‹‹ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ እናተመርሐ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ዘውፅእ ‘ዩ›› – ኣይተ ሓጎስ ግደይ

ኣይተ ሓጎስ ግደይ ትውልዶም ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሕንጣሎ ፍሉይ ሽሙ ዓዲ ጉዶም ኣብ ዝባሃል ኸባቢ’ዩ።ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲላ ብምምሕዳርን ህዝቢን ዲቨሎፕመንት ማኔጅመንትን ትምህርቲ ናይ መጀመርያ ዲግሪ ረኺቦም ‘ዮም፡፡ ኣባል ትግራይ ዲሞክራሲ ፓርቲ (ትዴፓ)’ዮም። ህወሓት ካብ ስልጣን ካብ ዝለዓል ናብዚ ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ እናፈፀሞ ዘሎ ዓፈናን ጭቆናን ብግልፂ እናተቃወሙን እናተቓለሱን ዝፀንሑ ኮይኖም፤ ኣብ ዝተወለድሉ ኸባቢ ብምኻድ ነቲ ሕብረተሰብ ኣስተምሮ ብምሃብን ብምሕጋዝን ፀረ እቲ ጁንታ ተቓሊሶም ‘ዮም።ቐፂሉ ድማ እቲ ጁንታ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብምስታፍ ኣብቲ ዝዓበይሉ ቦታ እናገልገሉ ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ነቲ ክልል ገዲፉ ክሳብ ዝወፅእ ኣብቲ ክልል ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኣመሓዳሪ ወረዳ ሕንጣሎ ብምዃን እናገልገሉ ፀኒሖም ‘ዮም፡፡ እምበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ፣ ምስ ኣይተ ሓጎስ ግደይ ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣድሒብና ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከም ዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ከም ፖለቲከኛ ናብ ግንባር ምውፋር ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከመይ ተመልኪቶሞ?

ኣይተ ሓጎስ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ምኻዶም ብጣዕሚ ዘሕጉስ ‘ዩ፤ ከምዚ ክብል እንተለኹ ብተግባር ክንደይ ዝኣክል ሃገሮም ዝፈትዉ ምዃኖም ‘ዩ ዘርእየካ። ካብ ሃገር ዝበልፅ ነገር የለን ኢሎም ምኻዶም ብዙሕ ህዝቢ ከናቓቕሕ ክኢሉ ‘ዩ። በዚ መሰረት ኩሉ ህዝቢ ኣሰር መራሒኡ ተኸቲሉ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ምጥፋእ ‘ዩ ዝርከብ። ዝኾነ ኢትዮጵያዊ እጃሙ ከወፊ በቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ዝቀረበ ፃውዒት ብዙሕ ሰብ ናብ ግንባር እናኸደ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ውፀኢት ምልዕዓል ፃውዒት እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ‘ዩ። ብሞራልን ስነ ልቦናን ዓብዪ ምልዕዓል ፈጢሩ ‘ዩ። በዚ መሰረት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣሚንሉ ንባዕሉ ወይ ንሃገሩ ክብል ብዝኸኣሎ መጠን ኣብ ምስታፍ ‘ዩ ዝርከብ። ሃገር እንተዘይ ሃልያ ዝኾነ ሰብ ክህሉ ኣይኽእልን።

