መኣርግ ገ/ሄር
ራዕዳዊ ህወሓት ኩናት ከፊቱ ሃገሩ ናብ ፀገም ብምእታው ብፍላይ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኮነ ኢሉ ዕንወት ፈፂሙ ‘ዩ። ብብዙሕ ድኻም ዝተሃነፁ፣ ብሃፍቲ ሃገር ዝተሃነፁ ትካላት ከም ዘይነበሩ ገይሩ ‘ዩ። ብፍላይ ፅባሕ ሃገር ተረካቢ ዝኾነ ወለዶ ዝፈርየለን ትካላት ትምህርቲ ዝበፀሐ ዕንወት ብጣዕሚ መሕዘኒ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ናይቲ ጉጅለ ኣረሜናዊ ባህሪ ብግልፂ ዘርኢ ‘ዩ። ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ምስ ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ልምዓት ላዕለዋይ ትምህርቲ ዶክተር ሳሙኤል ክፍሌ ኣብ ዝዓነዉ ኣብያተ ትምህርቲ ኣድሂቡ ዘካየዶ ቓለ መሕትት ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ከም ዝስዕብ ኣዳልይናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ።
ሕቶ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ትካላት ትምህርቲ ዘብፀሖ ዕንወታት ከመይ ይገልፅዎ?
ዶክተር ሳሙኤል፦ ሃገር በዚ ራዕዳዊ ጉጅለ እዚ ምኽንያት ዝኣተወቶ ኩናት ብዙሓት ጉድኣት በፂሕዋ ‘ዩ። ኣብ ኢኮኖሚና ልዑል ጉድኣት ተመዝጊቡ ‘ዩ። ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ኢኮኖሚ ዝበፅሐ ጉድኣት ቐሊል ኣይኮነን።
ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ጉድኣት ብምብፅሑ ምኽንያት ትካላት ትምህርቲ ናይ መጀመርያ ተጠቓዕቲ ኮይነን ‘የን። ሕዚ ጥራሕ እንተይኮነ ኣብ ናይ መጀመርያ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ‘ውን እንተኾነ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ትምህርቲ ከቢድ ጉድኣት በፂሑወን ‘ዩ። ነዚ መንግስቲ ብፍላይ ናይ መጀመርታ ምኽባር ሕጊ ምስ ዛዘመ ከም ሃገር ብዙሕ መዋእለ ንዋይ ብምምዳብን እቲ ክልል ክፋል ሃገርና ‘ዩ ብምባል ብዙሕ ስራሕቲ ተሰሪሑ ህዝቢ ናብ ዝተረጋገዐ ናብራ ክምለስን ተምሃራይ ክመሃር ኣብ ዘፈር ጥዕና ዘሎ መሰረተ ልምዓት ተስተኻኺሉ ስራሕ ክጅምር ማሕበራዊ ግልጋሎት ክህቡ ብዙሕ ፃዕሪታት ተገይሩ ‘ዩ። ብወገን መንግስቲ ተደጋጊሙ ከም ዝተገለፀ ካብ 23 ጥቕምቲ 2013 ዓ.ም ክሳብ 30 ሰነ 2013 ዓ.ም ምኢቲ ቢልዮን ብር ካብ መንግስቲ ወፃኢ ኮይኑ ‘ዩ። እዚ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ እዚ ተዘይህሉ ነይሩ እዚ ገንዘብ እዚ ልምዓት ተዝስረሐሉ ነይሩ ሃገር ክንደይ ዝኣክል ተጠቓሚት ከትኸውን ከምዝነበረት ምግማት ይከኣል ‘ዩ።
