በዓል ሓዱሽ ዓመትን ባህላዊ ፀወታን

ኣብ ሃገርና ካብ መንጎ ዝኽበሩ ዓበይቲ በዓላት እቲ ሓደ በዓል ሓዱሽ ዓመት ‘ዩ። እዚ ዓብዪ በዓል ፍሉይ ዝገብሮ ኹሉ ማሕበረሰብ ሃርና ዋላኳ ዝተፈላለየ ሃይማኖትን ቋንቋን ዘለዎ እንተኾነ ንበዓል ዘበን ሓዱሽ ዓመት ዝህቦ ኣኽብሮት ግና ተመሳሳሊ ‘ዩ።

በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣብ ሃገርና ብተመሳሳሊ ስምዒት ክኽበር ካብ መንጎ ዝገብርዎ ምኽንያታት ሓደ ኣቆፃፅራ ዘበን ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ስለዝኾነ ‘ዩ።በዚ መሰረት ድማ ኹሉ ማሕበረሰብ ብሓዱሽ መንፈስ ዝቕበሎ በዓል ኮይኑ ‘ዩ።

እዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ሃገርና ብተመሳሳሊ ድባብ ዝኽበር እንትኸውን ብፍላይ ድማ ኣብ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያ ኣዝዩ ተመሳሳሊ ‘ዩ።ኣብ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣዋልድ ካብ ነሓሰ 16 ጀሚሩ እስካዕ ፅባሕ መስከረም ብጎይላን ፀወታን ዝቕበልኦ በዓል ‘ዩ።

በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ከምዚ ሐዚ ኣብ ስእነት ሰላም ዘይኮነስ ኣብ ሰናይ ዘበን እንትኽበር ከምቲ ድምፃዊት ማህሌት ዘዜመቶ ዜማ ‹‹ቅዱስ ዮሃንሰይ የወለባ ርእሰይ፣ልዓመታ ሃምዚ ገደኣማኖ›› እናተብሃለ ብኸበሮ ጓይላ ደሚቑ ይኽበር ነይሩ።

በዓል ሓዱሽ ዓመት እንትኽበር ኹሉ ብዓቕሙ ባህላዊ ምግብን መስተን ኣሰናዲኡ፤ ፃዕዳ ባህላዊ ኽዳውንቱ ተኸዲኑን ማዕሪጉን፤ወለድን ዓበይቲ ዓድን ናብ ሓዱሽ ዓመት ብምስግጋሮም እናመረቑን እናመስገኑን ምስ ስድርኦም ብታሕጓስ ዘኽብርዎ ዓብዪ በዓል ‘ዩ።

እዚ ኣውደ ኣመት እንትኽበር ህፃውንቲ ቀደም ዕምበባ ገልገለ መስቀል ሐዚ ድማ ስእሊ ብምስኣል እንኳዕ ኣብፀኩም ኢሎም ንጎራብቶም ዝህቡሉን፤ እዋን ትምህርቲ ብምብፅሑ ብታሕጓስን ብሃንቀውታን ዘኽብርዎ በዓል ‘ዩ።ብፍላይ ድማ ኣዋልድ ድሕሪ ኣሸንዳ ምስ ወለደን ኾይነን ብጎይላን መፅብዓን ዝቕበለኦ በዓል ‘ዩ።

በዓል ሓዱሽ ዓመት እንትቃረብ ኹሉ ብሓዱሽ መንፈስ ዝቕበሎን ሓዱሽ ውጡን ወይ ድማ ትልሚ ንምጅማር ከም ምኽንያት ዝጥቀመሉ ብዙሕ ‘ዩ፤ምኽንያቱ ዓርሱ ዝኽኣለ ምንቕቓሕን ስምዒት ተስፋን ስለዝፈጥርን ‘ዩ።