ምኽንያቱ ራዕዳዊ ህወሓት ኣቐዲሙ ህዝቢ ‘ዩ ዘጥፍእ፤ ካብኡ ቐፂሉ ‘ውን ሃገር ‘ዩ ከጥፍእ። ወይ ከፍርስ። ስለዚ ኣብቲ ናይ ሕዚ ወፍሪ ህልውና ሃገር ኩሉ ህዝቢ ንባዕሉ ኢሉ ‘ዩ ዝቓለስ ‘ምበር ንቐዳማይ ሚኒስትር ኢሉ ኣይኮነን ዝቓለስ። ወይ ንብልፅግና ኢሉ እንተይኮነስ ንባዕሉ ህልውና ኢሉ ‘ዩ። በዚ መሰረት ‘ውን ህዝቢ ተወዲቡ እናተቓለሰ ብምዃኑ ዓበይቲ ዓወታት ይምዝገብ ኣሎ ‘ዩ። ህዝቢ ብሓደ ልቢ እንተወፊሩ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ዘይጠፍአሉ ምኽንያት ዋላ ሃንቲ ኣይህሉን። ብቐዳማይ ሚኒስትር እናተመርሐ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ፀውፅእ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ መሊኡ ሓራ ወፂኡ ምስ ሓዉ ህዝቢ ትግራይ ሓቢሩ ዝነብረሉ ኩነታት ዝፈጥር ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ንራዕዳዊ ህወሓት ንምጥፋእ ኣሚንሉ እናተቃለሰ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ። ብዘለዎ በርቲዑ ድማ ክቕፅለሉ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ተቖፃፂርዎም ዝነበሩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝተፋላለዩ ጉድኣት ከምዘብፀሐ እናተገለፀ ‘ዩ ዝርከብ፤ እዚ ካብ ምንታይ ዝነቀለ ‘ዩ ይብሉ?

ኣይተ ሓጎስ፡- ከም ዝፍለጥ ራዕዳዊ ህወሓት ንሂወት ሰብ ይኹን ንዕንወት ንብረት ዝሓስብ ሓይሊ ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትጵያ ንምጥፋእ ኵናት ዝኣወጀ ጉጅለ ‘ዩ። እዚ ዝፍፅሞ ዘሎ ገበናት ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ካብዚ ሓይሊ እዚ ፅቡቕ ነገር ፈፂምካ ከትፅበ ኣይትኽእልን ኢኻ። ስርቒ፣ ንብረትን ሂወትን ምጥፋእ ስርሑ ‘ዩ። ማሕበረሰብ ዝሓሸ መነባብሮ ከይነብር ‘ዩ ዝኹሉ ግፍዕታት ዝፍፅም ዘሎ። ምኽንያቱ ሃገር ንምፍራስን ህዝቢ ንምብስባስን ‘ዩ ኮነ ኢሉ ተሲኡ። ከም ሓሶት፣ ስርቕን ዝመሳሰሉ መለለዪ ባህሪኡ ‘ዮም። ራዕዳዊ ህወሓት ንባዕሉ ሕማቕ ስነ ምግባር ስለ ዘለዎ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብስነ ምግባር ዝተሃነፀ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣይፈጠረን። እዚ ሓይሊ እዚ ንናይ ህዝቢ ትግራይ ባህሊ፣ ሃይማኖትን ስነ ልቦናን ዝምጥን ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ስራሕቲ ‘ዩ እናሰርሐ መፂኡ። ስለዚ ህወሓት ዝፈፀሞም ገበናት ህዝቢ ካብዝፅበዮ ወፃኢ ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡- ብቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ እናተመርሖ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ራዕዳዊ ህወሓት ዝተፈላለዩ ክሳራታት ይበፅሖ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ከመይ ይምልከትዎ?

ኣይተ ሓጎስ፡- ከም ዝፍለጥ ህወሓት ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ፀኒሑ ብህዝቢ ዝተባረረ ሓይሊ ‘ዩ። ኣብ

 ዓለም ሓደ ግዘ ካብ ስልጣን ዝተባረረ ሓይሊ ተመሊሱ ናብ ስልጣን ዝመፀ የለን። ራዕዳዊ ህወሓት ብህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ ካብ ስልጣን ወሪዱ። ካብ ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ወፃኢ ናብ ስልጣን ዝመፀሉ ኩነታት የለን። ክህሉ ‘ውን ኣይኽእልን። ከም ዝፍለጥ ህወሓት ሃገር ኣብ ዝመርሐሉ ዝነበረ እዋን ኩሉ ነገር ኣብ ኢዱ ሒዙ፣ ዝጎደሎ ነገር ዘይብሉ ብዘይ ሓንቲ ጥይት ‘ዩ ካብ ስልጣኑ ወሪዱ ናብ ትግራይ ተባሪሩ። ሕዚ ኣብ ፃዕረ ሞት ዝርከብ ውድብ ‘ዩ። ድሕሪ ሕዚ ተመሊሱ ናብ ስልጣን ዝመፀሉ ኩነታት ኣይህሉን። ምኽንያቱ ህዝቢ ዘይደልዮ ሓይሊ ‘ዩ። ህዝቢ ፈፂሙ ዝቕበሎ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ ናይ መወዳእታ ዕላምኡ ስልጣን ምሓዝ ስለ ዘይኽእል ሃገር ናብ ፀገም ክትኣቱ ብምግባር ሕንፍሽፍሽ ምፍጣር ‘ዩ።

