‘
– ሸኽ ሓሰን መሓመድኑርኣላህ
ሸኽ ሓሰን መሓመድኑርኣላህ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ ሳሕርቲ ከተማ ግጀት ዝተወለዱ እንትኾኑ፤ ከብ ቐዳማይ ክፍሊ ጀሚሮም ክሳብ 10ይ ክፍሊ ‘ውን ኣብ ከተማ ግጀት ‘ዮም ተማሂሮም፤ ሼክ ሓሰን ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣባል ዓረና ኮይኖም ዘገልገሉ እንትኾኑ ቕድሚ ናብዚ ውድብ እዚ ምእታዎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ዝተቐመጡ ኮይኖም ኣባል ብኣዴን ‘ውን ነይሮም ‘ዮም። ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ ሳሕርቲ ከተማ ግጀት ሓላፊ ፀጥታን ኣመሓዳሪ ዝነበሩ ኮይኖም ሐዚ ኣባል ብልፅግና ‘ዮም። እንበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኣድሂብና ምስ ሸኽ ሓሰን መሓመድኑርኣላህ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከም ዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።
ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ እንታይ ተዝግበር ይሓይሽ ይብሉ?
ሸኽ ሓሰን፡- ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ከቢድ ኩነታት ‘ዩ ዝኒሀ። ተዓፊኑ ‘ዩ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ገጢምዎ ዝኒሀ ከቢድ ፀገም ንኽወፅእ ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስቲ ፌዴራልን ቐልጢፉ ክበፅሐሉ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ለውጢ ከይኣኽሎ ድሕሪ ለውጢ ‘ውን ናብ ዝገደደ ኩነታት ተሳጢሑ ‘ዩ፤ ብሰንኪ እዚ ጉጅለ እዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ግዜ ደርጊ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ‘ዩ ዝኒሀ። ደቑ ብኩናት ይሃልቑ ኣለዉ ‘ዮም።
ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ መማረፂ ኣስኢኑዎ ‘ዩ ዘሎ፤ ከይዕምፅ ‘ውን ብሓይሊ ይዕፈን ኣሎ። ብፍላይ መብዛሕትኡ መንእሰይ ትግራይ ተገዲዱ ናብ ቓልሲ ክወፍር እናተገብረ እንትኸውን ዝተወሰነ ድማ ብናይ ሓሶት ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ተታሊሉ ኣብ ጎኒ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ብምስላፍ እናተዋገአ ‘ዩ ዝርከብ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም እዚ ክወፅእ እንተኾይኑ መንግስቲ ፌዴራል በቲ ጀሚርዎ ዘሎ ቓልሲ ኣበርቲዑ ብምቕፃል ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ከውፀኦ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ብዝኸኣሎ መጠን ነቶም ገበነኛታት ኣሕሊፉ ኣብ ምሃብ ናይ ባዕሉ እጃም ክፃዎት ይግበኦ።
ወጋሕታ፡- ትግራይ ናብ ሰላም ከትምለስ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ እንታይ ግደ ክፃወት ኣለዎ ይብሉ?
