‹‹ኣብ ሉኣላውነትና ትኹረት ገይርና ክንሰርሕ ይግባእ››ፕሮፌሰር ካሳሁን ብርሃኑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ተመራማሪን

መኣርግ ገ/ሄር

ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ብፍላይ ድማ ናይ ደገ ሓይልታት ጣልቓ ምስ ናይ ምእታው ተተሓሒዙ ካልኦት ወቕታዊ ተዛመድቲ ሕቶታትን ብዝምልከት ሞያዊ መብርሂ ክህቡና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፖለቲካል ሳይንስን ተማራማሪን ፕሮፌሰር ካሳሁን ብርሃኑ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ከምዝስዕብ ኣዳሊናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብዝ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይምርግጋዕ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣብ ግድብ ህዳሰ ከምፀኦ ዝኽእል ፅልዋ ኣሎ ዶ? እንተሃልዩ ከመይ ይገልፅዎ?

ፕሮፌሰር ካሳሁን፡- ከምዝፍለጥ ህዳሰ ግድብ ምህናፅ ካብ ዝጅምር ጀሚሩ ብዙሕ መሰናኽል ሓሊፉ እዩ:: ናይዚ ግድብ እዚ ተፋሰስቲ ዝኾና ሃገራት ብፍላይ ከም ግብፅን ሱዳንን ብዙሕ ክርክር እናገበራ ፀኒሐን ኣብ ስምምዕ ክበፅሓ ኣይከኣላን:: ዓለምለኸ ሕጊ ዝብሎ ዶብ ተሳገርቲ ዝኾኑ ሩባታት ተፋሰስቲ ሃገራት ናይ ምጥቓም መሰል ኣለዎን እዩ:: ኮይኑ ግና ካልኦት ሃገራት ብዘይ ምጉዳእ ወይ ፍትሓዊ ብዝኾነ ኣጠቓቕማ ክኸውን ኣለዎ እዩ ዝብል:: በዚ መሰረት ኢትዮጵያ ‘ውን ናይ ካልኦት ጥቕሚ ብዘይነክእ ኩነታት ተጠቃሚት ከትኸውን ስለ ትደሊ እያ ነዚ ግድብ እዚ ኣብ ምህናፅ እትርከብ:: ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሰብ ሞያ ተኣኪቦም ብዘፅንዕዎ መሰረት ንተፋሰስቲ ሃገራት ከምዘይጎድእ ኣረጋጊፆሞ እዮም::

ሱዳን ክሳብ ቀረባ እዋን ህዳሰ ግድብ ከምዝጠቕማ እናደገፈት መፂኣ እያ:: ይኹን’ምብር ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ሱዳን ብናይ ደገ ፖለቲካዊ ኩነታት ሒዛቶ ዝነበረት ቕዋም ብምቕያር ኣብዝግበሩ ዝተፈላለዩ ናይ ምይይጥ መድረኻት ሓደ ግዜ እትው ካሊእ ግዜ ውፅእ እናበለት እያ ዘላ:: ኣሜሪካ ‘ውን ብተዓዛብነት ኣትያ ድሓረ መላዘቢት ካብኡ ሓሊፋ ‘ውን ምስ ግብፂ ወጊና ናብ ናይ ምግዳድ ኩነታት ዝተሰጋገረትሉ ኩነታት ምንባሩ ዝዝከር እዩ:: ካብዚ ዝተላዕለ ናይ ኣሜሪካ ኣካይዳ ዘየሐጎሳ ኢትዮጵያ ካብቲ ስምምዕ ወፂኣ ካሊእ ኣማራፂ ክትኽተል ክኢላ እያ:: ግብፂ ነዚ ንምሕንኳል ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስቲታት ምውሳዳ ዝዝከር እዩ:: እዚ ጉዳይ እዚ ብዋናነት ንኣፍሪካ ሕብረት ዝምልከት ስለ ዝኾነ ኢትዮጵያ በዚ ትካል እዚ ክረአ ከምዘለዎ ፀቒጣ እናሰርሐት እያ እትርከብ:: ብኻሊእ ወገን ‘ውን ከምዚ እናበለ መፂኡ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዘተ ተኻዱ ብዘይ ስምምዕ ክፈላለያ ምኽኣለን ዝዝከር እዩ:: ብሓፈሻ ክረአ እንተሎ ግና ህዳሰ ግድብ ካብ ፖለቲካ ናይ ህልውና ጉዳይን ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ብምዃኑ እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት እዚ እዩ ዝባሃል ፅልዋ ከሕድረሉ ኣይከኣለን:: ህዝቢ ነቲ ዘሎ ፖለቲካውን ናብራ ምኽባርን ተፃዊሩ ከም ቐደሙ ተሳትፍኡ ኣሕይሉ እናቐፀለሉ እዩ ዝርከብ::

