በዓላት ምስጋናን ሓዱሽ ተስፋን ወርሒ መስከረም

ሄርሞን ፍቃዱ ተስፋ ንፀልማት ኣሳጊርኻ ብርሃን ምርኣይ ‘ዩ። ስለዝኾነ ፅባሕና ብሩህ ንክኸውን ከም ቑስሊ ካብ ዘሕምም ቂምን በቀልን ምፅልላእን ወፂእና ኣብ ውሽጢ ይቕረታ ኾይንና ብንፁህ ልቢ እንዕረቐሉ ፣ካብ ጌጋታትና እንምሃረሉን እንእረመሉን፤ እቲ ሓደ ነቲ ኻሊእ ዝባርኸሉ ፣ዝጎደለ ዝመልአሉ፣ዓቕሚ ዝወሓዶም ብኽብሪ ዝድገፍሉ ናይ ምትሕስሳብ በዓላት ‘ዮም። እዞም ኣብ ሃገርና ዝኽበሩ ባህላዊ በዓላት ዋላኳ ብቋንቋን ብሄርን ዝተፈላለዩ እንተመሰሉ ዕላምኦም ግና ሓደ ‘ዩ ንሱ ድማ ትምኒት ብሩህ ተስፋን ምስጋና ምቕራብን ‘ዩ። እቶም በዓላት ኢሬቻ ብብሄረሰብ ኦሮሞ፣ጊፍታ ብወላይታ፣ያሆዴ ብሃድያ፣ ሄቦ ብብሄረሰብ የም፣ዳራሮ ብጌድዮ፣ ዮዮ መስቀል ብጋሞ፣ ጋዚዮኣን ማሰላን ብብሄረሰባት ጋሞጎፋ ዝኽበሩ ውቁባትን ድሙቓትን ባህሊ ሃገር ዝሓለዉ እሴታን ባህልታትን ሃገርና ‘ዮም። ካብ መንጎ እዞም በዓላት ሓደ ዝኾነ ‹‹ያሆዴ›› ምስ ሓዱሽ ልምላመ፣ብሩህ ተስፋ፣ሰላምን ደስታን ዝራኸብ ቃል ከምዝኾነ ተመራማሪ ብሄርን ቋንቋን ሃድያ ከምኡ ‘ውን ፀሓፊ መፅሓፍ ሃይዴሳ ኣይተ ግርማ ሱሉልዶ ይዛረቡ። ከም መብራህርሂ ኣይተ ግርማ ፤ኣቦታት ሃድያ ዝናብ፣ቑርን ዛሕልን ከይኸበዶም ዝሓርሱ ፤ብሄክታራት ዝተዘርአ ምሸላን ዕፉንን ብውልቀን ብሕብረትን ዝኹስኩሱን ሙሉእ መዓልቲ ደኒኖም ጣፍ ዝፅህዩ፣ብጭቃ ኽረምቲ ከፍቶም ዝጓስዩ ንፉዓት ነይሮም። ኣብ ቕድሚቶም ዘሎ ብሩህ ተስፋ ብምስናቕ ካብ ኣረጊት ዓመት ናብ ሓዱሽ ንምስጋር ጥንታውያን ሃድያ ወርሒ መስከረም መለወጥ ዘበንን ፈላመይቲ መቑፀሪት ገይሮም እንትጥቀምሉ እቲ ክብረ በዓል ድማ ኣዝዩ ብዝደመቐ ስነ ስርዓት እናተኸበረ ፀኒሑ ‘ዩ።

