ጥበባዊ ሙዚቃ ደቡብ ኢትዮጵያ

ኣብዚ ወርሒ በዓል ጥምቀት ሓዊሱ ባህላዊ ናይ ዘመን መለወጥን ካልኦትን ምኽንያት ብምግባር ብዙሓት ናይ ሙዚቃ ትርኢታት ዝርኣይሉ እዋን’ዩ፡፡ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከባቢ ጋርዱላ፣ ዲራሼና ዘተኮረ ጥበባዊ ሙዚቃ ቅንጭብ ኣቢልና ክንርኢ ኢና፤ ሰናይ ንባብ:- ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሙዚቃ ካብ ዝተሰርሑ ምርምርን መፅናዕትታትን ንኹሉ ናይ ዘይምካታት ፀገም ከምዘለዎ ፀሓፍቲ ይገልፁ ‘ዮም። እቲ መፅናዕቲ ቅኒት ሙዚቃ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ወሎ ከባቢ ጥራሕ ዝተወሰኑ ‘ዮም ነይሮም። ኣብ ቀረባ እዋን ግና ናይ ጋምቤላን ደቡብ ኢትዮጵያን ሙዚቃታት ‘ውን እናተፀንዑ ‘ዮም።

ንሎሚ ብዛዕባ “ፊላ” ሙዚቃ ቅኒታትን መንነትን ክንርኢ ኢና። ፍልፍልና ብፍሬው ተስፋዬ ካብ ዝተፀሓፈ ‹‹ፊላና ሌሎች ሙዚቃዊ ጥበባት በጋርዱላ ዲራሼ›› መፅሐፍ ፀሪሓ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዘቕረበቶ’ዩ፡፡ ኣብ ጋሞ በረኽቲ ቦታት ዝርከቡ ዶኮታትን ናይ ጋርዱላ ዲራሼታት ማሕበረሰብ መፃወቲ ሙዚቃታት ‹‹ሆሞፎኒክ›› ኣብ ዝብሃል ምድብ ውሽጢ ዝርከቡ ‘ዮም። ብፍላይ ናይ ፊላ ሙዚቃ ኣብ ኢትዮጵያ በዓል ሸውዓተ ኖታ መሳርሒ ሙዚቃ ‘ዩ። ብቀዳምነት ፊላ እንታይ ‘ዩ? ዝብል ንርአ። ፊላ ሰለስተ ትርጉማት ኣለውዎ። ፊላ ሙዚቃ ‘ዩ፤ ፊላ ሳዕስዒት(ዳንስ) ‘ዩ፤ ፊላ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ‘ዩ።

 ፊላ ከም ሙዚቃ መሳርሒ እንትርኣይ ካብ ሓደ ሜትሮ ክሳብ ሓሙሽተ ሜትሮ ዝነውሕ ዘለዎ ናይ ትንፋስ መሳርሒ ‘ዩ። እዚ መሳርሒ ዝዳለው ድማ ካብ ኣርቃይን ካብ ሸንበቆ ‘ዩ። እዞም ካብ ሽንባቆን ካብ ኣርቃይን ዝዳለዉ መሳርሒ ሙዚቃታት ብሓደ ገፅ ክፉት፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ድፉን ‘ዮም። ናይ ፊላ መሳርሒ ሙዚቃ ከም ሻንባቆ ሓንቲ ንበይኑ ኣይከውንን፤ብእኩብ ‘ዩ፤ እቲ በዝሒ ድማ እንተወሓደ 24 እንትኸውን ክሳብ 32ን 48 ይበፅሕ ‘ዩ። በዝሒ መሳርሕታት ዘድለዮ ምኽንያት ዝተፈላለየ ድምፂ ንከውፅእ ምእንቲ ‘ዩ። ኣፀዋውትኡ ድማ ናይ ባዕሉ ውቅዒትን ስልትን ኣለዎ። ካብታ ንእሽተይ ቅጥን ዝበለ ድምፂ ጀሚሩ ክሳብ መበል 24 ይ ረጕድ ድምፂ ከምዘውፅእ ይዳለው። ኣቀማምጥኡ ንክምችው ድማ ብታሕቲ ወገን ናይ ክሪ መአተዊ ቀዳድ ይህልዎ። ኩሎም ፊላታት ድማ ብሓደ ክሪ ብምትሕሓዝ ብጥንቃቐ ኣብ መንደቅ ተሰቂሉ ይቅመጥ። እዞም 24 ናይ ፊላ ድምፅታት ሙዚቃ ብሰለስተ ዋና ዋና ደረጃታት(ብሰብ ሞያታት ቋንቋ ቤዛት) ይመደቡ። እዚ ‘ውን ካብ ሳንታ(ረጒድ ድምፂ) ፣ ኦታንትያ (ማእኸል ድምፂ)ን ፍት ፍታ(ቀጠንቲ ድምፂ) ተባሂሎም ይመደቡ።

