ነብሲ ዘንቅሑ ስነ ቃላዊ ግጥምታት

ግጥምታት ስነ ቃል መበገሲ ኹሎም ስነ ቃላት ብፍላይ ድማ መሰረት ዘበናዊ ግጥምታት ከም ዝኾኑ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ይዛረቡ፡፡እዞም ግጥምታት ስነ ቃል ናይ እኸለ ዝበሃሉ ኣይኮኑን፤ብሓፈሻ ‹‹ናይ ህዝቢ ግጥሚ›› ተባሂሎም ይፅውዑ፡፡ኣብ ሓደ ሓደ ናይ ቐደም ባህላውን ዘበናውን ደርፍታት ተኻቲቶም ንረኽቦም ኢና፡፡ እዞም ግጥምታት ስነ ቃል ህዝቢ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝበሃሉ እንተኾኑ ዓይነታት ኣለዎም፡፡ኣብ መርዓ፣ኣብ ሓዘን፣ኣብ ስራሕ ዝበሃሉ ይፈላለዩ ‘ዮም፡ ፡እቶም ኣብ ስራሕ ዝበሃሉ ‘ውን ነናይ ባዕሎም እዋን ኣለዎም፡፡ናይ ማሕረስ ዓርሱ ዝኽኣለ ባህረት ኣለዎ፡፡ ሐዚ እዋኑ ቐውዒ ‘ዩ፡፡ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓረስታይ እኽሊ ዝእክበሉን ኣብዑሩ ኣብ ዓውዲ ብምዝዋር ወይ ድማ መኼዳ ብምግባር ዝሰርሐሉ እዋን ‘ዩ፡፡

ኣብዚ መኼዳ ነብሲ ዘንቅሑ ቃላዊ ግጥምታት ብዜማ ተዓጂቦም ነቶም ኣብዑርን ንሓረስታይን የነቓቕሑ፡፡ ብወነ ስምዒቱ ይገልፅ፡፡ ኣብ ድንቃ ድንቅን መዘናግዒ ዜናታትን ‹‹ኣግራባት ሙዚቃ ይሰምዑ ‘ዮም›› ክበሃል ንሰምዕ ኢና፡፡ሙዚቃ እናሰምዐት እትሕለብ ላም ከምዘላ ‘ውን ሰሚዕና ኢና፡ ፡እምበኣርኸስ ኣግራብ ሙዚቃ ይሰምዑ ‘ዮም ካብ ተብሃለ ናይ እንስሳታት ብዙሕ ኣይገርምን፤ምኽንያቱ ልዕሊ ኣግራብ እንስሳታት ንሰብ ስለ ዝቐርቡ፡፡ እንስሳታት ምስ ወዲ ሰብ ይረዳድኡ ‘ዮም፡፡ነዚ ድማ ‘ዩ ሓረስታይ ንከፍቲ ሽም ዘውፅእ፡፡እተን ከፍቲ ድማ መፀውዒ ሽመን ፈሊጠን ይረዳድኣ፤ናይ ማሕረስ ኣብዑር ሽም ኣለዎም ፤ኣጣል ‘ውን ሽም ኣለወን፡፡ ሓረስታይ እንትሓርስ ናይቲ ብዕራይ ሽም እናፀውዐ ናብ ማሕረስ እንትብገስ ‘ውን ብተመሳሳሊ፤ካብ ዝተብሃለሉ ሓሊፉ ጥፍኣት እንትፍፅም ሽሙ ፀዊዑ እንትምዕዶ እቲ ብዕራይ ሰሚዑ ይምለስ፡፡

