ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ኣብ ምዕዛዝ ቱሪዝም

ሃገርና ኢትዮጵያ ካብተን ብትውፍታት ባህላውን ሃይማኖታውን ሃፍታማት ዝኾና ሃገራት ሓንቲ ከምዝኾነት ይፍለጥ። ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ኣብ መስሕብ ቱሪዝም ዓቢ ግደ ከምዘለዎም ድማ ዝተፈላለዩ ሙሁራት ይገልፁ። ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውን ባህላውን መሰረት ዘለዎም በዓላት ኣከባብርኦም እናደመቀን እናሰፈሐን ኣብ ዝውስኹሉ እዋን ህዝብና ብዘላቕነት ክጥቀም ዘኽእልሉ ዕድል ይሰፍሕ ።

ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ብቀንዱ ባህላዊን ሃይማኖታት ትውፊታት ካብ ምፍላጥን ብተወሳኺ ፍልፍል ኣታዊ ኣብ ምምፃእ ናይ ባዕሎም ተራ ንክፃወቱ ብርክት ዝበሉ ንጥፈታት ይካየዱ ‘ዮም። በዓላትና ንዝተፈጠረሎም መሰረታዊ ምስሊ ወይ ረብሓ ካብ ምኽባር ብተወሳኺ ጎና ጎኒ ድማ ናይቲ በዓል ወናኒ ዝኾነ ህዝቢ ካብቲ ባህላውን ሃይማኖታውን ረብሓ ዝዘለለ ብዙሓት ረብሓታት ዘዕውቱሉ መድረኻት ኣብ ምግባር ምስራሕ ይግባእ ። ሓደ ሓደ ፅሑፋት ዓለማዊ ቤትምኽሪ ቱሪዝምን ጉዕዞን ፀሪሖም ከምዝሕብርዎ ቱሪዝም ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ጥራይ ኣብ ዝቕፅሉ ልዕሊ 10 ዓመታት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ን 3.8 ሚሊዮን ሰባት ክረብሕ ‘ዩ ኢሎም ይግምቱ ። ንቱሪዝም ልዑል ቆላሕታ ሂበን ካብ ዝሰርሓ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ቁጠብአን ብምዕባይ ዝሓሸ ተጠቀምቲ ክኾና ክኢለን’የን።

ካብዚአን ኣብነት ካብ ዝኾና ሃገራት ድማ ሞሮኮን ደቡብ ኣፍሪቃን ብቐዳምነት ዝፅርሓ እንትኾና ንበፃሕቲ ዓዲ ምችው መሰረተ ልምዓት ዘማለኣ ምዃነን’ውን ይንገረለን። ዋላ እኳ ኢትዮጵያ ካብተን ብቐዳምነት ንበፃሕቲ ዓዲ ምችዋት ተባሂለን ካብ ዝተፀርሓ ሃገራት ማዕረ ተርታ እንተዘይተፀወዓት ዘመናት ዝሰገሩ ንበፃሕቲ ዓዲ ዝማርኹ ብዙሓት ሃይማኖታዊ፣ ባህላውን ታሪኻውን ሓድግታት ዘለዋ ሃገር ‘ያ። ይኹን ‘ምበር ኢትዮጵያ ናይዚ ኩሉ ሃብቲ ቱሪዝም ማእኸል እናሃለወት ካብቲ ዓውዲ ቱሪዝም ብዝርከብ እቶት ክንድቲ ዝድለ ተረባሒት ከም ዘይኮነት ሰብ ሞያን ምሁራትን ይገልፁ ‘ዮም።

ሓበሬታ ሚኒስቴር ባሕልን ቱሪዝምን ከምዝሕብሮ ባህልን ሃይማኖትን ትኹረት ዝገበሩ በዓላት ካብ ግዘ ናብ ግዘ ቱሪዝም ኣብ ምስሓብ ዘለዎም ግደ እናዓበየ ይመፅእ ከምዘሎን፤ ምስዚ ተተሓሒዙ ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሑ ባህላውን ሃይማኖታውን ቅርስታት ብበፃሕቲ ዓዲ ናይ ምጉብናይ ዕድል እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ። ከምቲ ናይ ኩሉ ግዜ ኣብዚ ዓመት እዚ’ውን ናይቲ በዓል ሃይማኖታዊ፣ መንፈሳዊን ባህላዊን ንጥፈታት ዝተስሓቡ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሓዊሱ ብዙሓት ናይ ወፃኢ ቱሪስታትን ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ዝኽበረሉ ቦታታት ተረኺቦም ‘ዮምብፍላይ ኣብ ታሕሳስን ጥርን ወርሓት ዝኽበሩ ናይ ልደትን ጥምቀትን ዝኣምሰሉ በዓላት ብዝሕ ዝበለ ቁፅሪ ቱሪስታት ናብ ዓዲ ውሽጢ ዝኣትውሉ ወቅቲ’ዩ፡ ፡

