‹‹ራዕዳዊ ህወሓት እንተተቐቢራ ህዝቢ ክቐስን ‘ዩ››- ኣይተ ሰለሞን ወልደገሪማ

ኣይተ ሰለሞን ወልደገሪማ ይበሃል፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ስሩዕ ሚዲያታትን ብዛዕባ መሰልን ግቡእን መናእሰይ ተጋሩ ንጡፍ ተሳትፎ ብምግባር ይፍለጥ፤እዚ መንእሰይ ምፍላይ ድሕሪ ለውጢ ብሰንኪ ራዕዳዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝበፅሑ ግፍዕታት ብምኹናን መንእሰይ ትግራይ፤ ብፍላይ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተወዲቦም ክቃለሱ ዓርሱ ኣርአያ ብምዃንን ፊት ንፊት ኾይኑ ብምቅላስ ዝከኣሎ እናገበረ ይርከብ::መንእሰይ ሰለሙን ወልደገሪማ ዕዱም ጋሻና ገይርናዮ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝስዕብ ፃንሒት ገይሩ ኣሎ፤ሰናይ ንባብ::

ወጋሕታ፡-ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ግምባር ተረኺቦም ነቲ ኲናት ምምርሖም ከመይ ትሪኦ?

ኣይተ ሰለሞን፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ናብ ግምባር ምውፋሮም እቲ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ሙሉእ ንሙሉእ ዝቐየረ ኣካይዳ ‘ዩ፤ እዚ ማለት ምዕራባውያን ይኹኑ ህወሓት እቲ ቕድሚ ሐዚ ዝነበረ ኣካይዳ ክደግምዎ ‘ዮም ሓሲቦም ነይሮም፤ውፅኢቱ’ውን ከምኡ ክኸውን ‘ዮም ትፅቢት ገይሮም ነይሮም::ኾይኑ ግና ነገራት እሳቶም ካብ ዝሓሰብዎ ብተፃራሪ ከም ዝኸውን ኣይገመትዎን፤ህዝቢ ኣብ ጉጅለ ራዕዲ ዘለዎ ፅልኢት ንምግላፅ ዘርኣዮ ወፍርን ሓዱሽ ምንቕቓሕን ብፍላይ ዝነዝሕዎ ናይ ራዕዲ ሕሶት፤ኢትዮጵያዊ ኣሽንኳይዶ ናብ ደገ ክስደድስ ካብ ኣሜሪካን ኣውሮፓን መፂኡ ንዓዱ ክዘምትን ከገልግልን ‘ዮም ገይሮሞ:: እዚ ጥንኩር ስነልቦና ኢትዮጵያውያን ፈፂሞም ኣይተረድእዎን ነይሮም፤እዚ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎ ፅልኢትን ብሃገሩ ንዝመፆ ቖራፅ ከምዝኾነ ኣርእዩ ‘ዩ::ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግምባር ብምውፋሮም ዓብዪ ለውጢ ‘ዩ ኣምፂኡ፤ኹሉ ተነቓቒሑ ‘ዩ፤መራሕየይ እንተወፊሩ ኣነ ኸ እንታይ ‘ዩ እጃመይ ዝብል ሕቶ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ኣልዒሉ ‘ዩ፤ብፍላይ ትግራዋይ ትማሊ ኣብ መድረኽ ከምቲ ዝረኣናዮ ‹‹ምናለ ኣብይ ምናለ ሃገሬን ለሰው ኣልሰጥም ኣለ›› እናበሉ ስምዒቶም ገሊፆም ‘ዮም፤ስለዚ ወፍሪ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ሰራዊት ኣነቓቒሑ፣ኣብ ዓድን ኣብ ደገን ዝርከብ ኢትዮጵያዊ ኣነቓቒሕዎን ኹሉ ኒሕን ወነን ኣላቢስዎምን ንምዕራባውያን ድማ ኣሰንቢድዎም ‘ዩ፤ብሓፈሻ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡-እዚ ውሳነ ዝፈጠሮ ፅቡቕ ነገር እንታይ ‘ዩ?

