ክብረ በዓላትን ባህላዊ እሴታትን

 ኢትዮጵያ መንበሪ ብሄር ብሄረሰባትን መበቆል ታሪኽ ሃፍቲ ተፈጥሮን ‘ያ። ህዝብታታ ብብዙሕ ባህላውን ሃይማኖታውን እሴታት ተኸቢቦምን ተፋትዮምን ዝነብሩ ተምሳሌታት ፍቕርን ምክብባርን ‘ዮም። ሃገርና ናይ ባዕላ መቑፀሪ ዘበንን ፊደልን ዘለዋ፤ ኣብ ኻልኦት ዓለማት ብዘይርከቡን ተፈተውቲ ብዝኾኑ በዓላት፣ ኣልባሳትን ስርዓት ኣመጋግባን እትፍለጥ ‘ያ።

ልዕሊ 80 ብሄር ብሄረሰባት ዝነብሩላ ምስ ምዃና ኣዝዮም ብዙሓትን ብርሃን ዝተላበሱ እሴታትን ሓበራዊ መንነታትን ኣለውዋ። ዜጋታታ ካብ ሃይማኖቶም ዝቕዳሕ ሃይማኖታዊ ስርዓት ዝተሃነፀ ውቁብ መንነት ልዕሊ ምልባሶም፤ ብምክእኣል ንዘበናት ብሓባር ብምንባር ዘዳበርዎ እሴት ኹሉ ዝእንገዶ መግለፂ ባህልን ኢትዮጵያዊ ቀለምን ‘ዩ።

ካብ መፈለምታ ዓመት ጀሚሩ እስካዕ ዝዛዘም ‹‹ካብ መስከረም እስካዕ መስከረም›› ብዙሓት ተፈተውትን ብሃንቀውታ እንፅበዮምን ክብረ በዓላት፤ ሃይማኖታውን ባህላውን ስነ ስርዓታት ኣብ ኢትዮጵያ ይካየዱ። ሓዱሽ ዓመት ‹‹ቅዱስ ዮሃንስ››፣ ‹‹መስቀል››፣ ኢሬቻ፣ ጨምበላላ፣ ጥምቀት፣ ጊፍታን ኻልኦትን ብሃይማኖታውን ባህላውን ስነ ስርዓታት ዝተሃነፀ ተፈታዋይን ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሎም ክብረ በዓላት፤ሃይማኖታውን ባህላውን ስነ ስርዓታት ኣብ ኢትዮጵያ ይካየዱ ‘ዮም።

ንኣብነት ሎምቕነ ምስ ዝተኸበረ ‹‹በዓል ፋሲካ›› ዝራኸብ ብዙሕ ባህላዊ ስርዓታት ኣለው። እዚ ክብረ በዓል ቕድሚ ምብፅሑ ሰዓብቲ እቲ እምነት ዝገብርዎ ምድላው ፍሉይ ባህላዊ ድምቀት ዝፈጥር ‘ዩ። ኣብ ቕነ እቲ በዓል ስርዓት ዕዳጋ፣ ናይ ማሕረዲ እንስሳት ፣ ባህላዊ ኣከዳድና፣ ዝኣመሰሉን ተዋዲዱ ድምቀት በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ ሓድነትን ፍቕርን ፍሉይ ቦታ ረኺቦም ልዕሊ ዝኾነ እዋን ደሚቖም ዝርኣዩ ኣብ ከም ‹‹ፋሲካ›› ዝበሉ በዓላት ‘ዩ።

ፋሲካ ካብ ዕለቱ ጀሚሩ እስካዕ ዳግማይ ትንሳኤ ዝኽበር ‘ዩ። መእተዊ እቲ በዓል ፀሎተ ሓሙስ እንትኸውን ዋንኡ ድማ በዓል ዓርቢ ስቕለት ‘ዩ። ካብ ባህላዊ መግለፂ በዓል ስቕለት እቲ ሓደ ኣብ ከባቢ ትግራይ ዝዝውተር በዓል ‹‹ሸውላለ›› ‘ዩ።

‹‹ሸውላለ›› ከምቲ ካብ ቃሉ እንግንዘቦ ናፍትን ናብዝን ምምልላስ እንትኸውን ኣብ ከባቢ እንደርታ ቕድሚ ‹‹ዓርቢ ስቕለት›› ዘለዋ መዓልታት ‹‹ሕማማት›› ዝብዓልን ካብ ሸውዓተ እስካዕ 14 ዕድመ ዝርከባ ኣዋልድ ገዛገዛ እናዞራ ሕሩጭ ይእክባ ፤ ኣፍቲ ዝኸዳሉ ገዛ ‹‹ወዲ ውለዳ፣ ተሓጎሳ፣ጓል ውለዳ በዓልቲ ማርዳ›› እናበላ ዜማ ብምቕራብ ሕሩጭ ምስ ኣከባ ኣብ ዕለት ‹‹ዓርቢ ስቕለት›› ምራን ወይ ድማ ገመድ ብምእሳር በብተራ ‹‹ ሸውየ ሸውላለ ፤ዓደይ መቐለ›› እናበላ ዜማ ብምቅብባልን ብምፅዋትን እቲ ዝኣከበኦ ሕሩጭ ድማ ሕምባሻ ብምስንካትን ተኣኪበን ብምብላዕን የሕልፍኦ።

በዓል ‹‹ሸውላለ›› ምስ በዓል ‹‹ፋሲካ ዘለዎ ባህላዊ ርክብ ዓበይቲ ኣዴታት ከምዝብልኦ ኣይሁድ ንጎይታ እየሱስ ክርስቶስ ሓሙስ ጀሚሮም እናንገላትዑ ‹‹ሸውላለ›› እናበሉ ዓርቢ ኣብ መስቀል ከምዝሰቐልዎ ንምዝካር ‘ዩ ይብላ።

ኣብ መእተዊ ንምጥቃስ ከም ዝፈተናዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍፀሙ መግለፂ ማሕበረሰብ ዝኾኑ እሴታት ብሙሉኦም ናይ ሓባር ሃፍቲ ‘ዮም። ካብ ሃይማኖታዊ ግድኦም ብተወሳኺ ባህላዊ እሴታት ዝደምቑሎም ብዙሓት ክብረ በዓላት ተፋትዮምን ተኸባቢሮምን ምስ ዝነብሩ ማሕበረሰባት ይርከቡ።ናይዚ ኹሉ ድምር ድማ ኢትዮጵያ ዝብል ሓደ ሓበራዊ መንነት ፈጢሩ ‘ዩ።

በዓላት ብዝመፁ ቑፅሪ ሰዓብቲ እቲ ሃይማኖት ዘይኮኑ ከይተረፉ ተዓደምቲ ‘ዮም። ንኣብነት ዝኣክል ሎሚ ቕነ ዝተኸበረ በዓል ‹‹ፋሲካ›› ፍቕሮም ዘርእዩ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ምስ ክርስትያን መሓዙቶምን ኣሕዋቶምን የኽብሩ። እዚ ካብ ሃይማኖታዊ ግደ ሓሊፉ ሓድነታዊ እሴት ክዳብር ዝገብር ‘ዩ።

ብተመሳሳሊ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ፆም ረመዳን ስዒቡ ኣብ ዝግበር ስነ ስርዓት ኣፍጥር ፍቕሮምን ንጎራብቶም ዘለዎም ኣኽብሮትን ኣፍቲ ስነ ስርዓት (ኣፍጥር) ብምርካብ ይገልፁ።

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ባህልን በዓልን ዝተፈለየን ፅቡቕን ርክብ ኣለዎም። ነዚ ‘ዩ ድማ ሃገርና ኢትዮጵያ ታሪኽ ብዙሕ ዘበነ መንግስቲ፣ ምጩው (ሰሓባይ) ባህልን መንነትን ዘለዎም ብሄረሰባት ብሓባር ተዋዲዶምን ተኣሳሲሮምን ከምዝነብሩላ ብጋህዲ ዝርኣይ ሓቂ ‘ዩ እንብል።

ኹሎም ዜጋታት ኢትዮጵያውነት ከይገደፉን እሴትን መንነትን ዝመፁሉ ማሕበረሰብ ከይሸራረፉ ብሓባር ብምንባር ወነንቲ ኣሽሓት ዓመታት ‘ዮም። ነዚ ድማ በዓላት ፋሲካን ረመዳንን ኣብነት ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሓድነት ህዝብታት ዝፈታተኑ ብዙሓት ኣጋጣምታት ነይሮም ‘ዮም። ኾይኑ ግና ብጥንኩር ሓድነትን ተጋድሎን ነቶም ፀገማት በታቲኾም ብምሕላፍ ኣብዚ በፂሖም ‘ዮም።

ንድምቀት ክብረ በዓላትና ‹‹ሆያሆየ›› እናበሉ ዘኽብሩልናን ‹‹ረመዳን ከሪም›› እናተበሃሃሉ ዝመራረረቑን ሓድነቶም ኣጠናኺሮም ንዝነብሩ ሰናይ በዓል/ዒድ ንኹላትና።

 ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 20 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም

Recommended For You