ሸኽ ሓሰን፡- መጀመርታ መንግስቲ ፌዴራል ናብ ክልል ትግራይ ክኣቱ እንተሎ ዕልል ኢሉ ተቐቢልዎ ነይሩ ‘ዩ። ኮይኑ ግና እቲ መሓውር ዘይፀረየ ስለ ዝነበረ ፀገማት ኣጋጢሞም ‘ዮም። ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካላት ውሽጢ ንውሽጢ ነቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ይሕግዙ ነይሮም ‘ዮም። ብፍላይ ድማ መንግስቲ ፌዴራል ሓረስታይ ቐለብ ዓመቱ ክእክብ ዝኽእል ኣብ እዋን ክረምቲ ስለ ዝኾነ ክሓርስ ብምሕሳብን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ከይወድቕን ብምሕሳብ ሰራዊቱ ምስ ኣውፀአ እቲ ጉጅለ ከም እንደጋና ንህዝቢ ብምትላልን ብምግዳድን ኣብ ጎኑ ኮይኑ ክቓለስ ኣላዓዒልዎ ‘ዩ።
ልዕል ኢለ ከም ዝገለፅክዎ ህዝቢ ትግራይ ተዓፊኑ ‘ዩ ዝኒሀ፤ ህዝቢ ክገብር ዝኽእል ደቑ ኢዶም ንመንግስቲ ብሰላም ክህቡ ክመክር ‘ዩ ዘለዎ። ከምኡ ‘ውን ነቶም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ኣሕሊፉ ክህብ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዘለዎ ፀገም ክወፅእ ኣብ ጎኒ መንግስትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክስለፍ ኣለዎ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ብዝኸኣሎ ኩሉ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ክብል ኣለዎ።
ወጋሕታ፡- ከም ዝፍለጥ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሰላም ንምምፃእ ወሳኒ ‘ዩ፤ ብፍላይ ድማ ምስ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ተተሓሒዙ መንእሰይ ትግራይ ሰላም ንኽሰፍን ክፃወቶ ዝግበኦ እጃም እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ?
ሸኽ ሓሰን፡- ትኽክል ‘ዩ፤ ኣብ ሓቲ ሃገር ሰላም ንምስፋን መንእሰይ ወለዶ ወሳኒ ‘ዩ፤ ዘይነዓቕ ግደ ኣለዎ። ናብ መንእሰይ ትግራይ ከንመፅእ እንተለና ድማ እዚ መንእሰይ እዚ ትግራይ ናብ ሰላም ከትምለስ ዘይነዓቕ ግደ ክፃወት ይኽእል ‘ዩ። በርግፅ ከምቲ ዝፍለጥ መንእሰይ ትግራይ ፈትዩ እንተይኮነስ
እንተይፈተወ እናተሓፈሰ ‘ዩ ናብ ውግእ ዝኣቱ ዘሎ። ገሊኡ ድማ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ጉጅለ ህወሓት ተታሊሉ ‘ዩ። መንእሰይ ትግራይ ኣይጋደልን እንተበለ ብሓይሊ ይዕፈን ስለ ዘሎ ዘለዎ መማራፂ ኢዱ ብሰላም ንመንግስቲ ምሃብ ‘ዩ። ካሊእ መማራፂ የብሉን። ዝሓሸ መማረፂ እዚ ‘ዩ። መንእሰይ እናረኣየ ክሃልቕ የብሉን። ንሃገር ‘ውን ዓብዪ ጉድኣት ‘ዩ። ኮይኑ ግና ዝምልከቶ ኣካል ቐልጢፉ ክበፅሐሉ ኣለዎ።
ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ክጠቕም ኣይኽእልን፤ ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ኣይጠቐሞን፤ ክልል ትግራይ ብልምዓት ብጣዕሚ ዝተጎድአት ክልል ‘ያ። ካሊእ ይቕረ እቲ መሰረታዊ ዝበሃል ነገር ‘ውን የብላን። ንኣብነት ማይ ዘይብለን ወረዳታት ኣለዋ። መሰረተ ልምዓት ዝበሃል ነገር የብላን። ዝተበደለ ህዝቢ ‘ዩ። መንእሰይ ወይ ህዝቢ ትግራይ እዚ ይፈልጥ ‘ዩ። ብናፃነት ክዛተን ክማኸርን ኣይኽእልን። ሓደ ንሓሙሽተ ብዝብል ኣሰራርሓ ቖሪኑ ብምሓዝ ነንርእሱ ክተሓላሎ ‘ዩ ገይርዎ። ስለዚ ዘለዎ ኣማራፂ መንግስቲ ቐልጢፉ ክበፅሐሉ ኣለዎ፤ ከምኡ ‘ውን ተገዲዱን ተታሊሉን ዝዓጥቕ ዘሎ መንእሰይ ኢዱ ብሰላም ንመንግስቲ ኣብ ምሃብ ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ክኽእል ኣለዎ።
ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘብፀሖ ጉድኣት ከመይ ይሪእዎ? ብፍላይ ድማ ኣብ ኣብያተ እምነት ዝበፅሐ ዕንወት?