እዚ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተግባር እቲ ጉጅለ ተረዲኡ ግዘ እንተይሃበ ክሳብ መዋዳእታ ተቓሊሱ ከጥፈኦ ‘ዩ ዘለዎ። ራዕዳዊ ህወሓት ፀላኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ይፈልጥ ‘ዩ፤ በዚ መሰረት በቲ ሒዝዎ ዘሎ ወፍሪ ኣሐይሉ ክቕፅለሉ ኣለዎ። ራዕዳዊ ህወሓት ድሕሪ ሕዚ ናብ ስልጣን ዝመፀሉ ኩነታት የለን። እዚ ጉጅለ እዚ መናእሰይ ተጋሩ ክውድኡ ጥራሕ ‘ዩ ዝገብር ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ናብ ፀገም የእትዎ ኣሎ ‘ዩ። ኮይኑኑ ግና ምጥፍኡ ዝቀርዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ራዕዳዊ ህወሓት ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ ዝቃለስ ዘሎ። ምስ ህዝቢ ዝቓለስ ድማ ፈፂሙ ክስዕር ኣይኽእልን። ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ‘ውን ክርደኦ ዘይከኣለ ‘ምበር ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ ናብ ስልጣን ኣምፂእዎ ነይሩ።

ኣብ ዘሓለፉ ምስ ደርጊ ዝተኻየዱ ዕጥቓዊ ቓልሲ 17 ዓመታት፣ ህወሓት በይኑ ተቓሊሱ ኣይኮነን ናብ ስልጣን መፂኡ። ንደርጊ ዘሸነፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ምበር ህወሓት አይኮነን ነይሩ። በርግፅ ዝተወሰነ ግደ ነይርዎ ‘ዩ። ደርጊ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይጥዕም ስለ ዝነበረ ‘ዩ ብሓይሊ ህዝቢ ክሰዓር ክኢሉ። ህወሓት ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ናብ ስልጣን ከም ዘይመፀ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ይፈልጥ ‘ዩ።

ሕዚ ግና እቲ ኩነታት ከምኡ ኣይኮነን ዝኒሀ፤ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ፀሊእዎ ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣይደልዮን፤ በዚ መሰረት ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ራዕዳዊ ህወሓት ፈፂሙ ተመሊሱ ዝመፀሉ ኩነታት የለን ‘ዩ። ራዕደዊ ህወሓት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብሓይሊ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ጠፊኡ ህዝቢ ትግራይ ናፃ ዝወፀሉ ኩነታት ምፍጣሩ ዘይተርፍ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡-ኣብ ጎኒ ራዕዳዊ ህወሓት ተሰሊፎም እናተዋግኡ ዝርከቡ መናእሰይ ትግራይ ኢዶም ብሰላም ንምክልኻል ሰራዊት ሃገር ክህቡን፤ ኣዴታት ትግራይ ‘ውን ደቅና ኣበይ ኣለዉ ብምባል ፀቕጢ ገይረን ክሓታ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ፃውዒት ኣቕሪቦም ነይሮም፤ በዚ ዝተረኽበ ውፅኢት ከመይ ሪአሞ?

