ኪነ ጥበብ ንሰላም

ኪነጥበብ ኣተሓሳስባ ሰባት ይዝውር ፤እንተደልዩ የልምዕ እንተደልዩ ድማ የጥፍእ። ንሰላም ይውዕል፣ንኲናት ይውዕል ፤ነዚ’ዩ ድማ ኣብ እዋን ኲናት ዋጣ (ደራፋይ) ዘድልየሉ ምኽንያት ውሽጣዊ ወነ ንምልዕዓል’ዩ። ኣብ ሃገርና ብባህላዊ ስነ ስርዓት መርዓ ንደራፋይ ዝወሃቦ ሽልማት እንታይ’ዩ?ወነ ስለዝቕስቅስ ንኻሊእ ድኻ ብቐሊሉ ዘይንህቦ ቕርሺ ኣውፂእና ንሽልም፤እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኪነ ጥበብ ብስምዒት ስለዝዝወር ‘ዩ። ዝኾነ ናይ ኪነ ጥበብ ስራሕ ነፀብራቕ ገሃዳዊ ዓለም ‘ዩ። ‹‹ገሃዳዊ ዓለም እንታይ ‘ዩ?››ዝብል ‘ዩ።

ገሃዳዊ ዓለም ፍቕሪ ‘ዩ፣ማሕበራዊ ጉዳይ ‘ዩ፣ፖለቲካ ‘ውን ‘ዩ። ካብ መንጎ እዚኦም ፖለቲካ ተደጋጊሙ ይልዓል፤ምናልባት ‘ውን ምስ መንነት ሃገር ብቐረባ ስለ ዝጣመር ይኸውን። ብብርኪ መሪሕነት ዘለዉ ጥራሕ ዘይኮኑስ ህዝቢ ‘ውን ፖለቲካ ይፈትው ‘ዩ (ዋላኳ ፖለቲካን ኤሌክትሪክን ብርሑቑ ዝብሉ እንተሃለዉ)፤እዚ ‘ውን ፖለቲካ ‘ዩ። ናብ ኪነ ጥበብ ሃገርና እንትንምለስ ኪነ ጥበብ ምስ ፖለቲካን ሰላምን ነራኽቦ። ኪነ ጥበብ ኣብ ነባራዊ እሴታት ስለ ዝሰርሕ ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ ‘ዩ ዝብል ፅሑፍ ኣየኽይድን፤ኪነ ጥበብ ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣዝዩ ውሑድ ‘ዩ። ኪነ ጥበብ ብፖለቲከኛታት ዘይምርድዳእ ዝፍጠር ጎንፂ ናብ ሰላም ዘምፅእ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ከያኒያን ‹‹ሃፍትና ህዝቢ ‘ዩ›› ክብሉ ንሰምዕ። ስለዝኾነ ንድሕንነት ሃፍቶም ኣብ ሰላም ክሰርሑ ይግባእ።

 መንግስትን መራኸብቲ ሓፋሽን ‹‹ኪነ ጥበብ ንሰላም ዓብዪ ግደ ኣለዎ›› እንተበሉ ‘ውን ዝተረድኦ ግና ውሑድ ‘ዩ፤ኣዝዩ ግልፂ ዝኾነ ነገር ብሳይንስን ፅንዓትን ምርምርን ከም ሓዱሽ እናተርኣየ ‹‹ኪነ ጥበብ ንሰላም ይጠቅም›› ማለት ክንደየናይ ትኹረት ከም ዘይተውሃቦ ዘርእይ ‘ዩ። ኣብ ኪነ ጥበብ ፈላስፋታት ክርክር ነይርዎም። ፕሌቶ ዝተብሃለ ፈላስፋ ኪነ ጥበብ ኣፍራሲ ‘ዩ ኢሉ ይኣምን ነይሩ፤ምኽንያቱ ድማ ዓለም ኣይውክልን፣ካብ ገሃዳዊ ዓለም ዝርሓቐ ‘ዩ፣የጋንን ‘ዩ ብዝብል ‘ዩ። ፈላስፋ ኣርስቶትል ድማ ናይ ፕሌቶ ሓሳብ ይነፅጎ። ኪነ ጥበብ ማለት ውህደት ስምዒትን ገሃዳዊ ዓለምን ከም ዝኾነ ይኣምን።