ወጋሕታ፡- ሱዳን ክሳብ ቐረባ ግዜ ንህዳሰ ግድብ እናደገፈት ፀኒሓ ድሓረ ሒዛቶ ዝነበረት ቕዋማ ክትቕይር ዝኸኣለትሉ ምኽንያት ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ይብሉ?

ፕሮፌሰር ካሳሁን፡– ሱዳን ቕዋማ ክትቕይር ዝኸኣለትሉ ምኽንያት ሓደ ኣብ ውሽጣ ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ለውጢ ተኸቲሉ እዩ:: ከምዝፍለጥ ሱዳን ንነዊሕ ግዘ ግድብ ህዳሰ ከምዝጥቕማ ተረዲኣ እናደገፈት ፀኒሓ እያ:: እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ብተዘዋዋሪ ብናይ ደገ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ እዩ:: ኣብነት እቲ ዋና ናይ ግብፅን ምስ ግብፂ ዝወገና ሃገራት ፅልዋ ከሕድራላ ብምኽኣሉ እዩ:: ሱዳን ኣብ ቐረባ ግዜ ምስ ኣሜሪካ ብዝጀመረቶ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ሓሳባ ንምቕያር ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ እዩ:: ግብፂ ምስ ናይ ማእኸላይ ምብራቕ ብዘለዋ ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲ፣ ሱዳን ‘ውን ምስዘን ሃገራት እዚአን ብዘለዋ ርክብ ተተሓሒዙ እዩ:: ብሓፂሩ ሱዳን ቅዋማ ንምቕያር ዘኽአላ ጉዳይ እቲ ዋና ናይ ደገ ፖለቲካዊ ድፍኢት እዩ::

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ካብዚ ሕዚ ኣትያቶ ዘላ ፖለቲካዊ ኩነታት ንምውፃእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

 ፕሮፌሰር ካሳሁን ፡– ኣብ ትግራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተኻዱ እዩ ዝብል ኣሎ እዩ:: ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት መንግስቲታት ብሓባር ንምምርማር ይሰርሕ ኣሎ እዩ:: መንግስቲ ብምርመራ ኣብ ዝረኸቦ ውፅኢት ተመስሪቱ ስጉምቲ ከምዝወስድ ተዛሪቡ እዩ:: ኣብዚ መንግስቲ ኣጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ::

ይኹን’ምበር ብኻሊእ ወገን ናይ ደገ ሓይሊታት ኣብ ውሽጢ ጉዳይና ኣትዮም ከምዚ ግበሩ ከምዚ ኣይትግበሩ ዝብል ሓሳብ ምስ ሉኣላውነት ሃገር ዝዳፋእ ስለ ዝኾነ ተቐባልነት የብሉን :: ኣብ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ጣልቓ ክኣትዉ ኣይግባእን:: ሉኣላውነት ናብ ዘተ ከምዘይቐርብ መንግስቲ ንማሕበረ ሰብ ዓለም ብዝግባእ ከርድእ ኣለዎ:: ናይ ውሽጥና ፀገም ብዓልትና ከንፈትሕ ኣለና:: ፍፁም ናይ ደገ ጣልቓ ክኣትዉ ከንፈቕድ የብልናን:: ጉድለት ኣብ ዘጋጠሙ ቦታታት ተኸታቲልካ ክእረሙ ኣለዎም:: ብደገን ብውሽጥን ዘጋጥመና ዘሎ ፖለቲካዊ ፅዕንቶታት ብሕብረት ከንምክቶ ኣለና:: ዘጥፍኡ ኣካላት ብጉጅለ ይኹኑ ብውልቐ ክሕተቱ ኣለዎም::

