መፅሓፍ ስነ ፅሑፍን ታሪኽን

ካብ መንጎ ብፀሓፍቲ ታሪኽ ዝተፅሓፉ መፅሓፍቲ ናይ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ‹‹ሕይወቴና የኢትዮጵያ እርምጃ›› ሓደ ‘ዩ። ቕድሚ እዚ ዝነበሩ ታሪኾም ብዜና መዋእል ዝተፅሓፉን ምስ ናይ ደገ መራሕትን ናይ ውሽጢ ዓዲ መሳፍንትን ዝተፀሓሓፋም ደብዳበታትን ‘ዮም። ድሕሪ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ክጥቀስ ዝኽእል መፅሓፍ መራሒ ኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማሪያም ‹‹ትግላችን›› ዝብል እንትኸውን ኽልቲኦም መፃሕፍቲ ብመራሕቲ ዝተፅሓፉ ‘ዮም። ኣብ ዘበን ደርጊ ንሰለስተ ዓመታት ዝኣክል (1979-1982) ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ፍቅረስላሴ ወግደረስ ‹‹እኔና ኣብዮቱ›› ኽልተ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ዝሓዙ መፃሕፍቲ ንንባብ ኣብቂዖም ‘ዮም።

 ብኻልኦት መራሕቲ ዝተፅሓፉ ግና ካብ ኣብ ታሪኽ ኣብ ፖሊሲን ፍልስፍናዊ ጉዳያትን ዘድሀቡ ‘ዮም። እዚ መፅሓፍ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ክሕተም ዘድለየሉ ምኽንያት ጋዜጠኛ ጥበቡ በለጠ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከም ዝገለፆ፤ ተበፃሒ ንክኸውንን ንኣንበብቲ ምቹው ቕርፂ ክህልዎን እንትኸውን፤ ንኣብነት ኣብ መንጎ ቃላታት ኽልተ ነጥቢ ይቕመጥ ዝነበረ እንትኸውን ኻሊእ ድማ ኣብዚ ዘበን እዚ ትርጉሞም ዘይፍለጡ ቃላት መማረፂ ትርጉም ተቐሚጥሎም ‘ዮም። ኣፍቲ ምርቓት መፅሓፍ ‹‹ራስ ተፈሪያን›› ዝበሃሉ ባንዴራ ኢትዮጵያ ተኸዲኖም እቲ መድረኽ ኣድሚቖሞ ‘ዮም። ‹‹ድሬድ›› ዝተብሃለ ነዊሕ ጨጉሮም መንነቶም ይዛረብ።

ፈተውቲ ኢትዮጵያ ምዃኖም ዝፍለጥ ‘ዩ፤ ኣብ መወዳእታ ናይ ኪነ ጥበብ ስራሕቶም ዘቕረቡ እንትኾኑ ኣብ ዘበን ሃይለስላሴ ዝነበረ ባንዴራ ኢትዮጵያ ሒዞም፤ ኣብ ቕድሚት እቲ መድረኽ ፎቶ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ብፌዴሪኢ ባንዴራ ተዓጂቡ ዝተቐመጠ እንትኸውን ራስ ተፈርያን ዝተውሃቦም ዕድል ኣምሓርኛ እናሓዋወሱ ንኢትዮጵያ ዘለዎም ፍቕሪ ገሊፆም ‘ዮም። ስምዒት ሓርበኛታት ኻሊእ ኣፍቲ መድረኽ ዝተስተዋዕለ ነገር ‘ዩ። ብፍላይ ሓደ ሓርበኛ ኣቦ ብዛዕባ ጃንሆይ እንትዝረብ ሃንደበት ተሲኦም ስራሕቶም ዝገልፅ ፈኸራ ዘስምዑ እንትኾኑ መራሒ መድረኽን ዕዱማት ኣጋይሽን ብወነ እቶም ኣቦ ተመሲጦም ስለ ዝነበሩ ስፍሕ ዝበለ ግዘ ሂቦሞም ‘ዮም። ኣፍቲ ምርቓት መፅሓፍ ከም በዓል ዶክተር ኣየለ በከሪ፣ መምህር ታዬ ቦጋለ ዝበሉ ምሁራ ታሪኽ ገለፃ ገይሮም ‘ዮም። ቐዳማዊ ሃፀይ ሃይለስላሴ ዘበናዊት ኢትዮጵያ ንምህናፅን ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕን ዝገበርዎም ስራሕቲ ገሊፆም።

 ናፍቲ መፅሓፍ ክንመፅእ ከለና ልዕሊ 260 ገፃት ዘለዎ እንትኸውን ብ450 ቕርሺ ዝሽየጥ ‘ዩ። ኣብ ትሕቲ ገፅ ሽፋን እቲ መፅሓፍ ‹‹ህይወቴና የኢትዮጵያ እርምጃ›› ዝብል ሽም ዘለዎ እንትኸውን፤ ፎቶ ሃፀይ ሃይለስላሴ ብዓብይ ይርኣይ፤ ትሕቲኡ ድማ ሽሞም ተፃሒፉ ‘ዩ። ብድሕሪት ሽፋን ድማ መልእኽቲ ጋዜጠኛን ኣርታእን ጥበቡ በለጠ ተፃሒፉ ይርከብ። ናይቲ መፅሓፍ ትሕዝቶ ድማ ናይ ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ውልቃውን ንጉሳውን ታሪኽ ሓዊሱ ዝሓዘን ብፍላይ ድማ ኣብ ስርዓቶም ዝነበረ ታረኽ ኢትዮጵያ ይትርኽ።

 ቑልዕነት ተፈሪ መኮንን፣ ደጃዝማችን ድሕሪኡ ድማ ንጉሰ ነገስት፤ ኣብ መንጎ ልጅ እያሱ ዝተፈጠረ ምቅይያም፣ ምስ ንግስቲ ዘውዲቱ ዝነበሮም ርክብ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ዝገበርዎም ጉዕዞታት፣ ብዛዕባ ዓሰብን በሪ ባሕርን፣ ብዛዕባ ሕገ መንግስቲ፣ ብዛዕባ ምድርጃው ሰራዊትን ብሓፈሻ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ዝፀንሐ ህይወትን መሪሕነትን ይነግረና። እቲ መፅሓፍ ስነ ፅሑፍ ‘ዩ ማለት ይከኣል። እቶም ንጉስ ዝፍለጡሉ ኣገላልፃ ብዙሕ መደብ (እኛ) ኣፍቲ መፅሓፍ ደሚቑ ይርኣይ፤ ናይ ባዕሎም ታሪኽ ከይተረፈ እንትገልፁ በዚ መደብ ዝገልፁ እንትኸውን ኣገላልፅኦም ሃይማኖታውን ፅባቐ ስነ ፅሑፍ ዘለዎን ‘ዩ።

 ታሪኽ ብበዓል ቤቱ እንትፅሓፍ መድልዎ ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ ዝብል ሓሜት እቶም ንጉስ ዝተረድኦም ይመስል። ስለዝኾነ ድማ ኣፍቲ መእተዊ ከይጋገዩ ናይ ሰብ ሽም ብዘይ ኣግባብ ከየልዕሉ ፈጣሪ ክሕልዎም ይምሕፀኑ፤ ንሓቀኛነቶም ፈጣሪ ናይ ልቦም ክርዳእን ምሕሳው ወይ ድማ ምሕባእ ከም ዘይጠቅም ይገልፁ። ኣፍቲ ዘበን ዝተፅሓፉ ፅሑፋት ታሪኽን ፖለቲካን ጥራሕ ዘይኮኑስ መምሃሪ ስነ ፅሑፍ ‘ውን ‘ዮም። እቶም ልብ ወለዳት’ውን ትሕዝቶ ፖለቲካ ዘለዎም ‘ዮም። ንኣብነት ‹‹ፍቅር እስከ መቃብር፣ ኣልወለድም›› ዝብሉ መፃሕፍቲ ስነ ፅሑፍን ፖለቲካን ‘ዮም። መፃሕፍቲ ታሪኽ ‘ውን ኣፀሓሕፍኦም ፅባቐ ስነ ፅሑፍ ዘለዎ ‘ዩ። ብሓፈሻ ኣብ ላዕለወት ሓላፍነት መንግስቲ ዘለዉ ሰባት ነባራዊ ኹነታት ሃገሮም ናይ ምፍላጥ ዕድሎም ገፊሕ ስለዝኾነ ኣብ መሪሕነት ስርሖም ኣመልኪቶም ታሪኽ ክፅሕፉልና ይግባእ እናልና ክንዛዝም።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 10 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

Recommended For You