ሸኽ ሓሰን፡- ኣብ ኣብያተ እምነት ዕንዎት ምፍፃሙ እዚ ጉጅለ እዚ ሃይማኖት ዘይብሉ ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ። እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ጥራሕ እንተይኮነስ ቕድሚኡ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ‘ውን ዕንወት ፈፂሙ ‘ዩ። ንኣብነት ታሪኻዊ ዝኾነ መስጊድ ነጋሽ ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ። ንህዝቢ ዝጠቕም ኣጀንዳ ዘይብሉ ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ፤ ንህዝቢ ዝጠቕም ኣጀንዳ ተዝህልዎ ነይሩ ከምዚ ዝበለ ኣፀያፊ ተግባር ኣይንፈፀመን።
ብኻሊእ ወገን ከምዚ ዓይነት ተግባር ዝፍፅም ሓይሊ ዓቕሚ ዘይብሉ ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ። እዚ ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን እዚ ሓይሊ እዚ መንግስቲ ክኸውን ዘይኽእል ምዃኑ ካብ ተግባሩ ከንርዳእ ንኽእል ኢና። ትኽክለኛን ቕኑዕን ዕላማ ዘለዎ ተዝኸውን ነይሩ እንስሳ ኣይንቐተለን፤ ሲቪላት ኣይምረሸነን፤ ትካላት ህዝቢ ‘ውን ከዐኑ ኣይምኸኣለን ነይሩ።
ኣብ ዓፋር ይኹን ኣብ ኣምሓራ ዝተገብረ ጨፍጫፍ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝተፈፀመ ገይርካ ‘ውን ‘ዩ ዝውሰድ ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ኣካል ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ኣብኡ ዝነበሩ ተጋሩ ‘ውን ግዳይ እቲ ግፍዒ ኮይኖም ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኩሎም ክልላት ‘ዩ ዝነብር። ምስ ኩሉ ህዝቢ ተዋሊዱ ‘ዩ። ንኣብነት ኣነ ዓዲ ኣቦይ ጎንደር ‘ዩ። ኣብ ጎንደር ብዙሕ ቤተሰብ ኣለኒ። ኣብ ዓፋር ‘ውን ብዙሕ ትግራዋይ ኣሎ ‘ዩ። ስለዚ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነብር ትግራዋይ ‘ውን በቲ ጉጅለ ግፍዕታት በፂሕዎ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣምሓራ ይኹን ዓፋር ከይዱ ከይዓርፍ ገይርዎ ‘ዩ። እዚ ተግባር ድማ ብኻልኦት ህዝቢታት ካልኣይ ተበዲሉ ምስ ባዕሉ እቲ ጉጅለ ክስለፍ ዝገበሮ ተንኮል ‘ዩ።
እዚ ጉጅለ እዚ ህዝቢ ትግራይ መፀግዒ ስኢኑ ኣብ ጎኒ እቲ ራዕዳዊ ክስለፍ ‘ዩ ዝገብር ዘሎ፤ ህዝቢ ትግራይ ካሊእ መፀግዒ ተዝረክብ ነይሩ ሓዲግዎ ክኸይድ ነይሩ ‘ዩ። ኣብዙይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘለና ኣባላት ብልፅግናን
ካልኦትን ተጋሩ ‘ውን ከንእሰር ገይሩ ‘ዩ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣቱ መሲልዎ ብተለኣኣኽቱ ገይሩ ከየምልጡ እሰርዎም ኢሉ ብደገፍቱ ገይሩ ‹‹ደገፍቲ ህወሓት›› ኢኹም ብዝብል ዒባራ ምኽንያት ከንእሰር ተገይሩ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ከም ዝሓሰቦ እንተይኮነ ተሪፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ እንተይኣተወ ተሪፉ ተወቒዑ ክምለስ ተገይሩ ‘ዩ። ኣይተሳኸዐሉን። ንኣብነት ኣነ ኣባል ብልፅግና ‘የ፤ ኮይኑ ግና ትጥርጠር ኢኻ ኢሎም ኣብ ፒያሳ 3ኛ ዝባሃል 45 መዓልቲ ተኣሲረ ‘የ። ደሞዘይ ‘ውን ተኣጊደ ‘የ። ካልኦት ከማይ ዝበሉ ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም። እዚ ካብ ድሌት መንግስቲ ወፃኢ ‘ዩ ዝግበር ዘሎ።