እዚ ሓይሊ እዚ ኩናት ኣብዝወለዖ ቦታ ተሓፂሩ ኣይቐረየን፤ ብፍላይ መንግስቲ ተኹሲ ጠጠው ምስ ኣበለ ስዒቡ ከም ድኽመትን ፍርሓትን ብምቑፃር ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ጥቕዓት ብምስፋሕ ኣብ ከይዲ ድማ ሙሉእ ኢትዮጵያ ክነፍርሳ ኢና ብምባል ንታሪኻዊ ፀላእትና ብምግልጋል ሃገር ናይ ምውራድ ስራሕቲ ሰሪሑ ‘ዩ። እቲ ፀግም እናበኣሰ ምስ ከደ ኩሉ ከባቢኡ ክሕሉ ሰራዊት ምክልኻል ከጣናኽርን ዝኸኣለ ናብ ግንባር ብምዝማት ሃገር ከድሕን ወፍሪ ህላወ ተኣዊጁ ‘ዩ።
ራዕዳዊ ህወሓት ንኢትዮጵያ ምድኻም ዝብል ኣጀንዳ ስለ ዘለዎ ክሳብ ሕዚ ዝተለፍዖም መሰረተ ልምዓታትን ትካላትን ብምልኦም ብዘይ ምንም ርህራሀ ጉድኣት ኣብፅሒሎም ‘ዩ። ኣብዚ ኩናት እዚ ትካላት ትምህርቲ ናይቲ ጉድኣት ተኻፈልቲ ኮይኖም ‘ዮም።
ከም ሃገር ዝበፅሐ ዕንወት ዘፃሪ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ትካላት ትምህርቲ ብዝምልከት ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ብሓፈሻ ኣብ ሴክተር ትምህርቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ንምርኣይ ብኣካል ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ኢና። ኣብ ክልል ኣምሓራ ደቡብ ጎንደር፣ ደቡብ ወሎ፣ ሰሜን ሸዋ፣ ሰሜን ወሎ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዓፋር ካሳጊታን ግንባር ጭፍራ ከይድና ኣብ ዝረኣናሉ ናብ 846 ትካላት ዳርጋ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኖም ‘ዮም። 4ሺሕን 500ን ትካላት ድማ መሰረታዊ ዝበሃል ጉድኣት በፂሕዎም ‘ዩ። ብሓፈሻ ቤት ትምህርቲ ጥራሕ ልዕሊ 6ሺሕ ዝኾኑ ትካላት ኣብ ፀገም ኣትዮም ‘ዮም። እዚ ንሃገር ዓብዪ ጉድኣት ‘ዩ። እዞም ትካላት ትምህርቲ እዚኦም ብምስኣና ደቕና ክነምህር ኣይንኽእልን፤ ነዚ ከም እንደጋና ንምስራሕ ብርክት ዝበለ ገንዘብ የድሊ፤ ትምህርቲ ጠጠው ብምባሉ ሂወቶም ዝጉድኡ ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም። ካብ 150ሺሕ ዘይንእሱ መምህራን በዚ ምኽንያት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ተጎዳእቲ ኮይኖም ‘ዮም። ሂወቶም ተናጊዑ ‘ዩ።
ብቐጥታ በቲ ኩናት ምጉዳእ ጥራሕ እንተይኮነስ ኩናት ኣብዘይተኻየዶም ከባቢታት ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ በቲ ኩናት ዝተፋናቐሉ ወገናት መዕረፊ ንምዃን ተገዲደን ‘የን። ስለዚ ሴክተር ትምህርቲ ሰፊሕ ጉድኣት በፂሕዎ ‘ዩ ምባል ይከኣል። 2ነጥቢ 5 ሚሊዮን ተምሃራይ ብቐጥታ ምስቲ ኩናት ብዝተታሕዘ ካብ ትምህርቲ ተኣጓጕሎም ‘ዮም። እዚ ጠቕላላ ዕንወቱ ኣብ ክልቲኡ ክልል እናተሰርሐ እንትኾን ነዚ ክንደይ ቢልዮን የድልየና ዝብል እናተፀንዐ ‘ዩ።
እዚኦም 2ነጥቢ 5 ሚልዮን ዝበፅሑ ተምሃሮ ከመይ ገይርና ኢና ብዝናእሰ ኩነታት ‘ውን እንተኾነ ትምህርቲ እነጅምሮም ዝብል ነገር ሓቢሩ እናተሰርሐ ‘ዩ።
ሕቶ፡- ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝበፅሐ ዕንወት እንታይ ይመስል?
