ንዝመፅእ ወለዶ ሰላም ንምውራስ ብሓባር ምስራሕ

ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ቕድሚ ሰለስተ ዓመታት ጎንፂ ኣብዘጋጠመሉ እዋን ኢትዮጵያ ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፣ ፀገማት ኣፍሪካ ብኣፍሪካ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል ፅኑዕ መርገፂ ሒዛ ትንቐሳቐስ ምንባራ ዝዝከር ‘ዩ:: በዚ መሰረት እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ደማዊ ኩናት ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ 23 ጥቕምቲ 2015 ዓ.ም ብዝተገብረ ስምምዕ ሰላም መዕለቢ እንትረክብ ዓብዪ ናይ ሰላም ኣየር ዝነፈሰሉ እዋን ነይሩ:: ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ትርጉም ነይርዎ::

መንግስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ካብ ዘርኣዮ ቆራፅነት ብተወሳኺ ብስግግር ፍትሒ ዘላቒ ፍትሕን ሰላምን ንምርግጋፅ መርኣያ ዝኸውን ስራሕ እናሳለጠ ይርከብ:: ከምኡ ‘ውን ነበር ዕጡቓት ዕጥቂ ብምፍታሕ ናብ ሕብረተሰቦም ተፀምቢሮም ስሩዕ ሂወቶም ንኽመርሑ ብቢልዮን ዝቑፀር ገንዘብ መዲቡ ናብ ተግባር ኣትዩ ይሰርሕ ኣሎ::

ነዚ ተኸቲሉ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ ክስርሑ ፀኒሖም ኣብዚ ሓለፈ ሰሙን ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካል ብምትሕብባር ምፍታሕ ቀለልቲ ኣፅዋራት ተጀሚሩ ኣሎ፤ እዚ ክያዶ እዚ ነቲ ዘሎ ሰላም ዝያዳ ንምጥንኻር ዝለዓለ ኣስተዋፀኦ ኣለዎ:: ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኢትዮጵያ ንነባራት ዕጡቓት ኣፅዋር ብምፍታሕን ናብቲ ሕብረተሰብ ብምውህሃድን ኣብዛ ሃገር ኢሉ ‘ውን ኣብቲ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪካ ንሰላምን ምርግጋእን ዘለዋ ተወፋይነት እናርኣየት ’ያ:: ማለት ግጭት ደው ኣቢላ ናብ ሰላም እናተሰጋገረት ትርከብ ኣላ::

ከም ሕማቕ ኣጋጣም ኮይኑ ኩናት ንኢትዮጵያ ሓዱሽ ኣይኮነን፤ ብዙሕ ናይ ኲናት መከራ ዝረኣየት ሃገር ‘ያ:: ካብ ኢትዮጵያ ንለዓሊ ብኩናት ዝተፈተነት ሃገር የላን ዳርጋ ምባል ይከኣል ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ብዙሓት ውሽጣዊ ፀገማት እንተጋጥምዋ ብዙሓት ብድሆታት ክትሓልፍ ገይሮማ ‘ዮም:: ዘጋጠምዋ ጎንፂታት ብሰላም እናፈትሐት ናብ ቅድሚት ትስጉም ኣላ::

ጎንፂ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፍል ′ዩ፤ እቲ በሰላ ብቐሊሉ ዝጠፍእ ኣይኮነን:: ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተ ሽርክነት ንምጥንኻር ዓብዪ ስጉምትታት ትወስድ ዘላ ኮይና ሰላም እናረጋገፀት ንቅድሚት እናሰጎመት ትርከብ።

ኢትዮጵያ ሰላም ንምጥንኻር ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተ ሽርክነት እናሓየለት ንቕድሚት እናሰጎመት እትርከብ ሃገር ኮይና እቶም ዘጋጥምዋ ፀገማት ምስ መሻርኽቲ ኣካላት ኮይና እናፈትሐት ትርከብ:: ብሓባር እንተዘይሰሪሕኻ ፀገማት ንምፍታሕ ክኸብዱ ስለዝኽእሉ ነዚ ብምግንዛብ ምስ ዝተፈላላዩ ናይ ውሽትን ደገን ብሕብረት እናሰርሐት ትርከብ::

ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዕጡቓት ዕጥቖም ፈቲሖም ናይ ተሃድሶ ፕሮግራም ወሲዶም ናብ ሕብረተሰብ ተፀሚሮም ኣብ ተፈላላዩ ልምዓት ክንቐሳቀሱ እንትግበር ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ተረባሒ ዝገብር ‘ዩ:: ነበር ዕጡቓት ክልል ትግራይ ብስልጠና ተሃድሶ ንምጥያሽ ዝስራሕ ዘሎ ምንቅስቓስ ዘተባብዕ ‘ዩ:: እቲ ስራሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ስለዝኾነ ኣብ ምስፋን ሰላም ኣወንታዊ ውፅኢት የምፅእ ኣሎ::

ግዝያዊ ምምሕዳር ሰላምን ድሕንነትን እቲ ክልል ንምርግጋፅ ምስ መንግስቲ ፌደራል ብቐረባ ምስርሑ ዝያዳ ኣወንታዊ ውፅኢት ክህልዎ ዝገብር ‘ዩ:: ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ብናይ ተሃድሶ ስልጠና 75 ሽሕ ነበር ዕጡቓት ንምጥያሽ ዝግበር ዘሎ ሓበራዊ ፃዕሪ ዓብዪ ውፅኢት ኣለዎ:: እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ::

ብሓፈሻ እቲ ዝግበር ዘሎ ትግበራ ዲሞቢላይዜሽን ስራሕ ንሰላም በሪ ዝኸፍት ኮይኑ ኩላትና ድማ እቲ ውዕል ስምምዕነት ሰላም ክትግበር ብሓባር ብምስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ብምስፋን ንዝመፅእ ወለዶ ሰላም ንምውራስን ዕዙዝ ስራሕ ምስራሕ የድሊ:: መፃኢ ወለዶ ሰላም እምበር ኲናትን ህውከትን ክወርስ ኣይግባእን፤ ስለዚ ሓደ ወገን ጥራሕ ሰላም ከረጋግፅ ስለዘይኽእል ሓቢርካ ምስራሕ ይግባእ::

ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You