ኣይተ ሰለሞን፡- ሓደ እቲ ሰራዊት ኣብ ሓፂር እዋን እቲ ዝተውሃቦ ዕማም ክፍፅምን ዓብዪ ዓወት ሒዙልና ክመፅእ ‘ዩ፤ኻልኣይ እቲ ብዘይ ኣግባብ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ህዝብና መከርኡ ከይነውሕን ክሓፅርን ዝገብር ‘ዩ፤ሳልሳይ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ናብ ግምባር ኸይዶም ብዓይኖም ዕሸላት እንትረግፉ ብምርኣዮም ብምሕፀንታ በጃኹም ኢድኩም ሃቡ ዝብል ጠቐሜታ ኣምፂኡልና ‘ዩ፤ብሓፈሻ ክንሪኦ ኸለና መንእሰይ ትግራይ ከይውዳእ ሓዚኖም ዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ ቐሊል ኣይኮነን::ብተወሳኺ ድማ እቲ ኣብ ግምባር ዝወፈረ ሰራዊት ኣብ ሓፂር እዋን ዕማሙ ንኽውድእ ዝገበርዎ ኹሉ ውዕለታ ‘ዩ፤ስለዝኾነ ዓብዪ ጥቕሚ ዘምፅአልና ጉዳይ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡-ካብ ህዝቢ ትግራይ ኸ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ሰለሞን፡- ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈላለየ መገዲ መረዳእታ ኣለዎ ‘ዩ፤ብተደጋጋሚ ቐዳማይ ሚኒስትር ፃውዒት እናቕረቡ ፀኒሖም ‘ዮም፤ደቅኹም ከይውድኡ እምብልና በሉ፤ኣንሐና ምስ ኣሕዋትና ክንዋጋእ ድሌት የብልናን፤ንዘይረብሑ ጉጅለ ራዕዲ ክበሃል ደቅኹም ኣይትገብሩ እናበሉ ‘ዮም፤ብምዃኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ብቕንዕና ተረዲኡ፤ዕድመ ልክዖም እናሓሰዉ ንዘታተልዎ ጉጅለ ሕቶ ብምልዓል፤ፃውዒት ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ክቕበልን ዓርሱን ደቑን ከድሕን ክኽእል ኣለዎ ‘የ ዝብል:

:ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ናብዚ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ንክኣቱ ዝገበሮ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ?

