ታሪኽ ሙዚቃ ኣብ ኢትዮጵያ

ሙዚቃ ዝብል ቃል ሞዚክ ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝመፀ ‘ዩ፡ ፡ኣፅሓሕፍኦም እንተተፈላለየ ‘ውን ብቋንቋታት እንግሊዘኛን ላቲንን ተመሳሳሊ ‘ዩ፡፡ትርጉሙ ድማ ድምፂ ጥበብን መግለፂ ሓሳብን ስምዒትን ማለት ‘ዩ፡፡ ኣብርሃም ወልዴ (በዓል ቤት ባላገሩ ቴሌቪዠን) ንሙዚቃ እንትገልፆ ‹‹ናይ ኣእምሮ ኬሚስትሪ ዝቕይር ሓይሊ ‘ዩ›› ይብል፡፡ ሙዚቃ ጥበብን ሳይንስን ‘ዩ፡፡ሰብ ሞያ ሒሳብ ኣይሰማምዑን ዝኾኑ ዝብል መከራኸሪ ሓሳብ ከም ዘሎ ኮይኑ ‹‹ሙዚቃ ኣቦ ቑፅሪ (ሒሳብ) ‘ዩ›› ይበሃል፡፡

ስለዝኾነ ሙዚቃ ሳይንስ ማለት ‘ዩ፡፡ ናይ ባዕሉ ቑፅራዊ ሜላ ኣሰራርሓ ኣለዎ፡፡ብልምዲ ጥራሕ ዝደርፉ ሰባት ሙዚቃ እንትመሃርዎ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ይኸብዶም ‘ዩ፡፡ ሙዚቃ ዝስራሕ ካብ ድምፅን ፅምዋን (ፀጥታ) ‘ዩ፡፡ኣብ ሙዚቃ ፅምዋ ልዕሊ ድምፂ ዋጋ ኣለዎ፡፡ኣብ መንጎ ሙዚቃ ፀጥታ ተዘይሃልዩ ዝርብሽ ድምፂ ‘ዩ ዝኸውን፡፡ ሙዚቃ ስሩዕን ዘይስሩዕን ዝበሃል ኣለዎ፡፡ስሩዕ ማለት ቕድም ክብል ብሸኽላን ብካሴትን ሐዚ ድማ ብሲዲን ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ኣብ ስቱድዮ ዝተሰርሑ እንትኾኑ፤ዘይስሩዕ እንብሎ ድማ ብስምዒት ብድምፅና ጥራሕ እንደርፎ ደርፊ ማለት ‘ዩ፡፡ንኣብነት ኣብ መርዓ ዝድረፉ ደርፍታት ብጣቕዒት ዝዕጀቡ ‘ዮም፡፡ ሙዚቃ ካብ ምንታይ ይስራሕ? ብመንፅር መሳርሒ ሙዚቃ ካብ ምንታይ ይስራሕ እንተይልና፤ካብ ክሪ፣ትንፋስን ህርመትን ‘ዩ፡፡

ናይ ክሪ መሳርሒ ክንብል ከለና ብንዝረት ዝመፅእ እንትኸውን እቶም መሳርሕታት ድማ ካብ ጅማት፣ጭራ (ናይ ፈረስ) ኻልኦት ንዝርት ዝፈጥሩ ክርታት ዝስርሑ ‘ዮም፡፡ንኣብነት ፤በገና፣ክራር፣ጭራዋጣን ዝኣመሰሉን እንትኾኑ ከበሮ ህርመት ሸምበቆ ድማ ናይ ትንፋስ መሳርሕታት ‘ዮም፡፡ ቕኒት (ስኬል) ኣርባዕተ ቕኒት ሙዚቃ ተባሂሎም ዝፍለጡ ትዝታ፣ባቲ፣ኣንቺ ሆዬን ኣምባሰልን ‘ዮም፡፡እዞም ዓይነታት ቕኒት በዚ ዝተፀውዑሉ ምኽንያት ብመሰረት ቕኒቶም ‘ዩ፡፡ ትዝታ ዝበሃል ቕኒት ደርፍት ትዝታ ስለ ዝሕዝ ትዝታ ተባሂሉ ተሰይሙ፡፡እዚ ቕኒት መጀመሪያ ስለ ዝመፀን ኻሊእ ሽም ስለዘይነበረን ካብ ባህሪያት እቲ ሙዚቓ ብምብጋስ ትዝታ ተባሂሉ፡፡ባቲ ድማ ‹‹ባቲ›› ብዝብል ጥንታዊ ደርፊ ‘ዩ፡፡ኣንቺ ሆየ ድማ ‹‹ኣንቺ ሆዬ ለኔ›› ብዝብል ደርፊ ዝተሰየመ እንትኸውን ኣምባሰል ውን ‹‹ኣምባሳል›› ብዝብል ደርፊ ዝተሰየሙ ‘ዮም፡፡ ሙዚቃን ትምህርቲ (ቅዱስ ያሬድ) ዘበናዊ ዝበሃል ትምህርቲ ሙዚቃ ናይ ወፃእተኛታት መሰረት ዝገበረ ‘ዩ፡፡ብፍላይ ድማ ምዕራባውያን ብሰፊሕ ሰሪሖምሉ ‘ዮም፡፡

