
ኢንጅነር ግደይ ዘርኣፅዮን ካብቶም መስረቲ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሓደ ‘ዮም። ካብ 1967 ክሳብ 1977 ዓ.ም ምስ ህወሓት ኮይኖም ዕጥቓዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ መሪሖም ‘ዮም። ኮይኑ ግና ኣብ ከይዲ ናይ ሓሳብ ኣፋላላይ ስለ ዘጋጠሞም ካብቲ ውድብ ወፂኦም ኣብ ወፃኢ ሃገር ናብርኦም ገይሮም እናሃለዉ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) መስሪቶም ቓልሶም ብኻሊእ መገዲ ቐፂሎም ‘ዮም። ድሕሪ ለውጢ ድማ ኣብ ሰላማዊ ቃልሲ እናነጠፉ ይርከቡ። ኢንጅነር ግደይ ምስ ዘለዎም ዕድመ ፀገብ ፖለቲካዊ ተሞክሮ ኣብ ሃገርና ዘሎ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ፃኒሕት ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ንምንባቡ ብዝጥዕም ከምዝስዕብ ኣደሊናልኩም ኣለና፡፡ሰናይ ንባብ።
ሕቶ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ማእኸላይ መንግስቲ ምስተባረረ ብሓይሊ ናብ ስልጣን ንምምላስ ዝገብሮም ፃዕርታት ከመይ ይምልከትዎ?
ኢንጅነር ግደይ፡– ኣብዚ ኩነታት እዚ ርኢቶና ንህብ ነይርና ኢና፤ ራዕዳዊ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ትኽክል ከምዘይኮነ ንዛረብ ነይርና ኢና። ጁንታ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ፀላእቲ መፁኻ መክት እናበለ ከታልሎ ፀኒሑ ‘ዩ። ህዝቢ ክዕጠቕ እናገበረ ንኩናት ከዳልዎ ፀኒሑ ‘ዩ። ፍሉይ ሓይሊ ብበዝሒ ብምስልጣን ኢትዮጵያ ከፍርሳ ‘የ እናበለ ፀኒሑ ‘ዩ። ብተደጋጋገሚ ኣብ ስታድዮም እናወፀአ ትርኢት የርኢ ነይሩ ‘ዩ። ብተደጋጋሚ ሓይሉ እናርአየ ፀኒሑ ‘ዩ። ከምዙይ እናገበረ ከም ዝነበረ ኩልና ንፈልጦ ኢና። ሓይሉ ብተደጋጋሚ ዝርእየሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ግደፉ ናብ ኩናት ኣይትውሰዱና እናበሉ ብተደጋጋሚ ይልምኑ ነይሮም ‘ዮም። ኩናት ዘዋፅእ ኣይኮነን እናተባህለ ብዕርቒ ‘ውን ይልመን ነይሩ ‘ዩ። እዚ ኩናት እዚ ኣዴታት ትግራይ ዝጎድእ፣ ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ዘፀንት ኩናት ‘ዩ። ግደፉ እናተባህለ ይዝረብ ነይሩ ‘ዩ።
ኮይኑ ግና ህወሓት ከመይ ንዒቑና ‘ዩ ከምዚ ዝብለና ዘሎ ‘ዩ ይብል ነይሩ። በዚ ምኸንያት ራዕዳዊ ህወሓት ንኲናት ዘላዓዕሉ ነገራት እናሰርሐን እናደፈአሉን ከም ዝነበረ እናረኣናዮ ነይርና ኢና። ብኻሊእ መገዲ ድማ ተቓወምቲ ፓርትታት ብጎኒ እናሓገዘ ‘ዩ ነይሩ። ብሄራዊ ምንቕስቃስ ክግበርን ሕንፍሽፍሽ ክለዓልን እናሰርሐ ነይሩ ‘ዩ። ፎቐድኡ ከባቢ ኢዱ ነይርዎ ‘ዩ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ክልል ዓፋር እንተኸድካ ብዙሕ ፀገም እናፈጠረ ነይሩ ‘ዩ። ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ከይርከብ እናገበረ ‘ዩ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ ብተግባር ዘርአዮ ነይሩ ‘ዩ። ንኣብንት ብገበን ዝተኸሰሱ ሰባት ብሕጊ እንትጥየቑ ኣይነርክብን ይብል ነይሩ ‘ዩ። ንሕገ መንግስትን ማእኸላይ መንግስትን ዘይምኽባር ነይሩ ‘ዩ።