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይምልከቶ ብሰንኪ ውሕዳት ሰባት ናይቲ ፀገም ተኻፋሊ ኮይኑ እዩ:: ኣብ ንፁሃን ሰባት ጉድኣት ዘብፅሑ ኣካላት መንግስቲ ተኸታቲሉ ናብ ሕጊ ኣብ ምቕራብ ኣጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ:: እዚ ጉዳይ እዚ ሸለል ክባሃል ኣይግበኦን:: ጉድኣት ዝበፅሖም ማሕበረሰብ ሓገዝ ኣብ ምግባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ:: ብኻሊእ ወገን ኣብ ንፁሃን ህዝቢ ካሊእ ጉድኣት ከይበፅሕ ዓብዪ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ:: ኣብቲ ገበን ዝተሳተፉ ኣካላት ግቡእ ስጉምቲ ከውሰደሎም ኣለዎም:: ናይ ንብረትን ኣካልን ጉድኣት ዝበፅሖም ኣካላት ግቡእ ካሕሳ ተገይርሎም ናብ ንቡር ሂወቶም ክምለሱ ፃዕርታት ክግበር ኣለዎ:: ጉድኣት ኣብዝበፅሖም ኣካላት መንግስቲ ይኹን ገበርቲ ሰናይ ኣብ ዝገብርዎ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ::

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ናይ ደገ ሓይሊታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ፅዕንቶን ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታዊነት ከመይ ይገልፅዎ? ከምኡ ‘ውን ከመይ ክስተኻኸል ይኽእል?

ፕሮፌሰር ካሳሁን፡- እዞም ሓይሊታት እዚኦም ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ምዝራቦም ፀገም የብሉን:: ኮይኑ ግና ካብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ተበጊሶም ኣይኮኑን ዝዛረቡ ዘለዉ:: ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ክዛረቡ ትፅቢት ኣይግበርን፤ ዝኾነ ሰብ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰል ክዛራረብን ክሕለቕን ይኽእል እዩ:: እዚ ጉዳይ እዚ ዓለምለኻዊ እዩ:: ኮይኑ ግና ኣሜሪካ ትኹን ካልኦት ሃገራት እዚ ኩነታት እዚ ኣተሓሳሲብዎም ኣይኮነን:: ነዚ ከም ምኽንያት ተጠቒሞም ካሊእ ድሌቶም ንምስኻዕ እዩ:: በደል ህዝቢ ትግራይ ዝጀመረ ሕዚ ኣይኮነን:: እቲ በደል ካብ ሃይለስላሴ ጀሚሩ ብተኻታታሊ ክሳብ ኢህኣዴግ ዝተፈላለየ በደል ይበፅሖ ነይሩ እዩ:: ብዙሕ ዓፈናን ፀገምን ዝበፅሖ ዝነበረ ህዝቢ እዩ:: ኣነ ዝብል ዘለኹ ንምንታይ ሰብኣዊ ግሕሰት ኣልዐሉ ማለተይ ኣይኮነን:: እንድያውም ንሕና ኢና ቐዲምና ክነልዕሎ ዝግባእ ነይሩ::

ምዕራባውያን ይኹኑ ኣሜሪካውያን ኣብ ሃገሮም እዚ እዩ ዝባሃል ሰባኣዊ ኣተሓሕዛ የብሎምን:: ሕዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ፅዕንቶ ምስ ግድብ ሩባ ኣባይ ተተሓሒዙ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣለኒ:: መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሎም ተኣዛዚ ስለ ዘይኮነ እዩ ዝኹሉ ፅዕንቶ ዘሕድሩልና ዘለዉ:: በዝዓባ ሰብኣዊ መሰል ኣተሓሳሲብዎም ኣይኮነን:: ንኣብነት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ትግራይ ኣሎ ይውፃእ ማለት ጌጋ እዩ:: ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕጊ ዘፍርስ ኩነታት እንተጋጢሙ ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብ ኣምሓራ ክሰፍር ይኽእል እዩ:: ኣብ ሓንቲ ሃገር ኮይንካ ናይዚ ክልል እዚ ፍሉይ ሓይሊ ካብ እዚ ቦታ እዚ ይወፃእ ማለት ትኽክል ኣይኮነን:: ትግራይ ክፋል ኢትዮጵያ’ምበር ጎረቤት ሃገር ኣይኮነትን:: ምኽሪ ክህቡ ይኽእሉ እዮም ትእዛዝ ግና ክህቡ ኣይኽእሉን::

ወጋሕታ፡- ኣብ ቐረባ እዋን ግብፅን ሱዳንን ናይ ሓባር ውግእ ልምምድ ገይሮም ነይሮም:: እዚ ንኢትዮጵያ እንታይ መልእኽቲ ኣለዎ?

