ቃል ብተግባር

 ‹‹እዋኑ ሃገር ብመስዋእቲ ምምራሕ ዘድልዮ ግዜ ‘ዩ። ካብ ሕዚ ኣብ ግንባር ኮይነ ንምምራሕ ካብ ፅባሕ ክወፍር ‘የ። ታሪኽ ዘድንቖም ደቒ ኢትዮጵያ ሓደ ንምዃን እትሓስቡ ኩሉኹም ንሃገርኩም ከትብሉ ሐዚ ተላዕሉ ኣብ ግንባር ንራኸብ›› ዝብል ቃል ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ 13 ሕዳር 2014 ዓ.ም ናብ ግምባር ከይዶም እቲ ኲናት ብቐረባ ኮይኖም ንምምራሕ ምውሳኖም ዘፍለጥሉ መልእኽቲ ‘ዩ።ብፅባሒቲኡ ድማ ቃሎም ብተግባር ንምግላፅ ናብ ቅድመ ግንባር ወፊሮም’ዮም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ናብ ቅድመ ግንባር እንትወፍሩ ዝፈጠር ክፍተት ካብ ግንባር ብዝቐረዩ ብሙሉእ ዓቕሞም ብምሽፋን ክስርሑ’ዮም ዝበሉ እንትኾን፣ኣብ ግንባር ዘይተሰለፉ መራሕቲ ክልላትን ፌዴሬልን ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ናይ ልምዓትን ምምሕዳርን ስራሕቲ ብምሉእ ዓቕሞም ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም’ዮም።

‹‹ጎልማሳታት ብብልሓት ከባቢኦም እናሓለዉ፣ ኣረጋውያን ኣዴታትን ኣቦታትን ብፀሎት እናሓገዙ፣ ኩሉ ሰብ ተሓባቢሩ ሰዓራይነት ኢትዮጵያ የረጋግፅ። ድሕሪ ሕዚ ኣብ ርሑቕ ተቐሚጥና ከምዚ ኮነ ከምዚ እናበልና ኣራሚ እንኾነሉ ግዜ ኣይኮነን። ክግበር ዘለዎ ንሕና በዓልና ንግበር። ንኢትዮጵያ ካባና ንላዕሊ ካብ ዝኾነ ኣይመፅእን። ኢትዮጵያ ዝብል ሽም ናይ ሰዓርቲ ሽም ‘ዩ፤ምልክት ናፃናት ‘ዩ። ኣይጠራጠርን፣ ናተይ ወለዶ ንሰዓራይ ሽሙን ንናፃነት ምልክቱ ትፅቢት ዝግበረሉ ዋጋ ብምኽፋል ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ብወርቒ ቀለም የሐትም›› ብዝብል ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ንዐኦም ስዒቦም ንክወፍሩ ብዘሕለፍዎ መልእኽቲ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካኛታትን፣ኣርቲስታት፣ስፖርተኛታትን ካልኦትተፈለጥቲ ሰባት’ውን ናብ ቅደመ ግንባር ወፊሮም’ዮም።

ኣመራርሓታት ክልል ዓፋር እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ናብ ግምባር ምዝማቶም ህዝቢ ንዓወት ከምዘለዓዓሎ ዝገለፁ እንትኾን፣ውሳነ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ንኣመራርሓታት ክልል ዓፋርን ፍሉጣት ውልቀሰባትን ልዕሉ ምልዕዓል ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።ሓይሊ እቲ ግብረ ራዕዲ ዝነዝሖ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ሙሉእ ብሙሉእ ዘምክንን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ጉጅለ ጥፍኣት ንመወዳእታ እዋን ንምቕባር ዘለዓዕልን ከምዝኾ ‘ውን ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣይተ ኣሕመድ ኑርሳሊ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፣ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ናብ ግምባር ምዝማቶም ህዝቢ ዓፋር ኣብ ልዕሊ እቲ ወራሪ ሓይሊ ዓወት ንኸሓፍስ ዝበለፀ ኣለዓዒሉዎ ‘ዩ።

