በዓል ጥምቀትን ፀወታን

ጥምቀት በዓል በቢዓመቱ ብድምቀት ካብ ዝኽበሩ ዓበይቲ በዓላት ሓደ እንትኸውን፤ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ተወሃዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ድማ ብፍሉይ ኣከባብራ ስነ ስርዓት ከምዝኽበር ይፍለጥ። እቲ በዓል ከተራ ተባሂሉ ብዝፅዋዕ ካብ ድሮ እቲ በዓል ጀሚሩ ‘ዩ። ከተራ ማለት መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ናብ ዮርዳኖስ ሩባ ዝወረደሉ ተምሳሌት ብምግባር ታቦታት ብፍሉይን ድሙቅን ዓጀብ ናብ ሩባ ወይ መይዳ ወሪዶም ዝሓድሩሉ እንትኾን፤ ብፅባሒቱ ድማ ድሕሪ ምክንዋን ስነ ስርዓት ጥምቀት እቶም ታቦታት ነናብ ሰፈሮም ክሳብ ዝመለሱ ካብ መነፈሳዊን ሃይማኖታውን ፀሎትን ዝማሬን ብተወሳኺ ብዙሕ ናይ ሰባት ኣቅልቦ ዝስሕቡ ባህላዊን ልምዳውን ኣከዳድና ባህላዊ ፀወታታትን ሳዕስዒትን ዝተፈላለዩ ውድድራትን ፀወታታትን ዝኣምሰሉ ዘይስሩዕ ካብ ዝካየዱ ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ዝህቡን ‘ዮም። ካብዚኦም ድማ ጥምቀት ብዝመፅኣ ቁፅሪ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጃንሜዳ ካብ ዝርኣዩ ሓደ ናይ ሃርሞኒካ ፀወታ ‘ዩ።

ብዛዕባ ፀወታ ሃርሞኒካ ቅድም ክብል ቀሪቡ ካብ ዝነበረ ዝተወሰነ ወሰኽ ብምግባር ከምዝስዕብ ይቀርብ። ሃርሚኒካ ትንፋስ ብምጥቃም ዝድመፅ ደስ ዝብል መሳርሒ ሙዚቃ ‘ዩ። ኣርባዕተ ቅርፂ ዘለዎ እንትኸውን ካብ ብረት መሳሊ ዝተሰርሐ ‘ዩ። ኣብ ኣፍ ብምግባር ናብ ኽልቲኡ ጎኒ ብምንቅስቓስ ድምፂ ከውፅእ ይግበር። ኣብዚ መሳርሒ ሙዚቃ ዓበዪ ግደ ዝፃወቱ ከናፍርን መልሓስን እንትኾኑ ስልቲ ኣፀዋውትኡ ድማ ኣየር ብምእታውን ብምውፃእን ‘ዩ። ‹‹ሃርፕ›› ካብ ዝብል ናይ ፈረንሳይኛ ቃል ዝመፀ እንትኸውን ክፋል ኣፍ ማለት ‘ዩ፤ እቲ መሳርሒ ሙዚቃ ‘ውን ብኣፍ ጥራሕ ‘ዩ ዝፅወት። ፀወታ ሃርሞኒካ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝፍለጥ እንተኾነ ‘ውን መበቆሉ ግና ኣብ ውሽጢ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ‘ዩ። ዓለምለኸ ኣፍልጦ ኣብ ዘለዎም ሙዚቃታት ከም ብሉስ፣ ፎክ ሙዚክ፣ ክላሲክ ሙዚክ፣ ጃዝን ሮክን ይጥቀሙሉ። ሃርሞኒካ መበገሲኡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘይኮነ ዘበናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ‘ዩ።

እስኪ እዚ ዘበናዊ መሳርሒ ሙዚቃ ምስ ናይ ሃገርና ሸምበቆ (ዕንድር ፋፃ) ነነፃፅሮ፤ ሸምበቆ ብትንፋስ ዝሰርሕ መሳርሒ ሙዚቃ ‘ዩ። ከምቲ ዝፍለጥ ካብ ተኽሊ ሸምበቆ እንትኸውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ብረትን ካብ ጎማን ምስራሕ ተጀሚሩ ‘ዩ። ሸምበቆ ሓሙሽተ ወይ ድማ ኣርባዕተ ኖዃላት ዘለዎ እንትኸውን፤ ተፃወቲ ሸምበቆ ከምዝብልዎ ዝተፈላለዩ ዜማታት ምፍጣር ዝከኣል ኣፍተን ኖዃላት ዝዓርፋ ኣፃብዕቲ ብምቅይያር ‘ዩ። ኣፀዋውትኡ ድማ ሙሉእ ንሙሉእ ትንፋስ ብምጥቃም ‘ዩ። ሸምበቆ ብፍላይ ኣብ ሃገረሰብ ምስ ከፍትን ተፈጥሮ መሬትን ሕሰብዎ ባህታ ልብን ቃሕታን ‘ዩ ዝፈጥር። ሃርሞኒካን ሸምበቆን ዘነፃፀርናሉ ምኽንያት ግልፂ ‘ዩ። በብዓመቱ 11 ጥሪ ዝኽበር በዓል ጥምቀት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ጃን ሜዳ ፀወታ ሃርሞኒካ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ መድመቒ እቲ በዓል ‘ዩ። መናእሰይ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ተኣኪቦም ክቢ ብምስራሕ ይፃወቱ።ኣብዚ ፀወታ ግና ከም በዓል ሸምበቆን ኸበሮን ብዙሕ ኣይርኣዩን። ሃርሞኒካ መለለዪ ጥምቀት ኾይኑ ‘ዩ።

