ዓሊ ቢራ – በዓል ብዙሕ ሞያ

ብዛዕባ ናይ ዓሊ ቢራ ሙዚቃ ክእለትን ተፈታውነትን ካብ ተዛረብቲ ኦሮሞ ዘይንእስ ተዛረብቲ ካልኦት ቋንቋታት ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና። ጣዕሚ ሙዚቃ ዝፈልጡ ሰባት ከምዚኦም ዝበሉ ‘ዮም። ካብ ሙዚቃ ዘሐጉሶም ግጥሚ ዘይኮነስ ዜማን ቃናን ‘ዩ። ኣብ ሙዚቃ ግጥሚ ካልኣዊ ጉዳይ ‘ዩ። ነዚ ‘ዩ ድማ ሙዚቃ ቋንቋ ዓለም ‘ዩ ተባሂሉ ዝፅዋዕ። ሙዚቃ ከም መሓላፊ መልእኽቲ ዝጥቀሙ ሰባት ካብ ሙዚቃ ዝረሓቁ ‘ዮም ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ምናልባት ኣድህበኦም ኣብቲ ግጥሚ ‘ዮም።

ነዚ ኢና ድማ ፍቕራዊ ስምዒታት ንምግላፅ ወይ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ ደርፍታት ንጥቀም። ንሙዚቃ ቀረባ ዝኾኑ ሰባት ግና መጀመርያ ዘጠዓዕምዎ ነቲ ዜማን ኣብ ውሽጡ ዘለው ንዓና ዘይርድኡና ካልኦት መለክዕታት ‘ዩ። ናይ ሙዚቃ ነገር ረቂቅ ‘ዩ። “እንታዩ ፈቲኹሞ” ተንብሃል መለክዒኡ ዋላ ክርድኣና እንተዘኸኣለ፤ ትርጉሞም ዘይንፈልጦም ግጥምታት ብዘይንፈልጦም ቋንቋ ዝተደረፉ ደርፍታት ‘ውን ተመሲጥና ንሰምዕ ኢና።እዚ ክብል ዝኸኣልኹ ምክንያት ዓሊ ቢራ ዝደረፈሎም ቋንቋታት ዘይፈልጡ ሰባት ‘ውን ተመሲጦም ክሰምዑ ስለዝርእይ ‘ዩ።

ሰብ ድሕሪ ሙማቱ ‘ዩ ዝምስገን ዝብል ኣበሃህላ ይሃልው ‘ምበር ዓሊ ቢራ ግና ኣብ ሕይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዙሕ ተመስጊኑ ‘ዩ። ብዙሓት ኣድነቅቲ ነሃቱ ደርፊ ሰሚዖም ከምዘፅግቡ ኣብ ህይወት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ክዛረቡ ሰሚዕና ኢና። ንሙኻኑ ዓሊ ቢራ ከምዙይ ተፈታዊ ንክኸውን ዝገበሮ እንታይ ‘ዩ?ነዚ ሕቶ ክምልሶ ዝኽእል ናይ ሙዚቃ በዓል ሞያ ሰርፀ ፍሬስብሐት ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 15ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ‹‹ዝኽሪ ዓሊ››ብዝብል ናይ ዓሊ ቢራ ናይ ሙዚቃ ህይወት ደርፊ ዝዝክር መድረኽ ተዳልዩ ነይሩ። ኣብቲ መድረኽ ብዙሕ ምድላዋት ቀሪቦም ‘ዮም። እቲ ኻሊእ ንኻሊእ እዋን ክንሓድጎ እሞ ንሎሚ ናይ ሰርፀ ፍሬስብሐት መብርሂታት ክነካፍለኩም።

 “ዓሊ ብዙሕ ሰብ ‘ዩ” ይብል ሰርፀ። ብዓይኒ ፎክለር እንተዝርኣ ብዙሓት ናይ ባህሊ ተመራመርቲ መድረኽ ኣዳሊዎም ክመኽሩሉ ዘኽእል ‘ዩ። ናይ ቋንቋ ሰባትን ናይ ፍልስፍና ሰባትን ‘ውን ኣገላልፅኡን ፍልስፍንኡን መድረኽ ኣዳሊዎም ክመኻኸሩ ይኽእሉ። ናይ ሙዚቃ ሰባት’ውን ብዛዕባ ድምፁን(ቮካል) ኣሬንጅመንቱን ሰፊሕ ምኽክር ክገብርሉ ይኽእሉ። ብሓፈሻ ብኹሉ ዘፈራት ንሕትመት ዝኾኑ ውፅኢታት መፅናዕቲ ክቀርቡ ይኽእሉ። ናይ ኢትዮጵያ ሙዚቃ ካብ ቀደም ተተሓሒዙ ዝመፅኣ ባህር’ዩ፤ ሓሳብ ብምሽካም፣ ናይ ግጥሚ ምሉእ ምኻኑ ‘ዩ ዘዘንብል። ሓደ ኢትዮጵያዊ ሙዚቃ ወይ ደርፊ ሰሚዓ ዝብል ብኣብዝሓ ሰሚዓ ማለቱ ‘ዩ። ናይ ዜማ፣ ናይ ሙዚቃን ካልኦት ጉዕዞታት ናይ መጀመርያ ትኹረቱ ኣይኾነን።

