ሓፂር ታሪኽ ብሄረሰብ ሰብ ኩናማ

ኢትዮጵያ ልዕሊ ሰማንያ ብሄርን ብሄረሰባትን ዘሓዘት ኮይና ኩሎም ከዓ ነኒባዕሎም ሰሓቢ ታሪኻት፣ ባህልታት፣ ልምድታን ስነ ጥበባትን ዝወቀበት ሃገር ከምዝኾነት ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ካብዞም ብዙሓት ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ሓደ ዝኾነ ብሄረሰብ ኩናማ ሓፂር ታሪኽን መንነትን ንሎሚ ክንሪኢ ኢና። ብሄረሰብ ኩናማ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገርና ቀዳሞት ነበርቲ ዝኾኑ ዓሌት ዘርኢ ኒላዊ ሰሃራ እንትኾኑ ብኣብዝሐ ኣብ ትግራይ ኣብ ከባቢ ኣድያቦን ቃፍታን፣ ኣብ ኤርትራ ድማ ኣብ ከባቢ ጋሽ ባርካ ኣብ መንጎ ሩባ ጋሽን ሰቲትን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ሱዳን ከምዝነብሩ ይፈልጡ።

ኣብዝሓ ዝነብሩሉ ከባቢ ብክልቲኡ ኣንፈት ታሕተዋይ ሩባ መረብ ከምዝነበረ ዝእመን ኮይኑ፤ናብቲ ከባቢ ምስ ዝመፅኡ ሓደሽቲ ሰፈርቲ ህዝብታት ኣብ ዘየቍርፅ ጎንፅታት ምኽንያት ቀዋሚ ዝኾነ ሰፈር ከምዘይነበሮምን ኣብ መወዳእታ ግና ኣብዚ ሐዚ ዝንብሩሉ ዘለው ኸባቢ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ከባቢ ቃፍታ፣ ወልቃይትን ጋሽ ባርካን ክሰፍሩ ከምዝኸኣሉ ይንግር። ዓበይቲ ተወለድቲ እዚ ብሄረሰብ ከም ዝብልዎ መበቆል ብሄረሰብ ኩናማ ኣክሱም ከም ዝኾነ ቅድሚ ዓሌታት ኩሽን ሴማውያንን ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ምንባሮም ይገልፁ፡፡ ኩናማ /kunama/ ኣጥቢቅኻ እንትንበብ “kunamaa” ‹‹ዘወር ምበልኩ ምሐሸ›› ዝብል ትርጉም ዝሓዘን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ካብ ፀላኢ ንምኽዋል ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ቦታ ለዉጢ ምኽንያት ብምግባር ከም ዝተሰየመ ይንገር ፡፡

ብሄረሰብ ኩናማ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ 3000 ከባቢ ከም ዝነበረን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ድማ ብንጉስ ባዜን ዝምራሕ ህዝቢ ምንባሩ ካልኣይ መፀዉዒ እቲ ህዝቢ / ባዛዊ/ እናተብሀለ ዘይተሰደደን ናይ መጀመሪያ ሰፋሪ ኢትዮጵያዊ ምኻኑ ኣፈ-ታሪኽ ህዝቢ ኩናማ የቀምጦ፡፡ ብሄረሰብ ኩናማ ናይ ገዛእ ርእሶም ቋንቋ፣ ኣነባብራ፣ታሪኽ፣ ባህልን ልምድን ከምዘለዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፤ግና እቲ ታሪኾም ከምቲ ዝድለ ብኣግባቡ ኣይተፅሓፈን፤ እቲ ዝበዝሕ ዝፍለጥ ድማ ብኣፋዊ ትውፊት ዝተመሓላለፈ ‘ዩ።

ብመሰረት እዚ ኣፋዊ ፀብፃባት ኩናማውያን ኣብ ኣኽሱምን ከባቢኡን ከም ዘላናት ኮይኖም ይነብሩ ከምዝነብሩን፤ንጉስ ባዘንን በዓልቲ ቤቱ ኩናመን ኣኽሱም ኣብ ዝመርሑሉ እዋን ካብ 8 ቅ.ል.ክ. – 9 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣብዝሓ መበቆሎም ካብ ንጉስ ባዜን ከም ዝመፁ ብምእማን ብሽም በዓልቲ ቤቱ ኩናሜ ንነብሶም ኩናማ ኢሎም ከምዝፀውዑ’ውን ይዛረቡ። ኮይኑ ግና ንምንታይ ብሽማ ክፅውዑ ከም ዝጀመሩ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ኣብ እዋን ንጉስ ባዜንን ኩናመን ኣብ መንጎ ኩናማ ናይ ሓባር መንነት ክቐውም ‘ውን ጀሚሩ። ብመሰረት ትውፊት እቲ ንጉስ ኣብ ውግእ ምስ ሞተ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ካልኦት ህዝቢ ንብዙሓት ኩናማ ብምቅታል ንኩናማ ካብ ከባቢ ኣክሱም ናብ ሰሜንን ሰሜናዊ ምዕራብን ትግራይ እንትደፍእዎም፤ ገሊኦም ካብ ህዝቢ ኩናማ ድማ ሩባ መረብ ሰጊሮም ናብ ኤርትራ ክስደዱ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ኣብ ትግራይ ተሪፎም ይብሉ።