ሐዚ መንግስቲ ፀገምና ተረዲኡ ቐልጢፉ እንድሕር ዘይፈቲሑልና ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ኢና ዘለና። ብሰንኪ ህወሓት ዝተፈጠረ ፀገም ትግራዋይ ብዝኸዶ ኣብ ጥርጣረ ከወድቕ፣ ተቐባልነት ከይረክብን ዝተፈላላዩ ግፍዕታት ክበፅሖን እናገበረ ‘ዩ ዘሎ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ኣምሓራ ይኹን ህዝቢ ዓፋር ለባም ስለ ዝኾነ ኣብ ትግራዋይ ግፍዒ ኣየብፀሐን ‘ዩ። ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝኸዶ ክጭፍጨፍ እሞ ሃገር ከትፈርስ ‘ዩ ድሌቱ ኮይኑ ግና ዝሳኸዐሉ ኣይኮነን።
ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ተግባር እቲ ጉጅለ ይርደኦ ኣሎ ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ብርክት ዝበለ መሰረተ ልምዓት የዐኑ ኣሎ፤ ደቑን ንብረቱን ይስእኖ ኣሎ ‘ዩ፤ ብሰንኪ እዚ ጉጅለ እዚ ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ኩናት ‘ዩ ዝገጥሞ ዘሎ። ንምንታይ ደኣ ዘይዕምፅ እንተይልና ግና ልዕል ኢለ ከምዝበልክዎ ‘ዩ፤ እናተዓፈነ ስለ ዝኾነ ‘ዩ። ሓሰቡ እንተገለፀ ‘ውን ባንዳ እናተብሃለ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይበፅሖ ከም ዘሎ ይፍለጥ ‘ዩ። ኣነ ንባዕለይ ብዙሕ ግፍዒ በፂሑኒ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንሰላም ክብል ‘የ ሰራዊተይ ኣውፂአ ምባሉ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?
ሸኽ ሓሰን፡- ራዕዳዊ ህወሓት ምእንተ ሰላም ኢለ ‘የ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ወፂአ ምባሉ ፍፁም ሓቒ ክኸውን ኣይኽእልን ‘ዩ። ብሓሊ ተወቒዑ ‘ዩ ወፂኡ፤ ተሳዒሩ ወፂኡ እናሃለወ ንሰላም ክብል ‘የ ወፂአ ምባሉ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምጭብርባር ‘ዩ። ራዕዳዊ
ጉጅለ ህወሓት ምጭብርባር ኣመሉ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ሰላም ዝደሊ ተዝኸውን ነይሩ መንግስቲ ፌዴራል ሓራስታይ ትግራይ ክሓርስ ብምሕሳብ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ከውፅእ እንተሎ ንምንታይ ናብ ወረራ ኣትዩ? ንህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ዘይሓሰበ ነይሩ? ምስ ተሳዕረ ንሰላም ቕሩብ ስለ ዝኾንኩ ‘የ ዝተቖፃፀርክዎም ቦታታት መገዛ ባዕይ ወፂአ ምባል ናይ ምትላል ፈተነ ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ግና በዚ ዝዕሾ ኣይኮነን፤ ይፈልጥ ‘ዩ።
ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ሓሶትን ምጭብርባርን ስርሑ ‘ዩ። ንኣብነት መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ብምሕሳብ ሰራዊቱ ምስ ኣውፀአ ብሓይልና ኣውፂእናዮ ኢሉ ‘ዩ። ኣነ ንባዕለይ ናይ ፀጥታ ኣመሓዳሪ ‘የ ነይረ፤ ውፁ ተባሂልና ኢና ወፂና። ህዝቢ ትግራይ በዚ ዝታለል ኣይኮነን፤ ተንኮል ራዕዳዊ ህወሓት ይፈልጥ ‘ዩ። ሓሶት ምዃኑ ብዝግባእ ይፈልጥ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ኮይኑ ግና ምዕራባውያን ሃገራት ”ህወሓት‘ ንሰላም ኢሉ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከም ዝወፀን ንሰላም በሪ ዝኸፍት ከም ዝኾነን ገይረን ብኣወንታዊ መልክዕ ክገልፀኦ ‘የን ዝስመዓ፤ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?