ዶክተር ሳሙኤል፦ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ተመሳሳሊ ‘ዩ፤ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ናይ ወልዲያ ናይ ወሎ መቕደላ ኣምባ ቐዳማይ ካምፓስ ሰፊሕ ጉድኣት በፂሑ ‘ዩ። ንምግላፅ ዘኽእል ስምዒት የብለይን። ንሕና ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ኣብ ዝረኣናዮ ብጣዕሚ ሓዚና ኢና። ብፍላይ ንሕና ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ዝፀናሕና ምስቶም ትካላት ዝቐረበ ርክብ ዘለና ሰባት እዞም ዩኒቨርስቲታት እዚኦም ቕድሚ 6 ወይ 7 ኣዋርሕ እንታይ ይመስሉ ከም ዝነበሩ እንፈልጥ፣ኣብዚ ንምብፃሕ እንታይ ዝኣክል ሃፍቲ ከም ዝፈሰሶም ከትርደኦ እንተለኻ እቲ ኩነታት ልቢ ዝሰብር ‘ዩ።
ምዝራፍ ንህወሓት ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን። ባህሪኡ ‘ዩ። ናይ መወዳእታ ጭካኒኡ ከንርኢ ‘ዩ ገይሩና። ዝኻኣሎ ፅዒኑ ዝወሰዶ እንትኾን ዘይከኣሎ ድማ ኣባላሽዎ ከይዱ ‘ዩ። ኮምፒተራት ፅዒኑ ወሲድዎን ‘ዩ። ክፅዕኖ ዘይደለ ድማ ተወሳኺ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምስዳድ ክቓፀላ ምግባሩ ብጣዕሚ ዝገርም ‘ዩ። ትካላት ግልጋሎት ከይህቡ ገይሩ ኣባላሽዮም ‘ዩ ከይዱ።
ኣብዞም ዩኒቨርስቲታት እዚኦም ትምህርቶም ይከታተሉ ዝነበሩ ተምሃሮና ናብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ንምምዳብ ተገዲድና ኢና። እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ እዞም ትካላት እዚኦም ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ናብ ስርሖም ንኽምለሱ እናሰራሕና ንርከብ። ብሓፈሻ ዝበፅሐና ጉድኣት ልቢ ዝሰብር ‘ዩ። ኮይኑ ግና ንፀላእትና እንገብሮ ነገር ክነሪኦም ኢና።
ንናይ ደገ ሓይልታት ሃገርና ክተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢልና ኣርኢናዮም ኢና። ጓንተኦም ዝኾነ ህወሓት ‘ውን እኹል መግረፍቲ ረኺቡ ‘ዩ። ናይ ደገ ፀላእትና ድማ ብዝሓዝዎ ጓንቲ ንሃገርና ኣብ ሓዊ ንምኽታት ዝገበርዎ ፃዕሪ ኣይተሳኸዐሎምን። እዚ ኣርኢናዮም ኢና። ቐፂልና ድማ ንሳቶም ዘፍረስዋ ኢትዮጵያ ከመይ ዝሓሸት ከምትኸውን ክነርእዮም ኢና። ራዕዳዊ ህወሓት መሰረተ ልምዓት ብምፍራስ ናይ መወዳእታ ጭካንኡ ዘርአየ እንትኸውን ንዓና ግና ፍልፍል ጥንካረና እዩ ኮይኑና።
ሕቶ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ 27 ዓመታት ሃገር ብዘፍርስ ፖሊሲ ትምህርቲ ሃገር እናጎድአ ምፅንሑ ከይኣኽሎ ሕዚ ‘ውን ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቖላሕታ ብምግባር ጉድኣት ምፍፃሙ እንታይ የመላኽት?
ዶክተር ሳሙኤል፦ ከም ህወሓት ዝበለ ውደብ ብቕርበት ታሪኹ ንዝተኸታተሉ፣ ንዝፀሓፉ፣ ንዘንበቡ ሰባት ነብሲ ወከፍ ስጉምቲ መሰረታዊ ተፈጥርኡ ዘርአየ ‘ዩ። ህወሓት ንትግራይ ሓራ ከውፀኣ ‘የ ኢሉ ኣብ ዝተቓለሰሉ ግዜ ይኹን ናይ ዓለም ኩነታት ተመቻችይሉ ሃገር እናመርሐ ኣብ ዝፀንሐሉ ግዜ ቐፂሉ ለውጢ፣ ፍቕርን ይቕርታን ሰላምን ተፀይፉ እንትወፅእ ካብኡ ድማ ኣገዲዱ ናብ ኩናት እንተእትወና ብፍላይ ናይ ቕድሚኡ ባህርይ ንዝፈልጥ ሰብ ዝገብር ዘሎ ነገር ብትኽክል ባህሪኡ ዝገልፅእ ‘ዩ። ዕላምኡ ጠንካራ ኢትዮጵያ ከይትህሉ ምስ ዝደልዩ ሓይልታት ምሕባር ‘ዩ።
