ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ደጉዓ ተንቤን ከተማ ሃገረሰላም ነበር ሓላፊ ፀጥታን ምልሻን ‘ዮም። ኣብ 1956ዓ.ም ኣብ ራያ ኣላማጣ ዝተወለዱ እንትኾኑ ክሳብ 12 ክፍሊ ‘ውን ኣብ ከተማ ኣላማጣ ‘ዮም ተማሂሮም። ኣብ 1974 ዓ.ም 12 ክፍሊ ምስ ወድኡ ናብ ፖሊስ ሰራዊት ብምፅማር ኣብ ተፈላለዩ ክፍልታት ፖሊስ ብፍላይ ኣብ ድሕንነት ትራፊክ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ሰሪሖም ‘ዮም። ኣብ 2012 ዓ.ም ጡረታ ወፂኦም ዝነበሩ እንትኾኑ ቕድሚ ለውጢ ዝነበረ ስርዓት ይፀልእዎ ስለ ዝነበሩ ምስቲ ሓዱሽ ለውጢ ብምስላፍ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ደጉዓ ተንቤን ከተማ ሃገረሰላም ብናይ ፀጥታን ምልሻን ሓላፍነት እናሰርሑ ድሕሪ ምፅናሕ መንግስቲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ንምውፃእ ምስ ወሰነ ብጁንታ ህወሓት ጉድኣት ከይበፅሖም ብምስጋእ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ እንትኾኑ ተቓውመኦም ኣጣናኾሮም እናቐፀልሉ ይርከቡ። እምበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ኣብ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪትና ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ኣሰናዲእናልኩም ኣ ለ ና ። ሰናይ ንባብ
ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ”ምፅናት ዘርኢ‘ ተፈፂሙ ኣሎ ንዝብል ክሲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ብሓባር ኣብ ዝገበርዎ ናይ ምርመራ ሪፖርት ‹‹ምፅናት ዘርኢ›› ከም ዘይተፈፀመ ‘ዩ ተማላኺቱ። እስቲ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ይግለፁልና?
ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ተደጋጋሚ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ገበን ኣብ ትግራይ ተፈፂሙ ‘ዩ፤ እናተባህለ በቲ ጁንታ ይኹን ብሃገራት ምዕራባውያን ክንገር ፀኒሑ ‘ዩ። እዚ ብመንግስቲ ከም ዝተፈፀመ ገይሮም ‘ዮም እናጋውሑዎ ፀኒሖም። በርግፅ ኣብ ትግራይ ምፅናት ዘርኢ ተፈፂሙ ‘ዩ፤ ከምዚ ክብል እንተለኹ ግና መንግስቲ ፌዴራል እንተይኮነስ በዓሉ እቲ ራዕዳዊ ህወሓት ዝፈፀሞ ‘ዩ። ንኣብነት ኣብ ማይ ካድራ፣ ኣብ እዚ ሰሜን ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ምዕራባውያን ሃገራት ከምኡ ‘ውን ኣሜሪካ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝፈፀሞ ገይሮም ብሚድያታቶም ከጋውሕዎ ፀኒሖም ‘ዮም። እዚ ድማ እቲ ሓቒ ጠፊእዎም እንተይኮነስ ንጁንታ ብምድጋፍ ሃገር ንምፍራስ ስለ ዝሓሰቡ ‘ዮም። እዞም ሓይልታት እዚኦም ኢትዮጵያ ሓድነታ ኣጣናኺራ ልምዓታ ከይትቕፅል ‘ዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ክብራ ሓልያ ንኸይትነብር ካብ ዘለዎም ድሌት ‘ዩ ዝብገስ።
እዞም ኣካላት እዚኦም ዘጥፈአ ኣካል ንጎኒ ብምግዳፍ ብተፃራሪ ክኸዱ ፀኒሖም ‘ዮም። ንኢትዮጵያ ዘፅላዕልእ፤ ዲፕሎማሲ ዘባላሹ ስራሕ እናሰርሑ ፀኒሖም ‘እዮም፤ ሕዚ ‘ውን ነዚ ‘ዮም ዝቕፅልሉ ዘለዉ። እቲ ሓቒ ካብ መጀመርያ ኣትሒዞም ክቕበልዎን ክሰምዕዎን ኣይደለዩን። መንቐሊ እቲ ፀገም ክሰምዕዎ ኣይደልዩን።
ጁንታ ህወሓት ኢትዮጵያ ንምፍራስ ተልእኾ ምዕራባውያንን ኣሜሪካን ተቐቢሉ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ምዕራባውያን ኮነ ኢሎም ተመሳሳሊ ሓሳብ ብምግዋሕ ሃገርና ንምፍራስ በርቲዖም እናሰርሑ ፀኒሖም ‘ዮም። ምኽንያቱ ዕላመኦም ሓደ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ንምፍራስ ‘ዩ። እቲ ሓቒ ጠፊእዎም ኣይኮነን። ራዕዳዊ ህወሓት ናይቲ ፀገም መበገሲ ምዃኑ ይፈልጡ ‘ዩም። እቲ ፀገም ድማ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ርእሲ እዚ ሰሜን ብዝወሰዶ መጥቓዕቲ ስዒቡ ዝመፀ ፀገም ‘ዩ።
