ግደ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ንሰላም

 ኢትዮጵያ ወናኒት ብርክት ዝበሉ ብሄር ብሄረሰባትን እንትትኸውን በዚ ምኽንያት ድማ ዝተፈላለዩ ቋንቋታትን ሃይማኖታትን ዝዝረበላ ሃገር ‘ያ፡፡

እዞም ብሄር ብሄረሰባት ናይ ባዕሎም ባህልን ቋንቋን ዘለዎም እንትኾኑ በዚ ምኽንያት ድማ ብብርኪ ሃገር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት 29 ሕዳር ኣብ ከተማ ኣዋሳ ንመበል 17 ግዘ ክኽበር ‘ዩ፡፡

እቲ በዓል ‹‹ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ንዘላቒ ሰላም›› ብዝብል ቴማ ዝኽበር እንትኸውን ካብ ኹሎም ብሄር ብሄረሰባት ዝተወፃፅኡ ነቲ በዓል ዘኽብሩ ዕዱማት ካብ 27 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብምእታው ኹሎም ነንርአሶም ንክፋለጡ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ፡፡

ኣብ ትሕቲ ክልል ትግራይ ብዘይካ ትግራይ ኽልተ ብቑፅሪ ውሑዳት ብሄረሰባት ይርከቡ ፤ ብሄረሰብ ኩናማን ኢሮብን ተባሂሎም ድማ ይፅውዑ፡፡

ኩናማ ሓደ ካፍቶም ቐዳመወት ነበርቲ ሃገርና ዓሌት ኒላዊ ሰሃራ እንትኸውን መብዛሕትኦም ኣብ ትግራይ ከባቢ ኣድያቦን ቃፍታን ከም ዝርከቡ ኣብ 2017 ኣ.ፈ ብዝተገበረ ክልላዊ መፅናዕቲ ከባቢ 2‚976 ዝኾኑ ነበርቲ ከም ዘለዉ ይሕብር፡፡

ብሄረሰብ ኩናማ ቕድሚ ልደተ ክርስቶስ 3000 ዓመት ከም ዝነበሩን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ድማ ብንጉስ ባዜን ዝምራሕ ህዝቢ ከም ዝነበረን ካልኣይ መፀውዒ ሽሙ ድማ ባዛዊ እናተብሃለ ይፅዋዕ ምንባሩን፤ ፈላማይ ሰፋሪ ኢትዮጵያዊ ከም ዝኾነ ኣፈ ታሪኽ ኩናማ ይሕብር፡፡

ብሄረሰብ ኩናማ ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ ፣ታሪኽን ኣነባብራን ባህልን ከም ዘለዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ሓደ ኩናማ ከም ኣባል እቲ ሕብረተሰብ ኮይኑ ዝቑፀር ኣደ እቲ ቖልዓ ኩናማ እንተኾይና ጥራሕ ‘ዩ፡፡ መብዛሕትኦም ኩናማ ሓረስቶትን ጓሶትን እንትኾኑ መብዛሕትኡ መሬቶም ድማ ልሙዕ ‘ዩ፡፡

ብሄረሰብ ኩናማ ካብ መንጎ ኣብ ትግራዋይ ዝርከቡ ውሑዳት ብሄራት ሓደ እንትኸውን ፤ብምኽንያት ተደጋጋሚ ጎንፅታት ኣብ ዝግበረሎም ዶባት ብምንባሮም ኣብ ልዑል ሓደጋ ምጥፋእ ዝርከቡ ሕብረተሰብ ‘ዮም፡፡

እቶም ኻልኦት ድማ ኣብ ከባቢ ዓዲግራት ወይ ድማ ዶብ ዛላምበሳ ዝርከቡ ብሄረሰብ ኢሮብ (ሳሆ) እናተብሃሉ ዝፍለጡ እንትኾኑ ብኣውራ ኣብ ጎቦ ዓሲምባ መነባብርኦም ዝመስረቱን ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ኤርትራ ከም ዘለዉ ሓበሬታታት የመላኽቱ፡፡

ብሄረሰብ ኢሮብ ናይ ባዕሎም ቋንቋን ባህልን ዘለዎም እንትኾኑ ኣከዳድንኦምን ባህሎምን ምስ ትግራዋይ ዝመሳሰል ‘ዩ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ካልኦት ክልላት ሃገርና ዝርከቡ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዓርሶም ዝኽኣሉ መስሕብ ቱሪስት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ንምርግጋፅ ዝኣክል ኹሎም ነናይ ባዕሎም ሕብርታትን ስራሕቲ ውፅኢት ኢደ ጥበብን ዘለዎም ‘ዮም፤ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣልባሳትን መጋየፅታትን እቲ ሓደ ካፍቲ ኻሊእ ንምፍላይን፤ ኣዝዮም ሰሓብቲ ዝኾኑ ናይ ገዛ ናውቲ መመገብን ዝኣመሰሉን ብናይ ባዕሎም ፈጠራ ዝሰርሑ ‘ዮም፡፡

ንኣብነት ኣብ ትግራይ ስፈታት መኾምብያን መሶብን ዝጥቀስ እንትኸውን፤ብፍላይ ብሄረሰብ ኩናማ ድማ ብስራሕቲ ሰሌን መሽረፈት፣ባህላዊ ዘምቢልን ሰተታን ዝፍለጡ ‘ዮም፡፡

ብብርኪ ሃገር ዝኽበር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት እንትሕሰብ ድማ እዞም ውፅኢት ዝተፈላለዩ ኢደ ጥበባት ናብ ሓበራዊ ረብሓ ዝልወጥሉን እቶም ብሄረሰባት ድማ ነንርእሶም ንኽፋለጡን ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ሰላም ትኹረት ገይሮም በቲ ዘለዎም ባህላዊ እሴትን ወግዕን ተጠቒሞም ሃገር ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንኸሰጋግሩ መንግስቲ ዓብዪ ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ይግባእ፡፡

‹‹ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ንዘላቒ ሰላም›› እንትበሃል ካብ ቃል ሓሊፉ ኣብ ተግባር ንኽውዕል ግደ ኹሎም ብሄር ብሄረባት ኢትዮጵያ ዕዙዝ ከም ዝኾነ ብምርዳእ ኹላትና ቐዳምነት ሂብና ክንሰርሖ ዝግባእ ጉዳይ ሰላም ምዃኑ ፈሊጥና ብሄር ዝብል መለለዪ መንነትና ከም ዘሎ ኮይኑ ቕድሚኡ ግና ሰብ ብምዃና ንኹሉ ዜጋ ሰላምን ፍቕርን እንምነይ ክንኸውን ይግባእ እናበልና ንኹሎም ብሄረሰባ ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍነሎም እናተመነና ንዛዝም፡፡

 ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 29 ህዳር 2015 ዓ.ም

Recommended For You