እዚ ማለት ስምዒትና ዝረስን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ነገር (ነቲ ሓቂ ወይ ድማ ጋህዲ) ክትንክፎ ከሎ ‘ዩ። ንኣብነት ምንባዕ ከም ፈውሲ ይቑፀር። ሰብ እንትበክይ ‹‹ይብከይ ይንፈሰሉ›› ይበሃል። ምብካይ ውህደት ስምዒትን ሓቃዊ ነገርን ‘ዩ። እዚ ድማ ሩፍታ ወይ ድማ ዕረፍቲ ‘ዩ። ኻሊእ ኣርስቶትል ዝብሎ ነገር ኪነ ጥበብ ታሕጓስ ዝፈጥር ‘ዩ። ታሕጓስ ድማ ንደቂ ሰባት ተፈጥራዊ ጥዕና ‘ዩ። ኪነ ጥበብ ነፀብራቕ ሳይንስ ከም ዝኾነ ይእመን። ኪነ ጥበብ መንገድን ህንፃን ዝሰርሑ ሰባት ዝሰርሕ ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ እዞም ሰባት ‹‹ጥበበኛታት›› ይበሃሉ። በዚ ምኽንያት ድማ ሓበራዊ መረዳድኢ ይኸውን። ነዚ ድማ ኪነ ጥበብ ፅቡቕ መርኣያ ‘ዩ።

 ብሓድነት የረዳድእ፤የፋልጥ። ፖለቲካ ይኹን ሃይማኖት ደረት ኣለዎ፤ኪነ ጥበብ ግና ደረትን ዶብን የብሉን ይብሉ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ። መንግስቲ ግና ኣብዚ ዘፈር ብመዳይ ትምህርቲ ኣይሰርሐን፤ተምሃሮ ሃገሮም ኣይፈልጡን፤ኣብ ዓፋር ዘሎ ተምሃራይ ሻምናይ ክፍሊ ናይ ኣምሓራ ኪነ ጥበባዊ ባህሊ ኣይፈልጥን፣ኣብ ትግራይ ዘሎ ‘ውን ናይ ሶማሌ ኣይፈልጥን። ኪነ ጥበብ ልዕሊ መንግስታዊ ሓይሊ ‘ዩ። ዝተፈጠረ ጎንፂ ጠጠው ንምባልን ንከይፍጠርን ምግባር ይኽእል ‘ዩ። መንግስቲ ብሓይሊ ‘ዩ ጠጠው ዘብሎ፤ኪነ ጥበብ ግና ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብምፍጣር ‘ዩ ጠጠው ዘብሎ፤ብፍቕሪ ጠጠው የብሎ። እቶም ዝተጓነፁ ሓይሊ ኣፍሪሕዎም ዘይኮነስ ፍቕሪ ስዒርዎም ጠጠው የብሉን ይዕረቑን። ‹‹ኣርቲስት ልቡ ሰያብ ‘ዩ›› ይበሃል። ዘተዓርቕን ዓብዪ ማለት ‘ዩ። ጨጉሮም ዝሰየቡ ዓበይቲ ዓዲ ንሰላም ዘለዎም ኣስተዋፅኦ ንፈልጥ ኢና። ሓደ መድረኽ ኪነ ጥበብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ኣኼባታትን ዋዕላታትን ዘምህር ‘ዩ። ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ልዕሊ ፖለቲካ ዘበን ዝሳገሩ ‘ዮም፤ዘበን ዝሳገር ሓይሊ ኣለዎም። ሎሚ ‹‹ባህልና፣ታሪኽና›› እናበልና ንክንኾርዕ ዝገበረና ዘበን ዘይስዕሮ ኪነ ጥበብ ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ ብሓፈሻ ሓንቲ ሃገር መለለይኣ ሰላም ‘ዩ። ኹሉ ዘመፅእ ሰላም እንትህሉ ‘ዩ። ሰላም ኣብዘየለሉ ብዛዕባ ዝኹነ ነገር ምውጋዕ ኸቢድን ዘይከኣልን ‘ዩ። ብምዃኑ ድማ መንግስቲ ይኹን ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ፤ ንህዝባዊ ሰላም ክሰርሑ ይግባእ። ብፍላይ ተጋሩ ኪነ ጥበበኛታት ንሰላም ክሰርሑ ይግባእ፤ሓዞ… በሎ… ዝብል ደርፊ ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቅምን። ህዝቢ ትግራይ ዝርባሕ ኣብ ሰላም’ምበር ኣብ ኹናት ኣይኮነን። ስለዚህ ኪነ ጥበባዊ ቅኒቶም ከስተኻኽሉ ይግባእ። ኪነጥበብ ንሰላም ክጥቀምሉ ኣለዎም።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 5 መስከረም 2015 ዓ.ም

Recommended For You