ኣይተ ሓጎስ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ነዚ ፃውዒት እዚ ከቕርቡ እንተለዉ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎም ኣኽብሮት ‘ዩ ዘሪአካ። ቅድሚ ሕዚ ‘ውን ከምዚ ዓይነት ሓልዮት ዝተመልኦ ፃውዒት እናቕረቡ ነይሮም ‘ዮም። ኣብ ሕዝቢ ትግራይ ዘለዎም ቕኑዕ ኣመላኻኽታ ብተደጋጋሚ እናገለፁ መፂኦም ‘ዮም። በዚ መሰረት መናእሰይ ትግራይ ንውሱናት ኣመራርሓ ህወሓት ክብሉ ሂወቶም ክግብሩ የብሎምን። ፃውዒት ቐደማይ ሚንስትር ተቐቢሎም ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ኣለዎም። ምስ ዕጥቖም ናብ ሰራዊት ሃገር ኢዶም ክህቡ ኣለዎም። እዚ ፃውዒት እዚ ብዙሕ ውፅኢት ኣርእዩ ‘ዩ። ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ዕጡቓት መናእሰይ ተጋሩ ናብ ሰራዊት ምክልኻል

 ኢዶም እናሃቡ ‘ዮም ዝርከቡ። ካልኦት ‘ውን ነዚ ክኽተልዎ ኣለዎም።

ንሕና ‘ውን ከም ትዴፓ ሂወት መናእሰይ ትግራይ ብኸንቱ ከይጠፍእ ብሰላም ኢዶም ክህቡ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒትና ክነቕርብ ንፈቱ። ወለዲ ተጋሩ ብዛዕባ ደቖም ኣበይ ኣለዉ ኢሎም ክሓቱ ኣለዎም። ደቕና ንዘይግቡእ ኵናት ሂወቶም ይስእኑ ኣለዉ እዚ ኵናት እዚ ጠጠው ክብል ኣለዎ ኢሎም ክሓቱ ኣለዎም። ራዕዳዊ ህወሓት ኩናት ጠጠው ከብል ህዝቢ ትግራይ ክሓትት ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ይፀንት ‘ዩ ዘሎ። ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምፅናት ስራሕ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። በዚ መሰረት ህዝቢ ትግራይ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ራዕዳዊ ህወሓት ከይተታለለ ነዚ እከይ ዕላማ እዚ ጠጠው ንምባል ክሰርሕ ኣለዎ። ይኣኽለካ ደቕና ክሃልቑ የብሎምን ክብሎም ኣለዎ። ብፍላይ ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ብመንግስቲ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይበፅሖ ከም ዘሎ ገይሩ ዘጋወሖ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህዝቢ ክነቕሐሉ ኣለዎ። ብዝነዝሖ ዘሎ ኣጀንዳ ህዝቢ ትግራይ ከይተደናገረ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ክብል ‘ዩ ዝግበኦ። ብሓፂሩ ግና ዝርከቡ ዘለዉ ዓወታት ብጣዕሚ ደስ ዘብሉ ‘ዮም። እዚ ቐፃልነት ክህልዎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓገዙ ኣጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡-ሓደ ሓደ ኣካላት ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ደገፍ ህዝቢ ትግራይ ስለ ዘለዎ ጠቕሊሉ ክጠፍእ ኣይኽእል ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ፤ እዚ ከመይ ይሪእዎ?

ኣይተ ሓጎስ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ድሕሪ ሕዚ ጠፋኢ ‘ዩ፤ እንደጋና ክጠናኸር ዝኽእለሉ ዕድል የብሉን። ምኽንያቱ ህዝቢ ዝደልዮ ኣይኮነን። ህዝቢ ዘይደልዮ ሓይሊ ምጥፍኡ ዝቐርዮ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ኣብ ጎኒ ህወሓት ተሰሊፉ ኣይፈልጥን፤ ሕዚ ‘ውን ኣይስለፍን ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ኣብ እዋን ደርጊ ዝነበረ ቓልሲ ኣሚንሉ ‘ዩ ተቓሊሱ ነይሩ። ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ደርጊ ክወድቕ ገይሩ ‘ዩ። ንደርጊ ተቃሊሱ