ንኢትዮጵያ ብኸመይ ንደሓር ምምላስን ምክፍፋልን ይከኣል ዝብል ዕላማ ‘ዩ ዘለዎ። መጀመርያ እንተኽኢሉ ካብ ናይ ኩልና ልቢ ኢትዮጵያውነት ምጥፋእ ‘ዩ። ኢትዮጵያውነት ጠጠው ዝበለሉ እሴት ምጥፋእ፣ ባህሊ፣ ታሪኽ ብምህሳስ ብታሪኽና ‘ውን እንተኾነ ከይንስማዕማዕ ምግባር ‘ዩ።
ታሪኽ ኣጣሚሙ ብምቅራብ ነንባዕሉ ዘይስማዕማዕን ዝጠራጠርን ማሕበረሰብ ምፍጣር ‘ዩ ነይሩ ዕላምኡ። ምስራቕ፣ ምሕሳው፣ ቐቲሉ ብሓባር ኮይኑ ምድላይ ንህወሓት ንቡር ስርሑ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ካብ ኢትዮጵያውነት እሴት ከንወፅእ ዝገብሮ ኣካል ፃዕሪ ‘ዩ። ናይ ሃገር መሰረተ ልምዓት ኣታሓሒዙ ሃገር ሓደ ዝገብር ኣብ ሃገር ጠጠው ምባል ‘ዩ ። ነዚ ምሽርሻር ድማ ቕድሚ 47 ዓመት ጀሚሩ ዝሰርሖ ስራሕ ‘ዩ።
ነዚ ክሕግዞ ድማ ግዜ ዝሃቦ ናይ ፖለቲካን ናይ ሃፍቲ ስልጣንን ተጠቒሙ መንነት ህዝቢ ምጥፋእ ‘ዩ። ካብኡ ብምቕፃል ሃገር ድኻ ከትኸውን መሰረተ ልምዓት ምዕናው ‘ዩ። ኮይኑ ግና እሴታትና ኢትዮጵያውነትናን ሓቦናን እንተልዩ ተሓባቢርና ሓደ ከንኸውን ኢና። ዝጠፍአና ኩሉ ከንረኽቦ ኢና።
ብኻሊእ ወገን ኣብ ስልጣን ዘመኑ ዝሃበና ናይ ትምህርቲ ስርዓት ትውልዲ ከይሓስብ፣ ከየስተንት፣ ከይሕትት፣ ታሪኹ ከይፈልጥን ኢትዮጵያ ካብ ልቡ ከትጠፍእን ስሚዒት ዘይብሉ ንዓበይቲ፣ ንሃይማኖትን ንባህሊን ክብሪ ዘይብሉ ማሕበረሰብ ምፍጣር ‘ዩ ነይሩ። እዚ ኩሉ ገይርዎ ‘ዩ። ኣብ ኣብያተ ትምህርትና ጥራሕ እንተይኮኑስ ኣብ ትካላት ሃይማኖት፣ ብባህሊ ንዳንዮም ከባቢታት ኩሉ ‘ዩ። ፍትሒ ዝህቡ ትካላትናን ባህላዊ ሃፍትና ክዳኸሙ ገይሩ ‘ዩ።
ኣብ ትውልዲ ትምህርቲ እንታይ ይገብር ዝብል ስምዒት ክፍጠር 17 ዓመት ተማሂሩ ስራሕ ዝስእነሉ ወይ ዝረኽቦ ደመወዝ ዘይምእኻል፤ ኮይኑ ግና ምንም እንተይተምሃረ ናብ ህወሓት ዝተፀገዐ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ሚሊየነር ዝኾነላ ሃገር ፈጢሩ ዜጋታት ትምህርቲ ክንዕቑ፣ ምምሃር ድማ እንታይ ይገብር ክብሉ፣ ምስራቕ ትኽክል ከም ዝኾነ፣ምምሃር ጌጋ ከም ዝኾነ ከምኡ ‘ውን ድኽነት ከም ዝኾነ ገይሮም ክሓስቡ ገይሩ ‘ዩ።
ነንባዕልና ከይንከባበር፣ ንእሽተይ ንምዕባዩ ከየኽብር፣ መምህራን ብተምሃሪኦም ከይኽበሩ፣ ብተወሳኺ ገምጋም ዝባሃል ስርዓት ዘርጊሑ ብተምሃሪኦም ክዋረዱ ነንባዕሎም ኣብ ቕርሕንቲ ክኣትዉ ገይሩ ፀኒሑ ‘ዩ።
ኣመራርሓ ህወሓት ጥራሕ ዝበልዎ ክስማዕ፣ ዝሓቶም ሓሲቦም እዚ ንምንታይ ኮነ፣ ከምዚ ክኸውን ድዩ ዘለዎ ዝብል ትውልዲ ከይፍጠር ስርዓት ትምህርቲ ናይ ምብልሻው ስራሕ ካብ ምስርሖም ንላዕሊ ትምህርቲ ኣባፂሕና ዝብል ታርጋ ጥራሕ፣ ሽቓቕ እኳ ብኣግባቡ ዘይብሎም ኣብያተ ትምህርቲ በቢ ሰፈሩ ተኺሎም ትውልዲ ናይ ምምካን ስራሕ ኣብ ምስራሕ ተፀሚዶም ‘ዮም ነይሮም። ንመምህር ዋጋ ናይ ምስኣን በዚ ምኽንያት ድማ መምህራን ወለዶ ኣብ ምፍራይ ውፅኢታዊ ከይኸውን እናገበሩ ዝነበሩ ሃገር ናይ ምብልሻው መንገዶም ‘ዩ ነይሩ።