ገበን ዝፍፅም ዝነበረን ሕዚ ‘ውን ዝፍፅም ዘሎ ኣካል፣ ምዕራባውያን ከይፈለጡ ቐርዮም ኣይኮኑን። ኣብ ማይ ካድራ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ብሚድያታት ይንገሮም ነይሩ ‘ዩ። ምዕራባውያን ግና ናይ ራዕዳዊ ህወሓት ሪፖርት ጥራሕ እናተቐበሉ ‘ዮም ብሚድያታቶም ዘጋውሑ ነይሮም። ሕዚ ‘ውን ነዚ ገበን ዝፍፅም ዘሎ ባዕሉ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ‘ዩ። ብፍላይ እዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ዝባን ህዝቢ ትግራይ ተሓዚሉ ንባዕሉን ንህዝቢ ትግራይን ናብ ሓደጋ ‘ዩ ዘአቱ ዘሎ። ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ክወርድ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ መሳርሒ ህወሓት ክኸውን የብሉን። ብሰንኪ ህወሓት ይልከም ‘ዩ ዘሎ። ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱ ኣስጢሙ ከይነብር ‘ዩ ዝገብር ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያውነቱ ኣሚኑ ፍቕሩን ሓድነቱን ኣጣናኺሩ ከይነብር ‘ዩ ዝገብር ዘሎ።
ጁንታ ህወሓት ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ሪፖርት ብምቕራብ ምዕራባውያን ንምሕጓስ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ስጡም ርክብ ‘ውን ኣለዎ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ እዚ ናይ ሓሶት ፀብፃባት እናመሓላለፈ ዋላ ይፅናሕ እቲ ሓቂ ምውፃእ ጀሚሩ ኣሎ ‘ዩ። ስለዚ ኩናት ገበን ተፈፂሙ ‘ዩ እናበለ ማሕበረሰብ ዓለም ከዳናግር ዝፀንሐ ሕዚ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ላዕላዋይ ኮምሽን ሰባኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓሶት ምዃኑ በቲ ዝገበርዎ ናይ ሓባር ምርመራ ውፅኢት መሰረት ሓሶት ምዃኑ ተረጋጊፁ ‘ዩ።
ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ናይ ምፅናት ተግባር ፈፂሙ ‘ዩ፤ ንኣብነት ናይ ግዝያዊ ምምህዳር ዝነበሩ ኣካላት ቐቲልዎም ‘ዩ። እዚ ንባዕሉ ክፅናት ዘርኢ ‘ዩ። ብግዝዊ ምምሕዳር ተመዲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ተጋሩ ፀረ ተጋሩ ኢኹም እናበለ ቐቲልዎም ‘ዩ። እዚ ንባዕሉ ዘርኢ ምፅናት ምዃኑ ፍሉጥ ‘ዩ። ባንዳታት ኢኹም እናበለ ልዕሊ ሚኢቲ ሰባት ቐቲሉ ‘ዩ። እዚ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ከፅነዖ ኣለዎ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ዓሌት ዝፍፅም ዘሎ ህወሓት ‘ምበር መንግስቲ ከምዘይኮነ ክርዳእ ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ሓቂ እዚ ‘ዩ ‘ምበር ፀብፃብ ራዕዳዊ ህወሓት ኣይኮነን።
ናይ ህወሓት ዝተዛበዐ ፕሮፖጋንዳ ምስሊ ኢትዮጵያ እናቐየሮ መፂኡ ‘ዩ። ሕዚ ግና እቲ ሓቂ እናተፈለጠ መፂኡ ‘ዩ። ህወሓት ካብ ቐደም ጀሚሩ ሓሶት ልማዱ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኢትዮጵያ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋዳ ከትውንጀል ኣይትኽእልን ‘ያ። ዘይሩ ዘይሩ እቲ ሓቒ እናወፀ ‘ዩ ዘሎ። መንግስቲ ኣብ ትግራይ ጥንቓቐ ብዝተመልኦ ‘ዩ ኦፕሬሽን የካይድ ነይሩ። በዚ መሰረት ብጣዕሚ ትሑት ጥቕዓት ተፈፂሙ ክኾን ይኽእል ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- መንግስቲ ፆታዊ መጥቓዕትን ጥሜትን ከም መሳርሒ ኩናት ተጠቒምሉ ‘ዩ እናተባህለ ዝፀንሐ ‘ውን ኣብቲ ዝተገብረ ናይ ሓባር ምርመራ ሪፖረት ውድቒ ኮይኑ ‘ዩ፤ እስቲ ኣብዚ ኸ ዘለዎም ርኢቶ ይግለፁልና፤