ካልኦት ድማ ህዝቢ ኩናማ ናይ ኒሎቲክ ብሄር ብምዃኖም ኣብ ትግራይን ኤርትራን ቅድሚ ምስዳዶምን ምቕማጦምን ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ይነብሩ ከምዝነበሩ ይገልፁ። በዝሒ ብሄረሰብ ኩናማ ከባቢ 260,200 ዝግመቱ ኮይኖም፤ ዝበዝሑ ድማ ኣብ ኤርትራ ዝነብሩ እንትኾኑ፤ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከባቢ 2% ይኾኑ። ኣብ 2007 ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ ቆፀራ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 4,860ኩናማ ከምዝንበሩን ካብዚኦም ኣስታት 2,976 ኣብ ትግራይ ከምዝንበሩ እንትግለፅ ፣ ብ2017 ብክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዝተገብረ መፅናዕታዊ ቃለ መሕትት ድማ ኣብ ትግራይ ኣስታት 7,000 ኩናማ ከምዝነበሩን እዚኦም ድማ (3,300 ኣብ ታህታይ ኣድያቦ፣ 3,100 ኣብ ሒለት ኮካ፣ ከምኡ’ውን 600 ኣብ ካልኦት ከተማታት)ከምዝነብሩ እንትግለፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ከባቢ 10 ሽሕ ኩናማ ከምዘለው ይግመት። ሰፈራታት ኩናማ ተጋሩ ዝበዝሑ ኣብ ዓዲ ጎሹ፣ ሕሌትኮካ፣ ኣደባይ፣ ኣደሚቲ፣ መንጠብጠብ፣ ገዛ መቐር፣ ገዛ ኣዱራ፣ ሸራሮ፣ መዳበ፣ ዕርዲ ወያነ፣ ሽመልባ፣ ዋዕላ ንህቢ፣ ባድመ፣ ሊጅ፣ ብያራ እንትኾኑ፤ ገለ ኣባላት ማሕበረሰብ ኩናማ ናብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ከም ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ከምዝተሰደዱ ይፍለጥ። ብሄረሰብ ኩናማ ዋላ’ኳ ብዛዕብኦም ብዙሕ እንተዘይተፃሕፈ፤ ኾይኑ ግና ብዙሕ ዝንገሩ ታሪኻት፣ ዛንታታት፣ ጠቀምቲ ባህልታትን ልምድን ብፍላይ ከም ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ኣብ ስራሕቲ ሕርሻን ካልኦት ተመሳሳሊ ስራሕትን ዝፍለጡ ‘ዮም።

 ኩናማ ኩናማ ዝበሃል ቋንቋ ኒሎ-ሰሃራ ዝዛረቡ ኮይኖም፤ናይ ገዛእ ርእሶም ባህላዊ ሃይማኖት ‘ውን ኣለዎም። ይኹን’ምበር ገሊኦም ናብ ክርስትና ወይ እስልምና ተቐይሮም ‘ዮም። ሓደ ኩናማ ከም ኣባል ናይቲ ሕብረተሰብ ዝቑፀር ኣደ እቲ ቆልዓ ኩናማ ምስ ዝትኸውን ጥራሕ’ዩ። መብዛሕትኦም ኩናማ ጓሶትን ሓረስቶትን እንትኾኑ፤ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሬት ኩናማ ድማ ልሙዕ ‘ዩ። ኩናማ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ብሄራት ትግራይ እንትኾኑ፤ ተደጋጋሚ ጎንፅታት ኣብ ዝካየደሉ ኣዝዩ ተሃዋሲ ዶባዊ መሬት ብምንባሮም ምኽንያት ድማ ኣብ ልዑል ሓደጋ ምጥፋእ ዝርከቡ ሕብረተሰብ ‘ዮም። ፍልፍል ካብ መርበብ ሓበሬታት ሓድጊ ቱሪዝምን ዊክፕድያን

ኣብርሃ ሓጎስ

22 ሕዳር 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You