ዝቐየስዎ ስርዓት ንባዕሉ ብ15ን 16ን ዓመት ሰብ ካብ ትምህርቲ ዝፈላሊ፣ ንውሕዳት ፅሬት ዘለዎ፣ ንብዙሓት ግና ዕንወት ዘስዕብ ትምህርት ምሃብ ‘ዮም ሒዞም ነይሮም። ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ነዚ ጠጠው ኢሉ ንዝሓስብን ንመፍትሒኡ ዝሰርሕ ሰብ ዓብዪ መንገዲ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ሕዚ ንዝሰርሕ ናይ ምስትኽኻል ስራሕ ፅቡቕ ግብኣት ‘ዩ ዝኸውን።
ዝፈረሱ ኣብያተ ትምህርቲ መሊስካ ምስራሕ ሓደ ጉዳይ ‘ዩ። ብተፃራሪ ትምህርቲ ሴክተር ሰብ ዝወፀሉ ዝተምሃረ ከም ሰብ ተኸቢሩ ዝነብረሉ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ጥራሕ እንተይኮነት ተሰዊኡ ዘንብራ ተምሃራይ ዝፈርየሉ ስርዓት የድሊ። ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ተንኮላት፣ ክሳብ ሕዚ ዝመፃናሉ መንገዲ ንሳቶም ብዝኸፈቱልና ናይ ጥፍኣት መገዲ ‘ዩ ነይሩ። ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ሓላዊ ኣምላክ ስለ ዘለዋ ኩሉ ዝተመነዮ ኣይተሳኸዐን። ኢትዮጵያ ዝሓሸት ሃገር ገይርካ ንምህናፅ ሕዚ ፅቡቕ ዕድል ኣሎ።
ሕቶ፡- እዚ ዕንወት ብገንዘብ እንትግመት ክንደይ ይኸውን? ከም ሃገር ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ኸ ከመይ ይግለፅ?
ዶክተር ሳሙኤል ፦ ትካላት ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ ብባዕሉ ክባር ስለ ዝኾነ ነንሕድሕዱ መሰረተ ልምዓት ብኽባር ወፃኢ ስለ ዝተሰርሐ ክሳርኡ ብኡ ልዕክ ብዙሕ ‘ዩ። ልዕል ኢለ ከም ዝጠቐስክዎም ናይ ወልዲያ፣ ወሎን መቕደላ ኣምባ ሓደ ካምፓስ ብናይ ወሎ 14 ዓመት ሃፍቲ ፈሲስዎ ‘ዩ። ወልዲያ ልዕሊ 10 ዓመት፣ መቕደላ ኣምባ ልዕሊ 6 ዓመት፣ ብመንግስቲ ፌዴራል 35 ቢልዮን ብር ወፂእሎም ‘ዩ። ሕዚ ዘድልየና ንላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ ጥራሕ ናብ 19ቢልዮን ብር ‘ዩ። ካልኦት ኣብ ቐረባ ሓራ ዝወፁን ከም እኒ ዋግና ሰቖጣን ገዲፍና ልዕሊ 10 ቢልዮን ብር ንዳግማይ ህንፀት የድሊ ‘ዩ። ኣብ ክልል ዓፋር ናብ 1ነጥቢ 2 ቢልዮን ብር የድሊ። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ገንዘብ ትማሊ ብዝተገዝኦ ‘ምበር ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ዕዳጋ ኣይኮነን። ብምዃኑ ካብዚ ብዙሕ ዕፅፊ ዝኸውን ሃፍቲ ከም ዘድሊ ግልፂ ‘ዩ።
እዚ ብገንዘብ ክትመን እንተሎ ‘ዩ፤ እዞም ትካላት ክሰርሑ ዘይምኽኣሎም ድማ ተወሳኺ ፅዕንቶ ‘ዩ ዝፈጥር። ኣብዞም ዩኒቨርስቲ እዚኦም ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ድማ ናብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት እንትንብትን እንተለና ምጭንናቕ ይፍጠር ‘ዩ። ቐፃሊ ትውልዲ ክምህሮም ዝግባእ ትካላት ዕድል እናፀበበ ክኸይድ ዝገብር ‘ዩ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ ልዕሊ ክልተ ዩኒቨርስቲታትን ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣርባዕተ ዩኒቨርስቲታትን ናብ ስራሕ ክሳብ ዝኣትዉ በዞም 6ን 7ን ትካላት ክመሃሩ ዝኽእሉ ተምሃሮ ዕድል ዝፀበበ ‘ዩ።