ብራድዮ ይኹን ብቴሌቪዥን ኣብ ቕነ ጥምቀት ደጋጊሞም ዘስምዑና ፀወታ ሃርሞኒካ ‘ዩ። ብርግፅ ድማ ኣፍቲ ስፍራ ዝርከብን ዝቕረፅን እሱ ‘ዩ። ‹‹ስግግር ናብ ዘበናውነትን ጓንነትን ኣብ ጃን ሜዳ›› ብዝብል ርእሲ ህሊና ሰብስበው ዝተብሃላ መሰናዳኢት ፅንዓት ገይረን ‘የን። እተን መፅንዒት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታ ዝመፁ መናእሰይ ዝፃወትዎ ፀወታት ብምዝርራብ ዝሰርሕዎ ‘ዩ። ኣፍቲ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዝጠቐስኦ ቃላዊ ግጥምታት ከምዘርእይዎ፤ሓድሓዲኦም ቕድሚ ሐዚ ዝነበሩ ስነቃላዊ ግጥምታት ነዚ ዘበን ብዝጥዕም መልክዑ ዝተቐየሩ ‘ዮም። እዚ ማለት ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝርኣይ ነባራዊ ኹነታት ምእንቲ ክገልፁ ተባሂሉ ‘ዩ። ገለገሊኦም ድማ ብፍሉጣት ደረፍቲ ዝተደረፉን ዝፍለጡ ግጥምታት ደርፊ ብምቕያር ዝፅወቱ ‘ዮም።ንኣብነት ናይ ኣብርሃም በላይ ሙዚቃ ‹‹ውበቷ ውበቷ የዝች ልጅ ውበቷ›› ዝብል ግጥሚ ‹‹ውሸቷ ውሸቷ የዝች ልጅ ውሸቷ›› ናብ ዝብል ብምቕያር እናደረፉ ይፃወቱ፤ ኣብዚ ዝርከቡ መብዛሕትኦም መናእሰይ ስለዝኾኑ ዕላምኦም ሰሓቕን ፀወታን ‘ምበር ቁምነገርን ሙህሮን ኣይኮነን።ሓደሓደ እዋን ንመስሓቒ ተባሂሉ ነውሪ ዝበሃሉ ናይ ስዲ ቃላት ይኣትዉ ‘ዮም። ብፀወታ ሃርሞኒካ ነውሪ ዝበሃሉ ነገራት እናልዐሉ ይፃወቱ። ነውሪ ዘብሎ እቲ ድርጊቶም ‘ምበር ቃል ጥራሕ ኣይኮነን። እተን መፅንዒት ነውሪ ዝብልኦ ድማ ምስካር፣ምትካኽን ነዚ ዘበረታትዕ ደርፍን ግጥምን እናደጋገሙ ምድራፎምን ‘ዩ። ልዕሊ እዚ ነውሪ ዝበሃሉ ድማ ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ዝፃረፉ ግጥምታት ኣለዉ (እቶም ግጥምታት ኣብዚ ኣይጥቀሞምን)፤ብኣካላዊ ምንቅስቓስ እናሸብሸቡን ዝፍንውዎ መልእኽቲ ግና ነውሪ ‘ዩ።

 ንፍቕሪ ሃገር ዝተደረፉ ደርፍታት ድማ ብኻልእ ይትክኡ። ሓደሓደ ግዘ ካብ መንእሰይ ትፅቢት ዘይግበርን ተስፋ ዘቑርፅን ‘ዩ። ሐዚ ‘ውን ግጥሙ ኣይጥቀሞንየ።እዚ ክስተኻኸል ዘለዎ ‘ዩ። እቲ ኻልእ ብፀወታ ሃርሞኒካ ዝቐርብ መወድስ መንደር ‘ዩ። እዚ ካብ ቐደም ዝፀንሐ ኣብ ከባቢ ገጠር ዝተለመደ ‘ዩ። ዝመፁሉ ከባቢ ብምጥቃስ ብጅግንነት ወይ ድማ ብሞያ ይወዳደሱ። መብዛሕትኦም መናእሰይ ግና ጅግንነት መሰረት ዝገበሩ ደርፍታት ‘ዮም ዝደረፉ።ኣብ ትግራይ’ውን እቲ በዓል ብድሙቕ ሃይማኖታዊን ባህላዊን መገዲ ይኽበር።

ካብ ልደት ዝቐፀለፀ ፀወታ ቓርሳን ቅልስን ፀወታትን ኣለው። እምበኣርከስ ፀወታ ጥምቀት ቃሕ በሃሊ ስለዝኾነ ትሕዝቱኡ ብምዕራይን ናብ ፅቡቕ ብምልዋጥ ዋጋ ዘለዎን ንምግባር ብፍላይ መናእሰይ ዝራኸቡሉ ቦታ ስለዝኾነ ጠጥዑሙ ክድረፍን ሙህሮ ክግነዮን ናይ ምግባር ሓላፍነት ኹላትና ‘ዩ ብፍላይ ሚዲያታት ትኹረት ሂበን ክሰርሓሉ ስለዝግባእ ኹላትና እጃምና ነወፊ ውሕጅ እናስሐቐ ከምዝወስድ ዘይጠቅም ነገር ‘ውን ሒዙና ከይኸይድ ንንቃሕ ናብ ፅቡቕ ንለወጥ።

11 ጥሪ 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You