እቶም መሳርሒ ብዙይ መልክዕ ዝተዳለው ‘ዮም። ብፀወታ ግዜ ሕድ ሕድ መሳርሒ ዘውፅኦ ድምፂ ቅድሙን ድሑሩን ብምዃን ‘ዩ። ማእኸላይን ረጒድን ዘውፅኡ ድምፂ ካብ ኣርቃይ ዝዳለው ፊላታት ‘ዮም። ቀጢን ድምፂ ዝወፅኡ ድማ ካብ ሽንባቆ ዝዳለው ‘ዮም። ናይ ፊላ ሙዚቃ ብመሳርሒ ጥራሕ ዘቀናበረ ስለዝኾነ ምስ ጃዝ ከምዝመሳሰል ኣቦ ጃዝ ኣፍሪካ ተባሂሎም ዝፅውዑ ሙላቱ ኣስታጥቄ ተዛሪቦም። ፊላ ሳዕስዒት(ዳንስ) ‘ዩ። ናይ ፊላ ሳዕስዒት ፍልይ ዝብሎ ነገር ሳዕሳዒ ባዕሉ ተፃዋቲ እቲ መሳርሒ ‘ዩ።

ሳዕሳዒ ንበይኑ ኣየድልዮን። ኣብ ፊላ ፀወታ ውሽጢ ሳዕስዒት ዝመርሑ ሰለስተ መራሕቲ ኣለዉ። እዞም መራሕቲ ባዕሎም ፊላ እናነፍሑ ኣብ ማእኸል ኣቍሪፆም ብምውፃእ እቲ ሳዕስዒት ይመርሕዎሞ ተመሊሶም ፊላ ናብ ምንፋሕ ይምለሱ። ንፀወታ ፊላ ሓዱሽ ዝኾነ ሰብ ኣፀዋውትኦም ኣይርድኦን። እዞም ናይ ሙዚቃ መሳርሕታት ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣለዎም። ናይ ትንፋስ ሙዚቃ መሳርሒ ሎላት፣ ማይራ፣ ኩሉታት፣ ታርባ፣ ሐናት፣ ሉላ፣ ካሳ፣ ካልጋ እና ሀምቡፓ ዝብሃሉ ‘ዮም። በዚኦም ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት(ናይ ትንፋስ፣ ናይ ክሪ፣ ናይ ውቅዒት፣ ቃጭልን)ዝፃወትዎ ፀወታ ዝተፈላለየ መልእኽቲ ዘለዎ እንትኾን፤ ንሓዘን፣ ንደስታን ንፉከራን ዝውዕሉ ‘ዮም። ሓደ ሓደ መሳርሕታት ናይቲ ማህበረሰብ መተኣታተውን መፀውዒን ‘ዮም። እቶም ፀወታታት ከከምእዋኑ ይከናወኑ። ብዝናብ እዋን፣ ብሓጋይ እዋን፣ ኣብ መርዓ እዋንን ይፃወትዎም ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ አዲስ አበባ ፅንዓት ባህልን ሚድያን አፍሪካ ናይ ሳልሳይ ዲግሪ ተማሃሪን ደራሲ መፅሓፍ ፍሬው ተስፋዬ ኣብ 2012 ዓ.ም ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ፣ ናይ ፊላን ካልኦት ናይ ደቡብ ከባቢ ሙዚቃታት ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንአፍሪካ ‘ውን እታወታት ክኾኑ ዝኽእሉ በዝሒ ኣለዎም። ይኹን ‘ምበር ብስርዓት ኣይተፀንዑን፤ ኣይተፋላጡን። አፍሪካ ናይ ሰብ ዘርኢ መርኸቢት ጥራሕ ዘኮነትስ ናይ ሙዚቃን ጥበባት መርኸቢት ምዃና ዘርኢን ናይ ጃዝ መጀመርያ ‘ያ። ስለዝኾነ ብቐፃልነት ክፋለጥን ክፅናዕን ኣለዎ ክብሉ ብዘተሓሳሰብዎ ንሎሚ ኣብዚ ንዛዝም።

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 25 ጥሪ 2015 ዓ.ም

Recommended For You