ስነ ስርዓት ቐብሪ ክቡር ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ተፈፂሙ

ስነ ስርዓት ቐብሪ ክቡር ዶክተር ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብርክት ዝበለ ህዝብን ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተፈፂሙ፡፡ እቲ ስነ ስርዓት ቐብሪ ቕድሚ ምፍፃሙ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ስነ ስርዓት ፀሎትን ምፍናውን ተገይሩ ‘ዩ፡፡ ኣብ ናይ ድሬዳዋ ስነ ስርዓት ምፍናው ተረኺቦም ዝተዛረቡ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ጁሃር ከድር ከም ዝገለፅዎ፤ኣርቲስት ኣሊ ቢራ ንማዕርነትን ናፅነትን ተቓሊሱ ፅቡቕ ፅዕንቶ ከምፅእ ዝኽኣለ ኣርቲስት ነይሩ፡፡ህይወቱ እስካዕ ትሓልፍ ዝሰርሖም ስራሕቲ ሓድነት ዘጠናኽሩን ዘወድሱን ከም ዝነበሩ ገሊፆም፡፡

 ኣብ ታሪኽ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ድሙቕ ግደ ዝነበሮ ኣርቲስት ኣሊ ቢራ ብሞት እስካዕ ዝፍለየና ዓብዪ ሓዘን ተሰሚዑና ክብሉ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ሓዘኖም ገሊፆም፡፡ ዑንቂ ድሬዳዋ ዝኾነ ዓሊ ቢራ ብህይወት እናሃለወ ንሓድነት ፍቕርን ደቂ ሰባትን ልዕሊ 260 ዜማታት ሰሪሑ ሓሊፉ ‘ዩ፡፡ድሕሪ ሕዚ በቶም ዝገደፈልና ዜማታት ክንመሃር ይግበአና ኢሎም፡፡ ድሬዳዋ ኹሉሻዕ ምስ ዓሊ ቢራ ክትዝከር ‘ያ፣ብሙዚቃ ክትፍለጥ ገይርዋ ‘ዩ ክብሉ እቶም ከንቲባ ተዛሪቦም፡፡ ፕሬዚደን ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦድሪን በድሪ ብወገኖም፤ሃገርና ዓብዪ ሰብ ስኢና ‘ያ፤ዓሊ ኹርዓት ኹሉ ኢትዮጵያዊ ነይሩ ክብሉ ሓዘኖም ገሊፆም፡፡ ኣቦ ፍቕርን ሰላምን ‘ዩ ነይሩ፤ኣፍቲ ዝነበረሉ እዋን ንሓድነት ሰባ ዓብዪ ስራሕ ሰሪሑ ‘ዩ፡፡ኣብ መንጎ ብሄር ብሄረባት ምትሕስሳብ ንኽህሉ ዝገበሮ ፃዕሩ ዘይርሳዕ ‘ዩ ኢሎም፡፡

 ምክትል ፕሬዚደንት ክልል ሶማሌ ኢብራሂም ኡስማን ብወገኖም፤ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ካብ ድምፃውነት ሓሊፉ ሊቅ ሙዚቃ ‘ዩ ነይሩ፡፡ብርክት ዝበሉ መሳርሕታት ሙዚቃ ብምፅዋት ንነዊሕ ዓመታት ኣፍቲ ዘፈር ሰሪሑ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡ኣቦ ዘበናዊ ሙዚቃ ኣፋን ኦሮሞ ‘ዩ፡፡እዚ ብናይ ባዕሉ ፃዕሪ ዝረኸቦ ‘ዩ፡፡መለለዪ ምብራቕ ኣፍሪካ ብፍላይ ድሬዳዋ ‘ዩ ነይሩ ኢሎም፡፡ንስድርኡን ንመላእ ኣድነቕቱን ፅንዓት ይሃብኩም ክብሉ ተመንዮም፡፡

ኣብ ስነ ስርዓት ቐብሪ ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ምክትል ፕሬዚደንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦድሪን በድሪን፣ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሽማግለታት ዓድን ኣቦታትን፤ ላዕለወት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ማሕበራት ሞያን መዳርግቲ ኣካላትን ፈተውቱን መደረ ገይሮም ‘ዮም፡፡ ኣርቲስት ዓሊ ቢራ ኣብ 1941 ዓ/ም ዝተወለደ እንትኸውን ፤ልዕሊ 60 ዓመታት ኣብ ሞያ ሙዚቃ ዘገልገለ ስሙይ ኪነ ጥበባዊ ‘ዩ፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

1 ህዳር 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You