ኣብዘን ትካላት እዚአን ሰሪሖም ሃፍቲ ምፍራይ ዝኽእሉ ኣካል ሕብረተሰብ ስራሕ ኣልባ ይኾኑ ኣለዉ ማለት ‘ዩ። ኣብ ዙርያ እዞም ትካላት ንማሕበረሰብ ትምህርቲ ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ብምሃብ ናይ ዕለት ናብረኦም ዝደፍኡ ዝነበሩ ዜጋታት ብምልኦም ንጎድእ ኣለና ማለት ‘ዩ። እቲ ፀገም እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፤ እዛ ሃገር እዚኣ ኣብ ካሊእ መሰረተ ልምዓት ክተውዕሎም ዝነበረት ሃፍቲ ናብዚ ክተውዕሎ እንተላ ከም ሃገር ኣብ ድኽነት ውሽጢ እንፀንሐሉ ግዜ ‘ዩ ዘናውሕ።
ህወሓት ዝደኸመት ሃገር እንትፅዋዕ ኣቤት፣ እንትልእኽዎ ናበይ ዝብል ተኣዛዚ ዝኾነ መንግስቲ ክህሉ ‘ዩ ዝደሊ፤ እዚ ግና ኢትዮጵያውያን ተሓባባሮም እምቢ ክብሉ ኣለዎም። ዝተጎድኡ መሊስና ክንሃንፆም ኢና። ብኻልኦት ጉዳያት ድማ ጠንኪርና ብምስራሕ ፀላእትና ዕላማኹም ምንም ዕላምኡ ኣይወቕዐን ብምባል ክነርእዮም ኣለና።
ሕቶ፡- እዞም ዝዓነው ትካላት እዚኦም መሊስካ ንምስራሕ ናይ ቐፃሊ ዕዮ ገዛ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር? ኩናት ዘይነበሮም ክልላትከ ኣብዚ ዝህልዎም ግደ እንተይ ‘ዩ?
ዶክተር ሳሙኤል፦ ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ብዝምልከት ክልተ ነገራት ሒዝና ኢና ንሰርሕ። እቲ ሓደ ዘላቒ ዳግማይ ህንፀት እንትኸውን እቲ ኻሊእ ድማ ግዝያዊ ብዝኾነ መልክዑ ግልጋሎት ክህቡ ምግባር ‘ዩ። ብግዝያውነት ዘለዉ ትካላት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብቲ ሴክተር ዘሎ ኩሉ ብምድጋፍ እዞም ትካላት ትምህርቲ ግልጋሎት ክህቡ ምግባር የድሊ። ኣብዚ ካልኣይ ኣብ ዝሓለፉ ግዝያት ዘርአናዮ ኣጋርነት ከምዚ ነገር ምግባር ከምንኽእል ምልክት ዝሃበ ‘ዩ። ብዘላቕነት እነሃንፆም ትካላት ዝሓሹ ኮይኖም ክህነፁ ይግበር። ንኣብነት ሕዚ ካብ ዝፈረሱ ገሊኦም ንትምህርቲ ግልጋሎት ኣይኾኑን። መሊስና እንትንሰርሖም፣ ሃፍቲ፣ ግዜ ክሓትት ይኽእል። ኮይኑ ግና ንናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝምጥኑ ትካላት ከንሰርሕ ኣለና።
ብኻሊእ ወገን ድማ ፀላእትና ዝሓሰቡልና ፀገም ናይ ምፍጣር ተግባር ምንም ከምዘይሳኻዕ ክነርእዮም ኣለና። ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ኣብቲ ሴክተር ውሽጢ ዘለዉ ናይ ቐዳማይ ብርኪ ይኹን ካልኣይ ብርኪ ትካላት ትምህርቲ ንዝመስሎም ትካላት ብምክፋል ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ናብ ስራሕ ክኣትዉ ምግባር የድሊ። ብዘላቕነት ግና ዝሓሹ ትካላት ሃኒፅና ህወሓትን ካልኦት ኣካላትን ዝሓሰቡዎ ሕማቕ ነገር ከምዘይተሳኸዐ ምርኣይ የድሊ፤ እዚ ብእርግፀኝነት ከንገብሮ ኢና።
ሕቶ፡- እዚ ዕንወት እዚ ኣብ ማሕበረሰብ ትምህርቲ ብፍላይ ኣብ ተምሃሮን ወለዲ ተምሃሮን ዝፈጠሮ ስነ ልቦናዊ ፅዕንቶ ከመይ ይግለፅ?