ኮምሽን ዶብን መንነትን እንትጣየሽ ንዓና ንምጥቓዕ ዝተፈጠረ ‘ዩ እናበለ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ምንዛሕ። ብቤት ምኽሪ ገይሩ ኣይቕበሎን ኢሉ ውሳነ ኣሕሊፉ ‘ዩ። እዚ ህዝቢ ንምልዕዓል ‘ዩ ተጠቒምሉ። እዚ ኮምሽን እዚ ኣብ ኩሉ ክልል ክሰርሕ ‘ዩ ተጣይሹ ‘ምበር ኣብ ትግራይ ጥራሕ ክሰርሕ ኣይኮነን ተጣይሹ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሉ ከባቢ ናይ ዶብ ሕቶ እናተላዕለ ፀገም ነይሩ ‘ዩ። እዚ መፍትሒ ንኽኸውን ብፅንዓት ዝተጣየሸ ‘ዩ ነይሩ። ስለዚ ብፅንዓት ተደጊፉ ዝተጣየሸ መፍትሒ ካብ ምምፃእ ሓሊፉ ዘምፀኦ ፀገም ኣይነበረን። እዚ ናብ ፖለቲካ ብምቕያር ህዝቢ ንምልዕዓል ተጠቒምሉ ‘ዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ናይ ከይዲ መረፃ እንተሪእኻ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር መረፃ ብምኹናን ናይ ባዕሉ መረፃ ኣካይዱ ‘ዩ። ካብ መስከረም ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዝባሃል የለን ብዝብል ፈኸራ ብምሓዝ ህዝቢ ንምልዕዓል ሰሪሑ ‘ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ንእዚ ሰሜን ብመንግሰቲ ተሸይሙ ዝኸደ መራሒ ኣይንቕበልን ብምባል ከም ዝመለሶ ሪእና ኢና። ትዕቢቱ ክሳብ ክንድዚ ‘ዩ ነይሩ። ይምካሕ ነይሩ ‘ዩ፤ ክሳብ ክንድዚ ‘ዩ ይሰርሕ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ዝረኣናዮ 24 ጥቕምቲ2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ጥቕዓት ፈፂሙ ‘ዩ። እዚ ሰሜን ተቖፃፂርናዮ ኢና እናበለ እናፎከረ ነይሩ ‘ዩ። ኣድላይ ዝኾነ መሳርሒ ኣብ ኢድና አእቲና ኢና እናበለ ነይሩ ‘ዩ። ካብ ሕዚ ዝነኽአና ሓይሊ የለን እናበለ ነይሩ ‘ዩ።
እንድሕር ከምዚ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ይግበር? መንግስቲ ነዚ ሓይሊ እዚ ስርዓት ከትሕዝን ክካላኸልን ሓላፍነት ኣለዎ ‘እዩ። ኣሽንኳይዶ ሓደ ዓብዪ ዝባሃል ዲቪዥን ሓይሊ ተወቒዕዎ ዝኾነ መንግስቲ ንእሽተይ እንተተንኪፍዎ እንታይ ከም ዝገብር ይፍለጥ ‘ዩ። ኣውሮፓውያን ነዚ ክኹንንዎ እናተገበኦም ኣይኮነንዎን። እኳዳአስ ብተፃራሪ ‘ዮም ደው ኢሎም። እዚ ድማ ዓይኑ ዘፍጠጠ ኣድልዎ ‘ዩ። ሸፈጥ ‘ዩ። እንተናኣሰ ከምዚ ተገይሩ ‘ዩ፤ ስሕተት ‘ዩ ክብሉ ነይርዎም። ካብዚ ንላዕሊ ንዘይምኻድ ምጥንቓቕ የድሊ ክብሉ ነይርዎም።
