በዓል መውሊድ-ድምቀት ወርሒ መስከረም

መንበሪ ብሄር ብሄረሰባት ፣ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ተኸኣኢሎም ዝነብሩላ ፣ባህሎምን መንነቶምን ሓልዮም ዝነብሩላ ኢትዮጵያ ፣መበገሲት ስልጣነ፣ነዊሕ እዋን ዘቑፀሩ ሃይማኖታት ከም ዝርከቡላ ድርሳናት ታሪኽ ይሕብሩ።ኣብዚ ድማ ሓድነት ህዝብታትን ብሓድነት ናይ ምንባር ጥበብ ይርከብ። ዘይተበረዘ ፅሩይ መንነት ፣ኣብ እዋን ሓጎስን ሓዘንን ብሓድነት ጠጠው ምባል፣ምትሕግጋዝን ተማቒልካ ምብላዕን እቲ ኻሊእ መለለዪ ኢትዮጵያውያን ‘ዩ። ካብ ዓመት ናብ ዓመት ህዝቢ ብሃንቀውታ ዝፅበዮም ኹሉ ሻዕ ብድምቀት ዝኽበሩን ሃይማኖታዉን ባህላውን በዓላት ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ንኽትፍለጥ ገይሮማ ‘ዮም።

 እዞም በዓላት ብዝተፈላለዩ መንነታት ፣ብዙሕነት ዘተኣናግዱን ናይ ባዕሎም መግለፅታት ዘለዎምን ‘ዮም።ኻልኣይ ወርሒ ሓዱሽ ዓመት ንኽኣቱ ሓደ መዓልቲ እንትተርፎ ኣብ መዛዘሚ ወርሒ መስከረም ኢትዮጵያውያን ዝደምቁሉ ምስ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ቱሪስታት ከይተረፉ ዝድነቑሉን ዝሑጎሱሉን ‘ዩ። ንኣብነት መስከረም 1 ዘበን መለወጢ ‘ዩ፤ክብረ በዓላት ህዝቢ ወላይታ ጊፍታ፣ኣብ ቕርሲ ዓለም ዝተመዝገቡ በዓል መስቀልን መዓልቲ ምስጋና ኢሬቻን ካብ መንጎ ኢትዮጵያ ዘድምቑን ዓለም ዘደንቑ ብዙሓት ክብረ በዓላትን ሃፍቲ ቱሪዝምን ዝጥቀሱ ‘ዮም።ብተወሳኺ ድማ ብኣመንቲ እስልምና ንመበል 1497 ዓመት ዝተኸበረ በዓል መውሊድ ምጥቃስ ይከኣል።

 ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል መውሊድ ኣብ ኢትዮጵያ ኣከባብራ በዓል መውሊድ ብፍላይ ምስ ሱዳን፣ግብፂ፣ሶማሊያን ጁቡቲን ዝመሳሰሉ ‘ዮም።ኣብ እስላማዊ ቕርስታትን ሃይማታዊ በዓላትን ስፍሕ ዝበለ መፅናዕቲ ዝገበሩ ተመራማሪ ታሪኽ ተሾመ ብርሃኑ ከማል ስነ ስርዓት ኣከባብራ በዓል መውሊድ ኣመልኪቶም ዝስዕብ ሓሳብ ኣንጊዶምና ኣለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ በዓል ነብዩ መሓመድ ካብ መንጎ ዝኽበረለን ቦታታት ኣብ ትግራይ ነጃሺን ሆጂራ ፎቂሳ (ራያ) ፣ሰሜን ወሎ ዳና፣ኣብ ደቡብ ወሎ ጃማ ንጉስ፣ኣብ ድሬዳዋ ሸኽ ሑሴን ናይ ምርኣይ ዕድል ገጢምዎም ‘ዩ።እቶም ተመራማሪ ከም ዝበልዎ ፤ካብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈታት ሃገርና ዝመፁ ሙስሊማት ኣብ መስጊዳት ዙርያ ምትእኽኻብ ዝጅሙሩ እቲ በዓል ሓደ ሰሙን እንትተርፎ ‘ዩ።ኣፍቲ ዕለት እንስሳታት ይሕረዱ፤ኣፍቲ ቦታ ዝተኣከቡ ዕዱማት ከይፅገሙ ማይን ነዳዲ ዕንጨይትን ይዳለዉ።ዕዱማት እቲ በዓል እቲ በዓል ናብ ዘኽቡሩሉ ስፍራ እንትኸዱ ዝሳገርዎም ሩባታት ማይ ሒዞም ንነዳዲ ዝኸውን ንቑፅ ዕንጨቲ ኣርዮም ናይ ምኻድ ልማድ ኣለዎም።