ሸኽ ሓሰን፡- ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራባውያንን ኣብ ጎኒ ህወሓት ምዃን ዝጀመራሉ ሐዚ ኣይኮነን፤ ንምንታይ ኣብ ጎኒ ራዕዳዊ ህወሓት ኮይነን እንተይልና ኣብ ኢትዮጵያ ድሌተን ዘፈፅመለን እዚ ጉጅለ እዚ ‘ዩ። በዚ ጉጅለ እዚ ኣቢለን ንኢትዮጵያ ከንበርክኻ ‘ዩ ድሌተን። ከምዚ ምባለን ንህዝቢ ትግራይን ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንዕቐት ‘ዩ። ድሌተን ሃገር ምፍራስ ‘ዩ። ከም ዝፍለጥ እቲ ጉጅለ ሃገር ንምፍራስ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ፤ ምዕራባውያን ‘ውን ብተመሳሳሊ። ስለዚ እዞም ኣካላት እዚኦም ዕላመኦም ሓደ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ”ብወፍሪ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት‘ ዝወሰዶ መጥቓዕቲ ዛዚሙ ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ጠጠው ክብል ምእዛዙ፤ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ‘ዩ?
ሸኽ ሓሰን፡- መንግስቲ ንግዚኡ ጠጠው ዝበለ ይመስለኒ፤ ንሱ ድማ ናይ ባዕሉ ምኽንያት ክህልዎ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ከም ዝመስለኒ ሰራዊት ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣትወሉ ብስምዒት ተዳፋፊኡ ጌጋታት ከይፍፅም ይመስለኒ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ነቶም ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ ተረጋጊዑ ክሓስበሉ ‘ዩ፤ ኣብቲ ክልል ዝተሓዋወሰ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ ገሊኡ ኣካል ህወሓት እንትኸውን እቲ ካሊእ ድማ ለውጢ ደላዪ ህዝቢ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ንፁህ ህዝቢ ከይጉዳእ መጀመርታ ወታደር ክወስዶም ዘለዎም ጥንቓቐታት ግንዛበ ንኽገብር ‘ዩ።
መንግስቲ ኩሉ ነገር ኣስተኻኺሉ ኣብ ዘድለዮ ግዜ ክኣቱ ይኽእል ‘ዩ። ወታደራዊ ስነ ምግባር ኣምሂርካን ምትዕርራያትን ገይርካ ንምእታው ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ። ከምዚ ምግባሩ ድማ ፅቡቕ ሓሳብ ‘ዩ፤ ህዝቢ ድማ ክተሓባበር ኣለዎ፤ ህዝቢ ነቶም ገበነኛታት ኣሕሊፉ እንተሂቡ ካብቲ ፀገም ክናገፍ ‘ዩ ዝብል ግምት ‘ዩ ዘለኒ፤ሰራዊት ‘ውን ምስ ህዝቢ ኢድን ጓንትን ብምዃን ክሰርሕ ኣለዎ። እዚ ጉጅለ እዚ ብፍላይ መንግስቲ ካብቲ ክልል ምስ ወፀ ኣባላት ብልፅግና ነይርኩም እናበለ ብዙሕ ህዝቢ ብምዕፋን ኣበይ ከም ዝአተዎም ኣይፍለጥን።
ወጋሕታ፡- መንግስቲ ክጅምሮ ሓሲብዎ ዘሎ ሃገራዊ ምይይጥ መድረኽ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ረብሕኡ ከመይ ይገልፅዎ?