ኮይኑ ግና ነዚ ሸፋፊኖም ዘርኢ ምፅናት ተኻይዱ እናበሉ ነቲ ህወሓት ዝደልዮ ሓሳብ ‘ዮም ከጋውሑ ዝረአዩ። ዘርኢ ምፅናት እንተኾይኑ መጀመርታ ክጥየቕ ዘለዎ ህወሓት ‘ዩ። ህወሓት ዝፈፀሞ ተግባር ‘ዩ ክሕተት ነይርዎ። ብፍላይ ኣብ እዚ ሰሜን ዝፈፀሞ ግፍዒ። ካብዚ ሓለፉ ‘ውን ኣብ ማይ ካድራ ግፍዒ ፈፂሙ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ተጋሩ ብኣምሓሩ በደል በፂሒዎም እናበለ ‘ዩ ዝዛረብ። ከምዚ ዓይነት ፖለቲካ ዝጥቐም ውድብ ዕላምኡ እንታይ ‘ዩ? ህወሓት ብዝሰርሖ ስራሕ ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ‘ዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኣይተገብረን። ኣነ ናይ ኢትዮጵያ ሞራልን ሰብኣውንትን ብጣዕሚ ‘የ ዘድንቕ።
ሕቶ፡- ህወሓት ካብ ኣመሳራርትኡ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘይተቐየረ ውድብ ‘ዩ፤ እዚ ውድብ እዚ ብተወከልቲ ህዝቢ ‘ውን ራዕዳዊ ሓይሊ ተባሂሉ ተሰይሙ ‘ዩ። ብሓሳብ ዘይተለወጠ ኣነ እንተዘይመሪሐ፣ ሃገር ትፍረስ ዝብል ቕዋም ዘንፃባርቕ ውድብ ‘ዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፤ ንሶም ካብ ኣመሳራርትኡ ጀሚሮም ዝፈልጥዎ ውድብ ከም ምዃኑ መጠን ኣብዚ ዘለዎም ትዕዝብቲ ተዝገልፁልና?
ኢንጅነር ግደይ፡– ትኽክል ‘ዩ ክሳብ ሕዚ ዝኸዶ ክያዶ ዘርእየካ ከምዚ ‘ዩ። ርኢኽሙዎ እንተኾይንኩም ነባዕሉ ከም ላዕለዋይ ገይሩ ‘ዩ ዝሓስብ። ዕላማና ኣይንቕይርን ኢሉ ‘ዩ ዝሓስብ። እዚ ከም ዓብዪ ጅግንነት ገይሩ ‘ዩ ዝቖፅሮ። ወያናይ ዲሞክራሲ ‘የ ዝኸትል ‘ዩ ዝብል። ኮይኑ ግና ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ወያናይ ዝባሃል የለን። ንባዕሉ ‘ውን ንፖለቲካ ‘ዩ ዝጥቐመሉ ‘ምበር ብተግባር ኣይጥቐመሉን። ልምዓታዊ ምናምን ምባል ‘ውን ጀሚሩ ነይሩ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ብተግባር ካብዚ ወፂኡ ‘ዩ። ግና ንህዝቢ ዘታልሎ ከምዚ እናበለ ‘ዩ።
ካሊእ ብፖለቲካ ከሸንፍ ስለ ዘይከኣለ ኩሉ ነገር ብሓይሊ ክገብሮ ኣለኒ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለዎ። ሃገር ትፍረስ፣ ትረበሽ ዝብል ሓሳብን ዕላማን ‘ዩ ዘለዎ። ብግልፂ ‘ውን ተዛሪቡ ‘ዩ። ንሕና ህዝብና ካብ ሓደጋ ንምክልኻል ‘ምበር ኢትዮጵያ ጉዳይና ኣይኮነን ‘ዩ ዝብል። ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ምጉናፅ ‘ዩ። ህወሓት ብዝኸደሉ ቦታ ህዝቢ እንተይተጋራጨወ ሓሊፉ ኣይፈልጥን። ዕላምኡ እውን ንሱ ‘ዩ። ወልቃይትን ማይካድራን ሪኢኹም ኢኹም፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣትዩ ቕማንት፣ ኣገው እናበለ ክበታትን ይምኩር ‘ዩ። እዚ ኦሮሞ ‘ዩ፤ እዚ ኣምሓራይ ‘ዩ እናበለ ሕንፍሽፍሽ ክፈጥር ‘ዩ ዝደሊ። ከምዚ ዝገብር ዘሎ ድማ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ‘ዩ።