ፕሮፌሰር ካሳሁን፡– ኣነ ከምዚመስለኒ እዚ ዝገበርዎ ናይ ሓባር ናይ ውግእ ልምምድ ኢትዮጵያ ንምውራር ዘይክኸውን ይኽእል እዩ:: ብሓደ ምዃኖም ንምፍርራሕ ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል እዩ:: ይኹን’ምበር መንግስቲ ምንም ኣይሙኩሩን ኢሉ ሙሉእ ብሙሉእ ሸለል ክብል የብሉን:: ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ሓይላ ኣጣናኺራ ብተጠንቐቕ ደው ከትብል ኣለዋ::

ወጋሕታ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ኣብዝቕፅሉ ዓመታት ሚኢቲ ዝኾኑ ኣናእሽቲ ግድባት ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ብምዝራቦም ናይ ግብፂ ሰበ ስልጣናት ዘናደደ ነይሩ:: ኢትዮጵያ ኣብ ሉኣላውነት ግዝኣታ ግድባት ክሰርሕ እየ ምባላ ግብፃዊያን ምንዳዶም ኣግባብነቱ ከመይ ይገልፅዎ?

ፕሮፌሰር ካሳሁን፡- ዶብ ተሳጋሪ ዘይኮኑ ሩባታት ግልፂ ዝኾነ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣሎ እዩ:: ኢትዮጵያ ኣብ ግዝኣታ 100 ጥራሕ እንተይኮነስ እንተልደልያ ካብኡ ንላዕሊ ከትሰርሕ መሰላ እዩ:: ስለዚ ከምዚ ምባላ ፀገም ዘለዎ ኣይኮነን:: ኣይሽንኳይዶ ዶብ ተሳገርቲ ዘይኮኑ ሩባታት ዶብ ተሳገርቲ ዝኾኑ ሩባታት ‘ውን ግድባት ናይ ምስራሕ መሰላ ሕልው እዩ::

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ኣብ ህዳሰ ግድብ ዝገብሮ ዘሎ ተሳትፎ ቕድሚ ሕዚ ምስ ዝነበረ ተሳትፎ ከመይ ይገልፅዎ?

ፕሮፌሰር ካሳሁን፡– ኣብ ቐረባ ግዜ ካብ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ግድብ ህዳሰ ሰሚዐ ነይረ፤ ህዝቢ ብሓዱሽ መንፈስ እናተላዕለ እዩ:: ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ነብሲ ወከፍ እቶት ህዝቢ ይፍለጥ እዩ:: ብዙሕ ቍጠባዊ ፀገም ዘለዎ ህዝቢ እዩ ዘሎ:: ኮይኑ ግና ካብ ዘላቶ ንእሽተይ ዓቕሚ ፅባሕ ክከሓስ እየ ብምባል ይሳተፍ ኣሎ እዩ:: ህዝቢ ናይ ባዕሉን ደቑን ጎረሮ ዓፅዩ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ:: ንፅባሕ ንደቕና ይጠቕም እዩ ብዝብል እዩ ዓብዪ ምስ ንእሽተይ ዝሻሞ ዘሎ:: እዚ ዓብዪ ግድብ እዚ ብዘይ ምንም ናይ ደገ ሓገዝ ብናይ ህዝቢ ምትሕግጋዝ እዩ ዝስራሕ ዘሎ:: ስለዚ ፅቡቕ ይሳተፍ ኣሎ እዩ፤ ብጣዕሚ ክምስገን ዝግበኦ ህዝቢ እዩ::

ወጋሕታ፡- ድሕሪ ለውጢ ዝተመዝገቡ ዓወታትን ዘጋጠሙ ዕንቕፋታትን ከመይ ይገልፅዎም?

ፕሮፌሰር ካሳሁን፡– ለውጢ ምስመፀ ፖለቲካውን ዲሞክራስያውን ባይታ ክሰፍሕ ተገይሩ እዩ:: እዚ ሓደ ለውጢ እዩ:: ኣብ ምክልኻል ሃገር፣ ትካላት ፍትሒን ካልኦት መንግስታዊ ትካላትን ለውጢ ተገይሩ እዩ:: ከምኡ ‘ውን ኣብ ካልኦት ትካላት ለውጢ ንምምፃእ ብዙሕ ፃዕርታት እናተኻየደ እዩ ዝርከብ::

