ብኣዋልድ ዝደምቕ በዓልኣሸንዳ፣ኣሸንድዬ፣ሻደይ፣ሶለል

ኣዋልድ ካብ ጭፍሪ እግረን እስካዕ ጨጉረን ንምፅባቕ ዘይገብርኦ የለን።ጨጉረን ይቑነና፤ካብ ብሩር ዝተሰርሐ ኣልቦን ኣብ ክሳድ ዝእሰር ዝተፈላለየ መጋየፅታትን ገይረን ተዃሒለን፤ተፈቲሉ ዝተኣለመ ባህላዊ ዓለባ ይኽደና።

ኣሸንዳ ዝበሃል ነዊሕ ሰቲ ተዓጢቐን እንትፃወታ፣ ኣሸንዳዋይ እንትብላ ድምቀት ይህበን።ካብ መንጎ እተን ኣዋልድ እተንጉሕ (ዜማ እትጅምር) ውደሳ ብዜማ እንትተቕርብ እተን ተቐበልቲ ድማ ብኸበሮን ብጣቕዒትን እንትዕጅባ የገርማ። ኣልባሳትን መጋየፅታትን ዘበናዊ ዘይምዃኑ ድማ ንባህሊ ዝተውሃቦ ትኹረት ፅቡቕ የርእየና።

ግጥምን ዜማን ፀወተአን ድማ ባህሊ መሰረት ዝገበረ ‘ዩ፤ እተን ኣዋልድ ኣፍቲ በዓል ደሚቐን ዝርአያ ኣብ ከባቢአን ብዝርከብ ባህላዊ መመላኽዒ ‘የን።ናይ ኩሉ ዓይኒ ኣብኣተን ‘ዩ ዝዓርፍ፤ብሓፈሻ ባህላዊ እሴት ‘ዩ ዘበዝሕ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ፅባቐ ዝተመልአ በዓል ኣሸንዳ ሕፅይቲ ንምእላሽ ዝጥምት ኣይስኣንን፤እዚ ድማ ሓደ መግለፂ እቲ ባህሊ ‘ዩ።ኣብዚ ሐዚ እዋን ‘ውን ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዝፍጠር ርክብ ከይኾነስ ሓደ ወዲ ንሓዳር እትኾኖ ንምእላሽ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ‘ዩ ዝጥቀም።

እሞ እዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ ሕፅይቲ ንዝደልይ ‘ውን ጥንቃቐ ክገብር ባዕሉ እቲ ባህላዊ ምስላ ይመኽሮ ከምዚ እናበለ ‹‹ቖልዓ ኣሸንዳ ርኢኻ ኣይትተሓፀ ›› ምኽንያቱ ድማ ኣፍቲ ዕለት ብምኽንያት ዝጥቀመኦ በዝሒ መጋየፂ መልኪዐን ስለዝወፃ ኹለን ቃሕ በሃሎ ስለዝኾና ‘ዩ።ነዚ ‘ዩ ድማ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ሕ ፅይቲ ኣይትምረፅ ዝበሃል።

ናይ ኣዋልድ ፀወታ ኣሸንዳ መንወቀሊኡ ወይ ድማ ትሕዝትኡ ሃይማኖታዊ ‘ዩ።ብኣመንቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ድሕሪ ፆመ ፍልሰታ ኣብ መበል 16 መዓልቲ ፆም ይፍታሕ።እተን ኣዋልድ ፆም ምስ ተፈትሐ ንመዓልታት ገዛ ገዛ እናዘወራ ዝተፃወተኦ ፀወታ ባህላዊ መልክዕ ኣለዎ።ፅቡቕ ተባሂሉ ዝጥቀስ እሴት ማሕበረሰብ ምርቓትን ፅቡቕ ትምኒትን ብምዃኑ እተን ኣዋልድ ገዛ ገዛ እናዘወራ እንትፃወታ ይምረቓ፤እሳተን ‘ውን ይውድሳን ይምርቓን ንዓመታት ብፅቡቕ ከፅንሐን ይምነያ።