ኢትዮጵያዊ ኣድማፂ ካብ ቃል ናብ ድምፂ ዝሰጋገር ናይ ሙዚቃ ትኹረት ብዝበለፀ የምዝን። ናብ ምዕራብ ዓለም እንተኸይድና ግና ናይ ሙዚቃ ኣድማፂ ምስ ሙዚቃ ሓሳብ ዝራኸብ ናይ ሙዚቃ ቅርፂ፣ ውሁደትን ናይ ድምፂ ምውቃርን ብትኹረት ምድማፅ ይኸውን። ናይ ቃላት ዋጋ ቀፂሉ ዝመፅእ ቁም ነገር ‘ዩ። መጀመርያ እቲ ሙዚቃ ‘ዩ ዝነኽኣና። ብዙይ መሰረት ናይ ምዕራባውያን ሙዚቃ ናይ ምድማፅ ባሕሊ ካብ ድምፂ ናብ ቃል እንትኸውን፤ ናይ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ቃል ናብ ድምፂ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር እዚ ኣፈላላይ ዝሰብሩ ሰባት ግና ኣለው።

 እዞም ደረፍቲ ናይ ቃል ዋጋ ከይስተውዓልና፣ ቋንቋ ከይገደበና፣ ትርጉሙ ከየድለየና ነዳምፆም ‘ዮም። እዞም ደረፍቲ ንዝተፈጠሩሉ ናይ ሙዚቃ ዓለም ኩሉ ዝኽእሉ(ዩኒቨርሳል)ዝብሃሉ ‘ዮም።“ዓሊ ወርቃዊ ድምፂ ዘለዎ ‘ዩ” ይብል ሰርፀ መብሪሂኡ እንትቅፅል። ብፍላይ ረጊድ ድምፂታት ዝሰርሖም ደርፍታት ናብ ቤዝ ሬንጅ ወሪዱ ዝሰረሖም ‘ዮም። ናብ “ልዑል ሬንጅ” ዝመፅኡ ሙዚቃታት ሐዚ ንዘለው ናይዚ እዋን ደረፍቲ ክሳብ ሐዚ ናይ ቮካል ፈተና ዝኾኑ ‘ዮም። ዓሊ ካብ ካልኦት ናይ ኦሮምኛ ደረፍቲ ዝተፈለየ ኩሉ ዓይነት ኽእለት ተቀባልነት ክረክብ ዝኸኣለሉ ክልተ ምኽንያት ሰርፀ ከምዚ ብምባል የብርህ። ናይ መጀመርያ፤ ዓሊ ዝፃወተሎም ናይ ሙዚቃ ስልትታት ኣብ ካልኦት ሃገራት ባህልታትት ወይ ‘ውን ንኢትዮጵያ ኣድማፂ ጎረቤታት ዝኾኑ ናይ ምብራቅ ኢትዮጵያ ባህልታት ዝፈልፈሉ ምኻኖም ‘ዮም። ካልኣይ ምኽንያት፤ ናይ ዓሊ ብጣዕሚ ዝተማልኣ ናይ ሙዚቃ ሰብእና ‘ዩ። ናይ ሙዚቃ ሰብእንኡ ዘይተሓላለኸ ‘ዩ። ኣወፃፅኣ ብጣዕሚ ቀሊል ‘ዩ፣ ቀሊል ብዝኾነ ኣቀማምጣ ‘ዩ ዘቅምጦም። ውፅእ እትው ጥምዝማዝን ኣይበዝሖምን።

ብዙሕ ሰብ ቀሊል ክብሃል ከሎ ልሙድ ትሑት ‘ዩ ዝመስሎም። ኣብ ሙዚቃ ዓለም ውሽጢ ብጣዕሚ ኸቢድ ስራሕ እቲ ቀሊል ነገር ምቅማጥ ‘ዩ። እዚ ሰባት እናሰርሑ እንትኸዱ ኣብ ነዊሕ ግዘ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዕድል ‘ዩ። ዓሊ ምኽንያታዊ ኖታ ‘ዩ ዘውፅእ። ድምፀይ ፀቢቁለይ ኢሉ ምኽንያታዊ ዘይኮነ ኖታታት ኣይነኻኽእን። እዙይ ኸዓ ናይ ጥበብ ፍልጠቱ ውፂኢት ‘ዩ። ብሓፈሻ ሰርፀ ከምዝብሎ፤ ናይ ዓሊ ናይ ሙዚቃ ሕይወት ክጠቃለል ከሎ፤ ካብ ሙዚቃዊ ህይወት ወፃኢ ካሊእ መንነት ዘይብሉ ‘ዩ። ካብ ሙዚቃ ስራሕ ንምውፃእ ሞኪሩ ኣይፈልጥን፤ ክሳብ ሕልፈት ህይወቱ ምስ ማይክ ‘ዩ ነይሩ። ክምቸዎ ከሎ ከይኮነ ከይመቸዎ ‘ውን ሙዚቃ እናተፃወተ ዝነበረ ሰብ ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

4 ጥሪ 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You