
ኣብ ዝተፈላለዩ ካፋላት ሃገርና ራዕራዊ ህወሓትን ሸን ዘውግዙን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝድግፉን ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም ‘ዮም።ኣብዞም ሰልፍታት ኢትዮጵያዊያን ንዞም ራዕዳዊ ጉጅለታት ካብምውጋዝ ሓሊፎም ምዕራባዊያንን መራኸብቲ ሓፋሻቶም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ፅዕንቶ ግቡእ ከምዘይኮነን ከምዝኩንንዎን ኣብ ዘስምዕዎ ጭርሖታት ኣስሚዖም’ዮም። እቶም ሰልፍታት ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ኦሮሚያ፣ ሶማል፣ ደቡብ፣ ሓረሪ፣ ቤኒሻብጉል ጉምዝ፣ ሲዳማ ክልላት ተኻይዶም’ዮም።
ኣብ ከተማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ተገበረ ንግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ዝኹንን ከምኡ ‘ውን ንሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ኣካላት ፀጥታን ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ እንትካየድ፣ ነበርቲ እታ ከተማ ከካብ ከባቢኦም ‹‹ጁንታ ፀላኢ ኢትዮጵያ ‘ዩ፣ ሓላፍነትና ታሪኻዊ ‘ዩ፣ ንወራሪ ፀላኢ ኣይንምብርከኽን፣ ንሕና እናሃለና ኢትዮጵያ ኣይትፈርስን፣ ንደጋዊ ፅዕንቶ ዝምብርከኽ መንነት የብልናን፣ ኢትዮጵያ ብውክልና ኲናት ኣይትምብርከኽን፣ ራኢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ደው ኣየብሎን!፣ መስዋእትነት ክንከፍል ኢና ኢትዮጵያ እውን ክትቅፅል ኢያ!” ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ሒዞም ኣብ ኣደባባይ መስቀል ኣካይዶም’ዮም።
ብናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳን ወፍሪ ሚዲያን ምስሊ ሃገረይ ኣይበላሾን ክብሉ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ዝተዓደሙ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፆም።‹‹ትማሊ ንወረርቲ ኣይተምበርከኽናን፤ ሎሚ እውን እይንምብርከኽን!ንፅዕንቶ ወፃኢ ዝምበርከኽ መንነት የብልናን!ምስጢራት ዓወትና ፍትሒን ሓቂን ኢዮም! ኢትዮጵያ ብጀጋኑኣ ሓፊራ ኣይትፈልጥን! ››ዝብሉ ጭርሖታት ‘ውን ኣስሚዖም።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ነበርቲ ከተማ ኣሰላ ብወገኖም፣ኣብ ዝገበርዎ ሰላማዊ ሰልፊ ”ንሕና ብሉኣላውነትና ተደራዲርና ኣይንፈልጥን” ዝብል ካልኦት ጭርሖታት ብምሓዝ ንግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ብምኹናን ካብ ንጉሆ ሰዓት 12 ጀሚሮም ኣብ ሓምለዋይ ስታዲየም ኣሰላ ተኣኪቦም።
ኣብ ዞባ ኣርሲ ከተማ ኣሰላ ካብ 8ቲአን ጣብያታት ዝተውፃፅኡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ዜጋታት ኣነ ‘ውን ንሃገረይ ወታደር ‘የ፣ ንሕና ብሉኣላውነትና ተደራዲርና ኣይንፈልጥን፣ ኢትዮጵያ ንምድሓን ክዘምት ‘የ ዝብሉ መልእኽቲታት ተመሓላሊፎም።
ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ንግበረ ህወሓትን ሸኔን ዝኹንንን ንሰራዊት ምክልኻል ዝድግፍን ህዝባዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኣምቦ እንተካይድ ድማ፣ እቶም ሰልፈኛታት ካብ ከተማ ኣምቦ ሓዊሱ ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከባ ወረዳታት ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ተሳቲፎም’ዮም።
እቶም ሰልፈኛታት ዕላማ ምፍራስ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ንምፍሻል ድሉዋት ከምዝኾኑ ዝገለፁ እንትኾን፣ “ጭካነ ምጥፋእ ሃገር እቶም ግብረ ራዕዳውያን ሓደ ኮይንና ክንምክት ኢና!፣ ኢትዮጵያ
ንፀላኢ ተምበርኪኻ ኣይትፈልጥን፣ ሸኔን ወያነን ፀላእቲ ህዝቢ ኦሮሞ ‘ዮም፣ ህዝቢ ኦሮሞ ንወያነ ኢዱ ኣይህብን፣ ወያነን ሸኔን ቀንዲ ፀላእቲ ቀሬን ቄሮን ‘ዮም” ዝብሉ ጭርሖታት ብምግዋሕ ነቶም ግብረ ራዕዳውያን ኮኒኖም።
ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ድማ ብሓድነትን ሉኣላውነትን ሃገር ከምዘይደራደሩ ዝገለፁ እንትኾን፣ እቶም ነበርቲ ኣብ ቡሌሆራ ኣብ ዘካየዱዎ ሰላማዊ ሰልፊ መፍረሲ ምንቅስቓስ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ኮኒኖም።ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ ከምዝገለፁዎ፣ ወለዶ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ሃገር ናይ ምድሓን ታሪኻዊ ሓላፍነት ተነቢሩሉ ኣሎ ኢሎም።
ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዝፍፅሞ ግፍዒ ደው ንምባል ዝተሓባበረ ቅልፅም ከምዘድሊ ዝገለፁ እቶም ሰልፈኛታት፥ ነዚ ድማ ብሃገሮም እንተይተደራደሩ እቲ ጉጅለ ንምድምሳስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝሳተፉ ኣረጋጊፆም።
ሕልሚ ምፍራስ ሃገር ህወሓትን ሸኔን ንምምካን ድሉዋት ከምዝኾኑ ድማ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ገሊፆም። ሓይሊታት ወፃኢ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ዝገብሩዎ ኢድ ኣእታውነት ከምዝቃወሙ ኣብ ዞባ ባሌ ነበርቲ ከተማ ጎባን ከባቢኣን ገሊፆም’ዮም።
እቶም ነበርቲ ንሰራዊት ምክልኻ ዝድግፍን ፅዕንቶ ሓይሊታት ወፃኢ ዝኹንንን ሰላማዊ ሰልፊ እንተኣካይዱ፣ ሽርሒ ጥፍኣት ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብምፍሻል ህልውና ሃገር ንምኽባር ኣድላዪ መስዋእትነት ከምዝኸፍሉ ‘ውን ኣፍሊጦም።
‹‹ሰራዊት ምክልኻል ኣርማ ሉኣላውነትና ኢዩ፣ ሉኣላውነትና ብደምን ዓዕፅምቲናን ክነኽብር ኢና፣ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ፀላእቲ ኢትዮጵያ ኢዮም››ዝብሉ ጭርሖታት ኣስሚዖም።
ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ድማ፣ ዕላማን ሕልሚን ምፍራስ ሃገር ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ንምምካን ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ጉጅለ ራዕዲ ሸኔን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ጥፍኣት ብምኹናን፣ ንሉኣላውነት ሃገር እናተዋደቑ ንዝርከቡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ኣካላት ፀጥታን ህዝባዊ ሓይሊን ዘለዎም ድጋፍ ገሊፆም።ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ 13 ወረዳታትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን እቲ ዞባ ዝተውፃእፅኡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ተሳቲፎም።
“ሰራዊት ምክልኻል ማእገርና ኢዩ፣ ህወሓትን ሸኔን ፀላእቲ ኢትዮጵያ ኢዮም፣ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ብምፅምባር ህልውና ሃገርና ክነኽብር ኢና፣ ንሕና እናሃለና ሃገርና ብእኩይ ውልቀ ሰባት ኣይትፈርስን›› ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ኣስሚዖም።
ነበርቲ ክልል ሃረሪ ብወገኖም ኣብ ከተማ ሃረር ስታዲየም ኢማም ኣሕመድ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ገጠርን ከተማን እቲ ክልል ዝተውፃእፅኡ ነበርቲ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ኣስሚዖም።ንግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ብምቅዋም ከምኡ ‘ውን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ህልውና ሃገር ንምርግጋፅ እናገበሮ ዝርከብ ተጋድሎ ደጊፎም።
ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ነበርቲ ጅግጅጋ ድማ ግብረ ራዕዲን ጉጅለ ጥፍኣትን ንዝኾ ህወሓት ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ እንተኣካይዱ፣ ካብ 20 ጣብያታት እታ ከተማ ዝመፅኡ ነበርቲ ከተማ ጂግጂጋን ኣመራርሓታት ምምሕዳር ከተማን ዝተረኸቡ እንትኾን፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ፋፈን ኣይተ ኣብዲሐኪን መሓመድ መደረ ኣስሚዖም።
ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ኣመሓዳሪ ዞባ ፋፈን ኣይተ ኣብዲሐኪን መሓመድ፣ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሃገርን እቲ ክልልን ዘብፀሖ ግፍዒን መከራን ከየኣክል ሕዚ ‘ውን ህዝቢን ሃገርን ንምብታን ምስ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ጥፍኣት ኮይኑ ሃገር ንምፍራስ ዝገብሮ ሽርሒ ከምዝኹንኑን ብሓድነት ምቅላስ ከምዝግባእን ገሊፆም።