ኣይተ ሰለሞን፡- ህዝቢ ትግራይ ናብዚ ዓብይ ፀገም ዘእተዎ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ሙሉእ እምነቱ ንጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ሂቡ ንዘበናት ትፅቢት ዝገበሮ ዝነበረ ዝሐሸ መነባብሮን ፍትሕን፤ ካብዚ ጉጅለ እንትስእን፤ ሕቶ እንተቕርብ ድማ ብዝገርም ኹነታት እናሰከፎን መሰሉ ንከይሓትት እናፀቐጦን ብምፅንሑ ህዝቢ ትግራይ ድማ ሱቕታ መሪፁ ‘ዩ ፀኒሑ:: እቶም ውሑዳት መራሕቲ ጉጅለ ራዕዲ ንህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ፀላኢ ፈጢሮምሉ ‘ዮም::እዚ ማለት ኣብ ስልጣን እናሃለዉ ብዝሰርሕዎ ግፍዕታት ከም ህዝቢ ክፅላእን ክግለልን ገይሮሞ ‘ዮም::ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ክንዲ ልምዓትን ሰላምን ምስ ጎራብቱ ከይቃደውን ከይሳነይን፤ህዝቢ ኤርትራ ፀላኢኻ ‘ዩ፣ህዝቢ ኣምሓራ ፀላኢኻ ‘ዩ እናበሉ ፅልኢት ጥራሕ እናሰበኹ በይኑ ክተርፍን ክፅላእን ገይሮሞ፤ ኣብ መወዳእታ ምስ ኹሉ ኣፃሊኦም ናይ ባዕሎም መሕብኢ ድፋዕ ገይሮሞ ‘ዮም:: ህዝቢ ትግራይ ብሓጥያት ህወሓት ናብ ከምዚ ዝበለ ክትዛረቦ ዘሰክፍ ኹነታት ዝበፅሐ ብሰንኮም ‘ዩ::ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ንምንታይ ኢሉ ምሕታት ይግበኦ:: ኣብ ዘበነ ህወሓት ሰለስተ ዓበይቲ ኲናታት ተኻይዶም ‘ዮም፤እዞም ኲናታት እንተካይዱ ህዝቢ ትግራይ በትሪ ጭካንኦም እናዕረፉሉን ኹሉ ነገር ባዕሎም እናወሰኑን ‘ዮም ፀኒሖም፤እቲ ሐዚ ኣብ ቐረባ እዋን ዝተፈፀመ ግፍዒ ብዕስለታት እንትፍፀም እሳቶም እናቐረፁ ከምዚ ‘ዩ ዝገብረካ እናበሉ ክሽቅጡሉን ንፕሮፖጋንዳ ክጥቀሙሉን ከጋድዱን ‘ምበር ፍታሕ ሂቦሞ ኣይፈልጡን::ስለዝኾነ እቲ ቐንዲ መበገስን መጋደድን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ‘ዩ:: ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ምእሳር ብዝምልከት፣እዚ ብኽልቲኡ ገፅ ኢና ክንሪኦ ዝግበአና፤እቲ ህዝቢ ብሰንኪ ንቑፅ ይነድድ ሩሑስ እዩሞ እቶም ጉጅለ ራዕዲ ብዝፈጠርዎ ፀገም እቲ ንፁህ ትግራዋይ ገዝኡ ይዕፀዎ ኣሎ፣ ይእሰር ኣሎ፣ይስከፍ ኣሎ፣ብዙሕ ተፈናቒሉ ‘ዩ፣ከም ተጠርጣርን ዓዱ ዝኸሓደን ገይርኻ ምርኣይ ‘ውን ኣሎ፤እዚ ኹሉ ካብ ምንታይ ዝተልዓለ ‘ዩ?ብኸመይኸ ይፈታሕ ኢልና ክንሓስብ ይግበአና::ጉጅለ ራዕዲ ብዘፅልእ ኹነታት ዓብዪ ስራሕ ‘ዩ ሰሪሑ፤ኣብ ሶሻል ሚዲያ ይኹን ኣብ ባይታ ወሪዶም ስርሖም እናሰርሑ ‘ዮም፤ምኽንያቶም ድማ እቲ ህዝቢ ኣንፀርፂሩ ናባና ክምለስ ‘ዩ ኢሎም ስለዝሓስቡን ዓወት ክፈጥረልና ‘ዩ ኢሎም ስለዝምነዩ ‘ዩ፤ሐዚ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ኸይደ ሪኣ ‘የ፤ ትግራዋይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኻሊእ ብሄር ኣብ 1997 ዓ.