ሙዚቃን ሰብን ናብ ሰዋስው መልቲ ሚድያ

ናይ ሙዚቃ ታሪኽ ምስ ታሪኽ ደቂሰባት ዝተኣሳሰረ’ዩ። ብዙሕ ግዜ ዝዝረበሉ ታሪኽ ድሕሪ ዘመን ሸኽላ ሙዚቃ ዘሎ እንተኾነ ‘ውን ሙዚቃ ግና ምስ ሰባት ናብራ ካብ ባዕቲ ጀሚሩ ብዘይልሙድ መልክዕ እናተዜመ ፀኒሑ ‘ዩ። ሙዚቃ ብሸክላ ምሕታም ካብ ዝጅምረሉ ግዜ ናብዚ ዘሎ ናይ ሙዚቃ ታሪኽ ግና ብዙሕ ተዘሪብሉ ‘ዩ። ናይ ደቂ ሰባት ስልጣነ ብርኪ እናዓበየን እናዘመነን ብዝመፅኣ ቁፅሪ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ዓይነታት እናተለዋወጡን እናዓበዩን መፂኦም’ዮም። ኣብዚ እዋን ዘሎ መንእሰይ ወለዶ ናይ ቁልዕነት ተዘክሮኡ ዘሎ ኣብ ካሴት ‘ዩ። ብካሴት ምቅዳሕ ዝተጀመረ ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ ብ1960ታት ከምዝኾነ ሓበሬታት ይሕብሩ።

ኣብዚ እዋን ዝነበሩ ናይ ኢትዮጵያ ሙዚቃታት ዝፍለጡ ብስራሕቲ ሸኽላ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብካሴት ምቅዳሕ ዝተጀመረ ትኽክለኛ እዋን ዋላ እንተዘይረኽብና ካብ 1970ታትን 1980ታትን ጀሚሮም ግና ናይ ካሴት ስራሕቲ ኣለዉ። ብፍላይ ናይ ሎሚ መንእሰይ ወለዶ ልዑል ናይ ቁልዕነት ተዘክሮ ስራሕታት ሙዚቃ ካሴት ዘለዎ ድማ ናይ 1990ታት ‘ዩ። ናይ ደቂ ሰባት ስልጣኔ ደረጃ ዓይነቱን መልክዑን እናቀየረ ምኻዱ ቀፂሉ ኣሎ። ብዙሕ ባህላዊን ልማዳውን ኣሰራርሓታት ብዘመናዊን ረቂቅ ቴክናሎጅታትን እናተተክኡ ‘ዩም። ካብዚኦም ሓደ ድማ ዘፈር ሙዚቃ ‘ዩ። ኣብ ሃገርና ብፍላይ ድሕሪ ሚልንየም መፃወቲ ሲዲን ዲ ቪ ዲን ፋሽን ኮይኖም መፂኦም ‘ዮም። ውላድ ቴክኖሎጂ ዝኾኑ ከም ፍላሽን ናይ ኢድ ስልክታትን ሚሞሪ ካርዲ ድማ ተወሳኺ ናይ ሙዚቃ መፃወቲ ኮይኖም መፂኦም ኣለው። ኮይኑ ግና እዚኦም ነቲ እንዱስትሪ ሙዚቃ ዓብይ ፈተና ኣኸቲሉ ‘ዩ። “ፍላሽ ክላሽን” ክሳብ ዝብሃል ናይ ፈጠራ ስራሕቲ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ብምብዛሕ ንሌብነት በሪ ኸፈቶም ‘ዮም።

ናይ ቴክኖሎጂ ለውጢ ዕብየት ይቅፅል ኣሎ። ኣብ ሃገርና ቅድሚ 10 ዓመታት ጀሚሩ ድማ ናይ “ዩትዩብ” ኣማራፂታት ካሊእ ናይ ሙዚቃ መስምዒ ኮይኖም መፂኦም ‘ዮም። ሰባት ብናይ ባዕሎም ናይ ኢድ ስልኪ ብቀጥታ ካብ እንተርኔት ብምውራድ ወይ ድማ ብቴሌቪዥንን ካልኦት መፃወቲ ኣመራፂታት ምስማዕ ተጀሚሩ ‘ዩ። በዚኦም ኩሎም ናይ ቴክኖሎጂ ቅብብላት ውሽጢ ሙዚቃታት ንምርካብን ንምስማዕን ምችው ኩነታትት ዋላ እንተፈጠረ ነቶም በዓል ዋና ሙዚቃ ግና ስራሕ ፃማኦም ብግቡእ ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ነዚ ፀገም ንምቅራፍ ‘ውን ‘ዩ ሰብ ሞያ ሙዚቃ ሓደ ብልሓት ዝፈጠሩ። እዙይ ‘ውን ሙዚቃ ናይ ባዕሉ መተግበሪ ምምሃዝ ‘ዩ። እዚ ናይ ሙዚቃ ሞባይል መተግበሪ ‹‹ሰዋስው›› ዝብሃል እንትኸውን ብዝሓለፈ 29 ሕዳር 2015 ዓ.ም ኣብ ሆቴል ስካይላይት ምስ ሰብሞያታት ሙዚቃ ብምዃን ምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈሪሙ ኣሎ።

