‹‹ህወሓት ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዝጠቕም ሓሳብ ምቕራብ ዕድመ ስልጣኑ ዘናወሐሉ ኩነታት እዩ ዝሓስብ›› ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ

መኣርግ ገ/ሄር

ናይ ሎሚ ጋሻና ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ ይባሃሉ:: ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን እዮም:: ጋዜጣ ወጋሕታ ብዛዕባ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪታ ምስ ኣይተ ባርያጋብር ዝገበረቶ ቓለ- መሕትት ከምዝስዕብ ኣሳናዲኣ ኣቕሪባትልኩም ኣላ:: ሰናይ ንባብ::

ወጋሕታ፡-ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ኣመሰራርትኡ ጀሚሩ ዘለዎ ባህሪ ብናቶም ኣመላኻኽታ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ባርያጋብር፡– እዚ ጉጅለ እዚ ብኣይ ጥራሕ እንተይኮነስ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ክግለፅ እንተሎ ‘ውን እንተኾነ ዓፋኒ ምዃኑ ዝፍለጥ ሓይሊ እዩ:: በርግፅ ክካሓድ ዘይከኣል ዝተወሰነ ፅቡቕ ዝባሃል ናይ ልምዓት ስራሕቲ ሰሪሑ እዩ:: ጉጅለ ህወሓት ኣብ ስልጣን ኣብዝነበረሉ እዋን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ተዓፊኑ እዩ ነይሩ፤ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ካኦት ክልላት ብዝባኣሰ ተጨቚኑ ዝነበረ ህዝቢ እዩ:: ኣብ ከም ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝበሉ ክልላት ግና ብኣንፃሩ ካብ ትግራይ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ኣዋዳድባ ስለ ዝነበሮም ምስ ጭቖና ህዝቢ ትግራይ እንትነፃፀር ዝሓሸ እዩ ምባል ይካኣል:: ከምዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ተናሕናሒ ኮይንካ ብናፃናት ከትዋዳደር ኣይትኽእልን ኢኻ:: ብስልጣኑን ፖለቲከኡን እንተመፂኻዮ ክሳብ ምቕታል እዩ ዝኸይድ:: ህወሓት ኣብዝነበረሉ 27 ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝቓወም ፖለቲካዊ ፓርቲ ዳርጋ ኣይነበረን ምባል ይካኣል እዩ:: በርግፅ ከም ዓረና ዝበሉ ፓርቲ ነይሮም እዮም፤ግና ብዙሕ ግፍዒ ዝበፅሖም ዝነበሩ ፓርቲታት እዮም ነይሮም:: ዝተወሰኑ ከም እኒ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ዝበሉ ኣብ ወፃኢ ኮይኖም እዮም ይቓወሙ ነይሮም:: ስለዚ ብሓፂሩ ክረአ እንተሎ ህወሓት ኣብ ሰላም፣ዲሞክራስን ፍትሕን ዝኣምን እንተይኮነስ ኣብ ሓይሊ ዝኣምን ውድብ እዩ::

ወጋሕታ፡- ድሕሪ ለውጢ ብዙሓት ዕድላት ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ:: ኮይኑ ግና ክጥቐመሉ ኣይከኣለን:: ነዚ ስዒቡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘስዐቦ ጉድኣት ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ባርያጋብር፡- ህወሓት ምስ ለውጢ ኣካል ተሳንዩ ብዘይ ምኻዱ ንህዝቢ ትግራይ ሒዝዎ ዝመፀ መከራን ፀገምን ብዙሕ እዩ፤ ድሕሪ ለውጢ ህወሓት ብጣዕሚ እናባኣሶ እዩ ከይዱ፤ ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ኣብ ዘሕዝን ኩነታት እዩ ወዲቑ:: ምስ ኩሉ ጎረቤት ህዝቢ እዩ ኣባኢስዎ:: ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ይኹን ኤርትራ ክላተም ገይርዎ እዩ:: እዚ ናይ ጥዕና እዩ ከትብሎ ኣይትኽእልን ኢኻ:: ትግራይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብኩሉ ነገር ተዳኺማ እያ እትርከብ:: ንኣብነት ብትምህርቲ፣ኢኮኖሚ ኣብ ዝተሓተ ብርኪ እያ ዘላ፤ መንእሰይ ተስፋ እናቖረፀ ናብ ዓረብ ሃገር እዩ ዝስደድ ዘሎ::

መንግስቲ ፌዴራል ብዙሕ ዕድል ሂብዎ ነይሩ እዩ:: ኮይኑ ግና ኣብክንዲ ዝተዋህቦ ዕድል ተጠቒሙ ዝነበሮ ፀገማት ኣስተኻኺሉ ህዝቢ ምኽሓስ ምስ መንግስቲ ዘይተደለዩ ቓላት ምውርዋርን ሕገ- መንግስቲ ምጥሓስ ባህርያት እዩ ነይርዎ:: መንግስቲ ፌዴራል መራሕቲ ሃይማኖት፣ ፍሉጣት ሰባት፣ ዓበይቲ ዓድን ናይ ሰላም ሚኒስቴርን ከይቐረዩ ገይሩ ናብ መቐሊ ብምልኣኽ ንዘራረብ ኢሉ ብተደጋጋሚ ለሚኑ እዩ:: ኮይኑ ግና ንሕና ፀገም የብልናን ፀገም ዘሎ ኣብ ካልኦት ክልላት እዩ ትግራይ ሰላም እያ ዘላ ብምባል እዩ መሊስዎም:: ህወሓት ንምዝርራብ ድሌት ዘይብሉ ውድብ እዩ::

ሕዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ኣብ ዓብዪ ስግኣት እዩ ወዲቑ ዘሎ:: ብፍላይ ካብቲ ክልል ምክልኻል ሃገር ምስወፀ ከም ህዝቢ ተስፋ ስኢና ኢና ዘለና፤ ናይ ብልፅግና ደገፍቲ ነይርኩም ኢኹም ብምባልን ብኸባቢ እናፈላለየን እናቐተለ እዩ ዘሎ:: ንኣብነት ህዝቢ እንደርታ ኣይደገፈናን እናበለ ኣብ ርእሲኡ ብዙሕ ግፍዒ እዩ ዝፍፅም ዘሎ:: ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ብዙሓት ፀገማት ነይሮምና እዮም:: ሕዚ ድማ እናገደደ እዩ ዘሎ:: ብግልፅን ብስውርን ሰባት ይቕተሉ ኣለዉ እዮም:: ህወሓት ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ዘለዉ ሰባት ከይቐረየ ይቐትል እዩ:: ንኣብነት ናይ ዓድግራት ዝነበረ ከንቲባ ካብ

 ፖለቲካ ወፃኢ እዩ ነይሩ:: ኮይኑ ግና ደጋፊ ብልፅግና ኢኻ ብዝብል ቐቲሎሞ እዮም:: ህወሓት ከባብያዊ ኣተሓሳስባ ‘ውን ኣለዎ እዩ:: ንኣብነት ኣብ ኣክሱምን ዓድዋን ዝነበሩ ግዝያዊ ምምሕዳራት ብዙሕ ኣይተቐተሉን:: ህወሓት ናይ ቤተሰብ እኽብካብ ምዃኑ ዘርኢ ምልክታት ኣለዉ እዮም:: ብዙሕ ዝቕተል ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ዓዲግራት ተምቤን ሒዙ ክሳብ ራያ ዝነበረ እዩ:: ምስ እዚ ብምንፅፃር ኣብ ኣክሱምን ዓድዋን ዳርጋ ኣይተቐተለን ምባል ይከኣል እዩ::

ሓደ ነገር ከንፈልጦ ዝግበአና ኣሎ:: ህዝቢ ትግራይ ንምክልኻል ሰራዊት ሃገር ብጣዕሚ እዩ ዝድግፍ ነይሩ:: ብፍላይ መጀመርታ ከባቢ ብዓብዪ ታሕጓስን እዩ ተቐቢልዎ:: ካሊእ ቐርዩ ህዝቢ ዓድዋ ‘ውን እንተይቐረየ ለውጢ መፂኡ ኣሎ ብምባል ኣብ ሚድያ እናቐረበ ሓሳቡ ብታሕጓስ ይገልፅ ነይሩ እዩ::

ወጋሕታ፡- ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ እናሃለወ ዝነበሩ ቐንዲ ቐንዲ ፀገማት እንታይ እዮም?

ኣይተ ባርያጋብር፡– መጀመርያ ከባቢ 5 ፓርትታት ኢና ነይርና፤ ብላዕሊ ናይ ፖለቲካ ስራሕ ከይትሰርሑ ህዝብኹም ጥራሕ ኣገልግሉ ኢና ተባሂልና ነይርና:: ብኡ መሰረት ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ኢና ንሰርሕ ነይርና:: ግዝያዊ ምምሕዳር ኩሉ ፖለቲካዊ ፓርትታት ዘሳተፈ ስራሕ እዩ ይሰርሕ ነይሩ:: ኮይኑ ግና እቲ ዋና ፀገም ዝነበረ ናይ ህወሓት ኣመራርሓ ዝነበሩ ኣካላት ኣይተነኽኡን ነይሮም:: ንሶም ኣብ ስራሕና ዕንቕፋት ይኾኑና ነይሮም እዮም:: እዚኦም ካብ ናይ ኣተሓሳስባ ህወሓት ምቕያር ጉድለታት ነይሮምና እዮም:: ብፍላይ ብህወሓት ተሸይሞም ዝነበሩ ኣካላት ምንም ኣየተነኽኡን ነይሮም::

ነዚ ንምስትኽኻል ተባሂሉ ሚኒስቴር ሰላም ብዙሕ ግዜ ናብ ኣዲስ ኣበባ እናፀወዐ ብዙሓት ሰባት ብሕጊ ሲቪል ሰርቪስ ስልጠናታት ይህብ ነይሩ እዩ:: ኮይኑ ግናምንም ለውጢ ኣይመፀን፤ስኽኢሉ እዩ ይደክም ነይሩ:: ድሓረ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ምስመፀ ግና ዝተወሰኑ ምምሕያሻት ነይሮም እዮም:: ክቕየሩ ዝግበኦም ብዙሓት ቐይሩ እዩ:: እቲ ዋና ፀገም ዝነበረ ግና ህወሓት ዘቐመጦም ኣካላት ኣይተነኽኡን ነይሮም፤ ብዝተውሃቡ ስልጠናታት ‘ውን ክቕየሩ ኣይከኣሉን፤ አዚ ንዓና ዓብዪ ፈተና ይኾነና ነይሩ እዩ::

ብኻሊእ ወገን ኣብ ኣካላት ፀጥታ ‘ውን ፀገም ነይሩና እዩ፤ ንሓገዝ ተባሂሉ ዝመፅእ ዝነበረ እኽሊ ይጠፍእ ነይሩ እዩ:: በዚ መሰረት ዝሰረቑ ኣካላት ሒዝና ንኣስሮም ነይርና:: ኮይኑ ግና ዝተወሰነ መዓልቲ ፀኒሖም ብቕልጡፍ ይልቐቑ ነይሮም እዮም:: እዚ እንታይ እዩ ዘሪእየካ እቲ ፖለቲካ ዘይፀረየ ምዃኑ እዩ:: ህዝቢ ትግራይ ፖለቲከኛ እዩ፤ ህወሓት ኣብ ፖለቲካ ፀቒጡ ይሰርሕ ስለ ዝነበረ ህዝቢ ናይ ህወሓት ሓሳብ እዩ ዝሰምዕ ነይሩ:: ንሕና ኣብ ፖለቲካ ብዝግባእ ኣይሰራሕናን:: እዚ ኣነ ከም ድኽመት ገይረ እየ ዝወስዶ::