ሕቶ፡- ብፍላይ ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ጎኒ ራዕዳዊ ህወሓት ተሰሊፎም ‘ዮም ዝረአዩ። ብዝላዕለ ደረጃ ክባሃል ይካኣል ‘ዩ ብናይ ምዕራባውያን ሚድያታት እናተደገፈ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ ከመይ ይገልፅዎ ብፍላይ ድማ ምስ 1983 ዓ.ም ምምስሳል ስለ ዘለዎ ብምትሕሓዝ ተዝገልፁልና፤
ኢንጅነር ግደይ፡- ኣብ ዘመነ ደርጊ ዝነበረ ኩነታት እንተሪእና ደርጊ ብመላእ ኢትዮጵያውያን ዝተፀልአ ኣምባገነን መንግስቲ ‘ዩ ነይሩ። ምዕራባውያን ንህወሓት ንምሕጋዝ ምኽንያት ኮይኑ ‘ዩ። ኣብቲ ወቕቲ ንሱ ብዙሕ ተደጊፉ ‘ዩ። ሕዚ ካብ ዘሎ ኩነታት ግና ዘመሳስሎ ነገር የለን። ንምንታይ ‘ዩ ናብዚ ኩናት እዚ ኣትዩ ዝብል ግና ክምለስ ኣለዎ። ትግራዋይ ካብ ካልኦት ብሄራት ብዝተፈለየ ኩነታት እንታይ ኮይኑ እንተይልና መልሱ ምንም ‘ዩ።
ህወሓት ካብ ስልጣን ወሪዱ እዩ፤ ምኽንያቱ ህዝቢ ኣይደለዮን። ህዝቢ ትግራይ ግና ምንም ኣይኮነን። ልክዕ ከም ካሊእ ህዝቢ ህወሓት ብዝፈጠሮ ፀገም ንትግራዋይ ‘ውን ፀገም በፂሕዎ እዩ። ሕዚ ትግራዋይ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ብሰላም ይነበር ኣሎ እዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኦሮሞን ካልኦት ከባቢታትን ብሰላም ይነብር ኣሎ እዩ። እንታይ ዝተፈለየ ፀግም በፅሖ? ግና ህወሓት ነዚ ፖለቲካዊ መልክዕ ክሕዝ እናገበረ፣ ህዝቢ ናብ ዘይኮነ ኣንፈት እናመርሖ እዩ ዘሎ። ምዕራባውያን ‘ውን ክምልከትዎ ዘይከኣሉ እዚ እዩ። ኣጀንዳ ህወሓት ዘጋውሑ ኣካላት ኣለውዎ እዮም። እዚኦም ተቖፂሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ብኢትዮጵያ ወገን፣ ነዚ ፀገምን እዚ ብዝግባእ ንምምካት ዝተገብረ ፃዕሪ ግና የለን። ህወሓት ነዚ ብዝግባእ ተጠቒምሉ እዩ። ምኽንያቱ ዝፀንሐ ኔት ወርክ ነይርዎ እዩ።
ሕቶ፡- ህወሓት ሓሶት ብምፍብራኽ ህብረተሰብ እናዳናገረ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብ ቐረባ ግዜ እንተሪእና እኳ ሄሊኮፍተር ኣብ ግንባር ሚሌ ከባቢ ኣወዲቐ ‘የ እናበለ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እናነዝሐ ‘ዩ። ኣብ 2020 ዓ.ም ኣብ ሶርያ ዝተፈፀመ ምስሊ ኣቀናቢሩ ብምጥቓም ህዝቢ ንምድንጋር እናመኮረ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ ናይ ሓሶት ዕላምኡ ድማ ብናይ ደገ ሓይልታት እናተደገፈ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብ ቐረባ እዋን እንተሪእና ከም እኒ በዓል CNN ዘጋውሕዎ ናይ ሓሶት ፀብፃባት ተመልኪትና ኢና። ስለዚ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ናብ ስልጣን ንምምፃእ ዝግበር ፈተነ ከመይ ይገልፅዎ?