ዶክተር ሳሙኤል፦ ሕብረተሰብ ናይ ስነ ልቦና ፅዕንቶ ዝበፅሖ፣ ትካላት ትምህርቲ ስለ ዝዓነዉ ኣይኮነን። ኩናት ብባዕሉ ዘተኣሳሰረና እሴት ኩሉ ‘ዩ ዘዕኑ፤ ሕማቕ መዓልቲ እንትመፅእ ሓያል ንኽነብር ድኹም ዝብደለሉ ኩነታት ‘ዩ ዝፍጠር። ፀላኢ ህፃናት ደቒ ኣንስትዮ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዓቕመ ደካማታት ዘብፀሖ ጥፍኣት እንትድመር ናይ ስነ ልቦና ፅዕንቶ ልዑል ‘ዩ።
ኣብ ትካላት ትምህርቲ ጥራሕ እንተይኮነ፣ ኣብ ትካላት ሃይማኖት ‘ውን ዝገበሮ ሕማቕ ስራሕቲ ስነ ልቦናዊ ፅዕንቶ የሕድር ‘ዩ። እዚ ፀገም እዚ ከም ሃገር ዝሓሸ መሐከሚ ቦታታት ኣለዉ ‘ዮም። ብመሰረት ባህልን ስነ ልቦናን ኢትዮጵያን ብምዝርራብ ሓደ ነቲ ሓደ ብምድጋፍ ካብዚ ፀገም እዚ ከንወፅእ ኢና። ኩሎም ትካላት ሃይማኖት ጠንኪሮም ክስርሑ እንተኺኢሎም ሕዚ ዝበፅሖ ስነ ልቦናዊ ፅዕንቶ ብቐሊሉ ክሓዩ ይኽእል ‘ዩ።
ኣቦን ኣዶን እናረአዩ ደቖም ዝተቐተሉ፣ ዝተደፈሩ፣ ከምኡ ‘ውን ከም ደቑ ዝቖፅሮም ኣውዕሩ ተሓሪዶም ዝተበልዕዎን ውሕዳት ‘ውን ድራር ዝብኢ ዝኾነ፣ ገዛ ዝፈረሶ ሓራስታይ መሊስካ ብኢኮኖሚ ምትሕሓዝ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ዝኣተውዎ ናይ ስነ ልቦና ፅዕንቶ ክወፁ ምግባር የድሊ። ነዚ ዝኸውን ድማ ‹‹ቱባ›› ዝብሃል ባህሊ ኣለና፤ ምስ ቤተሰብ፣ ጎረቤት ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቡን ጀሚርና፣ ከም እድር ኣብ ናይ ኣምልኾ ቦታታት እንእከቦ ኩሉ ተደማሚሩ ከም ዜጋ ድማ ንፈጣሪና ዘለና ቦታ ኩሉ መሐከሚና ‘ዮም። ተምሃሮ ኣብዚ ኩነታት እዚ ውሽጢ ዋላ እንተኾኑ ናብ ትምህርቲ እንትምለሱ ግና ቐጥታ ፊደልን ቑፅርን ክቖፅሩ ምግባር ወይ ትሕዝቶ ትምህርቲ ክመሃሩ ምግባር እንተይኮነስ ካብዚ መከራ እዚ ዝሓሹ ዜጋታት ንኽወፁ ቖላሕታ ገይርካ ምስራሕ።
ሕቶ፡- በቲ ኩናት ኣብ ትካላት ትምህርቲ ዝበፅሐ ዕንወት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ትምህርቲ ተቋሪፁ ‘ዩ። እዚ ዝተቋረፀ ከይዲ ትምህርቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ክጅመር ዶ ይኾን? እንተዘይኮይኑ ንተምሃሮ ዝተሓሰበ ነገር እንታይ ‘ዩ?