ኣካላት ፀጥታ ነቲ ሰራዊት ብዝግባእ ኣይሕግዝዎን ነይሮም:: ብዝተወሰነ ደረጃ ሰራዊት ምስ ህዝብን ኣካላት ፀጥታን ዘይምስምዕማዕ የጋጥሞ ነይሩ እዩ:: ንኣብነት ዝኾነ ነገር ይጠፍእ፤ ሰራዊት ምስ መንእሰይ ናይ ምጉናፅ ተርእዮታት ናይሮም:: እቲ ሰራዊት ካብ ኣካላት ፀጥታ ሓገዝ ኣይረክብን ነይሩ:: ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ክፍተታት ስለ ዝነበሩ ህወሓት ነዚኦም እናተጠቐመሎም መፂኡ እዩ::

ግዝያዊ ምምሕዳር ክሰርሖም ዝግባእ ብኣግባቡ ብዘይምስርሑ ህወሓት ነቶም ዝተፈጠሩ ክፍተታት ይጥቀመሎም ነይሩ እዩ:: ብምክልኻል ሰራዊት ሃገር ዘጋጥሙ ጌጋታት ነይሮም እዮም:: ንኣብነት ሓደ ከጥፍእ ረኺብዎ ሒዙ ይኣስሮ እሞ ኣብ ከባቢ ክልተ መዓልቲ ይስደድ:: ከምኡ ‘ውን ሰራዊት ኤርትራ ምስ ዲሲፒሊን ተተሓሒዙ ዓብዪ ክፍተት ይፈጥረልና ነይሩ እዩ:: በዚ ዝተላዕለ ህወሓት ነዚኦም እናኣረየ ንፖለቲካ ይጥቐመሉ ነይሩ እዩ::

ካሊእ ብፋይናንስ፣ ፀጥታን ሲቪል ሰርቪስን ዝመሳሰሉ ነገራት ዓበይቲ ዕንቕፋታት ይገጥሙና ነይሮም እዮም:: መኪና ዝሰረቑ ጉቦ ኸፊሎም ኣብ መበል ካልኣይ ወይ ሳልሳይ መዓልቲ ይስደዱ ነይሮም እዮም:: እዚ ንዓና ኣብ ስራሕና ዓብዪ ዕንቕፋት ይኾነና ነይሩ እዩ:: ኣካል ፀጥታ ሃፍቲ ህዝብን ኣካላት ኣመራርሓን ‘ውን ክሕሉ ኣይከኣለን ነይሩ:: ብሓፂሩ ግና ህወሓት ዝነበሩና ክፍተታት ብምጥቃም ህዝባዊ ቓልሲ እናገበሮ እዩ ከይዱ፤ መጀመርታ ‘ውን ከምኡ እዩ ዝደሊ ነይሩ::

ወጋሕታ፡- ግዝያዊ ምምሕዳር ፀገም እቲ ክልል ብኣግባቡ ተረዲእዎ ነይሩ ዶ ከንብል ንኽእል?

ኣይተ ባርያጋብር፡- ልዕል ኢለ ከምዝገለፅክዎ ብልፅግና ስራሕ እናሰራሕኹ እየ ኢሉ እዩ ዝሓስብ ነይሩ:: ኣብ መጀመርታ ከባቢ ሰለስተ ወርሒ ናይቲ ክልል ምምሕዳር ብምቕባልን ዝመፁ ድጋፋት ናብ ህዝቢ ኣብ ምክፍፋልን ዝመሳሰሉ ስራሐቲ ሰሪሕና ኢና ኮይኑ ግና ብበዝሒ ግዝያዊ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ነይርና:: ካቢኔ ኣኼባ ይገብር ግና ብዛዕባ ተመዛበልቲ ጥራሕ እዩ ዝዘራረብ ነይሩ:: እቲ ዋና ፀገም ድማ ንሱ እዩ ነይሩ:: ሰለስተ ትካላት ከም ማሕበራዊ፣ ምክልኻል ሓደጋን ስግኣት ቢሮ ሕርሻን ዝመሳሰሉ ብዛዕባ ተፋናቐልቲ እዮም ዝሰርሑ ነይሮም:: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኢና አሕሊፍናዮ::

ዝተወሰነ ንተሓገዝቲ ተባሂሉ ዝመፅእ ዝነበረ ከም ስርናይን ዘይትን ዝበሉ ነገራት ዋላ ናይ ምስራቕ ኩነታት እናጋጠመ ይንበር ብዝተኻኣለ መጠን ግና ክባፃሕ ተገይሩ እዩ:: መጀመርታ ብድፍረት ናብ ሽረን ዓድዋን እናኸድና ሰሪሕና ኢና:: ብፍላይ ኣብ ኣዋዳድባ ህዝቢ ኣኪብና ባዕሉ ክመርፅ ብምግባር ተንቐሳቒስና ኢና:: ብወረዳ ደረጃ ፅቡቕ ስራሕቲ ሰሪሕና ኢና:: ኮይኑ ግና ኣቐዲመ ከምዝበልክዎ ሓለፍቲ ቢሮ ምንም ኣይተነኽኡን:: እዚኦም ብህወሓት ተቐሚጦም ዝነበሩ እዮም:: እዚ ከምዚ እናሃለወ ናይ ህወሓት ኣተሓሳስባ እዮም ተሸኪሞም ዝጎዓዙ ነይሮም:: ኮይኑ ግና ንዓና ዓብዪ ዕንቕፋት ዝኾነና ዝነበረ ቕድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ ኣብ ፀጥታን ሲቪል ሰርቪስን እዩ ነይሩ::