 ዘውደቖ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ምበር ጉጅለ ህወሓት ኣይኮነን። ኣብቲ ግዘ ንሱ ህዝቢ ትግራይ ኣሚንሉ ‘ዩ ተቓሊሱ ነይሩ። ሕዚ ግና ኣሚንሉ ኣይኮነን ዝቓለስ ዘሎ።

ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራዋይ ምስ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዘራኽቦ ጉዳይ የብሉን። ትግራዋይ ደጋፊ ህወሓት ኣይኮነን። መማረፂ ስለ ዘይረኸበን ስለ ዝተዓፈነን ንግዚኡ ምስኡ ክመስል ይኽእል ‘ዩ። ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ዘቓልዕ ኣካል ስለ ዘየለ ‘ዩ። ግቡእ ሓበሬታታት ስለ ዘይረኸበ ‘ዩ። ነቲ ክልል ን30 ዓመት ዝኣክል ብዓሉ የማሕድሮ ስለ ዝነበረ መማረፂ ስለ ዘስአኖ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ነዚ ታራ ሽፍታ እዚ ዘየርበሖ ምዃኑ ፈሊጡ ክቓለሶ ‘ዩ ዝግበኦ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተወለድቲ ተጋሩ ሰልፊ ተኻይዱ ‘ዩ፤ ብፍላይ ድማ ትዴፓ ኣብዚ ሰልፊ እዚ ኣካል መተሓባበሪ ነይሩ ‘ዩ፤ እስቲ እቲ ሰልፊ ንሃገር ዘለዎ ረብሓን መልእኽቱን ኣሕፅር ኣቢሎም ተዝገልፁልና?

ኣይተ ሓጎስ፡- እቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተወለዲ ተጋሩ ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ራዕዳዊ ህወሓት ደጋፊ ዘይብሉ ምዃኑ ‘ዩ ዝተረጋገፀሉ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ንከባቢ 30 ዓመት ዝኣክል ኣብ ስልጣን ስለ ዝፀንሐ ብኔትወርኩ ኣቢሉ ንህዝቢ ትግራይ እናፈራርሖ ፀኒሑ ‘ዩ። እዚ ዘሪአካ ብዘይካ ውሱናት ናይ ባዕሉ ካድረታት ካብ ህዝቢ ትግራይ ድጋፍ ዝባሃል ነገር ከም ዘይብሉ ‘ዩ። ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዘለዉ ካድረታት ‘ምበር ካሊእ ትግራዋይ ንህወሓት ዝሕግዝ የለን። ህዝቢ ትግራይ ብህወሓት ምንም ነገር ከም ዘይተሰርሐሉ ይፈልጥ ‘ዩ።

ራዕዳዊ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ብፍቕሪ ከይነብር ‘ዩ ዝገብር ዘሎ። ተጋሩ ብሰንኪ ህወሓት ተሸቚሪሮም ክነብሩ እናሰርሐ ‘ዩ፤ ከም ድሌቱ ከይዛረብ ከይሰርሕ ገይርዎ ‘ዩ። እዚ ተግባር እዚ ብምልኡ ትግራዋይ ይርደኦ ኣሎ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ካብቲ ዝገብሮ ዘሎ ሕማቕ ተግባሩ ጠጠው ንኸብል ሰላማዊ ሰልፊ ወፂኡ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ፍፁም ከም ዘየድሊ ተረዲኡ ካብ

 ዘውደቖ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ምበር ጉጅለ ህወሓት ኣይኮነን። ኣብቲ ግዘ ንሱ ህዝቢ ትግራይ ኣሚንሉ ‘ዩ ተቓሊሱ ነይሩ። ሕዚ ግና ኣሚንሉ ኣይኮነን ዝቓለስ ዘሎ።