እዚ ኹሉ ዝገብራ ባህለን ስለዝፈትዋን ስለዝናፍቓን እቲ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣብ ገዝኡ ኾይኑ ይፅበየን።ናብ ገዝኡ እንትመፃ ድማ ኣብ ገዛ ዘሎ ንኣውደ ዓመት ዝተዳለወ ምግብን መስተን የቕርበለን።እሳተን ድማ ናፍቲ ዝኸዳሉ ገዛ እንትኣትዋ ካብ መእተዊ በሪ ጀሚረን እናወደሳ ‘የን ዝኣትዋ።

ከምዚ እናበላ ከባቢአን ይኾላ ፣ይዘራ፤ስድራ ቤት ድማ ንደቁ ናፅነት ዝህበሉ ዕለት ‘ዩ።በቲ ከባቢ ዝፍራሕ ወይ ድማ ብናብርኡ ዝሐሸ ዝበሃል ሰብ ከይተረፈ ገዝኡ ንደቂ ኣሸንዳ ኽፉት ‘ዩ።ኣቀባብላ እንድሕር ዘየፀቢቑ ድማ ካብ ፀርፊ ኣየምልጥን።ዓቐን ናፅነተን ማዕረ ክንድዚ ‘ዩ።ናይ ስድራ ቤታ ቑፅፅር ዘለዋ ከይተረፈት ኣብዛ ዕለት እዚኣ ኣይትኽላእን።ምስ መሓዙታ ክትፃወት ይፍቀደላ።

ካብ ነሓሰ 16 ጀሚሩ ዝግበር ናይ ኣዋልድ ፀወታ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ኣዝዩ ዝፍለጥ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን በቢዓመቱ ይኽበር።ባህላዊ ፀወታ ድማ ብሓደ ሓደ ነገር ተዘይኮይኑ መሰረታዊ ዝበሃል ኣፈላላይ ከምዘይብሉ መረዳእታታት ይሕብሩ።እዚ ፀወታ ምእታው ሓዱሽ ዓመት ዘርእይ ብምዃኑ ድባቡን ስምዒቱን ፍሉይ ‘ዩ።

ቕድሚ ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፀት መንእሰይ ገነት መብራህቱ ብዛዕባ እቲ ዝዓበየትሉ ባህሊ ኣሸንዳ ትግራይ ከተማ መቐለ ምስ መሓዙታ ክተኽብር ከላ ዝነበራ ተዘክሮ ኣሸንዳ ኹሉ ግዘ ከም እትዝክሮ ነጊራትና።እሳን መተዓብይታን ኣፍቲ በዓል ዝኽደንኦ ኽዳንን ጫማን ከምኡ ‘ውን መጋየፅታት ንምዕዳግ ዝሓስባሉ ወርሒ ነሓሰ እንትኣትዉ ከምዝኾነ ነጊራትና።

እቶም መጋየፅታት ዝተፈላ ለዩ እንትኾኑ ኣብ ጨጉሪ ርእሲ ዝግበር ካብ ዕንቍ ዝስራሕ ጭጓጉሑት ፣ካብ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝዳለው ክሪ ኣብ ኽሳድ ዝእሰር፣ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኽሳድ ዝእሰር ዝተፈላለየ መጋየፅታት ሕንቆ መስቀል፣ዓብዪ መስቀል ፣ጎባጉብ ካብ ንሃስን ብሩርን ዝተሰርሑ፣ኣብ ኣፃብዕቲ ዝእሰር ዝብጦ ዝበሃል ዓብዪ ብሩር ይግበር።

መንእሰይ ገነት ኣብዚ ሐዚ እዋን ብባዮሎጂ ማስተርስ ዘለዋ ምህርቲ እንተኾነት ‘ውን ፤ብሰንኪ ስእነት ሰላምን እቲ ዝምጥና ስራሕ ብዘይምርካባን ቡና እናፍለሐት ኣብ ምሻጥ ትርከብ፤ናብዚ ዝዳረጋ ድማ ኹነታ ሃገርና ከምዝኾነ ትዛረብ።

በዓል ኣሸንዳ ይኹን ኹሎም ፅቡቓት ህያባት በዓላትና ብሰላም ንምኽባር ኹነታት ሰላምን ሓድነትን ሃገርና ወሳኒ ‘ዩ፤ስለዝኾነ ድማ መንግስትን ህዝብን ቐዳማይ ትኹረት ገይሮም ክሰርሑ ይግባእ እናበልና ክንዛዝም።

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 19 ነሓሰ 2014 ዓ.ም

Recommended For You