ም ዝቃወሞም ዝነበረ ብውልቀ ቂም ዝእሰሩ ኣለዉ ‘ዮም፤ብተወሳኺ ድማ ቕድሚ ሐዚ ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ ልዕሊ ፍርቂ ናይ ህወሓት መሳርሒ ኾይኖም ክቕፅሉ ኸለዉ እዚ ንመንግስቲ ክሕደት ‘ዩ፤ ኣብ ኮምቦልቻን ደሴን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ምስቲ ጉጅለ ራዕዲ ዝሰርሑ ሰባት ንመንግስቲ ኣዝዩ ስለዘፀገመሉ መን ካብ መን ክፈልይ ከም ዘለዎ ስለዝኸበዶ ንግዚኡ ተኣኪቦም ክፀንሑ ከም መማረፂ ገይርዎ ዘሎ ጉዳይ ‘ዩ፤እዚ ግና መፍትሒ ዕልባት ክረክብ ዝኽእል እቶም ጠቆምቲ ባዕልና ተጋሩ ሰብ ክእሰር ኸሎ ንኽፃረየልና ተወዲብና ክንሰርሕ ኣለና:: ኻልኣይን እቲ ዋና ፍታሕን ንመንግስቲ ተሓባበርቲ ንኹን ፤ ኣነ ተኣሲረ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ዝወፃኹሉ ምኽንያቱ ድማ ንመንግስቲ ስለዝተሓባበርን ንዓይ ዝፈልጡኒ ስለዝረኸብኩን ‘የ ተፈቲሐ ኻሊእ ነገር የብሉን፤ምእንቲ ባዕልና ክንብል ክንተሓባበር ኣለና:: ኣንሕና ‘ውን ንኻልኦት እናተሓባበርና ኢና ንምንታይ እንተይልክኒ ካብ ኻልኦት ተጋሩ መንግስቲ ንዓይ ዝኣመነሉ ምኽንያት ዓደይ ኢለ ስለዝሰርሕን ንሃገረይ ተኣማኒ ስለዝኾንኩን እዩ:: እቲ ሳልሳይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዓብዪ ስግኣት ኢና ዘለና፤ብደም ተጋሩ ህወሓት ከትርፉ ስለዝደልዩ ሐዚ ‘ውን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እናለጠፉ ነቲ ዝተረፈ ትግራዋይ ናብ ስግኣት እናእተውዎ ይርከቡ:: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ትግራዋይ ታርጌት ክኸውንን እንትጉዳእ ንሳቶም ስለዘትርፉን እዩ፤ኹሉ ክነቅሕ ኣለዎ::ብሙሉኡ ትግራዋይ ተጨኒቑ ‘ዩ ኣብ ስራሕ ዘሎ ይኹን ኣብ ገዝኡ ዘሎ፤እቲ ሌባ ይጥንቐቕን ይሕባእን ‘ዩ፤እቲ ንፁህ ሰብ ግና ይትሓዝን ይንገላታዕን ‘ዩ ዘሎ::መንግስቲ ክገብሮ ዘለዎ እቲ ማእሰርቲ ሱቕ ኢልካ እናሃደንኻ ክኸውን የብሉን:: ትግራዋይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኻሊእ ብሄር ‘ውን መዓት ሌባ ኣሎ፤መንግስቲ ግና ኮሚቴ ኣዋቒሩ ሓላፍነት ዝወስዱ ተጋሩ ምስ መንግስቲ ዝሰርሑ ሰባት ድማ መንግስቲ ዝሰኣኖ እምነት ከረጋግፁ ዝኽእሉን ነቲ ንፁህ ‘ዩ ኢሎም ዘፍትሕዎ ሰብ ብፊርምኦም ከረጋግፁን ክኽእሉ ኣለዎም::ካብዚ ወፃኢ እንተሰሪሑ ግና ተሓታቲ ዝኾነሉ ኣሰራርሓ ክዳለው ኣለዎ::እዚ ድማ በብክፍለ ከተምኡ መን ‘ዩ ንፁህ ፣መን ‘ዩ ገበነኛን፣ ዘይፍለጡን ተባሂሎም ብምፍላይ ክሰርሑ ብምግባር ኣንሕና’ውን 33.3 ሚኢታዊ ተፃርዮም ናፃ ክኾኑ ገይርና ንመንግስቲ ሓጊዝና ኢና::ስለዝኾነ ተጋሩ ምስቲ ግብረ ሓይሊ ኾይኖም ኮሚቴ ተዋቒሩ ምስ መንግስቲ ክሰርሑ ክኽእሉ ኣለዎም::ብምዃኑ ድማ ብፍላይ እቲ ንፁህ ትግራዋይ ክእሰር ከሎ ብስነ ስርዓት ኣተሓሕዛ ክግበረሉ ስድርኡ ኣበይ ከምዘለዉ ክፍለጥን መሰሉ ክሕለወሉን ይግባእ እቲ በደለኛ ናይ ኢዱ ይርከብ እቲ ንፁህ ግና ደፊእኻ ናብ ሕማቕ ኣንፈት ምስዳድ ግቡእ ኣይኮነን::ዘይሩ ዘይሩ ብሕርቃን ንዓኣቶም ‘ዩ ክድግፍን ብዘይ ጥፍኣተይ ዝኣሰረትኒ ሃገር ኢሉ ቂም ክሕዝ ‘ዩ ስለዚ ክእረምን ክዕረይን ይግባእ:: ወጋሕታ፡- ምዕራባውያን ሚዲያታት ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር እናገበርኦ ዘለዋ ወፍሪ ከመይ ትሪኦ? ኣይተ ሰለሞን፡-ምዕራባውያን ድሌቶም ፍሉጥ ‘ዩ::እዚ ድማ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ሶሪያ ርኢናዮም ኢና፤ንምንታይ ‘ዮም ኢዶም ዘእትዉ ዘለዉ ኢልና ንሕሰብ፤ምዕራባውያን ከም ህወሓት ዝፀልእዎ የብሎምን እንታይ ድኣ ደልዮም ንህወሓት ናብ ስልጣን ክመልሱ ድዮም እንተይልና፤ በፍፁም ‘ዩ ምላሽና እንታይ ደኣ ድልየቶም?