ዋና ክፍተት ዝነበረ ኢለ ዝሓስቦ ግና ናይ ፖለቲካ ስራሕ ብዘይ ምስራሕና እዩ :: ሓደ ግዜ ንቢሮ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳይ ኣይተ ኣብርሃ ደስታ ንህዝቢ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ እኽሊ ዘይቐሪ ህዝቢ መቐለ እዩኮ ዝቕልበና ዘሎ ኢለዮ ነይረ:: ኣብርሃ ደስታ ንምንታይ እዩ ዝቐሪ ኢሉኒ:: ህዝቢ ይቕልቦ እንተልዩ ንሓገዝ ተባሃሉ ዝመፅእ ንኻሊእ ስራሕ ክውዕል ኣለዎ ተዛሪበዮ ነይረ:: ወይ ድማ መንግስቲ ፌዴራል ዝሕግዞ ዘሎ ሓገዝ ህዝቢ ክፈልጥ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪበ ነይረ:: ቤት ትምህርት እንትንከድ እንተለና ህዝቢ መቐለ እዩ ዝተሓባበረና እዩ ዝብል:: እንተናእሰ ዝለኣኽ ሓገዝ እኳ ኣይተዘረበን:: ቐዳማይ ሚኒስትር ብር 100ቢልዮን ዝኸውን ሓጊዝና እንትብል እንተሎ ፌደራል መንግስቲ እናሓገዘ ነይሩ ድዩ ብዝብል ህዝቢ ብጣዕሚ እዩ ተገሪሙ:: ኣብዚ ቐሊል ዝባሃል ኩነታት አዚ እኳ ኣይሰራሕናን፤ መንግስቲ ሓገዝ እናቕረበ ምዃኑ ብዝግባእ ከንነግር ነይሩና:: ስለዚ ምስ ህዝቢ ንእሽተይ ዘይምንነባብ ነይሩ እዩ:: ቐለልቲ ኣብዝባሃሉ ስራሕቲ ኢና ግዜና ኣሕሊፍናዮ:: ሕልኽላኻት ኣብ ዝበዝሖ ኩነታት ተባዕ ኣመራርሓ የድሊ እዩ:: ከም ስርቒ ዝመሳሰሉ ነገራት ብጣዕሚ ይፍትኑና ነይሮም::ምኽንያቱ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሕደሮ ኣተሓሳስባ ቐሊል ኣይኮነን::ብሓፂሩ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝሰርሖ ስራሕቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተረዲእዎ እዩ ዝብል ሓሳብ የብለይን::

ወጋሕታ፡- እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ሕዚ ድማ ምክልኻል ሰራዊት ምውፅኡ ስዒቡ ኣብ ንፁሓት ሰባት ግፍዒ ይፍፅም ከምዘሎ እዩ ዝዝረብ ዘሎ:: እዚ ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ይብሉ

ኣይተ ባርያጋብር፡- ኣቐዲመ ከምዝገለፅክዎ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጠሮ ኣተሓሳስባ ስለዘሎ ኣፀጋሚ እዩ:: ንኣብነት ህወሓት ቅድሚ ሕዚ ብስውር ዝገብሮ ዝነበረ ሰብ ናይ ምቕታል ገበን ሕዚ ግና ብግልፂ እዩ ዝፍፅሞ ዘሎ፤ ብፍላይ ድማ ለውጢ ምስ ምምፅኡ ስዒቡ ሰለስተ ዓመት ዝኣክል ዝተነገሮ ነገር ኣሎ:: ናይ ኣብይ ሰራዊት ቐታሊ ህዝቢ ብምባል ተነጊርዎ እዩ:: ካሊእ ህዝቢ ትግራይ ክጠምን ክጠፍእን እዩ ዝድለ ዘሎ ‘ውን ብምባል ይነገሮ ነይሩ እዩ:: ንሕና ህዝቢ ኣብ እነገልግለሉ ድማ ምስ ፀላኢ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ እናተባህለ ፀገም ይፈጥረልና ነይሩ እዩ:: ኣብ ህዝቢ ከምዙይ ዓይነት ኣተሓሳስባ ስለ ተፈጠረ ሕዚ ኣነ ተዝቕተል ከም ቐሊል ነገር እዩ ዝሕሰብ:: ዝተፈለየ ሓሳብ ስለ ዝሓዘ ድዩ ንምንታይ ይቕተል ዝብል ሓሳብ የለን፤ እንኳዕ ተቐተለ ፀረ ህዝቢ እዩ ነይሩ እዩ ዝባሃል:: ሕዚ ብግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ሓላፍነት ዝነበሩ ሰባት ይቐትሎም ኣሎ እዩ:: ንሕና ንንእሽተይ ኢና ኣምሊጥና:: ወታደር እንትወፅእ እንተሎ ኣይተነገረናን ነይሩ፤ደሓረ ኢና ሰሚዕና:: ስለዚ ዘይምንባብ ነይሩ እዩ:: እዚ ድማ በርግፅ ወታደራዊ ምሽጥር እዩ:: ምስጢር ተወፂኡ ጥቕዓት ክበፅሖ ይኽእል እዩ:: ብዙሕ ዘይሰምዐ ዝቐረየ ኣሎ እዩ:: ገሊኡ ድማ ሕዚ ብእግሩ ናብ ኣላማጣ እናኣተወ እዩ ዘሎ:: መጀመርያ ይቐትል ነይሩ:: ሕዚ ድማ ብዙሕ ሰብ እናኣሰረ እዩ ዘሎ:: ፌዴራል መንግስቲ ኣብዚ ቖላሕታ ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ፤ ወይ እንተተኻኢሉ ናብ ሰላም እንተዝመፁ ፅቡቕ እዩ ኢለ ዝሓስብ:: ዝሓሸ’ውን ሰላም ምፍጣር እዩ:: ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ከባቢ 350ሺሕ ዝኾኑ ህፃናት ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዮም ዘለዉ:: ሕዚ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ፌዴራል ይደልይ እዩ::