ሓላፊ ቢሮ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኣይተ መሓመድ ኣሕመድ ብግደኦም፣ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ንሃገሮምን ንህዝቢን ትኽክለኛ መራሒ ከምዝኾ ዘመስከሩሉ ውሳነ ከምዝኸነ ተዛሪቦም።እናተዳኸመ ዝኸድ ዘሎ ሓይሊ ጥፍኣት ኣብ ሓፂር እዋን ንምውጋድ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓድነት ክለዓል ከምዝግበኦ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም‹‹ ፀለምቲ ህዝቢ ናይ ባዕልና ታሪኽ፣ ባህሊ፣ መንነትን ክብርን ንከይህልወና ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ርእሲ ዘድንን ቓልሲ’ዩ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸፈተ ወፍሪ ንኢትዮጵያ ብምንብርካኽ ፀለምቲ ህዝቢታት ናይ ናፃናትን ሰዓራይነትን ኣርኣያ ከይረኽቡ ዝተኸፈተ ወፍሪ ምዃኑ ከዘኻኽረኩም እፈቱ። ንፀለምቲ ህዝቢ ክብርን ልዕልናን ከትብሉ፣ ብመንፈስ ፓን ኣፍርካ ፣ ኩሉኹም ፀለምቲ ህዝቢታት ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ከትብሉ ፃውዒተይ የቕርበልኩም›› ኢሎም ‘ዮም።

ምሁር ታሪክ ዝኾኑ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ኣሕመድ ዘካሪያ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝበልዎ፣ ምውፋር ቅድመ ግንባር ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ንፀለምቲ ህዝብታት ዘቕረብዎ ፃዊዒት ምንቅስቓስ ፓን ኣፍሪካኒዝም ዳግማይ ንክለዓዓል ዝሕግዝ ‘ዩ።

 ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 1960ታት ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪካ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ናይ ምውፃእ መሰረት ከምዝኾነትን ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢላ ‘ውን ብዛዕባ ኣፍሪካ ዝተቃለሰት ሃገር ምዃና ኣዘኻኺሮም።ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ‘ውን ኣደ ተምሳሌት ናፅነት ገይረን ከምዝውስድኣ ገሊፆም።

እቲ ፃዊዒት ምዕራባውያን ዳግማይ እናምፅኡልና ዘለው ኣርዑት ባርነት ብሓባር ንስበር ካብ ዝብል ዝተልዓለ ምዃኑ ብምግንዛብ ኣብዝሓ ሃገራት ኣፍሪካ ብፅቡቅ እናተቐበልኦ ምዃነን ‘ውን ወሲኾም ገሊፆም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ብዕለት 17 ሕዳር 2014 ዓ.ም ኣብ ግምባር ዓፋር ኮይኖም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ድማ ‹‹ንደልዮ ኢትዮጵያዊ ምዃን ወይ ድማ ኢትዮጵያ ምዃን ‘ዩ›› ዝበሉ እንትኾን፣ ሓይልታት መንግስቲ ብልዑል ሞራልም ወነን ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዝነበሩ ቦታታት እናተቖፃፀሩ ምዃኖም ኣፍሊጦም’ዮም።ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሽዑ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ንካሳጊታ ከምዝተቖፃፀረን ቡርቃን ጭፍራን ‘ውን ኣብ ቐፀልቲ መዓልቲ ከምዝቆፃፀር ገሊፆም’ዮም።በዕለት 19 ሕዳር 2014 ዓ.ም ድማ ጭፍራ ሓራ ከምዝመፅአት ዕላዊ ተገይሩ ኣሎ።እዚ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ቃሎም በተግባር እናገለፁ ምዃኖም ዘመልክት እንትኾን ካልኦት ‘ውን መልእኽቶም ተቐቢሎም ኣሰሮም እናሰዓቡ ናብ ቅድመ ግንባር እናወሓዙ’ዮም።