ብህወሓት እናተጠቐሙ ናይ ቻይና ኢንቨስትመንታት ንክውቅዑ ኢትዮጵያ ምድኻምን ቐፂሉ ድማ ኣፍሪካ ምድኻምን ‘ዩ ስልቶም፤በዚ ኣቢሎም ድማ ልዕልና ኣሜሪካ ክረጋገፅን ‘ዩ ዕላምኦም::ብቐሊሉ ንምዕራባውያን ዝእዘዝ መንግስቲ ንምትካል ‘ዩ ድሌቶም:: ኣዲስ ኣበባ ዋና መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ስለዝኾነት ከም ድሌቶም ዘይኾነሎም እንተኾይኑ ፀቕቲ ፈጢሮም ንምድኻምን ዕላምኦም ንምስኻዕን ‘ዩ::እቲ ዋና ምስ ህወሓት ዘተኣሳስሮም ጉዳይ ድማ ብዙሓት ሼር ሆልደራት ኣለዎም ምስቲ ጉጅለ፤ ጥቕሞም ከይጎድን ድማ ህወሓት ክህልዉ ኣለዎ ኢሎም ይኣምኑ::ካብ ዓለም ኢትዮጵያ ረድኤት ብምቕባል ኻልአይቲ እያ ነይራ እዚ ግና ኣይፍለጥን ነይሩ፤ኣብ ቐረባ እዋን ‘ዩ ተፈሊጡ ምኽንያቱ እቲ ዝመፅእ ረድኤት ናብ ናይ ውልቆም ሼር ይኣትው ነይሩ::ብምዃኑ ድማ እስካዕ ሐዚ ዝሕግዝዎም ሳተላይት ከይተረፈ ንመዋግኢ ዝህብዎምን ዝመሻጠሩን ኢትዮጵያ ንኽትደክምን ናታቶም ተለኣኣኺ መንግስቲ ንኽምስረትን ዓብዪ ሃንቀውታ ስለዘለዎም ‘ዩ:: እዚ ሃንቀውትኦም ግና ይሳኻዐሎም ዶ ብኸመይ ኢና ስዒርና ክንወፅእ ንኽእል? እወ ስዒርና ክንወፅእ ኢና! ብኸመይ እንቴልክኒ እቲ ሓደ ናይ ምዕራባውያን ሚዲያ ብዘይምእማን መንግስቲ ነዚኣቶም ዝምክት ማሕበራዊ ሚዲያ ይኹን ስሩዕ ሚዲያ ኣጥዕዩ ክጥቀም ኣለዎ፤ብፍላይ ድማ ህዝቢ ብናታቶም ሕሶት ከይደናገፅን ክረጋጋዕን ክሰርሕ ኣለዎ፤መንቃሕቲ ማሕበራዊ ሚዲያታት ክሰርሑ ኣለዎም፣ኣፍሪካውያን ሞብላይዝ ክገብር ኣለዎ፤ፈተውቲ ኢትዮጵያ ከም በዓል ቻይና፣ራሽያ፣ቱርክ ብዙሓት ፈተውቲ ኢትዮጵያ ተጠቒሙ ካብ ኢትዮጵያ ኢድኹም ኣልዕሉ ዝብል ምንቅስቓስ ክጅመር ክኽእል ኣለዎ:: ኢትዮጵያ ብዙሕ መማረፂ ዘለዋ ሃገር ‘ያ ስለዝኾነት ድማ ኣብ ኣሜሪካ ተንጠልጢልና ክንተርፍ የብልናን::ብፍላይ ድማ መከላኸሊ ሰራዊት ነዞም ራዕዳዉያን እንተወቒዕዎም ኹሉ ነገር ክኸሽፍ ‘ዩ::ሚዲያ ምዕራባውያን CNN ኣብ ቐረባ ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ኢሎም ፀብፂቦም’ዮም::እተን ቕድሚ ሐዚ ዝፈረሳ ሃገራት በዓል ሶርያ ብሰንኪ ምዕራባውያን ከምዝኾና ክንርስዕ የብልናን::እዚ ብዝምልከት ዓብዪ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ 27 ከተማታት ኣሜሪካ፤ደቡብ ኣፍሪካ፣መላእ ኣሜሪካን ክንንቕንቖ ኢና፤በዚ ድማ ክንስዕሮም ኢና ምኽንያቱ ሃገርና ኢና ንብል ዘለና፣ሓቂ ኢና ሒዝና ዘለና፣እቶም ምስ ኣሜሪካ ክትገጥሙ እናበሉ ዝዛረቡ ድኹማት፤ እወ ንገጥም ‘የ ዝብሎም ምኽንያቱ ጉዳይ ህልውና ‘ዩ፤ህልውናና ንምኽባር ዘይኽፈል መስዋእትነት የለን ነቶም ኻልኦት ኣፍሪካውያን ኣብነት ንኹኖም ማሕበራዊ ሚዲያ ብደምቢ ንጠቐም:: ሚዲያታት ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኣብ መላእ ኣፍሪካ ኸይደን ይፀብፅባ፤ኣውታራት ዜናታትና ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ክእሰሩ የብሎምን::ኣብ ሰሙን ሓንቲ ሰዓት እንተኾነት ‘ውን ኣብ ሚዲያታት ኣፍሪካ ክንጥቀም