ፌዴራል መንግስቲ ብዙሕ ስራሕ ሰሪሑ እዩ:: ኮይኑ ግና ካባና ዘዕግብ ሓገዝ ኣይረኸበን:: ህዝቢ ትግራይ ብኣተሓሳስባ ህወሓት ስለ ተሃነፀ ንኽቕየር ግዜ የድልዮ እዩ:: ህዝቢ ትግራይ ሓደ ግዜ ከም ፀላኢ እንተሓሲቡካ ብጣዕሚ ከቢደ እዩ:: መንግስቲ ብቕልጡፍ ናብ ሰለም ንምምፃእ ደጊሙ ክፅዕር ኣለዎ ወይ ድማ ሰራዊት ክኣቱ ኣለዎ:: ተዘይኮይኑ ህወሓት ከም እንደጋና ክደራጆ ይኽእል እዩ:: ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ብቕልጡፍ ክስራሕ ኣሎ ኢለ እየ ዝኣምን::

ወጋሕታ፡- ውሳነ በይናዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ስዒቡ ብወገን ህወሓት ናብ ሰላም ንምምፃእ ከም ቕድመ ኩነት ኣብዘቐመጦም ነጥብታት ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና?

 ኣይተ ባርያጋብር፡– እዚ ዘይመስል ነገር እዩ:: ዘጥፍኡ ኣካላት ብገበን ይተሓተቱ፤ ፀጥታ ሓይሊ ጠቕሊሉ ካብ ትግራይ ይውፃእ ዝብሉ ነጥብታት ብሓደ ግዜ ዝኾኑ ኣይኮኑን:: ብሑሕ ምዝርራብ የድሊ እዩ:: እዚ ብጣዕሚ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ ብጥንቓቐ ብሕግን ብምዝርራብን ክረአ ኣለዎ:: ብፍላይ ክልል ኣምሓራ ዝሓዞ መሬት ክልቲኦም ህዝብታት ናብ ዘየድሊ ጎንፅን ደም ናብ ምፍሳስን ከየምርሕ ብደንቢ ክሕሰበሉ ኣለዎ::

ህዝቢ ትግራይ ን30 ዓመታት ዝኣክል ተጎዲኡ እዩ:: ስለዚ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ:: እንተዘይኮይኑ ወንጀለኛታት ብሕጊ ይጠየቑ እናበለ ዘቕርቦ ዘሎ ሓሳብ ዘቀራርርብ ሓሳብ ኣይኮነን:: ሰላምን ሓድነትን ዘምፅእ ክኸውን ኣለዎ:: ከም ውልቐይ ክልቲኦም ሓይልታት ምእንተ ህዝቢ ኢሎም ተቐራሪቦም ክዘራረቡ ኣለዎም:: ኣነ ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ኩሉ ግዜ እናቕረብኩ ነይረ እየ:: ብህልኽ ናብ ዘይኮነ ደም ዘፋስስ ኩነታት ከይእቶ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ::

ካሊእ ብዛዕባ በጀት ‘ውን ቐሪቡ እዩ እዚ ብዙሕ ፀገም የምፅእ እዩ ዝብል ሓሳብ የብለይን:: ምኽንያቱ መንግስቲ ኣይሽንኳይዶ ናይ ሓደ ዓመት በጀት ናብ ብር 100 ቢልዮን እኮ ኣውፂኡ ኣሎ እዩ:: መንግስቲ ፌዴራል ንህዝቢ ትግራይ ንምድጋፍ ፀገም ዘለዎ ኣይመስለንን:: ህወሓት ንባዕሉን ንህዝቢ ትግራይ ኢሉ ሓሳቡ ከስተኻኽል ኣለዎ እየ ዝብል:: መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ብምሕሳብ ብዙሕ ነገር ኣሕሊፉ እዩ:: ሕዚ’ውን ንህዝቢ ብምሕሳብ እዩ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ኣውፂኡ ዘሎ::

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ሐዚ ‘ውን ናብ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን ኣንፈት ኵናት ከምዘካይድ ይገልፅ ኣሎ እዩ:: እዚ ንህዝቢ ትግራይ ይጠቕሞ እዩ ኢሎም ዶ ይሓስቡ?

ኣይተ ባርያጋብር፡- እዚ ብጣዕሚ ሓደገኛ ኩነታት እዩ፤ ብቕልጡፍ መፍትሒ ክእለሸሉ ኣለዎ:: ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይጠቅምን:: ኣብ ታሪኽ ኣብ መንጎ ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ጎንፂ የለን:: ሕዚ ብዝፍጠር ዘሎ ፀገም ህዝቢ ናብ ዘየድሊ ኩነታት ከይኣቱ መንግስቲ ፌዴራል ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ:: ኣብቲ ዘካራኽር ቦታ ሰራዊት ፌዴራል ተመሊሱ ክኣቱ ኣለዎ:: ስለዚ ብራዕዳዊ ህወሓት ዝተዘረበ ነገር ንህዝቢ ብጣዕሚ ዝጎድእ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ብልዑል ጥንቓቀ ክከታታሎ ኣለዎ ዝብል ርኢቶ እዩ ዘለኒ::

ወጋሕታ፡- ናይ ደገ ሓይልታት ኣብ ኩነታት ትግራይ ዝሓዝዎ ቅዋም ከመይ ይገልፅዎ? ንህዝቢ ትግራይኸ ክጠቕሞ ይኽእል ዶ?