ካብዚ ብተፃራሪ ድማ ድሕሪ ለውጢ ዝተረኣዩ ፀገማት ኣለዉ እዮም:: ንኣብነት ብዙሕ ሰብ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ እዩ:: ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ እዩ ዝርከብ:: እዚአም ድሕሪ ለውጢ ካብዝመፁ ዓበይቲ ዕንቕፋታት እዮም:: መንግስቲ ድሕሪ ለውጢ ዝተወሰነ ርሕቐት ተጓዒዙ ዋላ እንተኾነ ከምዚኦም ዝበሉ ዕንቕፋታት ግና ኣጋጢሞም እዮም:: ኣብ ሓላፍነት ዘለና ኣካላት ዝተዋሃበና ህዝባዊ ሓላፍነት ብኣግባቡ ኣብ ምውፃእ ጉድለታት ኣለዉ እዮም:: ለውጢ ብኣግባቡ ሽትኡ ክወቕዕ እንተኾይኑ በቢግዚኡ ዘጋጥሙ ዘለዉ ጉድለታት ኣብ ግዚኦም ክእረሙ ኣለዎም::

ወጋሕታ፡- ናይዚ ለውጢ እዚ ቐፃሊ ተስፋ ብፍላይ ምስ ናይ ለብዘበን 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣተሓሒዞም ከመይ ይገልፅዎ?

ፕሮፌሰር ካሳሁን፡- ለብዘበን ምስ ጉድለቱ መረፃ ውሽጢ ኣቲና ኣለና:: መንግስቲ መጀመርያ ፀገማቱ ኮፍ ኢሉ ተዛትዩ ናብ መረፃ ተዛእቱ ዝሓሸ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ:: ስኺልካ እገለ ነዚ ከባቢ እዚ ይውክል ጥራሕ እንተይኮነስ ሓደ ሓደ ዘየስማዕምዑ ነገራት ስለ ዘለዉ ኣቐዲምካ ኣብ ስምምዕ እንተዝብፃሕ ፅቡቕ እዩ ኢለ እሓስብ:: ንኣብነት ሕገ መንግስቲ ክንካእ የብሉን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ እዮም:: ካልኦት ድማ ናይዚ ሓሳብ ተፃራራ ዘራምዱ ኣለዉ:: ስለዚ ኣብዚኦም ሓበራዊ ምርድዳእ ተዝህሉ ይምረፅ:: ከም ከማይ ግና ኣብ ሕገ መንግስቲ ሰፊሮም ዘለዉ ዓንቐፃት መብዛሕትኦም ኣብ ተግባር ስለ ዘይዋዓሉ እዮም’ምበር ፅቡቓት እዮም ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለኒ:: ሓደ ሓደ ሰባት ክልል ብቋንቋ ምዃን ቐርዩ ብኣቓማምጣ መሬት ወይ ብጂኦግራፊያዊ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ኣካላት ስለ ዘለዉ ከፍ ኢልካ ምዝርራብ የድሊ እዩ:: እዚ ሓሳብ እዚ ናብ ህዝቢ ብምቕራብ ህዝባዊ ውሳነ ክረክብ ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ሃገር ንዘይ ምርግጋዕ ምኽንያት ዝኾነ ሕገ መንግስቲ እዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ:: ብወገኖም ነዚ ኸመይ ይሪእዎ?

ፕሮፌሰር ካሳሁን፡– ልዕል ኢለ ከምዝጠቐስክዎ መብዛሕትኦም ኣብ ሕገ መንግስቲ ሰፊሮም ዘለዉ ሓሳባት ጉድለት የብሎምን፤ እቲ ዋና ኣተገባብራ እዩ:: ብኣይ ወገን ሕገ መንግስቲ እዩ ዘይምርግጋዕ ፈጢሩ ዝብል ሓሳብ ኣይድግፎን:: ብሓፈሻ ሕገ መንግስቲ ፀገም ኣለዎ እዩ ዝብል ሓሳብ ትኽክል ኣይኮነን፤ ኮይኑ ግና ኣብ ሓደ ሓደ ዓንቐፃት ዘካራኽሩ ሓሳባት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፤ ኣብዚኦም ተኻራኺርካን ተመያይጥካን ምስትኽኻል እዩ ዘድሊ:: ከምኡ ‘ውን ንወደፊቱ ዝመሓየሹ እንተሃልዮም እናረኣኻ ምስትኽኻል እዩ ክግበር ዘለዎ::

ወጋሕታ፡- ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ፀገም መፍትሒኡ እንታይ እዩ ይብሉ?

