ዝኽሪ ነብስሄር ከያኒ ኪሮስ ኣለማየሁ

ነብስሄር ኪሮስ ኣለማየሁ እንትልዓል ኣብ ልብታት ኽልተ ወለዶ ሃገርና ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራዋይ ብቐሊሉን ብተመስጦ ዝዝከር ደራሲ ግጥምን ዜማን፣ተፃዋቲ መሳርሒ ሙዚቃ፣ሓቦኛ ፈታዊ ዓዱን ህዝቡን ከምኡ ‘ውን ወናም ተልሃያይ ምንባሩ ኹሉ ዝምስክረሉ ጋህዲ ‘ዩ፡፡ ብዛዕባ ነብስሄር ኪሮስ ንምውጋዕ በዛ ንእሽተይ ወረቐት እኳ እንተኸበደ ብዙሓት ሰብ ሞያን መሳርሕቱን ከምኡ ‘ውን ሚዲያት ተዛሪበናሉን ይዛረባሉን ‘የን፤ይኹን ‘ምበር ሚስጥር ዜማታት ኪሮስ እዋን ዘይግድቦምን ዘይምነውን ምዃኖም ንምፍታሕ ክሓስብ ከለኹ እቲ ቐዳማይ ፍቕሪ ጥበብን ፤ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ከምዝኾነ ርግፅ ‘ዩ፡፡

 ሰሉስ 6 ሕዳር 2015 ዓ/ም ዝኽሪ መበል 29 ዓመት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፓርክ ሕውነት ዝተገበረ እንትኸውን ኣፍቲ ምድላው ናይ ሞያ መሓዙቱ በዓል ኪሮስ ሃይለስላሰን ካብ ሰብ ሞያ ሙዚቃ ድማ ሰርፀ ፍሬ ስብሃትን ኻልኦት ፈተውቲ ኪነ ጥበብ ተረኺቦም ስራሕቲ ነብስሄር ኪሮስ ኣለማየሁ ዘኪሮሞ ‘ዮም፡፡ ኣፍቲ ምድላው ብዛዕባ ፍቕሪ ሃገርን፤ ዘበን ተሳገርቲ ግጥምታትን ዜማን ኪሮስ ኣለማየሁ ዝተዘከሩ እንትኾኑ እቲ ኪነ ጥበበኛ ስርሑ ኣብ ራስ ትያትር ከም ዝጀመረን ልዑል ፍቕሪ ኢትዮጵያውነቱን ብምልዓል ተዘኪሩ ‘ዩ፡፡ ውላዱ ሚሊዮን ኪሮስ ኣለማየሁ ዝተረኸበ እንትኸውን ብመዳለውቲ ህያብ ተበርኪትሉ ‘ዩ፡፡ ነብስሄር ኪሮስ ብፍላይ ኣብ ባህሊ ዓድና ዝነበሮ ኸበሬታ ካብ ዝገለፀሎም ዜማታት ግጥሚ ነዘን ዝስዕባ ክንዝክር፡-

ተናፋቒት ባህለይ ኩሕለይቲ

ንበርለይ ንዘልኣለም ጥንቲ

ከም ኣብርሃ ኣፅበሃ መኸደይቲ

ከም ይሓ ንበሪ ከም ሓወልቲ

ኩርዓት ኢትዮጵያውያን ሊቃውንቲ

ኣዶ ያሬድ ኣዶ እቶም ቀደምቲ ፡፡

ግጥምታት ኪሮስ ነቲ ናይ ህዝብና ባህልን እምነትን ብቀጥታ ካብ ምትንካፉ ንላዕሊ ኣገላልፅኡን ዝጥቀመሎም ኣልባሳት ድማ ቱባ ባህሊ ትግራይን ኢትዮጵያዊ መንነትን ዝተላበሰ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ሃቢ ክራር ክራረይ ክራረይ መቋፅርተይ

ዋሕሰይ  ጠበቓ ንሂወተይ

ዝገልፀልኪ ክፍኣተይ ፅንዓተይ

 ናብቲ ህዝቢ ይግባይ መባህልተይ፡

ካፍቶም ናይ ሓሶት መፀለምታታት ተበጊሱ ንሓሰውትን ሓሳዳትን ዘዜሞ ዜማ ድማ፡-

መሓውር ልሳንኻ ክቕይዱ

ናውቲ ሓሶቶም ዘዋድዱ

ኢዶም መኻን ሰብ ሓምሓም ኣእምሮ

 ተማሂርና ይብሉ ግና ዘይተምሃሮ

ኣሃዱ ኢሎም ተንኮል ዘገውዱ

ኣብ መንጎ ፈላጣት ዘኹድዱ

ቦታ ኣይንሃቦ ንሓሳዊ መቀኛ

ቀልብና ኣይንኽፈት እዝንና ንወረኛ

ኣየ ፃዕዳ ስኑ ስሒቑ ዝሓርር

ብመልሓስ ነባራይ ዘይብሉ ቑምነገር

ዓመት ይሓይከካ ውሒጡ ዝዕዘር

 ዜጋ ከይዓቢ ከይትምዕብል ሃገር፡፡

ከያኒ ኪሮስ ብዛዕባ ሰላም፣ሓድነትን

ሕውነት ኢትዮጵያውያን ‘ውን ኣዝይሙ ‘ዩ፡-

ሃረር ድሬዳዋ አርሲ ባሌ ከፋ

ሲዳማ ኢሊባቡር ወለጋ ሓሊፋ

 ለምለም ኣዊ ጎጃም ደብረታቦር ጎንደር

ዘይንተሓሳሰብ ሕውነት ኮትኲትና

 መሰረቱ ሰላም ‘ዩ ኹሉ ዘርእየና፡፡

ነብስሄር ከያኒ ኪሮስ ኣለማዮ ብዛዕባ ላዛታት ቋንቋ ትግርኛን ስምዒት ፍቕሪ ደቂ ሰባት ብዝተፈላለየ ዜማ ገሊፅዎ ንርኢ፤ ኣብ ልበይን ኣብ ልቢ ብዙሓት ተጋሩ ዘይትሃስስ ድምቕቲ ዜማ ‘ያ፡-

ቖልዓ መቐለ

ካብ ርሑቕ እያ ትልለ ቐልዓ መቐለ

 ብፅዋኣ እያ ትልለ ቖልዓ መቐለ

ፀሓይ ብርሃንያ ናይ ዓለም ድምቕቲ

ኩሉ ዝሃርፋ ናይ ዓለም ከዋኽብቲ

ነበርቲ እዮም ናይዛ ዓለም ሃፍቲ

ንስኺ ኢኺ ናይ በይነይ መብራህቲ

ልበይ ኣብ ገዛኺ ናዘረ ሓዲሩ

 ፈሊጥኽዮ ዶ ናይ ፍቕሪ ሚስጥሩ

 ዕዳጋ ብዕራይ እቲ ኣዲስ ኣለም ተራኣየኒ

 መንገዲ ጁብሩኽ ምስ ማይ ሊሓም

ተራኽብኒ

 ብማይ ደገነ ከተማ ኲሓ ከተማ ኲሓ

ሓሳባት ልበይ ናባኺ ዘርጊሓ

 ሸገ መቐለዋይ!

ኪሮስ ኣለማዮ 1944-1986 ዓ/ም

ሄርሞን ፍቃዱ

Recommended For You