ኣይተ ባርያጋብር፡– ህወሓት ምስ ወፃኢ ሓይልታት ርክብ ኣለዎ እዩ፤ ይሕግዝዎ ‘ውን ኣለዉ እዮም:: ሕዚ ህወሓት ናብ ልዝብ እንተዘይመፂኡ ኣሜሪካ ይሕግዞ እዩ ዝብል እምነት የብለይን:: መንግስቲ ኩነታት ህወሓት ንዓለም ብዝግባእ ከርድእ ኣለዎ:: ካብኡ እንተይፈተወ ናብ ዝርርብ ይመፅእ እዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ:: ህወሓት ሕዚ ህዝቢ ንምሓዝ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ:: ንህዝቢ ንምሓዝ ኢሉ ዘይኮነ ሓበሬታ እናሃቦ እዩ ዝርከብ:: ህዝቢ ንምሓዝ ቅድሚ ሕዚ ‘ውን ፌዴራል መንግስቲ ኣይከልከሎን:: ኮይኑ ግና ዘይኮነ ሓሳብ ብምንጋር ህዝቢ ከዳናግር የብሉን:: ኣብ ወፃኢ ዘለዉ ንህወሓት ዝድግፉ ኣካላት ቤተሰብ ህወሓት እዮም:: እዞም ኣካላት እዚኦም ንህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ሓገዝ ኣይገበሩን፤ ኮይኑ ግና ብሓገዝ ህወሓት ስለ ዝኸዱን ቤተሰብ ስለዝኾኑን ኣብ ጎኒ ህወሓት ጠጠው ኢሎም ፀገም እናፈጠሩ እዮም ዝርከቡ:: ብሂወት ህዝቢ እዮም አናቐለዱ ዝርከቡ:: ውግእ ንዓና ባህላዊ ፀወታ እዩ እናበሉ እዮም ንህዝቢ ናብ ዘየድሊ ፀገም ዘእትውዎ ዘለዉ:: ህወሓት ህዝቢ ትግራይ እንተፀጊቡ ኣይግዘአለይን ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለዎ እዩ:: ከምኡ ‘ውን ንቑሕ ዜጋ ክህሉ ድሌት የብሉን:: ህወሓት ናይ ባዕሉ ቤተሰብ ኣብ ስልጣን ከቕምጥ እዩ ዝደሊ:: እንተተቓዊምካ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ እዩ ዝብለካ’ምበር ናይ ህወሓት ፀላኢ ኣይብለካን:: ህወሓት ሓደገኛ ኣካይዳ እዩ ዝኽተል ዘሎ:: እዚ ፀገም እዚ ብቕልጡፍ ክስተኻኸል እንተዘይክኢሉ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከምርሕ ይኽእል እዩ::

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኣሜሪካ ተኹሲ ጠጠው ይበል እናበለ ብተደጋጋሚ ይዛረብ ነይሩ እዩ:: ሕዚ ድማ ወታደር ፌዴራል ብምውፅኡ ንምንታይ ወፀ ዝብል ሓሳብ ከቕርብ ይስማዕ እዩ::፡ እዚ ንምንታይ እዩ ይብሉ?

ኣይተ ባርያጋብር፡– ቅዋም ኣሜሪካ በብግዚኡ እዩ ዝቐያየር:: ሕዚ ድማ ካሊእ ቕዋም እዩ ዘለዎ:: መንግስቲ ፌዴራል ቅዋም መንግስቲ ከተሓሳስቦ የብሉን ዝብል ሓሳብ ኣለኒ:: ከምዚ እንትብል እንተለኹ ግና ብዲፕሎማሲ ክስርሑ ዝግበኦም ነገራት ክስርሑ የብሎምን ማለተይ ኣይኮነን:: ክስርሑ ዝግበኦም ነገራት ብኣግባቡ ክስርሑ ኣለዎም ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ:: ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብዙሕ ፀገም እዩ ዘለዋ ነዚ እየ ዲፕሎማሲ ብኣግባቡ ክስራሕ ኣለዎ ዝብል ዘለኹ:: ንኣብነት ብዛዕባ ኣባይን ካልኦት ነገራት ኣለዉ እዮም::

ኣተሓሳስባ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ንምልክት ‘ውን ክቐሪ የብሉን:: ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጠሮን ዝፈጥሮ ዘሎን ሽርሕታት ንሃገር ዝጠቅም ኣይኮነን:: ኣተሓሳስባ ህወሓት ፈፂሙ ክውገድ እዩ ዘሎዎ:: ህወሓት ቕንዕና ዝባሃል የብሉን:: ህዝቢ ብትኽክል ክህነፅ ኣይገበሮን:: ብፍላይ ኣብ ሓደ ሓደ ኣካላት ስርቒ ግኑን እዩ:: ንኣብነት ረድኤት ተባሂሉ ዝመፀ ስርናይ ይሰርቑ ነይሮም እዮም:: እዚ ዘሪአካ ህወሓት ንመንእሰይ ወለዶ ፅቡቕ ስነ ምግባር ክህልዎ ዘይምግባሩ እዩ::

