቲ ኣለዎም። እዚ መፅሓፍ ካብብቶም ካልኦት ፍልይ ዘብሎ ግና ኣብ ኣደን ምስ ኣደታት ዝተተሓዙ ዝተፈላለዩ ናይ ጥዕና፣ ፍልስፍና፣ ኣብ ጉዳያት ማህበራዊ ሕይወትን ዘተኾረ ምዃኑ ‘ዩ። ኣብቲ መፅሓፍ ንኡስ ርእሲ ‹‹ስንክሳር ጓል ኣንስተይቲ ፤ ካብ ቤተሰባዊ ሕይወት ክሳብ ማሕበራዊ ሐለዮመንበርት ›› ዝብል ኣለዎ። ኣብቲ መፅሓፍ ናይ ቅድሚት ሽፋን ቆልዓ ዝሓዘለት ኣዶ ትርኣይ።

እዛ ቆልዓ ዝሓዘት ኣዶ ዓብይ እምኒ ድማ ክትጎትት ትርኣ፤ መልእኽቱ ንዝኾነ ብቀሊሉ ዝርድኦ ‘ዩ። ምኽንያቱ ካብ ከተማታት ውፅእ እንትንብል ኣብዝሓ ኣብ ከባቢታት ሃገርና እነርእዮ ናይ ኣደታት ስቃይ ‘ዩ። ብዝባነን ቆልዓ ሓዚለን ብቅድሚተን ድማ ዝኾነ ነገር ይሓቁፋ። ወይ ድማ ቆልዓ ሓቊፈን ብዝባነን ካሊእ ነገር ይሓዝላ። እዚ መፅሓፍ ትሽዓተ ምዕራፋት ዘለዎ እንትኾን፤ ኣብርሃ ሓጎስ ናይ መጀመሪያ ምዕራፍ ምሕፅንታ ኣዋጅ ‘ዩ። ናይ ኣደ ውዕለታ ምኽፋል እንተዘይክኣልኩ’ውን ንኣደ ግቡእ ኽብርን ዋጋን ክንህብ ከምዘለና ዝሕብር ‘ዩ። ኣብዚ ምዕራፍ ውሽጢ ኣደታት ብዝምልከት ዝተፅሓፉ ኾነ ብኣፍ ዝነገሩ ልምድታት ዝተረፈ የለን። ኣብ ታሪኽ መፃሕፍቲ ውሽጢ፣ ናይ ሕዝቢ ሥነ ቃል ውሽጢ፣ ኣብ ዝተፈላልዩ ደርፍታት ውሽጢ ሰበይትን ኣደን ዝተመልከተ ዘለው ግጥምታት መልእኽቶምን፣ ገጠምቲ፣ ደቂ ኣንስትዮ ፀሓፍቲ ልብወለድ ዝገለፃሉ ኩነታት፣ ሃይማኖታዊ ጥቅስታት… በዚኦም ኩሎም ኣንስቲ ከመይ ከምዝተገለፁ የርኢ።

ናይ ዶክተር ይሁኔ መፅሓፍ ከምዝነግረና፤ ኢምሊ ማርቲን ዝተብሃለት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተሟጋቲት ጓል ኣንስተይቲ(ፌሚኒስት) ተፈጥሯዊ ዝኾነ ናይ ወዲ ተባዕታይ ፍረዘርእን ናይ ጓል ኣንስተይቲ እንቁላሊሕ ዘለዎም ሕይወታዊ ተዋፅዖ ብተመራመርቲ ኣድልዎ ተገይርዎ ‘ዩ ኢላ ‘ያ ትሟገት። ናይ ተፈጥሮ ሳይንስ ተመራመርና ዝብሉ ብብዝሓት ኣወዳት ‘ዮም፤ ንሶም ድማ ናይ ባህሊ ፅዕንቶ ስለዘለዎም፤ እቲ ናይ ባህሊ ፅዕንቶ ኣብቲ ሳይንስ’ውን ተፅዕኖ ገይረምሉ ‘ዮም ብምባል ‘ያ ትሙግት። ከምዚ ዝመሳሰሉ ካብ ናይ ቀደም ክሳብ ናይ ሎሚ ዘለዉ ናይ ሳይንሳዊ መፅናዕትታትን ባህሊታትን ሓዊሱ ‘ዩ እቲ መፅሓፍ ዝነግረና። ሐዚ ዘሎ ናይ ኣወዳት ላዕላዊነት ናይ ደቂ ኣንስትዮ ታሕታውነትን ናይ ጥንቲ ሰረት ኣለዎ ‘ዩ።