ነበርቲ ከተማ ጂግጂጋ ብግደኦም፣ግብረ ራዕዲን መፍረሲ ሃገርን ንመወዳእታ ግዘ ንምጥፋእ መንግስቲ ዝገብሮ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ክሳብ መወዳእታ ከምዝድግፉ ብምግላፅ፤ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ከምዝብሉ ካብ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ሶማሌ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ነበርቲ ከተማ ጎዴ ድማ ኩልና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኢና ዝበሉ እንትኾን ፣ ኣብቶም ሰላማዊ ሰልፊታት‹‹ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢና፣ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግም ክምለስ ኣይንፈቅድን፣ ዝብሉ ጭርሖታት ከምዘስምዑ መራኸቢ ሓፋሽ ሶማሌ ፀብፂቡ።
ኣብ ክልል ሲዳማ ኣብ ዓለም ለኸ ስታዲየም ሃዋሳ መንግስቲ ክልል ሲዳማን ነበርቲ ከተማ ሃዋሳን ንግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ብምቅዋም ሰልፊ እንተኣካይዱ፣ ንሕና እናሃለና ሃገርና ብጁንታ ኣይትፈርስን፤ ንጁንታ ክነጥፈኦ ኢና፣ ሃገርና ብኽብራ ክትነብር ኢያ ኢሎም ።
ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ሃላማ ኣብ ተገበረ ሰልፊ ድማ ኩልና ኢትዮጵያን ካብ ግምባር ክሳብ ደጀን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢና ክብሉ ነበርቲ ዞባ ሃላባ ገሊፆም።
እቶም ነበርቲ ንግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ዝኹንን ሰልፊ እንተኣካይዱ፣‹‹ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ንኹንንነ!!ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ብዝተሓባበረ ቅልፅምና ክነፍሽሎ ኢና!፣ኩልና ኢትዮጵያን ካብ ግምባር ክሳብ ደጀን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢና! ፣ ብሔራዊ ረብሓናን ሃገራዊ ሉኣላውነትናን ይከበር!! ዝብሉ ጭርሖታት ተሓንጊጦም ኣብ ከተማ ቁሊቶ ድሙቕ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ከተማ ሶዶ ኣብ ተኻየደ ሰልፊ ድማ ፣ ኣብ ዞባ ወላይታ ካብ ዝርከባ ወረዳታትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተውፃእፅኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ተሳቲፎም’ዮም። እቶም ሰልፈኛታት፣ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ተግባር ሃገር ናይ ምጥፋእ ጭካነ ብሓድነት ክንምክቶ ኢና!፣ ኢትዮጵያ ትሰዓር ሃገር ኣይኮነትን!፣ ከባቢየይ ክሕሉ ‘የ ሃገረይ ንምድሓን ክዘምት ‘የ!፣ኩልና ብሓባር ሓሊታት ጥፍኣት ክንምክት ይግባእ! ዝብሉ ጭርሖታት ኣስሚዖም። ልኡኽቶ ህወሓት ዘፈፅሙ ኣብ በቢከባቢኡ ተሸጒጦም ዝርከቡ ባንዳታት ብምቅላዕ ናይ ባዕልና ግደ ክንዋፃእ ይግባእ!፣ ብደምን ዓፅሚን ጀጋኑና ዝተሃነፀት ሃገር ብእከይ ተግባር ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ኣይተፈርስን! እውን ኢሎም። ኣብ ዞባ ጌዴኦ ኣብ ከተማ ዲላ ንህወሓትን ሸኔን ዝኹንን ህዝባዊ ሰልፊ እንትካየድ ድማ ፣ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ዘለዎም ድጋፍ ብዝተፈላለዩ ጭርሖታት ኣስሚፆም።
ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ እናገበሮ ዝርከብ ኲናት ንምምካት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ንምባል ከምዝተዳለዉን ቅድሚ ሕዚ ‘ውን ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበሩ ከምዝፀንሑን ተዛሪቦም።
እቲ ጁንታ ምስ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር እናገበሮ ዝርከብ ሽርሒ ከምዘሕዘኖም ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም።ኢትዮጵያ ንምድሓን ኩሉ ሰብ ብዝኸኣሎ ክዘምት ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።
2 ሕዳር 2014 ዓ.ም ወጋሕታ ጋዜጣ