ብሓፂሩ ህዝቢ ትግራዋይ ምስ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዘራኽቦ ጉዳይ የብሉን። ትግራዋይ ደጋፊ ህወሓት ኣይኮነን። መማረፂ ስለ ዘይረኸበን ስለ ዝተዓፈነን ንግዚኡ ምስኡ ክመስል ይኽእል ‘ዩ። ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ዘቓልዕ ኣካል ስለ ዘየለ ‘ዩ። ግቡእ ሓበሬታታት ስለ ዘይረኸበ ‘ዩ። ነቲ ክልል ን30 ዓመት ዝኣክል ብዓሉ የማሕድሮ ስለ ዝነበረ መማረፂ ስለ ዘስአኖ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ነዚ ታራ ሽፍታ እዚ ዘየርበሖ ምዃኑ ፈሊጡ ክቓለሶ ‘ዩ ዝግበኦ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተወለድቲ ተጋሩ ሰልፊ ተኻይዱ ‘ዩ፤ ብፍላይ ድማ ትዴፓ ኣብዚ ሰልፊ እዚ ኣካል መተሓባበሪ ነይሩ ‘ዩ፤ እስቲ እቲ ሰልፊ ንሃገር ዘለዎ ረብሓን መልእኽቱን ኣሕፅር ኣቢሎም ተዝገልፁልና?

ኣይተ ሓጎስ፡- እቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተወለዲ ተጋሩ ዝተኻየደ ሰልፊ፣ ራዕዳዊ ህወሓት ደጋፊ ዘይብሉ ምዃኑ ‘ዩ ዝተረጋገፀሉ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ንከባቢ 30 ዓመት ዝኣክል ኣብ ስልጣን ስለ ዝፀንሐ ብኔትወርኩ ኣቢሉ ንህዝቢ ትግራይ እናፈራርሖ ፀኒሑ ‘ዩ። እዚ ዘሪአካ ብዘይካ ውሱናት ናይ ባዕሉ ካድረታት ካብ ህዝቢ ትግራይ ድጋፍ ዝባሃል ነገር ከም ዘይብሉ ‘ዩ። ካብ ክልል ክሳብ ወረዳ ዘለዉ ካድረታት ‘ምበር ካሊእ ትግራዋይ ንህወሓት ዝሕግዝ የለን። ህዝቢ ትግራይ ብህወሓት ምንም ነገር ከም ዘይተሰርሐሉ ይፈልጥ ‘ዩ።

ራዕዳዊ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ብፍቕሪ ከይነብር ‘ዩ ዝገብር ዘሎ። ተጋሩ ብሰንኪ ህወሓት ተሸቚሪሮም ክነብሩ እናሰርሐ ‘ዩ፤ ከም ድሌቱ ከይዛረብ ከይሰርሕ ገይርዎ ‘ዩ። እዚ ተግባር እዚ ብምልኡ ትግራዋይ ይርደኦ ኣሎ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ካብቲ ዝገብሮ ዘሎ ሕማቕ ተግባሩ ጠጠው ንኸብል ሰላማዊ ሰልፊ ወፂኡ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ፍፁም ከም ዘየድሊ ተረዲኡ ካብ ዘፋራርሑ ዝመደቦም ካድረታት ነይሮም ‘ዮም። ህዝቢ

ኢትዮጵያ ‘ውን እንተይተረደአሉ ፀኒሑ ‘ዩ። መንግስቲ ‘ውን ብተመሳሳሊ። ከምዝፍለጥ እቲ ራዕዳዊ ብዝፈጠሮ ፀገም፣ መንግስቲ ካብ ሃገር ዝበልፅ ነገር የለን ብምባል ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ክእሰሩ ገይሩ ‘ዩ። እቶም ዝተኣሰሩ ተጋሩ ገሊኦም ንህወሓት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝሕግዙ ዝነበሩ ‘ዮም። ንሕና ‘ውን ቅድሚ ሕዚ ብተደጋጋሚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፂእናዮም ኢና። ኣብ ሓንቲ ሃገር ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ክስራሕ እንተሎ፣ ዝኾነ ይኹን ተኣራሚ ምስ ተተሓዘ ኢኻ ተፃርዮ። ቅድሚ ምሓዙ እገለ ፅሩይ ‘ዩ እገለ ድማ ገበነኛ ‘ዩ ከትብል ኣይትኽእል ኢኻ። በዚ መሰረት ምስ ገበነኛታት ዝተረኽቡ ብሃንደበት ዝተተሓዙ ግን ከዓ ገበን ዘይብሎም ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም። ይኑ ግና መንግስቲ ኮነ ኢሉ ንተጋሩ ክብድልን ስነ ኣእምሮ ተጋሩ ንምጉዳእን ኢሉ ዝገበሮ ነገር የለን። ትግራዋይ ጥራሕ ኣይኮነን ‘ውን ዝእሰር ዘሎ፤ ገበን ዘለዎ ኩሉ ካብ ኦሮሞ ይኹን ካሊእ ብሄር ይእሰር ኣሎ ‘ዩ። ትግራዋይ