ህወሓትን ናይ ህወሓት ኣተሓሳስባ ዝተሸከመ ኩሉ ቐቲልካ ክትውድኦ ስለ ዘይትኽእል ናብ ትኽክለኛ ኣተሓሳስባ ንኽመፅእ ምስራሕ የድሊ እዩ:: ዝተዋሃቦ ዕድል ክጥቐመሉ ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ እዩ ዘለኒ::ህወሓት ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ሓሲቡ ኣይፈልጥን ክሓስብ ‘ውን ኣይኽእልን:: ህወሓት ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ዝጠቕም ሓሳብ ምቕራብ ዕድመ ስልጣኑ ዘናወሐሉ ኩነታት እዩ ዝሓስብ::

ፌዴራል መንግስቲ ጌጋ የብሉን ኣይብልን ዘለኹ ኣይሽንኳይዶ ብዙሕ ፀገም ዘለዋ ሃገር ኣብ ዝመዕበሉ ሃገራት ‘ውን ፀገም ኣይሰኣንን:: ኮይኑ ግና ጌጋ ብጌጋ ኣይኮነን ክምለስ ዝኽእል:: ህወሓት ዘቕርቦም ሓሳባት ዘቐራርቡ እንተይኮኑስ ንልዕልንኡ ዝድግፉ ሓሳባት እዩ ዘቕርብ:: እዚ ተሪፉ ንህዝቢ ዝጠቕም ሃሳብ ተዘቕርብ ነይሩ እዩ ንሃገር ክጠቅም ዝኽእል:: ኮይኑ ግና ንባዕሉ ልዕልና ዝሓስብ ውድብ እዩ::

ሕዚ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክኸውን ዘለዎ ኩሉ እቲ ኣባል እኹል ስልጠና ተዋሂብዎ እዩ ናብ ሓላፍነት ክመፅእ ዘለዎ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ:: እቲ ዋና ድማ ውሽጡ ክፍተሽ ኣለዎ እየ ዝብል:: ብልፅግና ትግራይ ከም እንደጋና ክስተኻኸልን ክፍተሸን ኣለዎ:: ህወሓት ዘይቅኑዕ ኣተሓሳስባ ገዲፉ ናብ ሰላማዊ ዝኾነ መገዲ ክመፅእ ኣለዎ:: ህወሓት ካብ ዘይቕኑዕ ኣተሓሳስባ ወፂኡ ዝተዋህቦ ዕድል ተጠቒሙ ንህዝብን ሃገርን ክጠቅም ዝኽእል መስመር ክኽተል ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ:: 30 ዓመት ኣብ ስልጣን ዝነበሩ መራሕቲ ህወሓት ሕዚ ‘ውን ስልጣን ዝደልዩ እንተኾይኖም ዘሕዝን እዩ:: ነቲ ሓዱሽ ወለዶ ከሕልፉዎ ኣለዎም:: ብዙሕ መንእሰይ ተመሂሩ ስራሕ ዘይረኸበ ኣሎ እዩ:: ነዚ መንእሰይ እዚ ዕድል ክወሃቦ ይግባእ:: ሓደ ሓደ መራሕቲ ህወሓት ዕድመ ልከዖም ኣብ ስልጣን ክነብሩ እዩ ድሌቶም:: ምኽንያቱ ዝለመድዎ ጥቕሚ ስለ ዘሎ እዩ:: ንምንታይ እዩ ከምዚ ኮይኑ እንተይልካ ካሊእ ስልጣን ንቤተሰቦም ከሕልፉ እዮም ዝደልዩ::

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መንግስቲ ምክልኻል ሰራዊት ምስኣውፀአ ኣብ ከቢድ ኩነታት እዩ ዘሎ:: ብዙሕ ሰብ ኣብ ናይ ሓደጋ ጥምዬት እዩ ዘሎ፤ ህወሓት ድማ ንህዝቢ ዝሓስብ ስለዘይኮነ ኣብ ክንዲ ነቲ ዘሎ ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ዝሙኩር ደገፍተይ ዘይነበሩ እናበለ ኣብ ምቕታል እዩ ተዋፊሩ ዘሎ:: ኣብዚ ሕዚ እዋን ከምዚ ዝሕሰበሉ ኣይኮነን:: ክሳብ ሕዚ ሓደ ሓደ ሰባት ኣብ ፀገም ምህላዎም ሓበሬታ ይበፅሐና ኣሎ እዩ:: ህዝቢ ትግራይ ነዚ ውድብ እዚ ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ፤ ክሳብ ሕዚ ዝተሸከሞ ይኣክል እዩ::