ፕሮፌሰር ካሳሁን፡- እዚ ሕቶ እዚ ንእሽተይ ክብድ ይብል እዩ:: ኮይኑ ግና ከም ከማይ ንፖለቲካዊ ፀገም ኢትዮጵያ መፍትሒ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢለ ዝሓስብ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ርክብ ብሕጊ ዝተመርሐን ዝተመሓየሸን ክኸውን ኣለዎ:: ጥዕና ዘለዎ ኣካይዳ፣ ናብራ ህዝቢ ዝፈትሕ፣ ዕቤት ዓዲ ምምሕያሽ፣ ልዕልና ሕጊ ክረጋገፅ ኣለዎ:: ካሊእ ጠንካራ ዝኾኑ ትካላት ክህልዉ ኣለዎም:: ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ስራሕ ስእነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ እዩ ዝኸድ ዘሎ፤ እዚ ክቕረፍ ኣለዎ:: በቢ ዓመቱ ብዙሓት መናእሰይ ካብ ዩኒቨርስቲ ተመሪቖም ስራሕ ይስእኑ ኣለዉ እዮም:: መንእሰይ ተማሂሩ ስራሕ እንተዘይረኺቡ ተስፋ ናይ ምቑራፅ ስለ ዝረአዮ ኣብ ሃገር ቚልውላው ከስዕብ ይኽእል እዩ::

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከምዝፍለጥ ሃገርና ብደገን ብውሽጥን ፅዕንቶታት እናገጠምዋ እያ እትርከብ:: ኣብ መስቐለኛ መንገዲ እያ ዘላ:: ኣብዚ ጉዳይ እዚ ገጢሞምና ዘለዉ ውሸጣዊ ፀገማት ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ሉኣላውነትና ትኹረት ገይርና ከንሰርሕ ይግባእ:: ናይ ደገ ፅዕንቶ ንምምካት ብሓደ ጠጠው ከንብል ኣለና:: ሓድነትና እናጠናኽረሉ እዋን ኢና ዘለና:: ኣብ ውሽጥና ሰላምን ሓድነትን የድልየና እዩ:: ንሕና ብናይ ደገ ሓይሊታት ክንድፈር ንኽእል ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓድነት እንተላሕሊሑ እዩ::

መንግስቲ ናይ ህዝቢ ሕቶ ብኣግባቡ ኣዳሚፁ ክምልስ ኣለዎ:: ህዝቢ ‘ውን ናይ መንግስቲ ትክክለኛ ዝኾኑ ኣንፈት ፈልዩ ኣብ ምትግባር ክተሓባበር ኣለዎ:: መንግስትን ህዝብን እንድሕር ዘይተደማሚፁ ንድሓር ክንምለስ ንኽእል ኢና:: ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብሰንኪ ውግእ ዓንዮም ዘለዉ ንብረታት ንብዙሕ ዓመታት ብትውልዲ ዝተሃነፁ እዮም:: እዚኦም መሊስካ ንምህናፅ ሕብረተሰብን መንግስትን ክተሓጋገዙ ይግባእ:: መንግስቲ ናይ ሕብረተሰብ ሕቶ ኣብዝምልሰሉ ሰዓት ህዝቢ ተሓባባሪ ክኸውን ኣለዎ:: ከምዚ ዓይነት ምትሕብባርን ምድምማፅን እንተሃልዩ ዝተሓሰበ ለውጢ ንምምፃእ ዝኸብድ ኣይኸውንን::

ህዝቢ ንመንግስቲ ጉድለታት ኣብ ምሕባርን ምትሕብባርን ዕዙዝ ግደ ክፃወት ኣለዎ:: መንግስቲ ድማ ድሌትን ሕቶ ህዝብን ሰሚዑ ብኣግባቡ ናይ ምትእንጋድ ባህሪ ክህልዎ ኣለዎ:: ህዝቢ ጉድለታት ርእዩ ምምራር ጥራሕ እንተይኮነስ ስሕተታት ኣብ ምእራም ‘ውን ብንቕሓት ክሳተፍ ኣለዎ:: ህዝቢ ከምዚኦም ዝበሉ ጉድለታት እኒሀው ክእረሙ ኣለዎም ኢሉ ንመንግስቲ ኣብ ዝሕብረሉ እዋን መንግስቲ ብግዲኡ ሓሳባት ህዝቢ ተቐቢሉ ፅቡቕ ነገር ክሰርሕ እንተሎ ህዝቢ ንመንግስቲ ከባራታትዕን ክድግፍን ይግበኦ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የቐንየለይ::

ፕሮፌሰር ካሳሁን ፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ::

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You