ኣድላይነት ሃገር በቆል ፍልጠትን ኪነጥበብን

ከምቲ ዝፍለጥ ኪነጥበብ ኣብ ኹለመዳይ ድርጊት ወይ ድማ ስራሕ ኣዝዩ ሓይሊ ወሃባይን ስምዒት ሙሉእነት ዘጎንፅፍን ዓቕሚ ዘለዎ ህያብ ‘ዩ:: ብምዃኑ ድማ ኣብ ሃገርና ኹለመዳያዊ ስራሕቲ ብሓድነት እንትሳለጡ ጎናጎኒ እቲ ስራሕ ኪነጥበብ ግድን ‘ዩ፤ ንኣብነት ኣብ ገጠራት ሃገርና ማሕረስ፣ ፃህያይ፣ ዓፂድ እንትካየድ ነናይ ባዕሉ ዜማን ግጥምን ሓልዩ እቲ ዕዮ ንኽሳለጥ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዘበርክት ‘ዩ፤ እዚ ድማ ባህላዊ ኪነጥበብ ሃገርና ‘ዩ::

ብኻሊእ መዳይ ድማ ኪነ ጥበብ ሃገር ኣብ ስእነት ሰላም ከምኡ ‘ውን ኲናት እንተጓንፋ ማዕረ ወይ ድማ ዝያዳ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ኪነ ጥበብ ‘ዩ:: ነዚ ድማ ከም ዓብዪ መረዳእታ እንሪኦ ኣቦታትናን ኣዴታትናን ንወራሪ ጥልያን ብሕብረት እንትምክቱ እናፈከሩን፣ እናሸለሉ፣ ከምኡ ‘ውን ብጓይላ እናሳዕስዑ ነቲ ዓውዲ ዝምጥን ግጥምን ዜማን እናመሃዙ ከም ሓደ መሳርሕን መከላኸልን ኲናት ገይሮም ይጥቀሙሉ ምንባሮም ዝፍለጥ ‘ዩ::

ሃገር በቆል ፍልጠት ከምቲ ዝፍለጥ ብተወለድቲ ዓዲ ዝተምሃዙ ጥበባትን ፍልጠታትን፤ ከምኡ ‘ውን ባህላዊ ስራሕቲ ኢደ ጥበብ፣ኪነ ህንፃ ፣ሕክምና፣ ምርምር ስነ ፈለክን ኻልኦትን ዘካተተ ‘ዩ::

ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገር በቆል ፍልጠት ንሃገራዊ ሰላምን ቑጣባዊ ዕብየትን ትኹረት ብምግባር ብዝተፈላለዩ ሴክተራትን ብውልቀን ዝተኣከቡ ሰብ ሞያ እዚ ፍልጠትን ከምኡ ድማ ነዚ ዘበረታትዑን ድሌት ዘለዎም ዓበይቲ ዓድን መናእሰይን ተራኺቦም ምኽሪ ሓሳብ ዝተለዋወጡ እንትኸውን፤ ሃገር በቆል ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ

(ዩኒቨርሲቲ) ንምምስራት ኣብ ምድላው ከም ዝርከቡን፤ ነዚ ዝፍፅም ዓብዪ ኮሚቴ መሪፆምን ‘ዮም::

እዚ ሐዚ እንርከበሉ ሕማቕ ኹነታት ስእነት ሰላም፣ ነዚ ስዒቡ ዝመፀ ቑጠባዊ ቕልውላው ክቕረፍ እንተኾይኑ ናብ ውሽጥና ተመሊስና፤ እቲ ስእነት ሰላም ብባህላዊ ዕርቅን ዘተን ክፍታሕ እንተኽኢሉ፤ ንዑኡ ስዒቡ ዝተፈጠረ ቕልውላው ናብራ ድማ ብሃገር በቆል ፍልጠት ክፍታሕ ዝኽእል ከም ዝኾነ ሓሳባት ቐሪቦም::

ኣፍቲ መድረኽ ከምተገለፀ፣ ሃገር በቖል ፍልጠት ካብ ማእለማ ኽዳን ይጅምር፤ ኽዳን ኣሊምካ ምኽዳን፤ ናውቲ ማሕረስ፣ ሞያ ማሕረስን ኣሽማቶምን ነዊት፣ ምራን ወዘተ ናይ ባዕሎም መፀውዒ ሽም ዝተውሃቡሉ ምኽንያት መበቆሎም ሃገራዊ ብምዃኑ ‘ዩ፤ ናይ ሸኽላ ስራሕቲ፣ እስካዕ ሐዚ እዞም ፍልጠታትና ብኣግባቡ ብዘይምጥቃምና እዛ ሃገር ካፍቲ ዘፈር ክትረኽቦ ትደልይ ጥቕሚ ከይረኸበት ተሪፋ ‘ያ::በዚ መንፅር ሃገር በቆል ፍልጠት ኢትዮጵያ ትካል ትምህርቲ (ዩኒቨርሲቲ) ንምምስራት ዘለዋ ዓቕሚ ናብ ወለዶ ንምምሕልላፍ ዘለዋ ዕድል እንተተጠቂማ፤ ሃገርና ዘለዋ ቑጠባዊ ፀገም ንምፍታሕን ሕብረተሰብ ድማ ተጠቃሚ ክኸውን ምግባር ዝከኣል ‘ዩ::

እዚ ናይ ትምህርቲ ማእኸል ዘጣየሽናሉ ዋና ዕላማ እቲ ሓደ ባህላዊ ፍልጠታ ኣቦታት ብዘበናዊ መገዲ ምምሃር እንትኸውን፤ ትምህርቲ ስነ ምግቢ፣ ናይ ከፍቲ መኖ ፣ብዛዕባ ኣቀማምጣ መልክኣ ምድሪ (ጅኦግራፊ) ሃገርና ምፍላጥን እዚ እንተፈሊጥና ኣብ ከመይ ዝበለ ቦታ ከመይ ዝበለ እፅዋት ከም ዝቦቁል ምፍላጥ፤ትምህርቲ ቋንቋ ግእዝ፤ ትምህርቲ ኢደጥበብ፤ ትምህርቲ ስነ ስእሊ፣ ትምህርቲ ስነ ከዋኽብቲ፣ ትምህርቲ ስነ ፈለክ፤ ባህላዊ ትምህርቲ ኪነ ህንፃን ኻልኦቴ ብሃገርራዊ እሴትን ፍልጠትን ምምሃር ‘ዩ::

ኣፍቲ ምድላው ፕሮፌሰር ፍቅሬ ቶሎሳን ገጣሚትን ደራሲትን ውዳላት ገዳሙ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ካብ ዓበይቲ መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ሼኽ ኢብራሂም፣ መሪጌታ በላይ፣ ካብ ሚዲያ ድማ ዶክተር ጌትነት ኣብ ባላገሩ ቴሌቪዚን ኣሰናዳኢ ፕሮግራም ‹‹ኣንድሮሜዳ›› ኻልኦት ግዱሳት ኢትዮጵያውያን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ንሃገር በቀል ፍልጠት ዝግበኦ ኽቡር ሽም እንተሂብናዮን ጥቕምታቱ እንተኣረዲእናን ናብ ረብሓ እንተውዒልናዮን ዝሐሸ ክኸውን ‘ዩ ኢሎም::

ሄርሞን ፍቃዱ

Recommended For You