እታ ውርይቲ ድምፃዊት ማሪቱ ለገሰ ሓዊሱ፤ ቴድሮስ ካሳሁን፣ ካሙዙ ካሳ፣ ኣብነት ኣጎናፍር፣ ግርማ ተፈራ፣ ሔኖክ ኣበበ፣ ራሄል ጌቱ፣ ያሚሉ ሞላ፣ ለምለም ሃይለሚካኤል፣ ብሌን ዮሴፍ፣ ዘሩባቤል ሞላን ካልኦትን ልዕሊ ሰማንያ ዝኾኑ ውሩያትን መናእሰይን ናይ ሙዚቃ ሰብ ሞያታት ምስ ሰዋስው መልቲ ሚድያ ብሓባር ናይ ስምምዕነት ሰነድ ተፈራሪሞም ‘ዮም። ሰዋስው መልቲ ሚድያ ሙዚቃ ብቀሊሉ ብኦንላይ ላይን ንምዕዳግ ዘኽእል ናይ መተግበርያ ብልሓት እንትኸውን ቅድሚ ክልተ ዓመት 300 ሚልየን ብር መዋእለ ንዋይ ሒዙ ናብ ስራሕ ዝኣተወ’ዩ። ኣብቲ ዝተስማዕምዑሉ ዕለት ምስቶም ሰብሞያታት ብሓንሳብ ኮይኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝተዛረብዎ፤ እቲ መተግበሪ ናይ ኢትዮጵያ ሙዚቃታት ካብ ዶብ ተሳጋሪ ሰማዕ’ውን ተጠቃሚነት ንክረኽቡ ዝገብር ‘ዩ።

 ሰብ ተውህቦታት ተጠቃሚ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ናይ ሙዚቃ ስራሕትታት ኣከፋፈልቲ ሕፅረት ኣብ ዘለዎ ኩሉ ከይተገደበ ንክስማዕ ዝገብር ‘ዩ። ዘይሕጋዊ ናይ ሙዚቃ ምቅዳሕ ዝበዝሖ ዝነበረ ናይ ሙዚቃ ኢንዱስትሪ መሰል በዓልዋናታት ብዘኽበረ ናይ ቴክኖሎጂ ኣሰራርሓ ተጠቃሚ ዝገብር ‘ዩ ተባሂሉ ኣሎ። እዙይ ድማ ነቶም ደረስቲ ጥቅም ዝበለ ክፍሊት ብምኽፋል እቲ ሙዚቃ ባዕሉ ይሸጦ ማለት ‘ዩ። ምስቶም ሰብሞያታት ድሕሪ ውዕሊ ምፍርራም ስራሕቶም ምርካብ ጥራሕ ‘ዩ ካብኦም ዝድለይ። ካብኡ ካብቲ ስራሕ የትርፍ ይኽሰር ናይ ሰዋስው ‘ዩ ዝኸውን።

 ሰዋስው ናይ ሙዚቀኛታት ስራሕ ናብ ሰማዒ ንክበፅሕ ናይ ምፍላጥ ስራሕ ምሉእ ሓላፊነት ወሲዱ ዝሰርሕ እንትኸውን፤ ምስ መሰል ቅድሒት ተዝማዲ ሓለዋ ተተሓሒዙ ብማህበር ሙዚቀኛታት ኢትዮጵያ ኣቢሉ እቲ ዝስብሰብ ናይ ሮያልቲ ክፍሊት ንፕሮውዲውሰር ዝፍቀድ መሰል ወሲኹ ንሓሙሽተ ዓመት ከምሓዳድር ናይ ሰዋስው መሰል ይኸውን ማለት ‘ዩ። ብሓፈሻ እቲ መተግበሪ ደቂ ሰባት ዝበፅሕዎ ናይ ቴክኖለጂ እዋን ተሓሳቢ ብምግባር ናይ ሙዚቃ ተዘክሮ ንቀፃሊ ወለዶ ንምምሕላፍ፣ እቲ እድል ዘይረኸቡ ሰብ ተውህቦ ምስ በዓል ሞያ ዘራኽብን ካብ ኣድማፂ ተሓቢኦም ዝተርፉ ስራሕቲ ዘራኽብ ስለዝኾነ ተጠናኺሩ ይቀፅል ንብል።

ኣብርሃ ሓጎስ

Recommended For You