ኢንጅነር ግደይ፡– ኣመራርሓታት ህወሓት በዚ ከምዚ ዝበለ ኣካይዳ ብጣዕሚ ዝበሰሉ ‘ዮም። ናይ ሓሶት ድራማ እንተይቐረየ ብምስራሕ ናብ ሚድያ የቕርቡ ‘ዮም። ከም ዝረኣኽምዎ ምፅናት ዘርኢ ‘ዩ፤ ወዘተ እናበሉ ዘየቕረብዎ ነገር የለን። ኮይኑ ግና ኮምሽን ላዕለዋይ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት መንግስታት ምስ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብሓባር ኣብ ዘካየድዎ ናይ ምርመራ ሪፖርት ሓሶት ከም ዝኾነ ከንርዳእ ክኢልና ኢና። ጥሜትን ፆታዊ መጥቓዕትን ከም መሳርሒ ኩናት ተወሲዱ ዝብል ሓሶት ከም ዝኾነ፤ ከምኡ ‘ውን ምፅናት ዓሌት ከም ዘይተፈፀመ ተረዲእና ኢና። እዚ ምዕራባውያን ዘጋውሕዎ ዝነበረ ሓሳብ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ሓቒ ከም ዘይኮነ ርኢና ኣለና። ሕዚ ኣፎም ዝሕዝሉ ኩነታት ተፈጢሩ ‘ዩ፡፡
ኮይኑ ግና ህወሓት ከምዚ ዝበለ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ንምቕራብ ንደሓር ዝብል ኣይኮነን። በዓሉ ዝፈጠሮም ፀገማት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝፈጠሮም ገይሩ ብምቕራብ ህዝቢ ንምድንጋር ‘ዩ ዝምኩር። ፆታዊ መጥቓዕቲ መገዛ በዓሉ እናፈፀመ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈፂምዎ እናበለ ‘ዩ ዝርከብ። ነገራት እንቓናበረ ናይ ተንኮል ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ። ነዚ ድማ ናይ ሚድያ ሰባት ብደንቢ ከጋልፀኦ ኣለወን። ህወሓት ንህዝቡ ጥራሕ እንተይኮነ ዘዳናግር ንህዝቢ ዓለም ‘ውን እናዳናገረ ‘ዩ ዘሎ። ሕዚ ድማ ናይ ዓወት ዜና ስለ ዘይብሉ ሓሶት እናፈጠረ ህዝቢ ናይ ምድንጋር ስራሕ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ከምዚ ዝገብር ሞራል ሰራዊቱ ንምሕላው ‘ውን ‘ዩ። እዚ ሓሶት ንሓፂር ግዜ ‘ዩ ዘገልግል ‘ምበር ኣብ ዝሓፀረ እዋን እቲ ሓቂ ‘ዩ እናሰዓረ ‘ዩ ዝኸይድ።
ሕቶ፡- ሚድያታት ዓለም ብናይ ሓሶት ፀብፃባት ንራዕዳዊ ህወሓት እናሓገዝዎ ‘ዮም ዝርከቡ፤ እዞም ሓይልታት እዚኦም ድሌቶም እንታይ ‘ዩ ይብሉ?
ኢንጅነር ግደይ፡- እነስተውዕሎም ነገራት ኣለዉ ‘ዮም። ኣብ ኣሜሪካ ዝለዉ ሰበ ስልጣናት ምስ ህወሓት ናይ ጥቕሚ ተኻፈልቲ ዝነበሩ ‘ዮም። እዞም ኣካላት እዚኦም ድማ ህወሓት ክጠፍኦም ኣይደልዩን። ኣሜሪካ ንባዕላ ዝእዘዛ መንግስቲ ‘ያ ትደሊ። ቕድሚ ሕዚ ህወሓት ናይ ኣሜሪካ ተኣዛዚ ከም ዝነበረ ይፍለጥ ‘ዩ። ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኒሀ መንግስቲ ንኣሜሪካ ዝእዘዝ ኣይኮነን። ምዕራባውያን ሃገራት ‘ውን ተመሳሳሊ ባሕሪ ‘ዮም ዘርእዩ ዘለዉ። ሓደ ቕኑዓት ሰባት ግና ነቲ ሓቒ እናቓልዕዎ ‘ዮም ዝርከቡ። ሚድያታት ዓለም ዝሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕ ንባዕርሶም ናብ ሕቶ ዘአቱ ‘ዩ። ብፍላይ እኒ በዓል ሲ ኤን ኤን (CNN)ን ከም እኒዚኦም ዝበሉ ሚድያታት ንባዕሎም ኣብ ፀገም እናኣተዉ ‘ዮም ዘለዉ። እዞም ሚድያታት እዚኦም ዝተላኣኽዎ ልእኽቶ ንምፍፃም ዘይገብርዎ ነገር የለን። ኣዲስ ኣበባ ዘይተኸበበት ተኸቢባ እናበሉ ዜጋታቶም ክወፁ ምግባር ማለት እዚ ንባዕሉ ኣብ መንግስቲ ፅዕንቶ ንምፍጣር ‘ዩ። መንግስቲ ምግቢ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ከልኪሉ እናበሉ ዘይፈጥርዎ ሓሶትን የለን። ምግቢ ከይኣቱ ዝኽልክል ዘሎ ግና ህወሓት ‘ዩ። ንምንታይ ነዚ ዘየልዕሉ? ሰብኣዊ ሓገዝ ሒዘን ዝኣተዋ መኻይን ዘይምለሳ እንተኾነን መን ‘ዩ ተሓታቲ? ኣብ መንገዲ ኩናት ብምኽፋት ምግቢ ከይሓልፍ ዘተዓናቕፍ እንተኾኑ መን ‘ዩ ተሓታቲ? እዚ ይፈልጡ ‘ዮም። ናይዚ ኩሉ ፀገም ተሓታቲ ባዕሉ ራዕዳዊ ህወሓት ‘ዩ፡፡
