‹‹ራዕዳዊ ህወሓት ንፖለቲካዊ ኸስቢ ካልኦት ብሄራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፅልኣት ከሕድሩ እናሰርሐ ‘ዩ››ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን

ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን ብሳጓ ሽሞም (ወዲ- ጣውላ) እናተባህሉ ይፍለጡ። ኮሎኔል ፍስሃ ኣብ ክልል ትግራይ ማእኸላይ ዞባ ወረዳ ዓዲ ኣሕፈሮም ዝተወለዱ እንትኾኑ ዕድሜኦም ንውትድርና ምስ በፅሐ ካብ ገድሊ ህወሓት ጀሚሮም ክሳብ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዃን ካብ ተራ ወታደር ጀሚሮም ክሳብ ዝላዕለ ወታደራዊ ሓላፍነት ሃገሮም ኣገልጊሎም ‘ዮም። ኮሎኔል ፍስሃ ተራ ተጋዳላይ ኣብ ዝነበርሉ ሞርታር 82 ተኳሲን ናይታ ሞርታር ኣዛዚ ብምዃን ሰሪሖም ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ከም ስንቕን ንብረትን፣ ኣብ ሎጂስቲክስ፣ ምምሕዳር ፋይናንስን፣ ሓላፊ ኢንዶክትሪኔሽን ኮሙኒኬሽን፣ ኣመራርሓ ሬጅመንት ኮይኖም ሰሪሖም ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ኣብ ከይዲ ብኻልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣካላት ግዕዝይና ይፍፀሙ ስለ ዝነበሩ ንምንታይ ብዝብል ይከራኸሩ ስለ ዝነበሩ ብፍላይ ኣብ 2007 ዓ.ም ንህወሓት ምቅዋም ጀሚሮም ‘ዮም። በዚ ምኽንያት ሽም ትካል ሰራዊትምክልኻል ሃገር ኣጥፊኡ ብዝብል ምኽንያት ንኽእሰሩ ተገይሩ ‘ዩ። እንበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኣድሂብና ምስ ነበር ተጋዳላይን ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ከምኡ ‘ውን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ትዴፓን ኮሎኔል ፍስሃ ገብረመድህን (ወዲ- ጣውላ) ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ። ወጋሕታ፡- ንነዊሕ እዋን ብውትድርና ምስ ህወሓት ፀኒሖም ‘ዮም፤ ባህርያትን ፀገማትን ህወሓት ከመይ ይገልፅዎ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ብሽም ማሌሊት ኣመራርሓን መስረቲ ናይቲ ውድብን ካብቲ ፓርቲ ክግለሉ ምስ ተገብረ ብሰፊሑ እናተባላሸወ መፂኡ ‘ዩ። ደገፍቲ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀን ኢንጅነር ግደይ ዘርኣፅዮን እናተባህለ ኣብ ብዙሓት ኣካላት ግፍዕታት ይበፅሕ ነይሩ ‘ዩ። ቕርሕቲ ዝፈጥሩ ኣካይዳ እናተሰርሑ መፂኦም ‘ዮም። ፀረ ዲሞክራሲ ባህሪ እናሰፍሐ ዝመፀሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ፍትሒ እናጠፍአ መፂኡ ‘ዩ፤ ንኣብነት ካብ 1985 ዓ.ም ንታሕተዋይ ኣካል ተጋዳላይ ደሞዙ ብናይ ደርጊ እስኬል ‘ዩ ይኽፈል ነይሩ፤ ነቶም ላዕለዎት ግና ብዝተመሓየሸ ስኬል ዝላዕለ ደመወዝ ይኽፈሎም ነይሩ፤ እዚ ኣብቲ ተገዳላይ ቕሬታ ይፈጥር ነይሩ ‘ዩ፤ ብዙሓት ፀገማት ነይሮ ‘ዮም። ኣካሉ ዝጎደለ ተገዳላይ ‘ውን ዘድልዮ ነገር ኣይተገበረሉን። ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ንበይንቶም ዝጥቐምሉ ኩነታት ‘ዮም ይሰርሑ ነይሮም። ትእምት ‘ውን ተወሲድና ኦዲት ኣይግበርን ነይሩ ንባዕሎምን ንቤተሰቦምን ጥራሕ ‘ዩ ዘገልግል ነይሩ። ህወሓት ዘጥፈኦም ጥፍኣታት ከም ዘለዉ ኮይኖም ኣወንታዊ ስራሕቲ ‘ውን ሰሪሑ ‘ዩ። ንኣብነት ዝሰርሖም ስራሕቲ እንተርኢና ሕቶ መሬት መሊሱ ‘ዩ፤ ማዕርነት ሃይማኖትን ፆታን ኣረጋጊፁ ‘ዩ። ብዝተወሰነ ደረጃ ኣሰራርሓን ተሓታትነትን ‘ውን ኣስፊኑ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ን27 ዓመት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ህዝቢ ትግራይ ሕልፊ ተረባሒ’ ዩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ እዚ ከመይ ይርእይዎ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ትግራይ ከንሪኦ እንተለና ካብ እተን ካልኦት ክልላት ብዝላዕለ ደረጃ ተጎዲኡ ‘ዩ። ብመን እንተይልና ብሰንኪ ህወሓት ‘ዩ። እዚ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ እኹል ቤት ትምህርቲ፣ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ ሕክምና ካልኦት መንግስታዊ ግልጋሎታትን የብሉን። ዝላዕለ ስእነት ስራሕ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ስደት ‘ዩ ዘሎ። ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ባሕሪ ተሳጊሩ እናተሰደደ ‘ዩ ዝርከብ፤ በዚ ምኽንያት ቀለብ ዓሳ እናኾነ ‘ዩ ዘሎ። ፍትሒ ኣይነበረን፣ ዝላዕለ በደል ዝበፅሖ ዝነበረ ህዝቢ ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ። ውሑዳት ኣካላት ግና ምስ እቶም ሰበስልጣናት ተቖላሊፎም ዘይግበኦም ረብሓታት ይረኽቡ ነይሮም ‘ዮም። ኣብዚ ሓደ ሓደ ኣካላት ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝተጠቐመ ገይሮም ዝወስዱን ዝሰብኩን ኣለዉ ‘ዮም። እዙይ ጌጋ ስለ ዝኾነ ክእረም ‘ዩ ዘለዎ። ብፍላይ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ተወለድቲ ካልኦት ብሄራት ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዝተጠቐመ ገይሮም ይሓስቡ ‘ዮም። ኮይኑ ግና ብጣዕሚ ጌጋ ‘ዩ። ኩሉ ክፈልጦ ዝግባእ ህዝቢ ትግራይ ካብ ማንም ህዝቢ ንታሕቲ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዘሎ ህዝቢ ‘ዩ። ዝጭቖንን ዝርገፅን ዝነበረ ህዝቢ ‘እዩ። ሕዚ ‘ውን ራዕዳዊ ህወሓት ሓገዝ እኽሊ ከይኣቱ ዕንቕፋት እናፈጠረ ህዝቢ ትግራይ ክጠሚ እናገበረ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ከምዚ እናሃለወ መንግስቲ ፌዴራል ከም ዝዓፀዎ ገይሩ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ብምንዛሕ ከምኡ ‘ውን ምስ ካልኦት ህዝቢታትን ንምፅላእ እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። ሓደ ሓደ ካብ ትግርኛ ተዛረብቲ ወፃኢ ዝኾኑ ውልቐ ኣካላት ማለት ናይ መንግስቲ ቕዋም ዘይኮነ ወይ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ወፃኢ ዝኾነ ኣብ ትግራዋይ ጌጋ ኣመላኻኽታ የንፀባርቑ ‘ዮም። ትግርኛ ብዝተዛረብካ ቑፅሪ ጁንታ ‘ዩ ዝብል ኣራኣእያ ኣሎ። እዚ ክእረም ‘ዩ ዘለዎ። ኩሉ ትግርኛ ዝዛረብ ሰብ ወይ ኩሉ ሓደ ዓይነት ቋንቋ ዝዛረብ ሓደ ዓይነት ኣመላኻኽታን ኣተታሓሳስባን ክህልዎ ኣይኽእልን። ወጋሕታ፡- ሓደ ሓደ ኣካላት ግዝዊ ምምሕዳር ትግራይ ኩነታት ትግራይ ብዝግባእ ተረዲኡ ኣየመሓደርን ነይሩ ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፤ ንሶም ኣብዚ ኣድሂቦም እንታይ ይብሉ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብኣግባቡ ተረዲኡ የማሕድር