ኣለና::ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ሓያልነታ ዝወድቕ ‘ዩ ዝመስለኒ፤እቲ ሓያልነት ናብ በዓል ቻይናን ራሽያን ስለዝሰጋገር ዘሎ እዚ ስግኣት ‘ዩ ፋሕጨርጨር ዘብላ ዘሎ ስለዝኾነ ድማ ኣሜሪካ ዘይትንካእ ዓዲ ገይርኻ ኢድኻ ጠሚርኻ ሱቕ ምባል ግቡእ ኣይኮነን፤ስለዚ መንግስቲ ይኹን ኹላትና ተሓባቢርና እንተሰሪሕና ኣሜሪካ ኢዳ ክትእክብ ‘ያ ክትጠፍእ ‘ውን’ያ:: ወጋሕታ፡-ህዝቢ ኢትዮጵያ ኾነ ህዝቢ ትግራይ ራዕዳዊ ህወሓት ንምድምሳስ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም? ኣይተ ሰለሞን፡- ህዝቢ ትግራይ መብዛሕትኡ ስለዝፈርሕ ‘ዩ፤ስነ ልቦና ህዝብና ንፈልጦ ኢና መብዛሕትኦም ደቁ ትሕቲ 18 ዓመት ሰገናት 15 ዓመት ኣብ በረኻ ኾይነን ይድውላልና ‘የን፤ኢድኽን እንተሂብክን፣ ኢድኹም እንተሂብኩም ካብ ዘየድሊ መስዋእትነትን ኲናትን ተናጊፍኩም ሃገርኩም ተልምዑ እናበልና ኢና፤ህወሓት ግና መንእሰይ ትግራይ ተቐቢሩ ክውዳእ ‘ዩ ዕላምኡ፤ስለዝኾነ ብፍላይ ብሬድዮ ክቃላሕ ክኽእል ኣለዎ ኢዶም ንኽህቡ ተዘይኮይኑ ሞት ‘ዩ:: ኻሊእ መማረፂ የለን:: ኲናት ተዘይተወዲኡ ብዙሕ መዘዝ ‘ዩ ሒዙ ዝመፅእ፤ንመንግስቲ ‘ውን ፃውዒተይ የቕርብ:: እዚ ኲናት ኣብ ሓፂር እዋን ንክውዳእ፤ምኽንያቱ ምዕራባውያን ‘ውን በዚ ምኽንያት ‘ዮም ዝጥቀሙልና ዘለዉ ሰብኣዊ ሓገዝ እናበሉ፣ብዛዕባ ኲናት ግጉይ መረዳእታ እናፀብፀቡ ስለዝኾነ ኲናት ኣብ ሓፂር ግዘ ምውዳእ እቲ ቐንዲ መማረፂ ‘ዩ::ህወሓት ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋን ምውራር ምስ ጀመረ ከመይ ገይሮም ከምዝመከትዎ እናርአና ኢና ብፍላይ ኣብ ክልል ዓፋር ንኸይኣቱ ቐጥቒጦሞ ‘ዮም::ስለዝኾነ እቲ ኻሊእ ብሄር ‘ውን ብከምዚ ‘ዩ ዝዳለው ዘሎ:: ብምዃኑ ድማ መንእሰይ ትግራይ ኣየወድእዎ፤እቲ መንእሰይ ተመሊሱ ብጎንደር ገይሩ ንዓዱ ይእቶ::ብዛዕባ ዕርቂ ራዕዳዊ ህወሓት እንተተቐቢራ ህዝቢ ክቐስን ‘ዩ::እቲ ቐንዲ ፀገም ግና ፕሮፖጋንዳ ሕሶት ‘ዩ፤እዚ እንተተዓርዩ ህዝቢ ክዕረቕ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ:: ወጋሕታ፡-ኮምሽን ሰብኣዊ መሰልን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዘውፅእዎ ናይ ሓባር ፀብፃብ ከመይ ትሪኦ?ዘለካ ሪኢቶ እንታይ እዩ? ኣይተ ሰለሞን፡- ኣፍቲ ፀብፃቦም ብዛዕባ ጀኖሳይድ ኣልዒሎም ‘ዮም፤ጀኖሳይድ ተፈፂሙ ክበሃ ከሎ ፈለማ ጀኖሳይድ ማለት ብመደዳ ህፃን የለ ሽማግለ ብሙሉኡ፤ ኣቦ ይኹን ኣዶ ብሓፈሻ ኹሉ እናቐተልኻ ምኻድ ማለት ‘ዩ፤ እዚ ድማ ፈፂሙ ኣብ ትግራይ ኣይተፈፀመን::መናእሰይ ብወታደራት ተቐቲሎም ናብ ገደል ይድርበዩ ነይሮም ነዚ ዘርእይ ቪድዮ ተቐሪፁ ሪኢና ኢና፤እዚ ብሓቂ መከላኸሊ ሃገር ድዩ ገይርዎ ዝብል ሕቶ ነይሩኒ፤ጉጅለ ራዕዲ ናይ ወተሃደር ኽዳን ተኸዲኖም ከምዚ ዓይነት ድራማ ይሰርሑ ‘ዮም፤እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘይሰርሕዎ ነገር የለን ይፈልጥ ‘የ፤እቲ ኻልኣይ ጀኖሳይድ ማለት እዚ ዓሌት እዚ ናይ እገለ ‘ዩ ኢልካ ብመደዳ ምጥፋእ ማለት ‘ዩ፤ እዚ ድማ ፈፂሙ ኣይተገበረን ሕሶት ‘ዩ::እዚ እዋናዎ ዛዕባ ብዝምልከት ድማ ኣብ መላእ ኣሜሪካን ኣብ ኣፍሪካን ዓብዪ ሰልፊ ክካየይድ በዚ ድማ ምዕራባውያን ሓሳቦም ከም ዝቕይሩ ትፅቢት ይገብር::