በዓል ሓዱሽ ዓመት ብዙሓት ዜማታት ዝተዜመሉን ዝዝየመሉን ተፈታዊ በዓል ‘ዩ፤ብፍላይ ኣዴታትን ኣቦታትን ትግራይ ነዚ በዓል እንተኽብሩ ብፃዓዱ ኽዳውንቶም ማዕሪጎምን ከም ዓቕሞም ነቲ በዓል ዝኸውን ምግብን መስተን ብምድላው ምስ ጎራብቶምን መሓዙቶምን ዘኽብርዎ ድሙቕ በዓል ‘ዩ።

እዚ በዓል እንትኽበር መናእሰይን ሰገናትን ብሓባር ብምዃን ሽግ ወሊዖም ‹‹ሆያ ሆየ›› እናበሉ ገዛገዛ እናኸዱ እንኳዕ ኣብፀኩም ዝብሉሉን ብዓበይቲ ወለዲ ዝምረቑሉ ዓብዪ በዓል ‘ዩ።

መብዛሕትኡ ማሕበረሰብና ኹሉ ግዘ ሓዱሽ ዓመት እንትመፅእ እቲ ግዘ ባዕሉ ሒዝዎ ዝመፅእ ሽሻይን ሰላምን ከም ዘሎ ተስፋ ብምግባርን ካፍቲ እዋን ሓዱሽ ነገር ትፅቢት ዝገብር ብምዃኑ መብዛሕትኡ ብተስፋ ዘኽብሮ በዓል ‘ዩ።ይኹን ‘ምበር ምስ ግዘ ምሕዳስ ምኽኣልን ለውጢ ምፍጣርን ድማ ናትና ግደ ከም ዝኾነ ርዱእ ‘ዩ።

እምበኣርከስ በዓል ሓዱሽ ዓመት ሰላማውን ብተስፋ ዝተመልአ ክኾነልና ምእንቲ ኹላትና ብዝሐሸ ኣተሓሳስባን ንሰላም ቑሩባት ብምዃንን ብፍላይ መራሕቲ ሃገርን ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ሰባትን ንማሕበረሰብና ናብ የማን ክመርሑ ዝኽእሉ ፅቡቓት ሓሳባትን ስራሕትን ብምስራሕ ኣብነት ክኾኑ ከም ዘለዎም ምዝኽኻር የድልይ።

ብፍላይ ድማ ኹላትና ብውልቀ ኣብ እንመርሖ ስድራ ይኹን ዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ንሰላምን ንፅቡቕ ለውጥን ኣድህቦ ገይርና ክንንቀሳቐስ ይግበአና።ብፍላይ ንሕና ኣብ ዘይንደልዮን ኣብ ዘይግበአናን ብርኪ ናብራ ንኽንርከብ ዝገብሩና ዝኾኑ ሓይልታት ነቒሕና ብምስትውዓል ሓዱሽን ጠቓምን ዘበለ ኹሉ ክንምህዝን ብተወሳኺ ድማ እቲ ፈለማ ዘድልየና ሰላም ንኽሰፍን ግደና እንፃወተሉ እዋን ሐዚ ስለዝኾነ ብምስትውዓል ናብ ሓዱሽን ሰላምን ዘበን ክንሰጋገር ይግበአና።

ሓዱሽ ዓመት 2015 ዓ/ም ዝሐሸ ሰላምን ራህዋን እንረኽበሉ ፤ስቓይን መከራን ህዝብና ዘብቀዐሉ ፤ሃገርና ናብ ዕብየት እተመርሐሉ፤ህፃናት ዝሕጎሱሉ፤ኣዴታትን ኣቦታን ዝቐስኑሉ ፤ሃገርና ናብ ልዕልነት እትሰጋገረሉ ክኾነልና ንምነይ።

እንኳዕ ን2015 ዓ/ም ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም፤ ሓዱሽ ዓመት ዘበን ሰላምን ዕብየትን ይግበረልና።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 3 ጳ ጉሜን 2014 ዓ.ም

Recommended For You