ብዓለምለኸ ናይ ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ቕርሲ ኮይኑ ካብ ዝተመዝገቡ ብዙሓት ቅርስታት ከምዝኾነ ዝፍለጥ በዓል ጥምቀት ብዙሕ ሰብ ዝእከበሉ በዓል ምስምዃኑ ተተሓሒዙ ድማ ኣማንን ዘይኣማንን ዝዕደመሉ በዓል ‘ዩ። እቲ በዓል ካብ መንፈሳዊ በዓልነቱ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ዝተፈላለየ መልክዕን ሕበርን ዝወቀበ ባህላዊ ኣልባሳታቶምን ባህላዊ ፃውትታቶም ዝርኣየሉን ንዓለም ዘፋልጥሉን፤ እዙይ ድማ ናይ ቱሪዝም መስሕብ ብምዃን ወፃእተኛታት ናይቲ በዓል ተሳተፍቲ ንምዃን ንክመፅኡ ብምግባር ናይ ሃገር ፍልፍል ኣታዊ ኣብ ምግባር ዓብይ ተራ ይፃወት ‘ዩ።

ኣብቲ በዓል ጥምቀት ዝሳተፉ ዘለዉ ወፃእተኛታት ዜጋታት ብወገኖም እቲ በዓል ኣዝዩ ሰሓባይ ከምዝኾነ ገሊፆም’ዮም። ንኣብነት ካብ ስፔን ዝመፀት ኣና ማርያ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ በዓል ጥምቀት ክትሳተፍ ከምዝመፀአትን ኣብ ካልኦት በዓላት ድማ ንምስታፍ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝትመፅ ሓቢራ ‘ያ። ብተመሳሳሊ ካብ ሃገረ ስፔን ዝመፅአ ጆን ዳርስያ ኣብዚ ወርሒ ንበዓል ጥምቀት ኣብ ጃንሜዳ ካብ ዝተረኽቡ በፃሕቲ ሐደ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ንሳልሳይ ግዜ ከምዝመፅአ ብምጥቃስ፣ ንዕኡ በዓል ጥምቀት በብዓመቱ ሓድሽ ከምዝኾኖ ይሕብር።

 ኢትዮጵያውያን ዘብዕልሉ ኣገባብ፣ ኣከዳድናኦም፣ ደርፍታቶም ኣዝዩ ፍሉይን ሰሓብን ከምዝኾነ ይምስክር። ካሊእ ካብ ብሪታንያ ዝመፅአ ሓርቲ ሃይሰኒ ብወገኑ ብዙሕ ግዜ ናብ ጥምቀት ከተራ በዓል ከም ዝመፀአ ብምግላፅ፤ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ናብ ኣዲስ ኣበባ መፂኦም ዘብዕልዎ ‘ዮም ዝመስል ክትብል ናይቲ በዓል ተሳተፊ በዝሒ ህዝቢ ከምዘደነቆ ይገልፅ። መረዳእታ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ከምዘምላኽቶ ኣብ ላሊበላ ዝኽበር ናይ ሎሚዘበን በዓል ልደት ጥራሕ ልዕሊ 23 ሽሕ ዝኾኑ ናይ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ቱረስታት ናብቲ ስፍራ ከምዘምርሑ ይሕብር።

ናብቲ ከባቢ ዝኸዱ ቱሪስታት’ውን ዝተማልአ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገብሩ ሰብ ሞያ ከምዝተመደቡ ተሓቢሩ ‘ዩ። ከም መረዳእታ ሚኒስቴር ባህልን ቱሪዝምን ከምዝበሎ በአለም ለኸ ብርኪ ናይ ቱሪስት ፍሰት ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ምኢታዊ ወሰኽ ዘርኢ ዘሎ እንትኾን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ልዕሊ10 ሚኢታዊ ወሰኽ እናርኣየ ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ካብ ዝጎብነዩ በፃሕቲ ዓዲ ልዕሊ 370 ሽሕ ቱሪስታት እንትኾኑ፤ ካብዙይ ልዕሊ 2 ቢሊዮን ዶላር ተረኺቡ ‘ዩ። ብተመሳሳሊ ከምፀብፃብ ሓበሬታ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 1 ሚሊዮን ቱሪስታት ትፅቢት ዝግበር እንትኾን፤ ካብዚ ልዕሊ 3 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ክርከብ ‘ዩ ዝብል ግምት ኣሎ። ኣብዚ ባህላውን ሃይማኖታውን በዓላት ኣብ ምዕዛዝ ቱሪዝም እዛ ሃገር ዓብይ ብፅሒት ከምዘለዎ ዘጠራጥር የብሉን።

ኣብርሃ ሓጎስ

18 ጥሪ 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You