ሕቶ፡- ህዝቢ ትግራይ ምእንቲ መንእሰይ ኣልቦ ክኸውን ህወሓት ህፃናት እንተይቀረዩ ብዙሓት መናእሰይ ናብ ግንባር ክስለፉ እናገበረ ‘ዩ ዘሎ፤ በዚ መሰረት ብዙሓት መናእሰይ ትግራይ እናሃለቑ ‘ዮም ዝርከቡ። ነዚ ኩነታት እዚ ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ተረዲኡ ንኽምክቶ ዘለዎም ሓሳብ ተዝገልፁልና፡፡
ኢንጅነር ግደይ፡- ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋኑ ነዚ ተግባር እዚ ክርደኦ ኣይከኣለን። ህዝቢ ትግራይ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ክስረሖ ዝፀንሐ ህዝቢ ‘ዩ። እዚ ህዝቢ እዚ ካሊእ መማረፂ ሓበሬታ ክረክብ ዘይከኣለ ህዝቢ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ትኽክለኛ ኢንፎርሜሸን ምርካብ እናኸኣለ፣ ኩሉ ነገር ኣስፊሑ ክርኢ እናኸኣለ ዘርኣውነት ኣመላኻኽታ ሒዙ ‘ዩ ዝኸድ ዘሎ። ኣካይዳ ህወሓት ዘርኣውነት’ዩ። ትግራዋይ ዝተፈለየ ህዝቢ ‘ዩ፤ መሰሉ ብሓይሊ ዘኽብር ህዝቢ ‘ዩ፤ ናይ ባዕሉ ሃገር ክምስርት ዝኽእል እዩ፤ ወዘተ እናበሉ ህዝቢ ብስምዒት እናላዓዓለ እዩ ዝርከብ። እዚ ጉጅለ እዚ ካብ ፋሽሽት ጀርመን ዝፈልዮ ነገር የለን። ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ‘ውን በዚ መገዲ እዚ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ካብዚ ወፂኡ ርግእ ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ ‘የ ዝብል። ሕዚ ኣብ ስኻር ስለ ዘሎ እቲ ጉድኣት ኣይረአዮን ዘሎ፤ ድሓረ ግና ንምንታይ ኢና ከምዚ ገይርና ዝብል ሕቶ ክመፀሉ ይኽእል ‘ዩ።
ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ጉዕዞ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ዝፍፅሞ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ‘ዩ። ህወሓት ካብ ትግራይ ወፃኢ ‘ውን ዘፈጥሮ ዘሎ ጥፍኣት ብዙሕ ‘ዩ። እዚ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ክሳራ ‘ዩ። ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ዕብዳን ‘ዩ። ብስፍሓት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ምስፍሕፍሑ ናይ ዕብዳን ስራሕ ‘ዩ። ህወሓት ስዒረ ስልጣን ክሕዝ ‘የ ዝብል ኣመላኽታ እንተሃልይዎ ተሰሓሒቱ ‘ዩ።