 ወጋሕታ፡- ህዝቢ ካብ ዘለዎ ፀገም ወፂኡ ናብ ዝሓሸ ሂወት ክመፅእ ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ ባርያጋብር፡– መንግስቲ ወሲድዎ ዘሎ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምትን ህዝቢ ‘ውን ንክሓስብ ግዜ ምሃብ ፅቡቕ እዩ:: ኮይኑ ግና ህዝቢ ገፁ ናብ ግዝያዊ ምምሕዳር እናመለሰ ስለ ዝነበረ ዝተወሰነ ግዜ ተዝዋሃቦ ነይሩ ፅቡቕ እዩ ነይሩ ዝብል እምነት ኣለኒ:: ህዝቢ እናተረደኦ እዩ ነይሩ:: ብፍላይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ምስ መፀ ብዙሕ ናይ ምስትኽኻል ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም:: ዝኾነ ለውጢ ክህሉ እዩ እናበልኩ እናሓሰብኩ እየ ነይረ:: እቲ መንእሰይ እንተናእሰ ናይ ብልፅግና ኣተሓሳስባ ዋላ ኣይሓዝ ካብ ናይ ህወሓት ኣተሓሳስባ ናፃ ክኸውን ግና እናሰራሕና ነይርና ኢና:: ዝተወሰነ ስራሕቲ ኣብቲ መንእሰይ እናሰራሕና መፂና ነይርና ኢና:: ኮይኑ ግና ከም ስርቒ ዝመሳሰሉ ነገራት የጋጥሙ ስለዝነበሩ እቲ ፀገም መሊእኻ ንምቕራፍ ኣፀጋሚ እዩ ነይሩ:: ንህዝቢ ትግራይ ዘደናግር ሓይሊ ብዙሕ እዩ:: ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ ብዛዕባ ህወሓት ዝሓስብ ቐሊል ኣይነበረን:: ህወሓት ተመሊሱ ክመፅእ እዩ እናበሉ ህዝቢ ዘዳናግሩ ኣካላት ነይሮም እዮም:: ግዝያዊ ምምሕዳር ነዚ ክፍተት ተረዲኡ ብፍጥነት ክሰርሖ ዝግበኦ ነገር ክስርሕ ዘይምኽኣሉ ከም ክፍተት ዝረአናዮ ኩነታት እዩ ነይሩ::

ለውጢ ዝድግፍ ህዝቢ ብዙሕ እዩ ነይሩ፤ ብፍላይ ከባቢ ራያን ተንቤንን ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ደጋፊ እዩ ነይሩ:: ኮይኑ ግና ምሳና ኮይኖም ዝሰርሑ ኣካላት ደሞዝ ብዶክተር ኣብይ እናተኸፈሉ እናዋፅኡ ናብ በረኻ ዝልእኹ ነይሮም እዮም:: ፖለቲካ ዘይምስራሕና ዝተፈጠረ ክፍተት ነይሩ እዩ:: እቲ ህዝቢ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ስለ ዝነበረ ከምኡ ‘ውን ካሊእ ቅዋም ከይህልዎ ፍርሒ ስለ ዘለዎ ብዛዕባ ህወሓት ዝሰብኩ ሰባት እዩ ዘዳምፅ ‘ምበር ንኻሊእ ፓርቲ ብዙሕ እዝኒ ኣይህብን ነይሩ::

ሕዚ ብመንግስቲ ተወሲዱ ዘሎ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ብጣዕሚ ፅቡቕ እዩ:: ህዝቢ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ ክርዳእ ኣለዎ:: ዝጠቅሞን ዘይጠቅሞን ክፈሊ ኣለዎ እንተናእሰ ህወሓት ንሰራሕተኛ መንግስቲ እኳ ዝኸፍሎ ገንዘብ የብሉን:: ህዝቢ ነዚ ክፈልጥ ኣለዎ:: ዝሓስበሉ ግዜ እዩ:: ንሕና ህዝቢ ካብ ፀገም ንምውፃእ ከንሰርሕ እንተለና ህወሓት ግና ናይ ፖለቲካ ስራሕ ጥራሕ እዩ ይሰርሕ ነይሩ:: ህዝቢ ምስ ናይ ለውጢ ሓይሊ ከይጉዓዝ ፍርሒ ኣለዎ እዩ:: ህወሓት ናይ ኣተሓሳስባን ዓቕሚ በጀትን የብሉን:: ንህዝቢ እናፋራርሐ 30 ዓመት ዝኸውን ገዚኡ እዩ:: ሕዚ ድማ ሓደ ሓደ ክፍተት እናተጠቐመ ህዝቢ ኣብ ጎኑ ንምስላፍ ክኢሉ እዩ:: ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ ዝፈጠሮም ክፍታት ነይሮም እዮም፤እዚኦም ህወሓት ንፖለቲካ ተጠቒሙሎም እዩ:: ኣብዚ ሕዚ ግዜ ህወሓት ይቐፅል እንተዝባሃል ካብ መልሓስ ሓሊፉ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ከምፅእ ኣይኽእልን እዩ:: ህዝቢ ከማሕድር ዝኽእል ዓቕምን ገንዘብን የብሉን::

ወጋሕታ፡- ፓርቲ ብልፅግና ካልኦት ፓርቲታት ኣብ ምስታፍ ፀገም ነይርዎ እዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፤እዚ ክንደይ ዝኣክል ሓቒ እዩ?

ኣይተ ባርያጋብር፡– ኣየሳትፍን ዝብል ፕሮፖጋንዳ ሃሶት እዩ፤ ንኹሉ ፓርቲ ኣብ ምስታፍ ፀገም ኣይነበረን:: ኩሉ ፓርቲ ተሳታፋይ እዩ ነይሩ:: እንድያውም ፓርቲ ብልፅግና ሓላፍነት ብትኽክል ምእንቲ ክዋፃእ ብተወሰነ ደረጀ ብልፅግና ክበዝሕ ነይርዎ እየ ዝብል:: ምኽንያቱ ክሳብ ሕዚ ንህዝቢ ዘፅነሐ ብልፅግና እዩ:: ብሓፂሩ ግና ብልፅግና ንኻልኦት ፓርትታት ኣብ ምስታፍ ፀገም ዝነበሮ ፓርቲ ኣይኮነን:: ሓሙሽቲኦም ፓርቲታት ተሳቲፎም እዮም::ኣብ ሓላፍነት መንግስቲ ዝወሓደ ቑፅሪ ዝነበሮ ብልፅግናን ኢዜማን እዩ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበራና ፃኒሕት የቐንየለይ::

ኣይተ ባርያጋብር፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ::

ወጋሕታ 1 ሓምለ 2013 ዓ.ም

Recommended For You