ዶክተር ሳሙኤል፦ ጉድኣት ኣብ ዝበፅሖም ከባቢታት ናይቲ ፀገም መጠን ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ፣ እንኳኣስ ሕድሕድ ጉድኣት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ትምህርቲ ምጅማር ዝኽእሉን ዘይኽእሉን ዝብል ኣብ ቐረባ ግዜ ክንፈልዮ ኢና። በዚ ምኽንያት እዚ ቐሊል ሓገዝ ተገይርሎም ናብ ስራሕ ክኣትዉ ዝኽእሉን ዘይኽእሉን ክፍለዩ ‘ዮም። ትምህርቲ ንምጅማር ካልኦት መማረፅቲ ‘ውን ከንጥቐም ኢና።
ትምህርቲ ደው ኢሉ ኣይፅበይን፤ ካብ ትምህርት ዝወፀ ሰብ ካሊእ ሂወት ‘ዩ ዝሓስብ፤ ዕድሚኡ ንስራሕ ዝበፅሐ እንተኾይኑ ናብ ስራሕ፣ ወይ ናብ ስደት ክኸይድ ይኽእል ‘ዩ። ብምዃኑ ዝተቋረፀ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ከንጅምር ኣለና። ዝተቋረፀ ምምሃር ምስትምሃር ንምክሕሓስ ቐዳም ከም ስራሕ መዓልቲ ብምሕሳብ ከከም ኩነታት እቲ ከባቢ ክሳብ መወዳእታ ዓመት ንምውዳእ ብዝግባእ ከንሰርሕ ኢና። በርግፅ እዚ ምስ ክልላት ቢሮ ትምህርቲን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ዝርርብ የድሊ ‘ዩ።
ሕቶ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ ሓሳብ እንተሃልዩ፤
ዶክተር ሳሙኤል ፦ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓቕምን ፀጋን ዘይተገንዘቡ ናብ ፀገም ይልእኹዋ፤ ኮይኑ ግና ከንፍተን እንተለና እነውፅኦ ዓቕሚ እንታይ ከም ዝመስል ኣይፈልጡን። ድሕሪ ሕዚ ኣብ ትምህርቲ ጥራሕ እንተይኮነ ብኹሉ ዘፈር ጠንካራ ሃገር ምህናፅ የድልየና። ክሳብ ሕዚ ዝበፅሐና ጉድኣት ንምሕካም ከምኡ ‘ውን ጠጠው ኢልና ብምሕሳብ እንውስነሉ ዕድል ሂቡና ‘ዩ። ሃገርና ከትንካእ እንተላ ከመይ ገይርና መልሲ ከምንህብ ንዓለም ኣርኢና ኢና።
ናይ ማንም ረድኤት ጠጠው ዋላ እንተበለ፣ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብተደጋጋሚ ዋላ ይተኣከብ መራሒና ኣብ ትሕቲ እግሮም ከምዘይወድቕ ኣርኢና ኢና። ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒምና ብኢኮኖሚን ብኻሊእን ዓርስና ከንኽእል ኣለና፤ ጠንካራ ኢኮኖሚ እንትህልወና ዝተሓፈረት ሃገር ትህልወና፤ ከም ብኣገዋን ረድኤትን ዝበለ ነገራት ምፍርራሕ ጠጠው ‘ዩ ዝብል።
ኣብ ጠንካራ ኢኮኖሚ ጠጠው ዝበለ መንግስቲ፣ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ይተኣካብ ኣይተኣከብ ትርጉም ዘለዎ ኣይኾንን። ምኸንያቱ ዕድልና ብባዕልና ንውስን ህዝቢ ስለ ዝኾና። ጠንካራ ሃገር ከንሃንፅ እንተለና ክፈታተኑና ዝደልዩ ሓይልታት ልዕሊ ሓደ ግዜ ንኽሓስቡ መልእኽቲ ‘ዩ ዝኸውን።
ወጋሕ ታ24ሕዳር 2013 ዓ.ም