ኢሬቻ- በዓል ሓድነትን ሰላምን

 ኣብ ኢትዮጵያ ወርሒ መስከረም ስዒቦም ካብ መንጎ ዝኽበሩ በዓላት ሓደ ኣካል ስርዓት ገዳን መለለዪ ሓድነት ህዝቢ ኦሮሞ፣በዓል ምትሕስሳብን ምስጋናን ዝኾነ ኢሬቻ እዩ::በዓል ኢሬቻ ኣተሓሳስብኡ ፍቕርን ምትሕስሳብን እንትኸውን ህዝቢ ኦሮሞ ብዓይኑ ክሪኦ ዘይኽእሎ ኣምላኽ ብስርሑ ዝተገለፀሉ እዋን ንኣምላኹ ዘለዎ ፍቕሪ ዘርእየሉ፣ንዝተገበረሉ ድማ ዘመስግነሉን ንቐፃሊ ዝፅልየሉ ሓባራዊ በዓል ከምዝኾነ ይዝረብ::

ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናደመቐ ዝመፀ በዓል ኢሬቻ ድሕሪ 2012 ዓ.ም ማሕበረሰብ ኦሮሞን ኻልኦት ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብድሙቕ ተኸቢሩ እዩ::ኣብ 2013 ዓ.ም ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ 19 ብዙሕ ተዘይተኸበረ ‘ውን ኣብ 2014 ዓ.ም ድማ ብዘይገደብ ቑፅሪ ተዓደምቲ ተኸቢሩ ኣሎ

በዓል እሬቻ ብስርዓት ገዳ ንነዊሕ ዓመታት እናተኸበረ ዝፀንሐ ከምዝኾነን እቲ በዓል ባህሊ ኦሮሞ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመፅአ’ዩ::

ኢሬቻ በዓል ፀሎት ምስጋናን ይቕረታን ስለዝኾነ እዚ ዘበን ናይ ሰላም፣ናይ ፍቕርን ምትሕስሳብን ንክኸውንን ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ፀገም ንኽቐለላ ፀሎት ዝግበረሉ ከምዝኾነ ፤እቲ በዓል ዘኽብር መላእ ህዝቢ ኦሮሞ ኣብዛ ሃገር ሰላም ንኽሰፍን እምነቶም ከምዝኾነ ይግለፅ::

ኣብ በዓል እሬቻ ሃደ ስንቄታት ፀሎትን ምትዕራቕን፣ፈጣሪኦም ንሃገረን ኢትዮጵያ ዕርቀ ሰላም ንኸውርደሎም ከምዝልምኑን ፈጣሪኦም ህዝቦም ሓደንኽገብረሎም ይፅልያ::እቲ በዓል ብህዝቢ ኦሮሞ ጥራሕ ዝኽበር ስለዘይኮነ ኹሉ ዘኽብሮ ስለዝኾነ ኹሎም ኢትዮጵያውያን ናይቲ በዓል ተዓደምቲ ንክኾኑ እቲ ብዓል ብሰላም ንክኽበር ፈጣሪኦም ይልምና::

ኣብ ዓመት ሓደ ግዘ ዝኽበር በዓል እሬቻ መሐጎስን ብርክት ዝበሉ ድማ ንምኽባር ዝሃርፍዎ ‘ዩ ::እዚ በዓል ናይ ኦሮሞን ኻልኦት ህዝብታትን ጥራሕ ዘይኮነስ ትኹረት መላእ ዓለም ከምዝስሕብ ይምስክር::ኣብ እዋን ኣከባብራ እቲ በዓል ፍቕሪ፣ሓድነትን ምትሕስሳብን ብዘርእይ’ዩ::

ኢትዮጵያውያን ቋንቋታትና እምነትናን ዝተፈላለየ እንተኾነ ‘ውን ብሓባር ኢና ንነብር ፤እዛ ሃገር ዝገጠማ ኲናት ብሓባር ምምካት ይግበእ ::ኣብ ውሽጢ ዘበን ደስታ ይኹን ሓዘን ዘጋጥም ብምዃኑ ብዘርእን ሃይማኖትን ከይተፈላለና ዝገጠሙና ፀገማት ብሕብረት ኾይንና ከከም ኣመፃፅእኡ ምሕላፍ ግድን ይኸውን::