ህዝቢ ትግራይ ንባዕሉ ክጥይቕ ኣለዎ። ተበዲለ ጥራሕ እንተይኮነስ ክብል ዘለዎ ኣነስ እንታይ ስለ ዝፈፀምኩ ‘የ ተበዲለ ኢሉ ንበዓሉ ክሓትት ኣለዎ። ተበዲለ ዝብል ስምዒት ‘ዩ ሒዙ ዝኸይድ ዘሎ። ካብዚ ሓሳብ እዚ ክወፅእ ኣለዎ። ንህዝቢ ትግራይ ንምብዳል ዝተገብረ ነገር የለን። እዚ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ‘ዩ ዘምርሕ ዘሎ። ህዝቢ እንተተወዲቡ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ከምርሕ ይኸእል ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ እቲ ዝግበር ዘሎ ኣካይዳ ዘዋፅእ ከምዘይኮነ ተረዲኡ ምስ ጎረባብቲ ህዝቢ ብሰላም ዝነብረሉ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ። ምስ ኩሉ ህዝቢ ተፃሊኡ ከመይ ኢሉ ክነበር ይኽእል? ብሰላም ዝነብረሉ መገዲ ክኽተል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዝግባእ ክሓስበሉ ኣለዎ። ክሳብ ሕዚ ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ናይ ስኽራን ኣካይዳ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ናይ ሓባር ሃገር ስለ ዝኾነት ሓቢርና ንነብረሉ ኩነታት ‘ዩ ክስራሕ ዘለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ኩነታት እዚ ‘ዩ ኣድሂቡ ክሓስብ ዘለዎ።
ሕቶ፡- ህወሓት ዝኸዶ ዞሎ ክያዶ ሃገር ዘፍርስ ‘ዩ፤ ሃገር ቐፃልነት ክህልዋ ከም ሃገር ጠንካራ ኮይና ከትቕፅል ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?
ኢንጅነር፡- ራዕዳዊ ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ኣካይዳ ህዝቢ ብምግጫው ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝዓለመ ኣካይዳ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ፅልኢ ብምፍጣር፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምፅላእ ክነብር ‘ዩ ዝደሊ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኩነታት ክወፅእ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ኣይኮነን ዝነብር ዘሎ ኣብ ኩሉ ከባቢት ኢትዮጵያ ‘ዩ ዝነብር ዘሎ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ እንተሪእና ልዕሊ ፍርቒ ሚልዮን ትግራዋይ ‘ዩ ዝነብር። ሃገር ከም ሃገር ከትቕፅል እንተኾይና ህወሓት ካብ ዝኸዶ ዘሎ ናይ ዕብዳን ኣካይዳ ክወፅእ ክኽእል ኣለዎ። ኮይኑ ግና ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክፃላእ ‘ዩ ድሌቱ። ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ምእንቲ ክስለፍ ብኻልኦት ህዝቢታት ግፍዒ ክበፅሖ ‘ዩ ዝደሊ። ህወሓት ብዝኸዶም ቦታታት ህዝቢ ትግራይ ንምፅላእ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ግና ለባም ህዝቢ ‘ዩ ከምዚ ዓይነት ሕማቕ ዝገብር ህዝቢ ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ኣብዚ ደረጃ በፂሕናዮ ዘለና ቐሊል ጥፍኣት ስለዘይኮነ ብሰላም ተዝኽምበት ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ። ህወሓት ሰላም ዝፍጠረሉ ኩነታት መገዲ ክኽተል ኣለዎ። ህወሓት ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ክወፅእ ኣለዎ። ተኹሲ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ካብኡ ብምቕፃል ንልዝብ ድልዊ ክኸውን ኣለዎ በሃላይ ‘የ። ዝተወሰነ ናይ ሰላም ተስፋ ዘመላኽቱ ነገራት ንምልከት ኣለና ኢና። ሰላም እንተዘይወሪዱ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ‘ያ ተምርሕ። ከምዚ እንተኾይኑ መንእሰይ ትግራይ ዘፅንት ኩነታት ‘ዩ ዝፍጠር። ህወሓት ናብ ውሽጢ ኣብ ዝደፈአሉ ኩነታት ብዙሕ ዋጋ ‘ዩ ዘኽፍሎ።