ነይሩ ዶ ኣይነበረን ዝብል፣ መልሱ ኣይነበረን ‘ዩ። ፖለቲካዊ ስራሕቲ ብኣግባቡ ኣይተሰርሑን። ንኣብንት ኣነ ክሰርሕ ኢለ ናብ ትግራይ ከይደ ነይረ፤ መንግስቲ ብዘለኒ ሞያ ከገልግል ካብ ኣዲስ ኣበባ ሰዲዱኒ ‘ዩ። ግና ኣብ መቐለ ምስ ከድኩ ተፀበ ክሳብ ትምደብ እናበሉ ክልተ ወርሒ ደመወዝ ጥራሕ እናኸፈሉ ኮፍ ኣቢሎምኒ ‘ዮም። ከምዚ ምስ ኾነ ኮፍ ኢለ ደመወዝ ካብ ዝኽፈል ኢለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ‘የ ተመሊሰ። ብመከላኸሊ ዝተረኽበ ዓወት ብድኽመት እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክዕፀፍ ክኢሉ ‘ዩ። ንሕና ከም ፓርቲ ይኹን ከም ውልቐ ሰብ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ሓሳብ ንልግሰሉ ነይርና ኢና። ዝተበታተኑ ምልሻታትን ፍሉያት ሓይልን ነይሮም ‘ዮም። እዚኦም ተሃድሶ ይገበረሎም ደመወዝ ‘ውን ገይርካ ናብቲ ናይ ለውጢ ኣካል ይእተዉ እናበልና ንዛረብ ነይርና ኢና። ብፍላይ ፍሉጣት ሰባትን መራሕቲ ሃይማኖትን ናይ ለውጢ ሓይሊ ንኽኾኑ ኣይተሰርሐን። መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ፅቡቕ ቕዋም ነይርዎ ‘ዩ። ካብ ‘ቶም ከባቢ 200ዝኾኑ ብሕጊ ዝድለዩ ኣካላት ወፃኢ ካሊእ ኩሉ ናብ ስርሑ ክምለስ ኣለዎ ኢሉ ነይሩ ‘ዩ። ኣብ ተፈላላዩ ቢሮታት ዝነበሩ ሓለፍቲ ንቐደም ተሃድሶ ክወሃቦም ነይርዎ። ኣብዚ ብትልሚ ዝስራሕን መዓልታዊ ክትትላትን ኣይነበረን። መብዛሕተኦም ሓለፍቲ ናይቲ ጁንታ ኣተሓሳስባ ‘ዩ ነይርዎም። እኹል ክትትል ብዘይምንባሩ እቲ ለውጢ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ክኢሉ ‘ዩ። እቲ ካሊእ ድኽመት ግዝያዊ ምምሕዳር፣ ነቲ ተፋናቐለ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ክመልስዎ ነይርዎም። ከይዶም ‘ውን እቲ ቦታ ክርእይዎ ነይርዎም። ናይ ሬድአት እኽሊ ‘ውን ክሳብ ታሕቲ ክወርድ ኣይግበርን ነይሩ። ሓገዝ እኽሊ ሰራዊት ተጠቒምካ ናብ ኩሉ ሕብረተሰብ ከባፃሕ ነይርዎ። ከምዚ ከግበር ይቕረ ሓደ ሓደ ክራይ ኣካብቲ ዝጥቐምሉ ዝነበረሉ ኩነታት ነይሩ ‘ዩ። ነቲ ኩነታት ከም ፅቡቕ ኣጋጣም ብምጥቓም ብኣቋራፅ ክብልፅጉ ዝደልዩ ሓደ ሓደ ኣካላት ነይሮም ‘ዮም። ትልሚ መንግስቲ ተግባራዊ ከይኸው ዕንቕፋት ዝፈጥሩ ነይሮም ‘ዮም። ናይ መንግስቲ ገንዘብ ናብ ናይ ውልቐ ባንኪ ሒሳቦም ዘእተዉ ነይሮም ‘ዮም። እዚ ተግባር እዚ ንመንግስትን ህዝቢን ዕንቕፋት ‘ዩ ነይሩ። መንግስቲ ከም ቴሌኮም፣ ማይ፣ መብራህቲ፣ መንገዲ ዝመሳሰሉ መሰረተ ልምዓታት ብቕልጡፍ ብምፅጋን ክሰርሑ ገይሩ ‘ዩ። እዚ ክድነቕ ‘ዩ ዝግበኦ። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ግና በዚ መሰረት ገይሩ ክቕፅል ኣይከኣለን። ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝተረኽበ ዓወት በቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ተዓቒቡ ክኸድ ኣይተገብረን። ንምንታይ እንተይልና ክስራሕ ዝግበኦ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ኣይተሰርሐን። ንኹሉ ፓርቲ ዘካተተ ኣካይዳ ‘ውን ኣይነበረን። ንኣብነት ኣነ ኣብ ፀጥታ ንኽምደብ ኢለ ከይደ ኣይመደቡንን። ስለዚ ብሓፂሩ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ኣሰራርሑ ዓብዪ ክፍተት ነይርዎ ‘ዩ። ወጋሕታ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብዓወት ተዓጂቦም ምምላሶም ከመይ ተመልኪቶሞ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- መጀመርታ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ካብ ተራ ወታደር ጀሚሮም ክሳብ ኮሎኔል ዝበፅሑ መራሒ ‘ዮም። በዚ መሰረት ወታደራዊ ፍልጠት ዘለዎም መራሒ ‘ዮም ኢለ ‘የ ዝኣምን። ካብኡ ሓሊፉ ‘ውን ሃገር ከም ሃገር ሰላም ከትኸውን እቲ ዝኒሀ ኵናት ንኽቕልበስ ክሳብ ምግባር ልዑል ስራሕ ሰሪሆም ‘ዮም። ንኹሉ ሓይሊ ፀጥታ እታ ሃገር ኣተሓባቢሮም ምኻዶም ፅቡቕ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ። ህዝቢ ንምልዕዓል ‘ውን ጠቒሙ ‘ዩ። ሰራዊት ምስ መራሒኡ ኮይኑ ክቓለስ እንተሎ ዝላዕለ ሞራልን ሓቦን ‘ዩ ዝህልዎ። ወፍሪ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ብሞራልን ኢኮኖሚን እንተሪእና ‘ውን ዝላዕለ ጠቐሜታ ‘ዩ ዘለዎ። ሰብእና ዘላብስ ስራሕ ‘ዮም ሰሪሖም። ብዙሕ ቦታታት ‘ውን ሓራ ኣውፂኦም ተመሊሶም ‘ዮም። ስለዚ እዚ ብጣዕሚ ደስ ዝብልን ዘኹርዕን ሃገራዊ ሓላፍነቶምን እዮም ተዋፂኦም። ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ተቖፃፂርዎም ዝነበሩ ቦታታት ኣምሓራን ዓፋርን ተቖፃፂርዎም ዝነበሩ ቦታታት ኣብ ሂወት ሰብን ንብረትን ዝተፈላላዩ ጉድኣት ከም ዘብፀሐ እናተሓበረ ‘ዩ ዝርከብ፤ እዚ ንምንታይ ዕላማን ረብሓን ‘ዩ ፈፂምዎ ይብሉ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- መጀመርታ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኵናት ክውላዕ እንተሎ ዕንወት ከም ዘስዕብ ፍሉጥ ‘ዩ። ሂወት ሰብ ዝቐጥፍን ኢኮኖሚያዊ ቑልውላው ዘስዕብን ‘ዩ። እዚ ኵናት እዚ ዝጀመሮ ብዓሉ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። በዚ መሰረት ንዝጠፍአ ሂወትን ንብረትን ተሓታቲ ክኸውን ዘለዎ ራዕዳዊ ህወሓት ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ። ይኹን ‘ምበር እቶም ዝተፈፀሙ ገበናት ዘይሻራዊ ኣካል ኣትዩ እንተዘፅነዖም ዝበለፀ ‘ዩ ዝኸውን ዝብል እምነት ኣለኒ። ምኽንያቱ ኣብዚ ገበን እዚ ካልኦት ዝተሳተፉ ኣካላት ‘ውን ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም። ብዓይንኻ እንተይራእኻ እገለ ጥራሕ ‘ዩ ፈፂምዎ ኢልካ ርግፀኛ ኮይንካ ምዝራብ የፅግም ‘ዩ። እዚ ክብል እንተለኹ ግና ራዕዳዊ ህወሓት ኣይፍፅምን ማለተይ ኣይኮንኩን። ካልኦት ኣካላት ‘ውን ከይህልዉ ብዘየሻራዊ ኣካል ተዝፅናዕ ዝበለፀ ክኸው ይኽእል ‘ዩ ንምባል ደልዬ ‘የ። ብገለልተኛ ኣካል እንተተፃርዩ እቲ ዝፈፀመ ኣካል ‘ውን ፈፂምዎ ምዃኑ ህዝቢ ብዝግባእ ንኽኣምን ይሕግዝ ‘ዩ። ፈፃሚ ኣካል ‘ውን ኣይገበርኩን እንተበለ ተቐባልነት ኣይህልዎን። ራዕዳዊ ህወሓት ካልኦት ብሄራት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ፅልኣት ከሕድሩ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ብኻልኦት ህዝቢታት በደል ክበፅሖ ‘ዩ ዝደሊ። ንምንታይ እንተይልና ፖለቲካዊ ትርፊ ንምርካብ ‘ዩ። ኣመራርሓ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ፣ ዓፋርን ካልኦት ህዝቢታትን ክፃላእ ብምግባር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኖም ንምስላፍ ‘ዮም ዝደልዩ። ስለዚ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዝፍፅሞም ዘለዉ ግፍዕታት ካልኦት ህዝቢታት ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ከለዓሉ ምእንቲ ‘ዩ። በዚ ገይሩ ድማ ፖለቲካዊ ኸስቢ ንምርካብ ሓሲቡ ‘ዩ ዝፍፅሞ ዘሎ። ኮይኑ ግና እቲ ሓቒ ጉዳይ በደልን ግፍዕን ህዝቢታት ኢትዮጵያ በደል ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ህዝቢ ኣምሓራ ወይ ዓፋር እንተተጎዲኡ ህዝቢ ትግራይ ተጎዲኡ ማለት ‘ዩ። ዝፈልዮ ነገር የለን። ንምንታይ እንተይልና ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ሲኦል ከይደ ‘ውን እንተኾነ ሒሳብ ከዋራርድ ‘የ ኢሉ ‘ዩ። ስለዚ ብራዕዳዊ ህወሓት ተፈፂሙ እንተኾይኑ ብጣዕሚ ገበን ‘ዩ፤ መራሕቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ብዝበልዎ መሰረት ሒሳቦም ‘ዮም ዘዋራርዱ ዘለዉ ማለት ‘ዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ በደል ምፍፃም ማለት በደል ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ማለት ‘ዩ። ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ካብ ተቖፃፂርዎም ዝነበረ ቦታታት ንብረት ዘሪፉ እንተኾኑ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ኣይኮነን። ንባዕሉ ግና ክጥቐመሉ ይኽእል ‘ዩ። ህዝቢ ኣምሓራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ብሃይማኖት ይኹን ብባህሊ ሓደ ህዝቢ ‘ዩ፤ ተዋሊዱ ‘ዩ። ሓደ ኮይኑ ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ‘ዩ፤ ንቐፃሊ ‘ውን ሓቢሩ ዝነብር ህዝቢ ‘ዩ፤ ህዝቢ ኣምሓራ ወይ ህዝቢ ዓፋር ተበዲሉ ኣሎ ማለት ህዝቢ ትግራይ ተበዲሉ ኣሎ ማለት ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ተበዲሉ ኣሎ ማለት ‘ውን ህዝቢ ዓፋር ይኹን ህዝቢ ኣምሓራ ተበዲሉ ኣሎ ማለት ‘ዩ። ካልኦት ህዝቢታት ‘ውን ብተመሳሳሊ። ስለዚ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዝነበረ በደል ‘ዩ ኣብ ህዝቢ ዓፋር ይኹን ህዝቢ ኣምሓራ ዝፈፀሞ። ወጋሕታ፡- እዚ ኵናት እዚ ብኸመይ ከብቕዕ ይኽእል ኢሎም ይሓስቡ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣነ ኣብ ውግእ ብዙሕ ተሳቲፈ ‘የ፤ ልዕሊ ኣርባዕተ ግዘ ብጥይት ተወቒዐ ‘የ። ኵናት ብዙሕ መፍረዪ ሓይሊ ‘ዩ ዝበልዕ። ሃፍቲ ሃገር ‘ዩ ዝበልዕ፤ ኣብ ልምዓት ዝሳተፍ ኣካል ሂወቱ ክስእን እንተሎ ንሃገር ብጣዕሚ ከቢድ ጉድኣት ‘ዩ። ኣካል ናይ ምጉዳል ኣሎ፤ ኣካል ዝጎደለ ድማ ተጠዋሪ ‘ዩ ዝኸውን። ሸኽሚ ናይ ሕብረተሰብ ‘ዩ ዝኸውን ዘሎ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኵናት ዘብቐዐሉ ኩነታት ንኽፍጠር ትኹረት ክግበረሉ ኣለዎ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ። ካሊእ ብዓይኒ ኢኮኖሚ እንተሪእና ብዙሕ ክሳራታት ኣስዒቡ ‘ዩ። ንኣብንት’ኳ እንተሪእና ኣብቲ ናይ ከባቢ 5 ወርሒ ዝተኻየደ ውግእ መንግስቲ ንመሰረተ ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ልዕሊ 100 ቢልዮን ወፃኢ ገይሩ ‘ዩ። እዚ ብዝተናወሐ ቑፅሪ ክሳርኡ ብዙሕ ‘ዩ። እዚ ዝጠፍአ ገንዘብ ናብ ልምዓት ተዝውዕል ነይሩ ብዙሕ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ክስርሑ ንኸኣሉ ነይሮም። ቕድሚኡ ብዝነበሩ ምስሕሓባት መንግስቲ ናብ ኵናት ከይእቶ ብምሕሳብ ብዙሕ ፅዒሩ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ክሳኻዕ ብዘይምኽኣሉ ተገዲዱ ናብዚ ኵናት እዚ ክኣቱ ክኢሉ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ኣይ መሰየን እዚ ኵናት እዚ ብዝርርብ ተዘብቕዕ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ። ምኽንያቱ ካብ ኵናት ዝርከብ ጥቕሚ የለን ‘ዩ። ኩሉ ፀገማት ንጎኒ ብምግዳፍ ብልዝብ ተፈቲሑ ናብ ልምዓት ተዝእቶ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ። ኩሉ ነገር ብኵናት ይፈታሕ እንተይልና ጉድኣቱ ብዙሕ ‘ዩ። ኵናት ናይ መወዳእታ መማረፂ ከትስእን እንተለኻ እትኣትዎ ጉዳይ ‘ዩ። ንሰላም ቐዳምነት ክወሃቦ ኣለዎ። በዚ ተዝፍታሕ ዝሓሸ ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ። እዚ ክብል እንተለኹ ግና ብኣንፃር እቲ ጉድኣት ‘የ ዝብል ዘለኹ ‘ምበር እቲ ጌጋ ናይ መንግስቲ ‘ዩ ማለተይ ኣይኮነን። ወጋሕታ፡- ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርተዐ ‘ዩ ዝኸድ ዘሎ እዚ ብኸመይ ክቕልበስ ይኽእል ይብሉ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- እዞም ሓይልታት እዚኦም ብሰንኪ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ‘ዮም ኢዶም ዘእትዉ ዘለዉ። መበገሲ እዚ ፀገም እዚ ራዕዳዊ ህወሓት ‘ዩ፤ እዚ ሰሜን ብምጥቓዕ ማለት ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር እዚ ሰሜን ንህዝቢ ትግራይ ብዓል ውዕለትኡ ‘ዩ ነይሩ። ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ከንርኢ እንተለና ግና ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ናይ ባዕሎም ረብሓ ‘ዮም ዘሳልጡ ዘለዉ። ብኢኮኖሚ ብምድኻምን ፖለቲካዊ ድሌቶም ብምትእትታው ንሃገርና ንምብታን ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ካብዚ ብምብጋስ ንሕና ኢትዮጵያውያን ነዚ ንምምካት ሓድነትና ክነጣናኽር ኣለና። ህልውና ሃገርና ንምቕፃል ከንረባረብ ኣለና። ብህላወና ዝመፀ ናይ ውሽጥን ደገን ሓይሊ ብሕብረት ከንቓለሶ ‘ዩ ዘለና። ትዴፓ ከም ትዴፓ ‘ውን ኣብዚ ጠንኪሩ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። ወጋሕታ፡- ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብላ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝቐረበ ፃውዒት ከመይ ተመልኪቶሞ? ኮሎኔል ፍስሃ፡- ከም ዝፍለጥ ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ብታሪኽ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናሰርሐት ዝመፀት ሃገር ‘ያ። ኣፍሪካውያን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓራ ክወፁ መሰረት ኮይና ‘ያ። ዓወት ዓድዋ ተምሳሌት ናፅናት፣ ኩርዓትን ታሪኽን ኣፍሪካ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ንኣፍሪካ ሓሳብ መፈልፈሊት ‘ውን ‘ያ። ናይ ኢትዮጵያ መራሕቲ ኣፍሪካዊ ስምዒት ‘ዩ ዘለዎም። ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን፣ ኢትዮጵያ ጥራሕ ከትቓለሶ ትፅቢት ኣይግበርን፤ ንኹለን ሃገራት ኣፍሪካ ይምልከተን ‘ዩ። በደል ኢትዮጵያ በደል ኣፍሪካ ‘ዩ። በደል ሃገራት ኣፍሪካ ‘ውን በደል ኢትዮጵያ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ዝቐረበ ፃውዒት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ግቡእን ኣድላይን ‘ዩ ምባል ይከኣል። ወጋሕታ፡- ንህዝቢ ትግራይ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፤ ኮሎኔል ፍስሃ፡-ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋን ደርጊ ዘካየዶ ዕጥቓዊ ቓልሲን ዝኸፈሎ መስዋእትን ፍትሓዊ ‘ዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ደርጊ ጨቋኒን ዓፋኒን መንግስቲ ‘ዩ ነይሩ። ናይ መጀመርታ ዕላማ ትኽክል ‘ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ቕኑዕ ዕላማ ብውልቐ ኣመራርሓ ኣካላት ህወሓት ተጠሊፉ ‘ዩ። ብፍላይ ካብ 1983 ዓ.ም ጀሚሩ እቲ ዕላማ መንገዱ ስሒቱ ‘ዩ። ውልቀሰባት ከም ድሌቶም ‘ዮም ዝገብርዎ ነይሮም። ሃፍቲ ዘኻዕብትሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ ማለት ይከኣል። ህዝቢ ትግራይ ክጥቐም ኢሉ ዘካየዶ ኵናት ከይተጠቐመ ተሪፉ ‘ዩ። ፍትሒ ኣይረኸበን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ክመሃር ኣለዎ፤ ቅድሚ ሕዚ ዝኹሉ መስዋእቲ ከፊሉ ዘይተጠቐመ፤ ሕዚ ዳግማይ መስዋእቲ ክኸፍል የብሉን። ሕዚ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ዝመፅሉ ብሓይሊ እንተይኮነስ ብህዝቢ ተመሪፆም ‘ዮም። በዚ መሰረት ናይ ህዝቢ ትግራይ ፀላኢ ኣይኮኑን። ንህዝቢ ትግራይ ከም ዘይብድሉን ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ከም ዘድልዮን ብግልፂ ተዛሪቦም ‘ዮም። ኣብ ትግራይ ከም መንገዲ፣ ልምዓት ማይ ንምስራሕ በጀት በጂቶም ይሰርሑ ነይሮም ‘ዮም። ኮይኑ ግና ብሰንኪ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይ ዳርጋ ክሰሓሓት ክኢሉ ‘ዩ። ስለዚ መንግስቲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ከም ዘይኮነ ብራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ክታለል የብሉን። እቲ ካሊእ ህዝቢ ‘ውን ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ ገይሩ ክወስድ የብሉን። ፈላልዩ ክረኢ ኣለዎ። ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ሓደ ‘ዩ እናበሉ ዝሰብኩ ኣመራርሓ ህወሓት ሓሶት ምዃኑ ህዝቢ ትግራይ ክርዳእ ኣለዎ፤ እዚ ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰት ‘ዩ። ህዝቢን ፓርትን ሓደ ክኸውን ኣይኽእልን ‘ዩ። ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ብናይ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ከይተታለለ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስቲ ፌዴራልን ጠጠው ብምባል ኣንፃር ራዕዳዊ ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ‘ዩ ዘለኒ። ወጋሕታ፡- ንዝሃቡና ሓበሬታ የቕንልና። ኮሎኔል ፍስሃ፡- ኣነ ‘ውን ሓሰበይ ንምግላፅ ስለ ዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ጋዜጣ ወጋሕታ 14 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም

Recommended For You