ሸኽ ሓሰን፡- መንግስቲ ሃገራዊ ምይይጥ ክካየድ ኮምሽን ብምፅዳቕ ጀሚርዎ ዘሎ ሃገራዊ ምይይጥ ብጣዕሚ ፅቡቕ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ሃገርና ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘላ ይፍለጥ ‘ዩ። ህወሓት ኣብ 27 ዓመት ህዝቢ ነንባዕሉ ክጠራጠር
ሸኽ ሓሰን፡- መንግስቲ ንግዚኡ ጠጠው ዝበለ ይመስለኒ፤ ንሱ ድማ ናይ ባዕሉ ምኽንያት ክህልዎ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ከም ዝመስለኒ ሰራዊት ናብ ትግራይ ኣብ ዝኣትወሉ ብስምዒት ተዳፋፊኡ ጌጋታት ከይፍፅም ይመስለኒ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ነቶም ገበነኛታት ኣሕሊፍካ ኣብ ምሃብ ተረጋጊዑ ክሓስበሉ ‘ዩ፤ ኣብቲ ክልል ዝተሓዋወሰ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ ገሊኡ ኣካል ህወሓት እንትኸውን እቲ ካሊእ ድማ ለውጢ ደላዪ ህዝቢ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ንፁህ ህዝቢ ከይጉዳእ መጀመርታ ወታደር ክወስዶም ዘለዎም ጥንቓቐታት ግንዛበ ንኽገብር ‘ዩ።
መንግስቲ ኩሉ ነገር ኣስተኻኺሉ ኣብ ዘድለዮ ግዜ ክኣቱ ይኽእል ‘ዩ። ወታደራዊ ስነ ምግባር ኣምሂርካን ምትዕርራያትን ገይርካ ንምእታው ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ። ከምዚ ምግባሩ ድማ ፅቡቕ ሓሳብ ‘ዩ፤ ህዝቢ ድማ ክተሓባበር ኣለዎ፤ ህዝቢ ነቶም ገበነኛታት ኣሕሊፉ እንተሂቡ ካብቲ ፀገም ክናገፍ ‘ዩ ዝብል ግምት ‘ዩ ዘለኒ፤ሰራዊት ‘ውን ምስ ህዝቢ ኢድን ጓንትን ብምዃን ክሰርሕ ኣለዎ። እዚ ጉጅለ እዚ ብፍላይ መንግስቲ ካብቲ ክልል ምስ ወፀ ኣባላት ብልፅግና ነይርኩም እናበለ ብዙሕ ህዝቢ ብምዕፋን ኣበይ ከም ዝአተዎም ኣይፍለጥን።
ወጋሕታ፡- መንግስቲ ክጅምሮ ሓሲብዎ ዘሎ ሃገራዊ ምይይጥ መድረኽ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ረብሕኡ ከመይ ይገልፅዎ?