እዚ ኹሉ እንትግበር ግና ኢትዮጵያውያን ሽም ቅዱስ ያሬድ ከልዕሉ ኣይደልዩን፡፡ንዓኣቶም ሙዚቃ ዓለም ዝጀመርዎ በዓል ሰባትያን፣ባክ፣፣ቤትኦቨን ‘ዮም፡፡እዞም ሰባት ኖታ ሙዚቃ ዝፀሓፉ ‘ዮም ብምባል ሙዚቃ ከም ዝፈጠሩ ተገይሮም ‘ዮም ዝውደሱ፡፡ ኾይኑ ግና እዞም ሰባት እዚኦም ዝተፈጠሩ ቅዱስ ያሬድ ኖታ ሙዚቃ ድሕሪ ምስርሑ ድሕሪ ሓደ ሽሕ 500 ዓመታት ‘ዩ፡፡እቲ ስሙይ ሞዛርት ዝተወለደ ድሕሪ ቅዱስ ያሬድ ሓደ ሽሕን 243 ዓመታት ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘበን (1748 ዓ/ም) እንትኸውን ቤትኦቨን ድማ ድሕሪ ቅዱስ ያሬድ ሓደ ሽሕ 258 ዓመታት ኣብ 1763 ዓ/ም ‘ዩ፡፡ ኣውሮፓውያን ፈጠርቲ ሙዚቃ ዓለም ዝብልዎምን ኣብ መንጎ ቅዱስ ያሬድን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዘበናት ኣለዉ፡፡ብዛዕባ ቅዱስ ያሬድ ግና ዋላ ሓንቲ ክብሉ ኣይደልዩን፡፡

 ኣብ 505 ዓ/ም ዝተወለደ ቅዱስ ያሬድ ናይ ዜማ ምልክታት(ኖታ) ፈጢሩ ‘ዩ፡፡ናይ ባዕሉ ኖታ ሙዚቃ ዝሰርሐ እንትኸውን ሰለስተ ክፋላት ዜማ ቅዱስ ያሬድ ግእዝ፣እዝል ኣራራይ ተባሂሎም ይፅውዑ፡፡ ዓይነታት ዜማ ዝበሃሉ ድማ ድጓ፣ፆመ ድጓ፣ምዕራፍ፣ዝማሬን መስዋእትን ‘ዮም፡፡እዞም ዜማታት ምልክት ኣለውዎም፡፡ ኢትዮጵያውያን ሓዊሱ ኻልኦት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዓርሰ እምነት እናሰኣና ‘የን፤ኣብ ኢትዮጵያ ቅዱስ ያሬድ መን ከም ዝኾነ ዘይፈልጥ ክህልው ይኽእል ‘ዩ፤እዚ ኢትዮጵያዊ ግና ብዛዕባ ሞዛርትን ቤትኦቨንን ሙሉእ ታሪኽ ክነግረና ይኽእል ‘ዩ፡፡ እዚ ንምንታይ ኾይኑ እንተይልና ንባዕልና ዋጋ ስለ ዘይንህብ ‘ዩ፡፡ምዕራባውያን ደቆም ዘምህሩ ኣብ እዋን ኲናትን ድርቅን ምስ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ዝተስኣልዎ ስእሊ ‹‹ርኣዩ ናትናን ናታቶምን ኣፈላላይ››እናበሉ ‘ዮም፡፡ናብ ኢትዮጵያ እንትመፁ ፎቶ ዝልዓሉን ተራኺ ፊልም ዝሰርሑን ንምንታይ ከም ዝኾነ ግልፂ ‘ዩ፡፡መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን ኣብ ሙዝየም ሳይንስ ወይ ድማ ኣብ ፕሮጀክት ጎርጎራ ፊልም ክሰርሑ ኣይኽእሉን ፡፡ ስለ ዝኾነ ዘኹርዕን ዘደንቕን ታሪኽ ጥበብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ከም በዓል ቅዱስ ያሬድ ዝበሉ ሰብ ፍሉይ ተኽእሎ ክንዝክሮምን ኣፍልጦ ክንህቦምን ይግበአና፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

8 ህዳር 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You