ንድምቀት እቲ በዓል ድቤ ስለ ዝውቃዕ ደሚቕ ድምፂ ንኽህልዎ ፀሓይ እናተወቕዐ ይቕንይ።ድሕሪኡ ድምፁ ኣዝዩ ድሙቕን ሰሓባይን ይኸውን። ካፍቲ ዝውቃዕ ድቤ ዝወፅእ ደወል ዝመስል ድምፂ ፤ኣብ ቐረባ ዝርከብ ሰብ መንፈሳዊ ታሕጓስ ይህብ።ኣብ ርሑቕ ንዘሎ ድማ ‹‹ንዓ ናብዚ ›› እናበለ ይፅውዖ።ድቤ ቐልቢ ሰብ ክሕዝ ዝኽእል እንትኸውን እቲ ስፍራ ድማ ፍቕሪ ብፍቕሪ ‘ዩ ዝኸውን።ቐትርን ለይትን ብፀሎትን ምህለላን ዘሕለፍዎ ኣመንቲ ፤ኣፍቲ ዕለት ብህይወት ናብ ዘየለዉ መቓብር መራሕቲ ሃይማኖታት ብምኻድ ፈጣሪ ነብሶም ኣብ ገነት ንኸንብራ ይፅልዩ።

 ኣብ ኢትዮጵያ በዓል መውሊድ ምኽባር ዝተጀመረ ኣብ ፍርቂ ዓሰርተ ሸሞንተ ክፍለ ዘበን ከምዝኾነን ምስ ምስፍሕፋሕ ሶፊዝም ከም ዝዓበየ ይእመን። ኣመንቲ ሱፊ በዓል መውሊድ መጠናኸሪ መንፈሳዊ ንቕሓቶምን ሓድነቶምን ገይሮም ይግልገሉሉ ዝበሉ ተመራማሪ ታሪኽ ተሾመ ብርሃኑ ኣብ ሃገርና መውሊድ ኣብ ፍርቂ መበል 18 ክፍለ ዘበን ክኽበር ከም ዝጀመረ የብራህርሁ። በዓል መውሊድ ብብርክት ዝበሉ ኹነታት ይደምቕ።ካብ መንጎኦም ድማ ሰደቃ ወይ ድማ ምፅዋት ፣ዝተመረፁ ናይ ቁርኣን ክፋላት ናይ መውሊድ ንባብ፣ፕሮግራማት መንዙማ ከም ዝርከቡ እቲ በዓል ዘኽብሩ ኣመንቲ ይዛረቡ። ወርሒ መስከረም ንዓና ንኢትዮጵያውያን ብዙሕ ፀጋን በረኸትን ሒዙልና ዝመፅእ ‘ዩ።ኹሉ ግዘ እቲ ዝሓዝናዮ ዓመት ተዛዚሙ ሓዱሽ ክንቕበል ከለና ብወጋሕታ ደሚቕና ብዕንበባታት ኣጋይፅና ፤ብናይ ባዕልና መቑፀሪ ዘበንን ፊደል እንረዳዳእ ፍሉይ መቑፀሪ ዘበን ዘለና ህዝብታት ኢና። መስከረም እንትኣቱ ኣረጊት ዓመት እነፋንወሉ ጥራሕ ኣይኮነን።ዝተፈላለዩ በዓላት እነኽብረሉ ንቐፃሊ እቅድ ኣውፂእና ጉዕዞ ህይወት ንምስኻዕ እንዳለወሉ ‘ዩ።ካብ መንጎ እዚ ድማ በዓል መውሊድ ሓደ ‘ዩ።

 ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ክንዝክር ከለና ሓዱሽ ዓመት ኹሉ ግዘ ንናፍቖ።ኹሉ ሰብ ኣብዚ እዋን ይሕጎስ።ብሓፈሻ ሓዱሽ ዓመት ኹሉ ግዘ ሓዱሽን ድሙቕን ኮይኑ ዳግም ዝትስአሉ እዋን’ዩ። መስከረም ንዓና ጥራሕ ኣይኮነን ሓዱሽና።ነዚ ወርሒ ተፀብዮም ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ባህላውን ሃይማኖታውን ክብረ በዓላት ንምርኣይ ዝመፁ ብዙሓት ዜጋታት ኣለዉ።በዚ ምኽንያት ድማ መብዛሕትኦም ባልታትናን እሴታትናን ንምርኣይ ይህንጠዉ።ንሕና ‘ውን ፅቡቕ ገይርና ኣጋይሽ እንቕበል ኢትዮጵያውያን ኢና፤መበል 1497 በዓል መውሊድ በዚ መንፈስ ‘ዩ ተኸቢሩ ሓሊፉ ። ንዓመታ ከምዚ የፅንሐና ኣሜን።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 3 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም

Recommended For You