ካሊእ ትግራዋይ በቢ ከባቢኡ ዘሎ ሽማግለ እንተይቐረየ ምስ ህዝቢ ዝተዓረቐሉ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ። ዝተፈጠረ ክፍተት ዓብዪ ‘ዩ። ምስ ህዝቢ ዕርቒ ንምፍጣር ክሰርሑ ኣለዎም። ከም ዝፍለጥ ብትግራይ ወገን ብዙሕ ጥርጣረታት ኣለዉ ‘ዮም፤ ማለት ተጋሩ ይእሰሩ ኣለዉ ብዝብል። ህወሓት ድማ ንፖለቲካ እናተጠቐመሉ ‘ዩ ዘሎ። ምእሳር ይእሰር ኣሎ ሓቒ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ውሱናት ተጋሩ ጥፍኣት እናፈፀሙ ‘ዮም ዝርከቡ። ኣብ ጁብቲ እንተርኢና ሽፈራት መኻይን ንጅቡቲ ብምርካብ ዕቑባ ሓቲቶም ‘ዮም። ኣብ ሓደ ሓደ ስልጣን ዝነበሩ ተጋሩ ‘ውን መንግስታዊ ልእኽተኦም ከጉድሉ ሪኢና ኢና።
ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ኢትዮጵያ ሃገርና ኣይኮነትን እናበለ ‘ዩ ዝውዕል። ስለዚ ምፍታሽ ፅቡቕ ኮይኑ ግና ሕጋዊ ብዝተመልኦ ክኸውን ኣለዎ። ብዙሕ ሰላማዊ ህዝቢ ዝጉደአሉ ኩነታት ክህሉ ይኽእል ‘ዩ። ከምዚ ከይኸውን ጥንቓቐ የድሊ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ነዚ ከም ኣጋጣም ተጠቒሞም ብጉቦ መልክዕ ዝምዝምዙ ኣካላት ኣይሰኣኑን ‘ዮም። ገሊኡ ቒም ዝዋፀአሉ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። እዚ መንግስቲ ኣብ ግምት ከእትዎ ኣለዎ። ውሽጦም ህወሓት ዝኾኑ ኣካላት ይቓወሙኒ ‘ዮም ንዝብሎም ሰባት ብምጥቋም ከእስሮም ይኽእል ‘ዩ። እዚ ኩነታት ብጥንቓቐ ክስራሕ ኣለዎ ናብ ጥፍኣት ከየምርሕ ህዝቢ ክተሓባበር ኣለዎ ብምባል ‘የ ከተሓሳስብ ዝደሊ።
ሕቶ፡- በዚ ኣጋጣሚ ንዓለም ማሕበረሰብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እንተልዩ፤ ብፍላይ ድማ ምስ ህወሓት ብምትእስሳር ዝሰርሑ ሃገራት ምዕራባውያን
ኢንጅነር ግደይ፡- ሃገራት ምዕራባውያን እንተይፈለጡ ዝገበርዎ ዘለዉ ስራሕ እንተኾይኑ፤ ነገሩ ክፈልጡ ‘የ መልእኽቲ ዘማሓላልፍ። እዚኦም ዘየፈለጡ ዝቐረዩ ኣይመስለንን። እኳዳኣስ ኮነ ኢሎም ዝገብርዎ ዘለዉ ‘ዩ ዝመስለኒ። እዞም ሃገራ እዚኦም ነቲ ሓቒ ምፍላጥ ዝፅገሙ ኣይኮኑን። ኣብ ኢትዮጵያ ኢምባሲታት ኣለዎም ‘ዩ ካባና ብዝበለፀ ነቲ ሓቒ ይፈልጥዎ ‘ዮም ዝብል ሓሳ ኣለኒ። ኮይኑ ግና ኮነ ኢሎም ‘ዮም ዝገብርዎ ዘለዉ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ። እዚ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ሓድነቱ ክጥንክር ‘ዩ ዝገብር። ነዚኦም ንምቕዋም ክለዓል እንተዘይኮይኑ ምዕራባውያን ብዙሕ ዘኺዶም ኣይኮነን። ነቲ ሓቒ ዘይፈልጡ እንተኾይኖም ኤምባሲኦም ክጥይቑ ይኽእሉ ‘ዮም። ስለዚ ኣነ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኢዶም ካብ ኢትዮጵያ ንኸልዕሉ ‘የ ዘተሓሳስብ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 9 ሕዳር 2014