ሸኽ ሓሰን፡- መንግስቲ ሃገራዊ ምይይጥ ክካየድ ኮምሽን ብምፅዳቕ ጀሚርዎ ዘሎ ሃገራዊ ምይይጥ ብጣዕሚ ፅቡቕ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ሃገርና ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘላ ይፍለጥ ‘ዩ። ህወሓት ኣብ 27 ዓመት ህዝቢ ነንባዕሉ ክጠራጠር
እንተይኮነስ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ‘ውን ክሳተፍ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ጎኒ እቲ ናይ ለውጢ ኣካል ጠጠው ብምባል ክሕግዝ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ቐልጢፉ ካብዚ መከራ እዚ ዝወፀሉ ኩነታት ክስራሕ ኣለዎ።
ካብዚ ገበነኛ ጉጅለ እዚ ህዝቢ ትግራይ ሓራ ተዘይወፂኡ እናተጎድአ ክነብር ይኽእል ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ በዚ ኩናት እዚ ብጣዕሚ ‘ዩ ተሓስዩ። ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ክሳራ ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ። ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ጀሚርዎ ዘሎ ብሄራዊ ምይይጥ ተሳታፊ ንኽኸውንን ፀገሙ ክፍታሕን ህዝቢ ትግራይ ነቶም ገበነኛታት ኣሕሊፉ ክህብ ኣለዎ። እዚ ምይይጥ እዚ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ ሓጋዚ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብዚ ኩሉ ትግራዋይ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ዝወፀሉ ኩነታት ክሰርሕ ኣለዎ።
ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?
ሸኽ ሓሰን፡- ህዝቢ ትግራይ መስተውዐሊ ህዝቢ ‘ዩ፤ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ፈልዩ ይፈልጥ ‘ዩ፤ መንግስቲ ፌዴራል ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀገም ንኽወፅእ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ጠጠው ክብል ኣለዎ። ነቶም ብሕጊ ዝድለዩ ገበነኛታት ኣሕሊፉ ንምሃብ ክሰርሕ ኣለዎ። እቲ ገጢምዎ ዝኒሀ ፀገም ከብቕዕ ዝኽእል ነዚኦም ኣሕሊፉ ብምሃብ ‘ዩ።
ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሐዚ ዘይጠቐሞ ሐዚ ክጠቕሞ ኣይኽእልን። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ብደረጃ ኢትዮጵያ ክፅላእ ገይርዎ ‘ዩ፤ ሐዚ ‘ውን እናገበረ ‘ዩ፤ ህወሓት ምስ ህዝቢታት ኢትዮጵያ
ብምፅላእ ኣብ ጎኑ ብምስላፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ሃገር ንምፍራስ ይሰርሕ ከም ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ይፈልጥ ‘ዩ፤ ብውልቐ መለኽቲ ከይተታለለ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ጠጠው ክብል ኣለዎ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ኣካሉን ወገኑን ምዃኑ ተረዲኡ ሕውነቱን ሓድነቱን ከጣናኽር ኣለዎ።
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዘለዎ ኣራኣእያ ኣወንታዊ’ምበር ኣሉታዊ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ሕውነትን ፍቕርን ዝደሊ ህዝቢ ‘ዩ። ህዝቢ ምስ ህዝቢ ፀገም የለን በርግፅ ብሰንኪ ህወሓት ዝተፈጥረ ግዝያዊ ፖለቲካዊ ቕርሕንቲ ክህሉ ይኽእል ‘ዩ፤ እዚ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ። ንህዝቢ ሰላም ዘስእንዎ ኣካላት ህዝቢ ኣሕሊፉ ክህብ ኣለዎ።
ህዝቢ ትግራይ ብኩናት ከይኣኽሎ ብሕፅረት መድሓኒትን ምግብን ይመውት ኣሎ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ህፃናትን ኣዴታትን ዝኸፍአ መከራን ስቓይን እናበፅሐ ‘ዩ ዘሎ። መንግስቲ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ቐልጢፉ ክበፅሐሉ ኣለዎ።
መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ሃገር ሰላም ከትኸውን ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ ይግባእ፤ ንሓቒ ክቖሙ ኣለዎም፤ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባልን ሰላም ኣብ ምምፃእ ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ ይግበኦም። ንሓቒ ጠጠው ጠጠው ክብሉ ኣለዎም፤ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ይኹን ህዝቢታት ዝፍጠር ቕርሕንቲ ከተዓርቑ ኣለዎም። ሰላም ኣብ ምምፃእ ተጊሆም ክሰርሑ ኣለዎም።
ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።
ሸኽ ሓሰን፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንምግላፅ ስለ ዝዓደምኩምኒ የቕንየለይ።
መኣርግ ገ/ሄር
5 ጥሪ 2014 ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