ባህላዊ ፀወታ ቃርሳን ቅልስን

ከምቲ ዘፍለጥ በዓል ልደት ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ካብ መንጎ ዝኽበሩ ዓበይቲ በዓላት ሓደ ‘ዩ። እዚ ሃይማኖታዊ በዓል እንትኸበር ዓርሱ ዝኽኣለ መፅሓፍ ቅዱሳዊ ታሪኽ ስዒቡ እንትኽበር ቁሩብ ንምጥቃስ ድማ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሄም ኣብ ደምበ ከፍቲ ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከም ዝተወለደ ይሕብሩ። እዚ ዓብዪ ክብረ በዓል ካብ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶኡ በተወሳኺ ኣብ ሃገርና ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ፀወታታት ዝኽበር እንትኸውን፤ካብ መንጎ እቶም ፀወታታት ድማ ፀወታ ቓርሳን ቅልስን ተፈለጥቲ ‘ዮም። እዞም ፀወታታት ኣብ መላእ ትግራይ ብፍላይ ድማ ከባብታት ራያ፣እንደርታን ዓጋመን ዝፍለጡ ‘ዮም።

ፀወታ ቓርሳ ካብ ብላይ ኮንጎ ጫማ ብሓዊ ጌርካ ወይከዓ ካብ ዕንፀይቲ ብግምት ዲያሜትራ 4ሳ.ሜ. ኮይና እትስራሕ ንእሸተይ ክቢ ዝኾነት ነገር ‘ያ እታ ዋና መፃወቲት ቃርሳ። እዚኣ ዳርጋ ኩሉ ወዲ ተባዕታይ ክሰርሓ ዝኽእልን ብመንደር ዝፃወትዋን ‘ያ። ካብ ሰገናት ክሳዕ ንመርዓን ሕፀን ዝበፅሑ ዝፃወትዎ እንትኸውን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓዲ ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ሓደ ጫፍ ወይከዓ ኣብ መንጎ ክልተ ጎረባብቲ ዓዲታት ካብኡ እንትሓልፍ ከዓ ኣብ መንጎ ብዙሓት ዓዲታት ኮይኑ ኣብ መንጎ ክልተ ጉጅለታት ዝግበር ፀወታ ‘ዩ። ኣብዙይ ብፍፁም ሓይልካን ጉልበትካን ዝግበር ፀወታ ዳርጋ ኩሉ ብሰላማዊ መንገዲ ዝፃወት እንትኸውን ገልገለ ችኮታት ከዓ ኣይሰኣኑን።

 በዙይ ፀወታ እዙይ ዘይሓለፈ ወዲ ገጠር ኣይክህሉን። ኣገባብ ኣፀዋውትኡ እዞም ክልተ ጉጅለታት ነናይ ባዕሎም መፃወቲ ኣንፈትን ሕድ ሕድ ተፃዋታይ ነቲ ፀወታ መካየዲ ዘገልግል ቅኑዕ በትሪ ይሕዙ። ንኣብነት እቲ ሓደ ጉጅለ ንምብራቕ ኣንፈት ንምኻድ ዝደሊ እንትኾን በቲ ዝሓዞ በትሪ ነታ ቃርሳ ንምብራቕ ኣንፈት እናቐለዐ ክወስድ ይፅዕር ብኣንፃሩ እቲ ካልኣይ ጉጅለ ድማ ንምዕራብ ኣንፈት ንምኻድ ዝደሊ እንትኾን ነታ ቓርሳ ንምዕራብ ኣንፈት እናቐለዐ ክወስድ ይፅዕር።

 ኣብዚ ፀወታ በዝሒ ኣባላት ጉጅለ ወሳኒ ስለ ዝኾነ ናይ ክልቲኡ ጉጅለ በዝሒ ኣባላት ተመጣጣኒ ክኸውን ይግባእ። ካብዚ ብተወሳኺ ቅልጡፋት ጎየይትን ንፉዓት ቀላዕትን ከም ኮኸባት ናይቲ ፀወታ ይቑፀሩ። እዚ ፀወታ ዝዛዘም ሓዲኡ ጉጅለ በቲ ናይቲ መጋጥምቱ ጉጅለ ፃዕሪ ከይተዓገተ ናብቲ ዝደልዮ ኣንፈት ደፊኡ ነዊሕ ርሕቐት እንትወስድ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ጉጅለ ደኺሙን ተስፋ ቆሪፁን ነታ ቃርሳ ገዲፉ ነናብ ዓዱ ምምላስ እንትጅምር ‘ዩ።

ምልክት ዓወት እቲ ዝተዓወተ ጉጅለ ድማ እታ ክፃወቱላ ዝዋዓሉ ቃርሳ ናይ ዓርሱ ምግባር ‘ዩ። እቲ ዝተሳዕረ ጉጅለ ‘ውን ስዕረቱ ከየምለሰ ዓሪፉ ስለ ዘይቕመጥ ኣብ ቐፃሊ መዓልቲ ተጠናኺሩ ብምቕራብ ዓወት እንተቐኒዕዎ እታ መፃወቲት ቃርሳ ይውንን። በዚ መልክዕ እቲ ፀወታ ይቕፅል። ኣብ መንጎ አዚ ፀወታ ረብሻ ዝፈጥር ተፃዋታይ በቲ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ኮነ ብመሓዙቱ ተቐባልነት ስለዝስእንን ተፅዕኖ ስለዝዓርፎን እዚ ተግባር ዘይፍተን ‘ዩ። እንተተፈተነ ‘ውን ቀልጢፉ ብይቅርታ ‘ዩ ዝዕፆ። ፀወታ ቅልስ ኣብ መንጎ መሓዙት ዝግበር ኮይኑ ኣብ ሑፃ፣ ኣብ ጎልጎል ወይከዓ ኣብ ሓሰር ክግበር ይክእል ‘ዩ።

 ብዋናነት ግን ኣብ እዋን ተሃብኪ ማለት ‘ውን ካብ ታሕሳስ 29- ጥሪ 11 ኣብ ዝኽበር ዘበነ ተሃብኪ፣ ሰገናትን መንኣሰያትን ማለት ‘ውን ዘይተመርዓው ዝግበር ‘ዩ። እዙይ ፀወታ ኣብ እዋን መውፅኢ ቀውዒን መእተዊ ሓጋይን ዝግበር እንትኸውን ሓሰር ኣብ ዓወዲ ከምድላይካ ዝርከበሉ እዋን ‘ዩ። ብዋናነት መሓዙት ዝኾኑ ብድልየት እናወፁ ዝፀዋትዎ እንትኾኑ ብሓይልን ብጥበብን ወይከዓ ዝግበር ፀወታ ‘ዩ። ቅልስ ከም ሓደ ባህላዊ ስፖርታዊ ፀወታ ተራእዩ ብውድድር መልክዕ ‘ውን ንፈልጦ ኢና። እምበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ሙሉእ ኮይኑ ህዝብናን ሃገርናን ቅሳነት ክረኽቡ እናተመነና እንኳዕ ንጎታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ልደት ኣብፀኸኩም እናበልና ሰናይ በዓል ልደት ክኾነልና ንምነ።

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 27 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም

Recommended For You