ኣብ ኢትዮጵያ ድኹም መንግስቲ ንምፍጣር ድሌት ዘለዎም ሓይልታት ኣለው ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቐንዲ ድሌት ምዕራባውያን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንምእታው ምፍታን፤ ዕላምኦም ድማ ድኽምቲ ሃገርን ናታቶም ተገዛኢ ዝኾነ መንግስቲ ንምፍጣር ከምዝኾነን ኣይተ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ገሊፆም። ኣይተ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝገለፅዎ፤ኣብ ህንፀት ግድብ ህዳሰ፣ኸይዲ ምኽባር ሕጊን ምስ ሃገራዊ መረፃ ተተሓሒዙ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወፍሪ ዝኸፈቱን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዶም ንምእታው ፃዕሪ እናገበሩ ዘለዉ ሓይልታት ወፃኢ፤እቲ ቐንዲ ድሌቶም ኣገዛዝኣ ወያነ ከም ድሌቶም እናኣዘዝዎ ዝነበሩሉ ኹነተታት ምድጋምን ከም ድሌቶም ክእዝዝዎ ዝኽእሉ ድኹም መንግስቲ ምፍጣርን እዩ።

ኣይተ ኣንዳርጋቸው ከምዝበልዎ ንዓኣቶም ክእዘዝ ዝጀመረ መንግስቲ ሕቶ ዜጋታት ክምልስ፣ከምኡ ‘ውን ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ምኽባር ኣይኽእልን ከብሉ ገሊፆም።ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ናይ ለውጢ መንግስቲ ንጥቕሞምን ድሎቶምን ከምዘይጥዕሞም ተረዲእዎም እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣንዳርጋቸው፤ንቐፃሊ ‘ውን ንምዕራባውያን ተገዛኢ ኾይኑ ጥቕሚ ኢትዮጵያ ከኽብር ዝኽእል መንግስቲ ክህልዉ ከምዘይኽእል፤ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለዝፈልጥ ንምዕራባውያን ዝግዛእ መንግስቲ ክህሉ ህዝቢ ኣይፈቕድን ዝብል ስግኣት ስለ ዝሓደሮም እዩ ኢሎም።

ከም ገለፃ ኣይተ ኣንዳርጋቸው፤ምዕራባውያን ሐዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ካብ ናታቶም ፅዕንቶ ናፃ ዝኾነ መንግስቲ ክኸውን እዩ ዝብል ስግኣት ኣትይዎም እዩ፤ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመዳይ መንግስቲ ዝርኣዩ ፀገማት ነዚ እናመስከሩ እዮም። ብፍላይ ኣሜሪካውያን ናይ ዓርሶም ጥቕሚ እንተዘይተተንኪፉ ምስ ዝኾነ ኣምባገነናዊ ስርዓት ሕብረት ዝፈጥሩ እዮም ዝበሉ ኣይተ ኣንዳርጋቸው፤ስርዓት ወያነ ን27 ዓመታት ኢትዮጵያ እንትምዝብር ሓደ መዓልቲ ተዛሪቦሞ ኣይፈልጡን ኢሎም።ወሲኾም ድማ ኣሜሪካውያን ንዓና ብዛዕባ ዲሞክራሲ ከምሁሩና ልዕልና ሞራል የብሎምን ክብሉ ገሊፆም።

ከም ገለፃ ኣይተ ኣንዳርጋቸው፤ካብ ቐረባ እዋን ናብዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኢድ ኣታውነት ብልዑል ኹነታት እናተስተውዓለ እዩ፤ነዞም ኣካላት ተስፋ ዝሃቦም ድማ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተፈናፅሐ ኣርኣእያ ፖለቲካ ብምህላዉ እዩ ይብሉ። ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወፍሪ ዝኸፈቱ ናይ ደገ ሓይልታት ካብ ድርጊቶም ንኽቑጠቡ ንምግባር ሰፋሕቲ ስራሕቲ ክስርሑ ይግበኦም ዝበሉ ኣይተ ኣንዳርጋቸው፤በዚ መንፅር ኣብ ደገ ዘለዉ ዳያስፖራታት ክንዲ ዝኽኣልዎ እናፀዓሩ እዮም ኢሎም።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 19 ጉንበት 2013

Recommended For You