‹‹ኣርቲስት ማለት ፍቕርን ሰላምን ዝሰብኽ ‘ዩ››- ድምፃዊ ኣብርሃም ረዳ

ድምፃዊ ኣብርሃም ረዳ ይበሃል :: ብስልቲ ሂፓፕ ምድራፍ ዝጀመረ ደራፋይ እንትኸውን ፤ ፓክ ኣባ ነዲ ዝብል ዝፈትዎ መፀውዒ ሳጓ ሽም ኣለዎ:: ኣብ ስልቲ ሙዚቃ ሂፓፕ ‘ዩ ዝደርፍ:: ኣብ ሙዚቃ ትግርኛ ኣብ ናይ ሎሚ ዓምዲ ጥበባትና ኣብዚ ዘፈር ሙዚቃ ኣፍልጦ እናረኸበ ዘሎ ተፈታዋይ ድምፃዊ ፓክ ኣባ ነዲ ፤ስራሕቱን ናይ ህይወት ልምዱን ኣመልኪትና ሓፂር ፃንሒት ክንገብር ኢና:: ሂፓፕ (ሙዚቃ ራፕ) እናተብሃለ ዝፍለጥ ኣብ 1970ታት ኣብ ኒውዮርክ ሲቲ ብሮክስ ኣብ እትበሃል ከባቢ ብኣፍሪካ ኣሜሪካውያንን ብላቲን ኣሜሪካውያንን ዝተጀመረ ተፈታዋይ ዓይነት ሙዚቃ ከም ዝኾነ መረዳእታታት ይሕብሩ:: እቲ ሙዚቃ ፍሉይ ዝገብሮ፤ ሰሓባይ ፍሉይ ህርመት ስልቱ ጥራሕ ዘይኮነስ ባህሊ ሃገር ብዝሐሸ መልክዑ ንምግላፅ ዘኽእልን ስምዒት ዝፈጥርን ከምዝኾነ ደረፍትን ፈተውቲ ሙዚቃ ሂፓፕን ይዛረቡ::

ድምፃዊ ኣብርሃም ወይ ድማ ፓክ ኣባ ነዲ ፍልይ ብዝበለ ሞያ ብድምቀት ዝወፀሉ ሙዚቃ ሂፓፕ ኣብ ዓለም ብርክት ዝበሉ ኣድመፅቲ ዘለውዎ ቅዲ ሙዚቃ ‘ዩ:: ሂፓፕ ኣብ ሃገርና ካብ እዋን ናብ እዋን ተቐባልነቱ እናዓበየ መፂኡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብፍላይ ድማ ኣብ መናእሰይ ኣዝዩ ተፈታዋይ ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ:: ኣብ ሙዚቃ ሃገርና ብሙዚቃ ሂፓፕ ካብ መንጎ ዝልዓሉ ኣርቲስታት ሚካኤል ታዬ (ልጅ ሚካኤል) ከምዝኾነ መብዛሕትኡ ዝሰማምዐሉ ጉዳይ ‘ዩ፤ ስልቲ ሙዚቃ ራፕ ብትግርኛ እንትልዓል ድማ ኣባነዲ ምስመሓዙቱ እኒ ያፒ ማፒ ምጥቃስ ግድን ክኸውን ‘ዩ:: ፓክ ኣባነዲ ኣብ ሕምብርቲ 70 እንደርታ ከተማ መቐለ ተወሊዱ ዝዓበየን ፤ኣብ እዋን ቑልዕነቱ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሰንበት ትምህርቲ እናተምሃረ፤ ምስ መሓዙቱን ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ዓበይቲ ዓድን ብፍቕርን ደስ ብዝብል ተዘክሮ ከም ዝዓበየ ኣውጊዑና:: እዋን ቑልዕነት ፓክ ኣባነዲ ላዕልን ታሕትን ዝበዝሖ እንተኾነኳ ኣብዚ ሐዚ እዋን ጥንኩር መንነትን ዓርስኻ ናይ ምዃን ተኽእሎ ከምዝፈጠረሉ ይዛረብ::