ብፍላይ ናይ ወዲ ላዕላውነት ጥንታውያን ናይ ሃደን ሕይወት መሰረት ዝገበረ ከምዝኾነ የመልክት። ኣደ መፅሓፍ ከምዝትነገረና፤ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተመራምርቲታት ከምዝብልኦ ፤ ደቂ ሰባት ሐዚ ናብ ዘለውዎ ልዑል ለውጢ ዘምፅአ ሃደን ኣወዳት ዘይኮነስ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕቲ ዝኾኑ ‘ዮም ይብላ። እዞም ናይ ደቂ ኣንስትዮ ስራሕቲታት ፤ ምእራይ፣ ምእካብ፣ ምድላይ፣ ምፍላይ፣ ምፍልፋል፣ ምቅጥቃጥ፣ ምትሓን፣ ተንከብኪብካ ምዕባይን ዝመሳሰሉ ‘ዮም። እዞም ምጅማር ስራሕቲታት ኢድ ንጉዕዞ ካብ ምጥቃም ነፃ ኣውፂኦም’ዮም። ደኒንካ ካብ ምኻድ ብክልተ እግሪ ደው ኢልካ ምኻድ ኣኸቲሎም። ስለዝኾነ ተመራመርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኸይዲ ለውጢ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብፅሒት ዝበለፀ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለወን። ሃደን ዝጀመረ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣረኣእያ ላዕላውነት ኣብ ኤስያ ኾነ ኣብ አውሮፓ ሃገራት ውሽጢ’ውን ዝነበረ ‘ዩ። ናይ ስልጣነ ርእሲ ‘ዮም ዝብሃሉ ሃገራት ብዙሕ ኽእመኑ ዘይኽእሉ ድሑራት ዝኾኑ ኣመለኻኽታት ነይሮም ‘ዮም፤ ከም ቻይና ዝበሉ ሃገራት ደቂ ኣነስትዮ ብባዕዲ አምልኾ ይፍለያኦም ነይረን ‘የን። ከም እንግሊዝ ዝበላ ሃገራት ውሽጢ ዝነበረ ኣመላኻኽታ’ውን ኣብቲ መፅሓፍ ኣቅሚጥዎ ‘ዩ። ናይ ዴሞክራሲ ፈጣሪ ‘ያ ዝትብሃል ግሪክ ንደቂ ኣንስትዮ ኣሉታዊ ኣመለኻኽታ ዝነብሮም ፈላስፋታት ነይሮምዋ ‘ዮም። ናይዚ መፅሓፍ ሓደ ጥቅሚ ‹‹አሜን፦›› ኢልና ዝተቀበልናዮም ልማዳዊ ኣተሓሳሰባታት በሳይንሳዊ ፅንዓታት ዘይቅቡል ዝገብር ምዃኑ ‘ዩ።

ንኣብነት፤ መኻንነት ወይ ሓደ ዓይነት ፆታ ጥራሕ ምውላድ ናይታ ሰበይቲ ፀገም ተገሩ ‘ዩ ዝውሰድ። ኣብቲ መፅሓፍ ብዝተረኸበ ሓበሬታ፤ ሓንቲ በተኸታታሊ ጓል ጥራሕ ዝትወልድ ኣደ እንተሃልያ እቲ ፀገም ነሃታ ዘይኮነስ፤ ናይ ወዲነት ፆታ ዝሓዘ‹‹ይ›› ዝብሃል ዘርኢ ዝርከብ ኣብ ወዲ ፍረዘርኢ ውሽጢ ‘ዩ። ከምዚ ዝበሉ ዓይነታት ልማዳዊ ኣተሓሳስባ ዘፅርዩ ሳይንሳዊ መራርህታት ዝሓዘ ‘ዩ። ብሓፈሻ፤ እቲ መፅሓፍ ንደቂ ኣንስትዮ ሙሉእ ሰባት ንምዃን ዝቃለስ መፅሓፍ ‘ዩ። ካብ ሰፈር ክሳብ ጠፈር ዘለው ልምድታት ምስ ሳይንሳዊ ሓቅታት እናመሳኸረ ዘብራህርህን ኣብ ልእሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሰርሓ ግፍዕታት ዘርኢ ‘ዩ። ጠንካራን ተፅዕኖ ፈጠርቲ ዝኾና ናይ ሃገርና ደቂ ኣነስትዮ ታሪኽ ጎርጕሩ ብምውፃእ ካልኦት ደቂ ኣነስትዮ ንክፍጠሩ ይገብር። ብፍላይ ኣብዚ ምዕራፍ (ምዕራፍ 4 ናይ ሃገርና ብርቱዓት ደቂ ኣንስትዮ…. )ዝብል ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጉዳይ ዝሰርሑ ኣካላት ብዙሕ ነገር ኽጥቀሙሉ ዝግባእ ሰነድ ‘ዩ።

2 ለካቲት 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You