‹‹ መንእሰይ ትግራይ ሰላም ንምምፃእ ወሳኒ እጃም ክፃወት ኣለዎ ››- ኢንስፔክተር ዓወት ኣብርሃ

ኢንስፔክተር ዓወት ኣብርሃ ይባሃሉ፤ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝተወዱ እንትኾኑ ካብ ቐዳማይ ብርኪ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሃፃይ ዮሃንስ መቐለ ‘ዮም ተማሂሮም። ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምስ ወድኡ ብኤሌክትሮ መካኒካል ኢንጅነሪንግ ቐዳማይ ዲግሪ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ‘ዮም ተማሂሮም። ድሕሪ ምምራቖም ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ፖሊስ ኦርኬስራን ፖሊስ ኮሙሽንን ዝሰርሑ ኮይኖም ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣባል ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ኮይኖም ኣብ ኣቃቂ ቃልቲ ክፍለ ከተማ ኣብ ሰላምን ፀጥታን ተወካሊ ብምዃን እናሰርሑ ይርከቡ። እንበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኣድሂብና ምስ ኢንስፔክተር ዓወት ኣብርሃ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከም ዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ። ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ እንታይ ተዝግበር ይሓይሽ ይብሉ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ህዝቢ ትግራይ ከም ዝፍለጥ ብጣዕሚ ኣብ ከቢድ ኩነታት ‘ዩ ኣትዩ ዝኒሀ። ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ብዙሕ ፀገማት ዘሕለፈ ህዝቢ ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ 45 ዓመት ሰለስተ ግዜ ኩናት ኣሕሊፉ ‘ዩ። ብዙሕ መከራን ስቓይን በፂሕዎ ‘ዩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ሕማቕ ምሕደራ ህወሓት ‘ዩ። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፍሊዎ ‘ዩ። ካብ ዘመነ ደርጊ ጀሚሩ ክሳብ ናይ ሻዕብያ ወራር እንተሪእና ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኮነን። ሐዚ ድማ ብሰንኪ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዝተወለዐ ኩናት ህዝቢ ትግራይ ሂወት ደቑ ብኸንቱ እናኸፈለ ‘ዩ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ረኺቡ ከይሓድር ብሰንኪ እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ዝኒሀ። ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣትይዎ ዝኒሀ ፀገም እዚ ንምውፃእ ክገብሮ ዝግባእ ኣንፃር ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ። ህወሓት ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝሽቕጥ ጉጅለ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ሓይሊ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ተሓባቢሩ ከውግዶ እንተኺኢሉ ትግራይ ካብዚ ሐዚ ገጢምዋ ዘሎ ፀገምን መከራን ሓራ ከትወፅእ ትኽእል ‘ያ። መንግስቲ ነዚ ጉጅለ እዚ ንምውጋድ ይፅዕር ኣሎ ‘ዩ። እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ኣሰር መንግስቲ ተኸቲሉ ዝከኣሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ። ህወሓት ዝብሎ ኣብ መሬት ዘየለን ወይ ካብ ሓቂ ዝራሓቐን ስለ ዝኾነ ክሰምዖ የብሉን። ደቑ ናብ ምግዳል ከይኸዱ ክመኽሮም ኣለዎ፤ ሓደ ግዜ ዝኸዱ ድማ ኢዶም ንመንግስቲ ክህቡ ኣለዎም። ብተወሳኺ ህወሓት ኮነ ኢሉ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ንምፅላእ ኣብ ዝገብሮም ተግባራት ምፍላጥ የድሊ ‘ዩ፤ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ክታለል የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቲ ህዝቢታት ሓድነቱ ብዝግባእ ከጣናኽር ኣለዎ። ንሕና ከም ፓርቲ ትዴፓ ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ፀገም ንኸትናገፍ ምስ መንግስቲ ዝኸኣልናዮ ኩሉ ንስርሕ ኣለና ኢና። ህዝቢ ይተሐባበር ኣሎ ‘ዩ። ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ተተሓባቢሩ ትግራይ ካብቲ ገጢምዋ ዘሎ ፀገም ከትወፅእ ትኽእል ‘ያ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። እዚ ፀገም እዚ ናይ ትግራይ ፀገም ጥራሕ ኣይኮነን። ትግራይ ማለት ክፋል ኢትዮጵያ ‘ያ። እዚ ፀገም ናይ ትግራይ ‘ዩ ኢልካ ስኽ ክባሃል የብሉን። ኣብ ትግራይ ውሽጢ ‘ውን ተወሲኑ ኣይተረፈን። ናይ ትግራይ ፀገም ጥራሕ ተገይሩ ክውሰድ የብሉን። ከምቲ ኩልና ንፈልጦ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምልሓዅ ብዙሕ ክሳራታት ኣጋጢሙ ‘ዩ። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ብኣግባቡ ቖላሕታ ረኺቡ ተዘይተፈቲሑ ሰዓብየኑ ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ ዝኸውን። ጁንታ ኣብዞም ክልላት እዚኦም ዘጥፈኦም ጥፍኣታት ኩሉና ርኢናዮ ኢና። ብዙሕ ሂወት ሰብ፣ መሰረተ ልምዓት ጠፊኡ ‘ዩ። ዜጋታት ተንጋላቲዖም ‘ዮም። ንብረቶም ተቓፂሉ ‘ዩ። ብሓፈሻ ናይዚ ኩሉ መዘዝ እዚ መንቐሊ ራዕዳዊ ህወሓት ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌዴራልን ህዝቢታት ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ከውግዶ ኣለዎ። እዚ ጉጅለ እዚ እንተዘይተወጊዱ ሰላም፣ ሓድነት፣ ፍቕሪ፣ልምዓት፣ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝባሃል ክህሉ ስለ ዘይኽእል ብፍላይ ድማ ትግራይ ከም ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ፀገም ከትወፅእ ስለ ዘይትኽእል ህወሓት ክውገድ ምግባር ጥራሕ ‘ዩ መፍትሒኡ። ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኮነ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዘብፀሖ ጉድኣት ከመይ ትሪኦ? ከም ፓርቲ ዘለኩም ቕዋም ከ እንታይ እዩ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ህወሓት ካብ መጀመርያ ኣትሒዙ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ፀገም እናፈጠረ መፂኡ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ውሑዳት ኣመራርሓ ህወሓት ህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ፀላኢኻ ‘ዩ እናበሉ ንህዝቢ ትግራይ ክሰብክዎ ፀኒሖም ‘እዚ ምስኻዕ ምስኣበዮም ኮነ ኢሎም ንህዝቢ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንምልዕዓል ብዙሕ ግፍዕታት ፈፂሞም ‘ዮም። እዚ ንሕና ከም ትዴፓ ኣጥቢቕና ኢና ንኹንኖ። ህዝቢ ትግራይ ጎረባብቱ ህዝቢታት ተተጠቒሞም ‘ዩ ክጥቐም ዝኽእል። ህዝቢ ትግራይ ከምዚ ዓይነት ባህሪ የብሉን። ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ስለ ዝኾነ ‘ዩ መሰረተ ልምዓት ከዐኑ ክኢሉ። ኣብ ትግራይ ዝፈፀሞ ዕንዎት መሰረተ ልምዓት ከይኣኽሎ እንደጋና ኣብ ክልላት ኣፋርን ኣምሓራን ምድጋሙ፣ እዚ ጉጅለ እዚ ፀረ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ምዃኑ ‘ዩ ዘርኢ። ስለዚ ንሕና ከም ትዴፓ እዚ ዕንወት እዚ ኣጥቢቕና ኢና ንቓወሞ፤ ክኸውን ዘይነበሮ ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ዝዓነወ መሰረተ ልምዓትን ተሓጋጊዙ ክትከኦ ኣለዎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ምትሕግጋዝ ባህሉ ‘ዩ። ከምዚ እንተኾይኑ ሓድነት፣ ፍቕሪ፣ ልምዓትን ፍትሕን እናሰፈነ ‘ዩ ዝኸይድ። መንግስቲ ኣብዚ ቖላሕታ ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ንሰላም ክብል ‘የ ሰራዊተይ ኣውፂአ ምባሉ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ እዚ ጉጅለ እዚ ኣብዞም ክልቲኦም ክልላት እዚኦም ብዙሕ ገበናት ፈፂሙ ‘ዩ። ዝኹሉ ገበን ፈፂምካ ንሰላም ክብል ‘እየ ወፂአ ምባል ንዓይ ትኽክል ኮይኑ ኣይስምዐንን። ብስሩ ‘ውን ተሳዒሩ ‘ዩ ወፂኡ ‘ምበር ብናይ ባዕሉ ፍቓድ ኣይኮነን ወፂኡ። እዚ ናይ ምድንጋር ፕሮፖጋንዳ ‘ዩ። ህዝቢ ዓለም ንምድንጋር ‘ዩ። ንኣመሪካ ሓዊሱ ንምዕራባውያን ሃገራት ንሰላም ክብል ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ወፂአ ኣለኹ ኢሉ ኣሎ። እዚ ፈፂሙ ክኸውን ኣይኽእልን ‘ዩ። መንግስቲ ብዝወሰዶ ተኸታታሊ መጥቓዕቲ ምፅዋር ስለ ዘይከኣለ ‘ዩ ተፀራሪጉ ወፂኡ። በዚ’ውን ዓሪፉ ዝቕመጥ እንተይኮነስ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ዝተፈላለዩ ናይ ራዕዳዊነት ስራሕቲ ካብ ምስራሕ ንደሓር ዝብል ኣይኮነን። ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ህወሓት ድሌት ሰላም የብሉን። ድሌት ሰላም ተዝህልዎ ነይሩ ቕድሚ ሕዚ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ንሰላም ክሓቶ እንተሎ ንልዝብ ቕሩብ ክኸውን ነይሩ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ብፍላይ ቐንዲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክዳናገር የብሉን። ሓድነቱ ብምጥንኻር ዝጀመሮ ስጉምቲ ክሳብ መወዳእታ ክደፍአሉ ኣለዎ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ እዚ ጉጅለ እዚ እናሃለወ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተረጋጊዑ ሰላሙን ልምዓቱን ከሳልጥ ኣይኽእልን። ቕድም ከም ዝበልክዎ ህዝቢ ዓለም ንምድንጋር ተዘይኮይኑ ናይ ሰላም ድሌት ዘለዎ ሓይሊ ‘ውን ኣይኮነን። ወጋሕታ፡- ኣሜሪካ ሓዊሱ ምዕራባውያን ሃገራት ህወሓት ንሰላም ኢሉ ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከም ዝወፀን ከምኡ ‘ውን ንሰላም በሪ ዝኸፍት ከምዝኾነ ኣምሲለን ብኣወንታዊ መልክዕ ክገልፀኦ ይረአያ ‘የን፤ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና፤ ኢንስፔክተር ዓወት፡- ኣሜሪካ ወይ ሃገራት ምዕራባውያን ክሳብ ሐዚ ኣብ ጎኒ እዚ ራዕዳዊ ጉጅለ ብምዃን እናደገፈኦ ‘የን ዝርከባ። ህወሓት ‘ውን ናታተን ወኪል ‘ዩ። በዚ ጉጅለ እዚ ኣቢለን ‘የን ድሌተን ንምስኻዕ ዝሰርሓ ዘለዋ። እዚ ቅድሚ ሐዚ እናሰርሓሉ ዝመፃ ጉዳይ ‘ዩ፤ ሓዱሽ ኣይኮነን። ብጥቕሚ ዝተኣሳሰረ ስራሕ’የን ዝሰርሓ ዘለዋ። ኢትዮጵያ እንተተረጋጊዓ ከትዓቢ ‘ያ፤ሰብኣውነት ሓሲበን እንተይኮናስ ኢትዮጵያ ከይትረጋጋዕ ብምግባር ናይ ባዕልተን ጥቕሚ ንምሕላው ‘የን ዝሰርሓ ዘለዋ። እንትዓብያ ጥቕምና ክጎድለና ‘ዩ ብዝብል ‘የን ነዚ ጉጅለ እዚ እናሓገዛ ዝርከባ። ናይዘን ሃገራ እዚአን ታሪኽ እንተሪእና ‘ውን ራዕዳዊ ሓይሊ ብምሕጋዝ ዝፍለጣ ሃገራት ‘የን። ይኹን ‘ምበር ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ምንቕስቓስ ዝሳኸዐለን ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ታሪኽ ኣቦታትቱ ብሓደ ሰሚሩ ክቓለስ ኣለዎ። ኢትዮጵያውያን ሓድነትና እንተብርቲዕና ከንስዓር ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ምዕራባውያን ይኹና ኣሜሪካ፣ ህወሓት ንሰላም ኢሉ ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ወፂኡ እናበለ ብኣወንታዊ መልክዕ ምዝራበን ክሕግዘኦ ስለ ዝደለያ ‘ምበር እቲ ሓቒ ጠፊእዎን ኣይኮነን። ወጋሕታ፡- መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ‹‹ብወፍሪ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት›› ዝወሰዶ መጥቓዕቲ ዛዚሙ ሰራዊት ኣብ ዘለዎ ጠጠው ክብል ኣዚዙ ኣሎ፤ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ‘ዩ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- መንግስቲ ነዚ ራዕዳዊ ሓይሊ እዚ ካብ ክልቲኡ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስ ኣውፀኦ፣ ሰራዊት ናብ ክልል ትግራይ ከይኣቱ ትእዛዝ ምምሕልላፉ ኣነ ብወገነይ ትኽክል ኣይኮነን ኢለ ‘የ ዝኣምን። ምኽንያቱ እዚ ራዕዳዊ ጉጅለ እዚ እንተይጠፍአ ሃገር ሰላም ከትኸው ኣይትኽእልን። እዚ ራዕዳዊ ሓይሊ እዚ ጠቕሊሉ እንተይጠፍአ መንግስቲ ፌዴራል ስጉምቲ ጠጠው ከብል የብሉን። ትግራይ ናይ ራዕዳዊ ሓይሊ መዕቖቢት ከትኸውን የብላን። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ራዕዳዊ ሓይሊ እዚ ቐልጢፉ ክናገፍ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ። ስለዚ ከም ‘ቶም ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓራ ክወፅእ ኣለዎ። ወጋሕታ፡- ትግራይ ናብ ሰላም ከትምለስ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ እንታይ ግደ ክፃወት ኣለዎ ይብሉ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ህዝቢ ትግራይ ከም ማንም ህዝቢ ሰላም ዘድልዮ ህዝቢ ‘ዩ። ቕድሚ ሐዚ ብዙሕ ፀገም በፂሕዎ ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ናብ ሰለም ክምለስ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ምስ ፌዴራል መንግስትን ህዝቢታት ኢትዮጵያን ሓድነት፣ሰላምን ፣ፍቕሪን ብምጥንኻር ሰላም ንዘስእነና ዘሎ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ክቓለሶ ኣለዎ። ካብዚ ዓፋኒ ጉጅለ እዚ ሓራ ክወፅእ እንተኾይኑ መንግስቲ ፌዴራል ዝህቦ ጠቃሚ ሓሳብ ብምቕባል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ጠንኪሩ ብምቕላስ ከም ‘ቶም ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓራ ክወፅእ ኣለዎ። ምስ መንግስቲ ፌዴራል ጥንኩር ርክብ ክህልዎ ኣለዎ። ክናበብ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ሆ ኢሉ ተላዒሉ ሓደ ብምዃን ክምክቶ ኣለዎ። ብፍላይ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ዝሓሸ ዕድል ስለ ዘለዎ ምስ ብሄር ብሄረሰባት ኢድን ጓንትን ኮይኑ ብምቕላስ ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ክኽእል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ትግራይ ህወሓት እናሃለወ ሰላም ክረክብ ኣይኽእል። ህወሓት ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ጀሚሩ ሰላም ረኺቡ ኣይፈልጥን። ምስ መንግስቲ ፌዴራል እናተዛተየ ሰላም ዝኾነሉ ኩነታት ክፈጥር ኣለዎ። መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም እዚ ሓራ ንምውፃእ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ዝርከብ ይኹን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ምስ መንግስቲ ብምንባብ ህወሓት ንምጥፋእ ክፅዕር ኣለዎ። ድሕሪ ለውጢ ኢትዮጵያ ናይ ራህዋ፣ ሰላም፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሕን ብልፅግናን መገዲ ትኽተል ኣላ ‘ያ፤ ራዕዳዊ ህወሓት ግና ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሰላም፣ራሕዋ ዲሞክራሲ፣ ልምዓትን ፍትሕን ከይረክብ ካብ ናይ ሰላም መገዲ ኣውፂኡ ናብ ኩናት ‘ዩ ኣእትይዋ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ብልፅግና፣ ራህዋ….. የድልዮ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ራዕዳዊ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ጥንኩር ርክብ ከይህልዎ ‘ዩ ዝገብር ዘሎ። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምንፃል እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣየድልን። ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራይ ብራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ከይተታለለ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስቲ ፌዴራልን ደው ብምባል ኣንፃር እዚ ጉጅለ እዚ ተቓሊሱ ሓራ ክወፅእ ይግበኦ። ኣብዚ ሐዚ እዋን እዚ ጉጅለ እዚ ህወሓት ከም ሽሙ ናይ ራዕዲ ተግባር ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ሓይሊ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ድማ ንዘይውክሎን ዘይጠቕሞን ጉጅለ ክእዘዞ የብሉን። ምኽንያቱ ጥቕሚ ህዝቢ ትግራይ ከኽብር ኣይኽእልን። ናብ ዝነበሮ ሰላምን ራህዋን ክምለስ እንድሕር ኮይኑ ነዚ ሓይሊ እዚ ብቐዳምነት ከውግዶ ኣለዎ። ዘይጠቕሞ ፓርቲ ምዃኑ ክርዳእ ኣለዎ። ራዕዳዊ ኢኻ ኣይትውክለንን ክብሎ ኣለዎ። ህዝቢ ክዛተ ኣለዎ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ኣንፃር ህወሓት ንኽዛተ ዕድል ዘይክህልዎ ይኽእል ‘ዩ። ክፅገም ይኽእል ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ምችው ባይታ የብሉን። ምኽንያቱ ይዕፈን ይግደድን ‘ዩ ዘሎ። ነዚ እንተዘይኽኢሉ ድማ ዝዓጥቕ ዘሎ መንእሰይ ኢዱ ንመንግስቲ ክህብ ኣለዎ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ደገ ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ህዝቢ ክሕግዞ ኣለዎ። መንግስቲ ምስ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ተደሚሩ ህዝቢ ትግራይ ሓጋዛይ እንተኾይኑ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሓራ ክወፅእ ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ህዝቢ ትግራይ እናተገደደን እናተታለለን ‘ዩ ዝቓለስ ዘሎ ‘ምበር ደላዪ ኩናት ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ከም ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ሰላም፣ ልምዓት፣ ራህዋን ቕሳነትን ዘድልዮ ህዝቢ’ዩ፤ ዕቤትን ለውጥን ዝደሊ ህዝቢ ‘ዩ። እቲ ዋና ፀገም ውሑዳት ኣመራርሓ ህወሓት ምእንተ ስልጣኖምን ጥቕሞምን ኢሎም ‘ዮም ህዝቢ ኣብ ዘይደልዮ ፀገምን መከራን ዘእትውዎ ዘለዉ። መንእሰይ ትግራይ ንጥቕሚ ውሕዳት ኣመራርሓ ህወሓት ኢሉ ሂወቱ ክስእን የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ርእሱ ኣድኒኑ ክነብር የብሉን በርቲዑ ብምቕላስ ንሓንሳብን ንሓዋርን ከጥፍኦ ኣለዎ። ህወሓት እናሃለወ ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ ሰላም ክረክብ ኣይኽእልን። ህዝቢ ትግራይን ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዘለዎ ሰላምን ፍቕርን እንተጠንኪሩ ‘ዩ ህወሓት ብቐሊሉ ክውገድ ዝኽእል። ህዝቢ ትግራይ ፃምእ ውሕዳት ኣመራርሓ ህወሓት ንምርዋይ ኢሉ ደቑ ክግብር የብሉን። ፈፂሙ ኣሰር ህወሓት ከኽተል የብሉን። ህወሓት ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሰላምን ፍቕርን ክህሉ ኣይደልን። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ምስ ህዝቢ ትግራይ ንምፅላእ ኣብ ክልላት ኣምሓረን ዓፋርን ኣትዩ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ፈፂሙ። ኣብዚ ንቕሓት የድሊ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ፀላኢ ክውሰድ የብሉን። ምኽንያቱ ህወሓት ዝደሊ ከምዚ ‘ዩ። ህወሓት ብዝደልዮ መገዲ ምኻድ ኣየድልን ‘ዩ። ተግባር ህወሓት ተግባር ህዝቢ ትግራይ ክኸውን ኣይኽእልን ‘ዩ። ብዙሕ ግዜ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ነንበይንቶም ምዃኖም ተዘሪቡ ‘ዩ። እቲ ሓቒ ‘ውን እዚ ‘ዩ። ህወሓት ውድብ ‘ዩ፤ ከም ማንም ፓርቲ ክሓልፍ ይኽእል ‘ዩ። ህዝቢ ግና ነባሪ ‘ዩ። ወጋሕታ፡- ከም ዝፍለጥ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ሓንቲ ሃገር ሰላም ንምምፃእ ዘይናቐቕ ግደ ኣለዎ፤ ብፍላይ ምስ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ተተሓሒዙ መንእሰይ ትግራይ ሰላም ንኽመፅእ ክፃወቶ ዝግበኦ እጃም እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ? ኢንስፔክተር ዓወት፡- ኣብ ዝኾነ ዓዲ ሰላም ንምምፃእ ግደ መንእሰይ ቐሊል ኣይኮነን። ናብ ትግራይ ከንመፅእ እንተለና መንእሰይ ትግራይ ሰላም ንምምፃእ ወሳኒ እጃም ክፃወት ይኽእል ‘ዩ። እጃም መንእሰይ ትግራይ ክኸውን ዝግበኦ ምእንተ ሰላምን ዕቤትን ሃገሩ ክሰርሕ ኣለዎ። እምቢ ንኹናት ክብል ኣለዎ። መገዲ ሰላም ክኽተል ኣለዎ። እዚ ክብል እንተለኹ ኣንፃር ራዕዳዊ ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ ማለተይ ‘የ። ኢዱ ንመንግስቲ ፌዴራል ብምሃብ ናይ ባዕሉ ኣወንታዊ ግደ ክፃወት ኣለዎ። ከምዚ እንተገይሩ ህወሓት ክጠፍእ ስለ ዝኽእል ሰላም ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ። ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ጉጅለ እዚ ብዙሕ ኩናት ኣሕሊፉ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ኣብ ኩናት ክነብር የብሉን። ብተደጋጋሚ ብሰንኪ ኩናት ሂወቱ ኣብ ፀገም ወዲቑ ‘ዩ። መንእሰይ ሰላምን ፍቕርን ‘ዩ ዘድልዮ። እምቢ ንኩናት ብምባል ምስ መንግስቲ ክሓብር ኣለዎ። ህወሓት ክጠቕሞ ኣይኽእልን። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከም ዘይጠቕም ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። ንረብሓ ውሱናት ሰበ ስልጣን ኢሉ ሂወቱ ክግብር የብሉን። ንልምዓትን ሰላምን ጥራሕ ክስለፍ ኣለዎ። ምስ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ምስ ዘይደሊ ሓይሊ ክስለፍ የብሉን። ህወሓት ንምድምሳስ መንግስቲ ብዘመቻቸዎ መገዲ ተጠቒሙ ክቓለስ ኣለዎ። ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ? ኢንስፐክተር ዓወት፡- ኣብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝነብር ትግራዋይን ብዛዕባ ሰላም፣ ዲሞክራሲን ልምዓትን ትግራይ ክሓስብ ኣለዎ። ሓድነት፣ ሰላም ፣ ፍቕሪ፣ ዲሞክራሲ ክሓስብ ኣለዎ፤ መንግስቲ ፌዴራል ዝደሊ ፍትሒ፣ ለውጢ ሰለምን ዲሞክራስን ‘ዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ክጥቐም ዝኽእል ካብዚ ብምዃኑ ብምግንዛብ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ክቓለስ ኣለዎ። ኣንፃር እዚ ጉጅለ እዚ እናተቓለሰ ንዕቤት ሃገሩ ክሓስብ ኣለዎ። ናይ ሰላም ዘተ ክገብር ኣለዎ። ምስ ህዝቢታት ኢትዮጵያን መንግስትን ኢድን ጓንትን ኮይኑ ንህወሓት ብምውጋድ ናብ ንቡር ሰላሙ ክምለስ ኣለዎ። ብሕጊ ዝጥየቑ ኣካላት ንመንግስቲ ከርክብ ኣለዎ። መንግስቲ ሰላም፣ ዲሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ፍትሒ ዝደሊ ምዃኑ ክርዳእ ኣለዎ። ትዴፓ ‘ውን ምእንተ ሰላምን ራሕዋን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን በርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። መንእሰይ ትግራይ ተገዲዱ ናብ ታዕሊም ይወፍር ከምዘሎ ንሪኦ ኣለና ኢና። ገሊኡ ተታሊሉ እንትኸውን ገሊኡ ድማ ተገዲዱ ‘ዩ። ፓርቲ ትዴፓ፣ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሰላም ንኽመፅእ በርቲዑ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ዝጥቐመሉ ኩነታት እናሰርሐ ይርከብ። መንግስቲ ፌዴራል ብፍላይ ዘቕርቦ ዘሎ ናይ ሰላም ፃውዒት ህዝቢ ትግራይ ክቕበል ኣለዎ፤ ደቕና ንኩናት ኣይንህብን ክብል ኣለዎ። ዝዓጠቑ መናእሰይ ‘ውን ኢዶም ብሰላም ንመንግስቲ ብምሃብ ናብ ዝሓሸ ናብራ ክምለሱ ኣለዎም። ምኽንያቱ እዚ ኩናት እዚ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይጠቕምን። ህወሓት ኣብ መሬት ዘየለ ነገር መፁኻ ሓረዱኻ እናበለ ህዝቢ የታልል ‘ዩ ዘሎ ፤ እዚ ሓሶት ምዃኑ ብምርዳእ ክነፅጎ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ብሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ክታለል የብሉን ዝብል መልእኽቲ ከመሓላልፍ ይደሊ። ወጋሕታ፡- የቕንየልና። ኢንስፔክተር ዓወት፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

28 ታሕሳስ 2014 ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

መኣርግ ገ/ሄር

Recommended For You