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ቐረባ እዋን ብቋንቋ ኣምሓርኛን ትግርኛን ‹‹ፍቅር ኣንሷል›› ብዝብል መፀውዒ ዘውፀኣ ነፀላ ዜማ ፍሉይ ትገብሮ፤ምኽንያቱ ኣብዚ ሐዚ እዋን መብዛሕትኦም ደረፍቲ ቋንቋ ትግርኛ ሰበኽቲ ሰላም ዘይኮኑስ ነቲ መንእሰይ ናብ ሓዊ ዝደፍኡን ዘጋድዱን ከምዝኾኑ እናርአና ኢና፤ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብሱቕታ ዝሪኡ ሓላፍነቶም ዘይዋፅኡ ሰብ ሞያ ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም:: እዚ መንእሰይ ግና በቲ ዝዓበየሉ ጥንኩር ስነ ልቦና ተሓጊዙ ከም ውሕጅ ምስ ዝፈሰሱ ከይፈሰሰ፤ ካብ ውሽጡ ብዝፈንቀለ ድሌት ሰላምን ሓልዮት ህዝብን ስምዒቱ ብነፀላ ዜማ ኣቢሉ ገሊፅዎን ኣድነቕትን ፈተውቲ ሰላምን ድማ እናፍረየ ‘ዩ:: ፓክ ኣባነዲ እዋን ዕረፍትን ስራሕን ከመይ ከም ዘሕልፎ ሓቲትናዮ ነይርና፤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስራሕቲ ሙዚቃ እናሰርሐ ከምዘሕልፎን ምሸት ብሞያ ዲጄ (ኣቦ ጓይላ) ከም ዝሰርሕን፤ጎና ጎኒ ድማ ንህይወቱ ዝጠቕምዎን ብፍላይ ድማ ስነ ልቦንኡ ዘጠንክርዎ መረዳእታታትን ሙዚቃታትን ብምቕሳም ከምዘሕልፎ ሓቢሩልና:: እቲ መንእሰይ ከም መብዛሕትኦም ተጋሩ ኣብ ሃገርና ብምኽንያት ዝተፈጠረ መዕለቢ ዝሰኣነ ስእነት ሰላም ፤ ናፍቆትን ስድርኡን መተዓብይቱን ብጣዕሚ ከምዝሓስብ ኣውጊዑና::

ፓክ ኣባነዲ ንመናእሰይ ንሰላም ዝህቦ ትርጉም እንትዛረብ፤ ኹላትና ዝሐሸ ፅባሕ ክንርኢ እንተኾይንና ጠንኪርና ክንሰርሕ ኣለና፤ምኽንያቱ ህዝብና ንዓማውቲ ኣብ ዕንይንይን ስደትን ‘ዩ ዝርከብ:: ህዝቢ ትግራይ ምስ ኻልኦት ህዝብታት ተፋትዩ ብሰላም ንኽነብር ምቹው ባይታ ዝፈጥር ድማ ኣርቲስት ብፍላይ ሙዚቀኛ ብምዃኑ ሰላማዊ ሙዚቃ ብምስራሕ ዝበለፀ ኣወንታዊ ፅዕንቶ ምፍጣር ይከኣል ‘ዩ:: ‹‹ውፅኢት ኲናት ስቓይን መከራን ‘ዩ፤ሕድ ሕድ መንእሰይ ሰላም ንኽመፅእ ክሰርሕ ኣለዎ፤ሰላም ዝመፅእ ድማ ብምርድዳእን ብምዝርራብን ከም ዝኾነ መንእሰይ ክፈልጥ አለዎ፤ ትምኒተይ ምስ ጎራብቱ ተሳንዩ ዝነብርን ተመራማራይ መንእሰይ ምርኣይ ‘ዩ››::

ፓክ ኣባነዲ ኣብ መወዳእታ ዘሕለፎ መልእኽቲ ብፍላይ ንተጋሩ ኣርቲስታት ፤ ኣርቲስት ማለት ፍቕርን ሰላምን ዝሰብኽ ‘ዩ፤ ብምዃኑ ድማ ካፍቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ሕማቕ ስራሕን ህይወት ዕሸላት መናእሰይ ዘርግፍን ደርፍታት ወፂኦም ፤ናብ መገዲ ህይወትን ሰላምን ክኣትዉን ዝሐሸ ናብራ ክመርሑን ብምዝኽኻር ሓዱሽ ዓመት 2015 ዓ.ም ንመላእ ሃገርናን ህዝብናን ሰላም ዝዓሰሎን ፍቕሪ ዝነግሰሉን ክኸውን ትምኒቱ ገሊፁ:: ካብ ሓዳሽ ዜማ ፓክ ኣባነዲ ዝተወሰደ ግጥሚ ተኣንገዱ እናበልና ዝመፅእ ዘሎ ሓዱሽ ዓመት 2015 ዓ.ም ርሑስ በዓል ክኾነልና ንምነይ:: ስማዕ ዝዓርከይ ስማዕ ናየ ትውልዲ ናይ ዓለም ነገስታት ሓያላት ኢና በሃልቲ እሶም ‘ዮም ቶም ዋና ናጎይታ ፀላእቲ ንመለስ ላብ ልቦናናሞ ነስተውዕሎ ትኹነታት ካብ ጉራይ ፈኸራይ ይሐሽ ላብ ፈጣሪ ምጥማት ከም እኖታት ከም ኣቦታት::

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 26 ነሓሰ 2014 ዓ.ም 

Recommended For You