መብዛሕትኡ ግዘ ሽም ኣጣልን ኣላሕምን ብጓሶት ‘የን ዝፅውዓ፡፡እቲ ጓሳ ነታ ዘጥፈአት ጤል ወይ ድማ ላም ሽማ እናፀውዐ ይመልሳ፡፡ ከፍቲ ምስ ጓሶት ዝረዳድኡሉ ኻሊእ ቋንቋ ‘ውን ኣሎ ፤ኣንፈታት ይፈልጡ ‘ዮም፤ንኣብነት ሓረስይ እናሓረሰ እቲ ሓደ ብዕራይ ናብ ታሕቲ እንተስሒቡ ናይቲ ብዕራይ ሽም እናፀውዐ ‹‹ንዓ ውፅእ›› ይብሎ፤ ውፃእ ማለት ልዕል በል ማለት ‘ዩ፡፡ብተመሳሳሊ ናብ ላዕሊ እናስሓበ ዘፀግም እንተኾይኑ ድማ ‹‹ንዓ ውረድ›› እናበለ ይመልሶ፡፡ኹሉ ነናይ ባዕሉ ዜማ ኣለዎ፡፡ ጓሶት ‘ውን ምስ ከፍቶም ብተመሳሳሊ ይረዳድኡ፡፡ ‹‹ንላዕሊ፣ንታሕቲ፣እተዊ..›› ዝብሉ ቃላት ይጥቀሙ፡፡ እቲ ዝተኣዘዘ ከፍቲ ድማ ናብ ላዕሊ እናወፀ እንተነይሩ ‹‹ናብ ታሕቲ›› እንትብሃል ይምለስ፡፡ ወግዒ ብዕራይን ሓረስታይን ግና ካብዚ ንላዕሊ ‘ዩ፡፡ነቲ ብዕራይ ከም ሰብ የወድሶ፡፡ምስቲ ብዕራይ ዘውግዑ ‘ዮም ይመስሉ፡፡ብርግፅ መልሲ ንዘይህብ ኣካል ‘ውን ይውደስ ‘ዩ፡፡ናይ ብዕራይን ሓረስታይን ግና ግብረ መልሲ ዘለዎ ‘ዩ፡፡ብዕራይን ሓረስታይን ኣብ ዝኾነ እዋን ዘይነፃፀሉ ‘ዮም፤ኣይርሓሓቑን፡፡ኣብ እዋን ማሕረስ እናተወዳደሱ ዝሓረስዎ ኣዝመራ ኣብ እዋን ቐውዒ ድማ እናተወዳደሱ ይእክብዎ፡፡

ኣብዑር ናብ ዓውዲ ድሕሪ ምእታዎም ብስርዓት ክዘውሩ ይግበር፡፡ኣብ ቕድሚት ዝመርሑ ዓበይቲ ወይ ድማ ኣቦታት ኣብዑር ‘ዮም፡፡ኣብ ቕድሚት ኮይኑ ዝመርሕ ብዕራይ ድማ ቀያሲ ይበሃል፡፡ተስታይ ብዕራይ (መንእሰይ ) ቀያሲ ወይ ድማ መራሒ እንተኾይኑ ነቶም ብድሕሪት ዘለዉ ኣብዑር ብስርዓት ክዘውሩ ኣይገብሮምን፡፡ካብ መስመር እናወፀ ናብ ማእኸል ወይ ድማ ንድሕሪት እናኸደ፤ሓደ ሓደ ግዘ ድማ ላሕሚ እንትርኢ ስርሑ ገዲፉ ናብኣ ይኸይድ፤ካብዚ ሓሊፉ ድማ ካፍቲ ዓውዲ ሙሉእ ንሙሉእ ወፂኡ ኻልኦት ንክወፁ ይገብር፡፡እቲ ቐያሲ ኣቦ ወይ ድማ ዓብዪ ብዕራይ እንተኾይኑ ግና ብስርዓት ክዘውሩ ይገብሮም፡፡ በዚ ኣቢልና ናብ ስነ-ቃላዊ ግጥሚ ንእተው፤ብኡ ኣቢልና ድማ ሽም ውዳሰ ኣብዑር ክንሕብር፡፡ ንብዕራይ ‹‹ጎነይ›› እናበሉ ይፅውዕዎ፡፡ብዕራይ እንተሓሚሙ ልክዕ ሓደ ክፋል ሰውነት ከም ዝሓመመ ‘ዩ ዝቑፀር፡፡ ብሓፂሩ ብዕራይ ኹሉ ነገር ‘ዩ፡፡ ብዕራየ ንዓኻ ዝስኣኑ ጎነየ ንዓኻ ዝስኣኑ ሓተላ ጨለጡ ማሕበር ቖልበጡ፡፡ እናበሉ ይውድስዎ ብዕራይ ‘ውን ይሰምዕ ብሞራል ስርሑ የሳልጥ፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

Recommended For You