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ተሕልፎ መልእኽቲ እንተሃልይካ?

ኣይተ ሰለሞን፡- ተጋሩ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን መፂኡና ዘሎ ኸቢድ ኹነታት ብሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓት ከምዝኾነ ተረዲእና ንፁሃት ሰባት ኣእምሮና ክርበሽ የብሉን፤ከም ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ንሃገረይ መስዋእቲ እናኸፈልኹ ‘የ ኢልና ብምሕሳብ ብጌጋ ዝእሰር ‘ውን ክወግሕ ‘ዩ ኢሉ ብምሕሳብ ብትዕግስቲ ተፃዊርና ክነሕልፎን፤መንግስቲ ‘ውን ናይ ባዕሉ ብዙሕ ተደራራቢ ፀገማት ክህልዎ ስለዝኽእል እስካዕ እዚ ፀገም ዝሓልፍ ኣብ ቤት ህንፀት ፀኒሕና ዓድና ክትድሕን ‘ያ ኢልና ብምሕሳብ፤ኣእምሮና ኣእሚና ክንዳለውን ኣለና፤እዚ ኹሉ ፀገም ተናዊሑ ዘሎ ምስ መንግስቲ ብዘይምትሕብባርና ‘ዩ፤ስለዝኾነ ድማ ኹላትና ምስ መንግስቲ ኾይንና ብምስራሕ እቶም ተደቂኖም ዘለዎ ፀገማት ክንፈትሕ ኣለና ዝብል ፃውዒት የቕርብ::

ወጋሕታ፡-ንዝሃብካና ሓበሬታ የቐንየልና:: ኣይተ ሰለሞን፡-ኣነ ‘ውን ክብረት ይሃበለይ

ትርሓስ ፍቃዱ

7 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

::

Recommended For You