 ኣትሌታትን ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብን ‹‹ንኽተለካ ኣለና›› ብዝብል መሪሕ ቃል ናብ ግምባር እናወፈሩ እንትኾን፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ነበርቲ እታ ከተማን ሉኣላዊነት ሃገር ንምኽባር ናብ ግምባር ንዝዘምቱ ኩርዓት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ኣትሌታትን ኣርቲስታትን ምፍናው ገይረሙሎም’ዮም።

ካብ ኣትሌታት ኣትሌት ገዛኸኝ ኣበራ፣ ኣትሌት ፈይሳ ሌሊሳ፣ኣትሌት ኮማንደር ማርቆስ ገነቴ ኣብ ግንባር ተረኺቦም ንሰራዊት ምክልኻል ኣበረታቲዖም’ዮም።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣቦ መንበር ኢዜማ ኣይተ የሽዋስ ኣሰፋ፣ ኣመራርሓ ናብ ግምባር ብምኻድ ንሰራዊቱ ከምዘበረታትዕን ኣባላቱ ድማ ናብ ስልጠና ብምእታው ናብ ሰራዊት ምክልኻል ተፀምቢሩ ንሃገሩ ጠጠው ከምዝብልን ገሊፆም’ዮም።ኢዜማ ናፅነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ኩሉ ግዘ ኣብ ቅድሚት ከምዝስለፍ እውን ኣብሪሆም።

“ናብ ግምባር ዝዘምቱ ኣመራርሓታት፣ ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና ኣብ ዝኾትሉ እዋን መስዋእትነት ምኽፋል ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ደምና ዘሎ ምዃኑ ብምፅራሕ፤ ብዓወት ከምንምለስ ኣይንጠራጠርን” ኢሎም።

ኣርቲስት ታማኝ በየነን ፖለቲከኛ ኣንዳርጋቸው ፅጌ፣ ፖለቲከኛ ነኣምን ዘለቀን ብርጋዴር ጀነራል ካሳዬ ጨመዳን ሓዊሱ ፍሉጣት ውልቀ ሰባት ከምኡ ‘ውን ላዕለዎት ኣመራርሓታት ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ናብ ግምባር ዘሚቶም’ዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ወፍሪ ህልውና ብዝተፈላለዩ መገዲ ኣብ ቅድሚት ኮይኖም እናተቃለሱ ዝነበሩ ኣርቲስታትን ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግምባር ምዝማቶም ስዒቡ ንሳቶም ‘ውን ከምዝዘመቱ ገሊፆም።

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ‹‹ኣብ መወዳእታ እዚ ቓልሲ እዚ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ቓልሲ ‘ዩ። ደቕና ሃገር ንክህልዎም ዝግበር ቓልሲ ‘ዩ። ደቅና ክብርን ናፃናትን ለቢሶም፣ ኣብ ኣዳባባይ ዓለም ብኹርዓት ቕንዕ ኢሎም ክኸዱ ዝግበር ቓልሲ’ዩ። ኣብ ዓለም ብኽብሪ ንፅውዖ ሽም ንክህልወና ዝግበር ቓልሲ ‘ዩ። ምንባር ወይ ዘይምንባር ዝውሰን ቃልሲ ‘ዩ። ብዘይ ምንም ጥርጠር ግና ክንስዕር ኢና። ኢትዮጵያ ፀዊዒኻ ንክስዓር ፈፂምካ ዘይሕሰብ’ዩ›› ብዝብል ከምዘስፈርዎ ሰዓራይ ንምዃን ኩሉ ዜጋ ኣሰር ቐዳማይ ሚኒስትር ብምኽታል ቃል በተግባር ጋህዲ ንክኸውን ክሰርሕ ኣለዎ።

23 ሕዳር 2014 ዓ.ም ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You