ኣብዚ ስኽን ኢሉ ክሓስብ ‘ዩ ዘለዎ። በይኑ ኣይኮነን ዝእሰር ዘሎ፤ ኩሉ ገበን ዘለዎ ኣካል ይእሰር ኣሎ ‘ዩ። ቐንዲ ነገር ካብ ገበን ናፃ ኮይንካ ከትርኸብ ኣለካ። እዚ ኩሉ ትግራዋይ ብዝግባእ ዝፈልጦን ተረዲእዎን ‘ዩ።

ኣብዚ ፎቐድኡ ጣብያታትን ወረዳታትን ብገንዘብ ዝፈትሑ ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም። ብገንዘብ ክፈትሑ ዝተታሕዙ ኣካላት ፀጥታ ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም። እዚ መንግስቲ ስለ ዝፈለጦ ዝኾነ ዓይነት በዓል ስልጣን ብናይ ባዕሉ ድሌት ጥራሕ ንኸይፈትሕ መንግስቲ ይከታተል ኣሎ ‘ዩ። እዚ ተጋሩ ከይንጋላትዑን ገንዘቦም ንኸይብልዑን ብምሕሳብ ‘ዩ። ስለዚ መንግስቲ ንሓፈሻዊ ዝኾነ ግብረ ሓይሊ ብምጥያሽ ናይ ምፅራይ ስራሕትታት ጀሚሩ ኣሎ ‘ዩ። ኣብ ቐፃሊ ምስ ራዕዳዊ ህወሓት ዝኾነ ዓይነት ርክብ ዘይብሎም ተፈቲሖም ናብ ማሕበረሰብ ተሓዊሶም ስሩዕ ናብረኦም ክመርሑ ዝግበር ምዃኑ ሓበሬታ ኣለና ‘ዩ። መንግስቲ ዝጠርጠሮ ኣካል ሒዙ ከፃሪ ይኽእል ‘ዩ።

እዚ ንምፅራይ ዝተወሰነ ግዘ ክወስድ ይኽእል ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ዝሰርሖ ዝነበረ ስራሕቲ ይፍለጥ ‘ዩ፤ ብጣዕሚ ሕልኽላኻት ነገራት እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ። ኣብዚ መንግስቲ ብዘጣየሾ ግብረ ሓይሊ ገይሩ ብምፅራይ ኣብ ቐረባ እዋን ክስደድ ዝኽእል ክስደድ ምዃኑ ክገልፅ እፈቱ። ከምዚክብል እንተለኹ ሓበሬታ ስለ ዘለና ‘ዩ። ትዴፓ ቕድሚ ውግእ ምጅማሩ ዳርጋ ኣብ ኩለን ክልላት ብዝባሃል ደረጃ ልዕሊ 700 ተጋሩ ካብ እሱር ክፍትሑ ገይሩ ‘ዩ። ኣብ ሱማሌ፣ጋምቤላ፣ ድሬዳዋን ኣዲስ ኣበባን ዝመሳሰሉ ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰርሕ ኣለና ኢና፤ ኣባላትናን ደገፍትናን ተኣሲሮም ነይሮም ‘ዮም ክፍትሑ ገይርና ኢና። ኣብ ኣዲስ ከተማን የካን ክፍለ ከተማ ንብረቶም ዝተኣሸጎም ተጋሩ ክኽፈተሎምን ናብ ስራሖም ክኣትዉን ገይርና ኢና። እዚ መንግስቲ ግዘ ወሲዱ ከፃርዎ ብዝገበርናዮ ፃዕሪን ውሳነ ረኺቡ ተፈቲሑ ‘ዩ።

ከም ትዴፓ ኣብ ኩለን ናይ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማታት ተመደቡ ኣመራርሓ ኣባላት ኣለዉና ‘ዮም። ምስ ናይ ክፍለ ከተማ ኣመራርሓታትን ሓለፍቲ ኣካላት ፀጥታን ሓቢርና ንሰርሕ ኢና፤ መዓልታዊ ሪፖርት ኣለና ‘ዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንናይ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ምምሕዳራትን ሓለፍቲ ኣካላት ፀጥታን ከምስግን እፈቱ። ከምቲ ቕድም ዝበልክዎ እቲ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ናይ ምፅራይ ስራሕቱ ይቕፅል ‘ዩ ዘሎ። ንሕና ‘ውን በቢ መዓልቱ እናኸድና እንታይ ትገብሩ ኣለኹም፣ ኣበይ በፂሕኹም እናበልና ንኸታተል ኢና። ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ ትዴፓ ካብዝኾ ይኹን ንላዕሊ ቖላሕታ ሂቡ ኣብ ምንቕስቓስ ዝርከብ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ።

ወጋሕታ፡- ምስ ወድዓዊ ኩነታት ብምትሕሓዝ ህዝቢ ትግራይ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልይዎም ዕድል ክህቦም፤

ኣይተ ሓጎስ፡- ራዕዳዊ ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይብዘይ ወለዶ ክተርፍ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕወሓት ሰለስተ ግዘ ኵናት ተኻይዱ ‘ዩ። ምስ ደርጊ፣ ኤርትራ፣ ሕዚ ድማ ምስ ማእኸላይ መንግሰቲ፤ ኣብዞም ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት፣ ኣመራርሓ ህወሓት ኣይሞቱን፤ ተራ ህዝቢ ‘ዩ ዝመውት ዘሎ። ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ይሃልቕ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ብቕልጡፍ ጠጠው ክብል ኣለዎ። እዚ ጠጠው ክብል እንተኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስትን ህዝቢ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ዕጡቓት ተጋሩ ኢዶም ንመንግስቲ ብሰለም ክህቡ ኣለዎም። ከምዚ እንተገይሮም መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ፀገም ከም ዘየብፀሐሎም ክርድኡ ክኽእሉ ኣለዎም። ወለዲ ‘ውን ደቕና ይኣኽሎም ኢሎም ክሓቱ ኣለዎም። ደቕና መልሱልና፤ ኣበይ ኣለዉ ክብሉ ኣለዎም። ደቕና ንምንታይ ዕላማ ‘ዮም ዝሞቱ ዘለዉ ኢሎም ክሓቱ ኣለዎም። መናእሰይ ተጋሩ ራዕዳዊ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ጠጠው ንኸብል ናይ ምቕዋም ስራሕቲ ክሰርሑ ኣለዎም። ምኽንያቱ ወለዶ ይበርስ ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ደገ ዝርከቡ ተጋሩ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ንሓስብ ኢና ዝብሉ ተጋሩ እቲ ጉጅለ ካብ ተግባሩ ጠጠው ዘብለሉ ምኽንያት ብምቕዋም ናይ ባዕሎም እጃም ክፃወቱ መልእኽተይ በዚ ኣጋጣሚ ከማሓላልፍ እፈቱ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።

ኣይተ ሓጎስ፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንኽገልፅ ስለ ዝጋበዝኩምኒ ብጣዕሚ የቕንየለይ።

30 ሕዳር 2014 ዓ.ም  ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

መኣርግ ገ/ሄር

Recommended For You