እሬቻ ማለት ሰላም፣ ሓድነት፣ ምፍቕቓር፣ምትሕስሳብ፣መግለፂ መንነት ህዝቢ ኦሮሞ’ዩ:: ሰባት ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኦም ብሃይማኖቶም፣ብቋንቆኦምን ብዓሌቶምን ከይተፈላለዩ ብሓባር ዘኽብርዎ በዓል’ዩ::

ሰላም ተዘይሃልዩ ሰብ ይኹን ኢሬቻ ከምዘይህሉ፤ንሰላም ክበሃል ኹሉ ሰብ ክረባረብን ብሓባር ክሰርሕን ኣለዎ ::ሰላም ንኽሰፍን ኣባገዳታት ከምዝፅልዩን ፅቡቓት ነገራት ንኽመፁ ይልምኑ::

ኣብቲ በዓል ኣባ ገዳታት ሰላም ንኽፍጠር፣ፍቕርን ሓድነትን ንኽመፅእ፣ዝተብኣሰ ንኽዕረቕ ፈጣሪኦም ይልምኑ::ህዝቢ ድማ ኣባገዳታትን ኣቦታት ሃይማኖትን ዝብልዎ ክሰምዕ ከምዘለዎን ሰሚዑ ድማ ተግባራዊ ክገብሮ ትፅቢት ይግበር::

ኹነታት እዛ ሃገር ምስ ተፈጥሮ ዝተተሓሓዘ ‘ዩ::በዚ ኸይዲ ተፈጥሮ ድማ ሓደ ወለዶ እንትትካእ እቲ ኻልእ ቦታ ይለቕቕ::ሓደ ዓመት ሓዱሽ ኾይኑ እንትመፅእ እቲ ኣረጊት ዓመት ቦትኡ ነቲ ሓዱሽ የረክብ::እዚ ምትኽኻእ ድማ ምስ ተፈጥሮ ይተሓሓዝ::

ኢትዮጵያ ልዕሊ 80 ብሄር ብሄረሰባት ዘለውዋ ሃገር ምስ ምዃና እዞም ህዝብታት ንፈጣሪኦም ምስጋና ዘቕርቡሉ ናይ ባዕሎም ስርዓት ባህልን ሃይማኖትን ኣለዎም::ንፈጣሪ፣ንመሬት፣ንኸባቢ፣ንእፅዋትን ኣዝርእትን ምስጋና ዘቕርቡሉ ግዘ ኣለዎም::

ካብ መንጎ እዞም ብሄረሰባት ድማ ህዝቢ ኦሮሞ እቲ ሓደ እንትኸውን እቲ ህዝቢ ብምኽንያት በዓል እሬቻ ምስጋና ዘቕርብ ‘ዩ::እዚ በዓል እሬቻ ኣብ ኽልተ ተመቒሉ ዝርኣይ እንትኸውን እቲ ሓደ ‹‹ኣብራሳ››ዝበሃልን ናይ ሓጋይ ማይ ዝወቕዐሉ እዋን ኣብ ጎቦ ዝግበር ስነስርዓት ምስጋና ‘ዩ::እቲ ኻልኣይ ድማ እዋን ኽረምቲ ሓሊፉ ፅድያ እንትኣቱ ‹‹ኣብ ማይ›› (መልካ)ዝግበር ናይ ምስጋና በዓል እዩ::

ህዝቢ ኦሮሞ ዝኾነ ዓይነት እምነት ይሃልዎ በብእምነቱ ኽራማት ሓሊፉ ፅድያ እንትመፅእ ኣብ ጥቓ ማይ ወይ ድማ ኣብ ገዝኡ ኾይኑ ንፈጣሪኡ ምስጋና የቕርብ::

ኲናት ንደቂ ሰባት ጎዳኢ ብምዃኑን ሰላም ንኽሰፍን ፈጣሪ ሰላም ንኸውርድን ናይ ኹሉ ፀሎት ኣድላዪ ‘ዩ::ካብ ናይ ጥንቲ ኣቦታትን ኣዴታትን ዝተወረሱ ፅቡቓት ባህልታትን ፅቡቕ ገፅታ ኦሮሞ ዘንፀባርቑን ክቕፅሉ የድሊ::

ወጋሕታ 19 መስከረም 2015

Recommended For You