በዓል ያሆዴ ምኽባር ዝተጀመረሉ ትኽክለኛ ዕለት፣ወርሕን ዓመትን ብዕሊ ከምዘይፍለጥ ኣብ ድሮ እቲ በዓል ብዝቐረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ተጠቒሱ ‘ዩ። በዓል ያሆዴ ዝጀመሮ ፈላማይ ሰብ ዘይፍለጥ እንትኸውን ጥንታውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመፀ በዓል ከም ዝኾነ ኣይተ ግርማ ሱልደሎ ይዛረቡ። በዓል ያሆዴ መለወጢ ዘበንን መቑፀርን ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ ምስጋናን ተስፋን በዓል ‘ዩ።ብህይወት፣ብጥዕና፣ብሃፍቲ ፣ብቖልዑት ዝባረኾም ኣምላኾም ዘመስግኑሉ በዓል ‘ዩ። በዓል ያሆዴ ሎምዘበን ኣብ ዋና ከተማ እቲ ዞባ ከተማ ሆሳእና ዝርከብ ስፍራ መኽበሪ በዓል ‹‹ሃድይ ነፋራ›› ካብ ፌደራልን ክልልን ከምኡ ‘ውን ካብ ጎራብቲ ዞባታት ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣዝዩ ብዝደመቐ መልክዑ ተኸቢሩ ‘ዩ። እሴት ብሄረሰብ ሃድያ ዝኾነ ያሆዴ ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ብተስፋ ዝተመልአ ‘ዩ።ኣብዚ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ቕድም ኢለን ስርሐን ይጅምራ ።ገዝአን የዳልዋ ብሕብረት ይሰርሓ።ደቂ ተባዕትዮ ድማ ዕንጨይቲ የዳልዉ። ዓብዪ ብዕራይ (ሰንጋ) ይዕድጉ።ቖልዑት ሽግ ኣቐዲሞም ይሰርሑ። ኣፍቲ ክብረ በዓል ተረኺቦም መደረ ዝገበሩ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሃድያ ኣይተ ኣብርሃም መጫ ከም ዝበልዎ፤ ኣብ በዓል ያሆዴ ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ከፍቲ ‘ውን ሓዱሽ ዓመት ዝቕይራሉ እንትኸውን ቕድም ኢለን ዝተኸልከለኦ ሕዛእቲ ከም ድሌተን ክበልዓ ይፍቀደለን።

ኣብ መለወጢ ዘበን በዓል ያሁዴ ዝተፃልኡ ዝዕረቑሉ ፤ፅጉማት ወገናት ዝሕገዙሉን፤ ብሓድነት ዝኽበር ዓብዪ ህዝባዊ በዓል ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ኣብርሃም፤እቲ በዓል ኣብ ዩኒስኮ ንኽምዝገብን ባህላዊ ትሕዝትኡ ሓልዩ ብቕርስነት ንኽመሓላለፍ ብትኹረት እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ካብ መንጎ ዘለውዋ ፍሉያትን እሴታት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፉ በዓል ያሆዴ ሓደ ‘ዩ ዝበላ ዋና ኣፈ ጉባኤ ብሄረሰብ ደቡብ ወይዘሮ ፋጤ ሰርሞሎ ‘የን። ያሆዴ ዝተፃለአ ተዓሪቑ ዘለዎ ንዘይብሉ ኣማቒሉ፤ብፍቕርን ምትሕልላይን ሓዱሽ ዓመት ዝቕበለሉ ፍሉይ መግለፂ ብሄረሰብ ሃድያ ከምዝኾነ ኣፍሊጠን። ኣፍቲ በዓል ዝተረኸቡ ሚኒስቲር ባህልን ስፖርትን ኣይተ ቀጀላ መርዳሳ ብወገኖም፤ህዝቢ ሃድያ ከም ሓደ ማሕበረሰብ ቕድሚ ኣሽሓት ዓመታት ምንባር ዝጀመረ ከምዝኾነን ኣብ ማእኸላይ ክፍለ ዘበን ጥንኩር መንግስትን ውዳበን ከምዝነበሮ ታሪኽ ይሕብረልና ኢሎም።

ገለገሊኦም በዓል ያሆዴ ምስ በዓል መስቀል የተሓሕዝዎ ዝበሉ ኣይተ ቀጀላ፤ ኾይኑ ግና እዚ በዓል ሃይማኖታዊ ከም ዘይኮነን ህዝቢ ሃድያ ዝፈጠሮ ታሪኻዊ ቕርስን ጥንታዊ መግለፂ ስልጣነን ከም ዝኾነ ጠቒሶም።ከምዚኦም ዝበሉ በዓላት ክቕፅሉን ንወለዶ ክማላለፉ ከም ዘለዎም ዝሓበሩ እቶም ሚኒስቲር ቤት ፅሕፈቶም ኣድላዪ ሓገዝ ከም ዝገብር ድማ ጠቍሞም። በዓላት ኢሬቻ፣ ያሆዴ፣ ጊፍታ፣ ሄቦ፣ ደራሮ፣ ዮዮ፣ ጋዜዮኣ፣ ማሳላን ኻልኦትን ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም እሴታት ሃገርና ስለዝኾኑ ፍሉይ ኣድህቦ ተገይርሎም ናብ ረብሓ ክቕየሩ ይግባእ ብፍላይ ሃገራዊ ሰላም ንምህናፅ ብቐዳምነት ተዝስርሐሎምን ብምቕፃል ድማ ቑጠባዊ ረብሓ ንኸምፅኡ ብማሕበረሰብን ብመንግስትን ክስርሑ ኣለዎም እናበልና ኹሎም በዓላት ሰላምን ራህዋን ንክኾኑ ንምነ።

ሄርሞን ፍቃዱ

26 መስከረም 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You