ኮማንደር ገብረመስቀል፡- እዚ ‘ውን ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ ተመሳሳሊ ‘ዩ። ናይ ረድኤት እኽሊ ንወታደር ዘውዕሎ ዝነበረ መን ድዩ? ባዓሉ ህወሓት ‘ዩእኮ። መንግስቲ ካብ ትግራይ እንተይወፀ ተሎ ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ረድኤት ይረክብ ነይሩ ‘ዩ። ሕዚ ህወሓት ኩሉ ምስ ሓዞ ግና ረድኤት ኣይረክብን ዘሎ።
ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይረክብ መገዲ ዝዓፁ ዘሎ እኮ ባዕሉ ጁንታ ህወሓት ‘ዩ። ዝተወሰና እንተኣተዋ ‘ውን ተመሊሰን ከየምፀኣ ሓኒቑ ብምሓዝ ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ጥሜት ክኸውን ዝገብር ዘሎ በዓሉ ‘ዩ። ዝኣተዋ መኻይን ንዕላማ ኩናት ‘ዩ እኮ ዘውዕለን ዘሎ። ፆታዊ ጥቕዓት ‘ውን ዝፍፅም ዝነበረ በዓሉ እቲ ጁንታ ‘ዩ። ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፆታዊ ጥቕዓት ፈፂሙ ‘ዩ ዝብል ሓሶት ‘ዩ። አዚ ጉጅለ እዚ ናይ ባዕሉ ሕማቕ ተግባር ናብ ካሊእ ኣካል ምልጣፍ ባህርያቱ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝተፈላለዩ ገበናት ይፍፅም ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ኣካላት እናገለፁ ‘ዮም ዝርከቡ። እዚ ካብ ምንታይ ዝነቐለ ‘ዩ ይብሉ?
ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ብመሰረቱ እዚ ራዕዳዊ ጉጅለ እዚ ክሳብ ሕዚ ኢትዮጵያ መቒራቶ ‘ያ ነይራ፤ ዓንዲሩላ ‘ዩ ነይሩ። ሃፍቲ ኢትዮጵያ በሊዕዎ ‘ዩ። ስልጣን ኣብ ቑፅፅሩ ስለ ዝነበረ ኩሉ ነገር ኣብ ኢዱ ‘ዩ ነይሩ። ሕዚ ‘ውን ናብ ስልጣን ክመፅእ ‘ዩ ብዙሕ ገበናት ዝፍፅም ዘሎ። ሃገር ብምድኻም ናብ ስልጣን ንምምፃእ ‘ዩ። ምኽንያቱ እዚ ሓይሊ እዚ ስልጣን ክተሓዝ ዝከኣል ብሓይሊ ‘ዩ ኢሉ ‘ዩ ዝኣምን። ስልጣን ድማ ብህዝባዊ መረፃ ‘ምበር ብሓይሊ ኣይኮነን፤ ንሱ ግና ብሓይሊ ስለ ዝመስሎ ‘ዩ ሓይሊ ዝተመልኦ ግፍዕታት ዝጥቐም ዘሎ። ካብ መጀመርታ ናብ ስልጣን ዝመፀ ብምጭብርባር ‘ዩ ነይሩ።
እዚ ሓይሊ እዚ ብሓይሊ ስለ ዝኣምን ‘ዩ ኣብ መወዳእታ ካብ ስልጣኑ ብሓይሊ ህዝቢ ተደፊኡ ክባረር ዝኸኣለ። እዚ ብተደጋጋሚ ገበናት ዝፍፅም ዘሎ ኢትዮጵያ ንምፍራስን ንህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ብሄራት ንምፅላእ ‘ዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ንህዝቢ ብምግርጫው ናብ ስልጣን
ክምፅእ ስለ ዝደሊ ‘ዩ። ኦሮሞ ምስ ኣምሓራይ፣ ትግራዋይ ምስ ካሊእ ብሄረሰብ እናፃለአ መፂኡ ‘ዩ። ኣብ ርእሲ ህዝቢ ትግራይ ተሓንጊሩ ናይ ሽፍታ መንግስቲ ንምምስራት ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ካብ ሕዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቕበሎ ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ነንባዕላ ብምብላዕ ናብ ስልጣን ክመፅእ ኣይኽእልን ‘ዩ።
ራዕዳዊ ህወሓት ስልጣን ንምሓዝ ኩሉ ዝከኣሎ እናተጠቐመ ‘ዩ ዘሎ። ህወሓት ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ብሄራት ይፀልእ ነይሩ ‘ዩ፤ ሕዚ ድማ ብተግባር ‘ዩ ዘረጋግፆ ዘሎ። እዚ ተግባር ድማ ናይ ህዝቢ ትግራይ ከም ዝኾነ ተገይሩ ክቐርብ ‘ዩ ዝደሊ። ድሌት ህዝቢ ትግራይ ብምምሳል ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምፅላእ ‘ዩ። ብሓፂሩ ጁንታ ህወሓት ነዚ ኩሉ ግፍዕታት ዝፍፅሞ ዘሎ ብዛዕባ ስልጣኑ ‘ምበር ብዛዕባ ሃገር ዝግድሶ ስለ ዘይኮነ ‘ዩ። ኩሉ ግዜ ኣብ ስልጠን ክነብር ‘ዩ ድሌቱ። እዚ ድማ ክሳኻዕ ዝኽእል ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ምስ መንግስቲ ብምፅላእ ሃገር ንምብታን ሰፊሕ ናይ ጥፍኣት ስራሕ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ብሄራት ነንርእሶም ብምፅላእ ናብ ሰልጣን ንምምፃእ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ክነቕሕ ኣለዎ፤ መሳርሒ እቲ ጁንታ ክኸውን የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ህወሓት ቓልሲ ክጅምር ኣለዎ። ከምዚ እንተዘይገይሩ ሓራ ክወፅእ ኣይኽእልን። ህዝቢ ትግራይ ከምዚ እንተገይሩ እቲ ዓወት ኣብ ኢዱ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ጁንታ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ንምውፃእ ኢለ ‘የ ዝቓለስ ዘለኹ ‘ዩ ዝብል። እዚ ከመይ ‘ዮም ዝምልከትዎ? ብሓቒ ንህዝቢ ትግራይ ኢሉ ድዩ ዝቓለስ ዘሎ? ካብዚ ኩናት እዚ ህዝቢ ትግራይ ዝጥቀሞ ነገር ኣሎ ዶ?
ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ጁንታ ህወሓት ንስልጣኑ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ኢሉ ኣይኮነን ዝቓለስ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ እኮ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ ‘ዩ ዝኸፍል ዘሎ። ወለዶ ዘብርስ ኩናት ‘ዩ ዘካይድ ዘሎ። ንፁህ ህዝቢ ትግራይ እናተጎድአ ‘ዩ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኩናት ዝጥቐመሉ ነገር የብሉን። ክጥቐም ዝኽእል ህወሓት ክጠፍእ እንተሎ ‘ዩ። ኣንፃር ህወሓት እንተዘይተቓሊሱ ክርባሕ ኣይኽእልን። ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ ዘባኣሶ ዘሎ።
ህዝቢ ትግራይ ኢትዮጵያዊ መንነት ከይህልዎ ገይርዎ ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን ዋላ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብቋንቋ እናፈላለየ ሃገራዊ ስሚዒት ከይህልዎ ‘ዩ ገይርዎ። ብምዕራባውያን እናተላኣኸ ንህዝቢ ትግራይ ከመሓድራ ኣይኽእልን። ህወሓት ተለኣኣኺ ምዃኑ ክርዳእ ኣለዎ። እዚ ጉጅለ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ዝሓስብ ተዝኾን ነይሩ፣ መንግስቲ ፌዴራል ህዝቢ ትግራይ ንእሽተይ ከዐርፍ ኢሉ ኩናት ጠጠው ከብል እንተሎ ህወሓት ግና ንህዝቢ ትግራይ ኣላዓዒሉ ናብ ኩናት ‘ዩ ጠጢቕዎ። እዚ ኩናት እዚ ይትረፍ ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ከውፅእ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ክፅላእ ‘ዩ ገይርዎ። ኮይኑ ግና እቲ ንፁህ ትግራዋይ ምስ ኣሓቱ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብሓደ ክነብር ይኽእል ‘ዩ። ኣሕዋት ‘ዮም። ከም ናይ ወትሩ ሓቢሮም ክለምዑን ክዓብዩን ይኽእሉ ‘ዮም።
ወጋሕታ፡- መንግስቲ ኩናት ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ምስ ወሰደ ብራዕዳዊ ህወሓት ተታሊሉ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ትግራይ ናብ ኩናት ወፊሩ ‘ዩ። ከምዚ ከይኸውን እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?
ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ልክዕ ‘ዩ፤ መንግስቲ ኩናት ጠጠው ምስ ኣበለ ጁንታ ነዛ ክፍተት እዚኣ ተጠቒሙ ብዙሕ መንእሰይ ብምዕላም ናብ ኩናት ክወፍር ገይሩ ‘ዩ። በዚ መሰረት ናብ ጎረባብቲ ክልላት ክጋፋሕ ገይርዎ ‘ዩ። እዚ ድማ ናይቲ ተንኮለኛ ጁንታ ህወሓት ሓደ ኣካል ስትራተጂ ‘ዩ። ከምዚ ዝበለ ሓይሊ፣ ህዝቢ ናብ ኩናት ‘ዩ ዝጥጥቕ። እዚ ሽፍታ ሓይሊ እዚ ብዙሕ መንእሰይ ‘ዩ ናብ ሓዊ ዝጥጥቕ ዘሎ። ህፃናት ትግራይ ወዲኡ ኣብ ካልኦት ክልላት ‘ውን ተመሳሳሊ ግፍዒ ‘ዩ ዝወስድ ዘሎ።
መንእሰይ ትግራይ ናብ ኩናት ከይኣቱ መንግስቲ እኹል ዝኾነ ፅንዓት ብምግባር ከይወፍር ክገብር ኣለዎ። እንታይ ተተገብረ ‘ዩ ናብ ኩናት ክኣቱ ዘይኽእል ኢልካ ምሕሳብ ወይ ምፅናዕ የድሊ። መንእሰይ ናይዚ ጉጅለ እዚ ተግባር ብደንቢ ክርዳእ ክግበር ኣለዎ። ህወሓት ንሃገር ከም ዘይጠቕም ክንገሮ ክኽእል ኣለዎ። እዚ ኩናት እዚ ንህወሓት ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ከም ዘይጠቕም ንኽፈልጥ ክግበር ኣለዎ። መንእሰይ እዚ ጉጅለ እዚ ፀረ ኢትዮጵያ ምዃኑ
ብዝግባእ ክንገሮ ኣለዎ። ንሃገርን ህዝብን ከም ዘይጠቕም ክርዳእ ኣለዎ። ሓደጋነቱ ብሰፊሑ ስለ ዘይተሰርሖ ‘ዩ መንእሰይ ትግራይ ናብ ኩናት ብበዝሒ ዝውሕዝ ዘሎ። ደጊሙ ክዕሾ ከም ዘይብሉ ተገይሩ ‘ዩ ክስራሕ ዘለዎ። ኣብዚ ኣድሂብካ ስለ ዘይተሰርሐሉ ‘ዩ ጁንታ ከም እንደጋና ተሲኡ።
ህዝቢ ትግራይ ይኹን መንእሰይ ትግራይ ንኸባቢ 40 ዓመት ተፃዒንዎ ዝነበረ ናይ ህወሓት ስነ ልቦና ብሓደ ግዜ ክሕከኽ ኣይኽእልን። ፅንዓትን ግዜን ሂብካ ክስረሐሉ ‘ዩ ዘለዎ። ፖለቲካዊ ኣመላኻኽትኡ፣ ናፃነቱ ተሸርሺሩ ‘ዩ። ብናፃናት ከሓስብን ክነብርን ኣይከኣለን። ንብዙሕ ዓመታት ተሰሪሕዎ ‘ዩ። መንእሰይ ብሓዱሽ መልክዕ ንምቕራፅ ሰፊሕ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ። ኣብ ፅንዓት ዝተደረኸ ክኸውን ኣለዎ። ብምንታይ ዓይነት መራኸቢ ሜላ ክኸውን ከምዘለዎ ብደንቢ ክሕሰበሉ ኣለዎ። ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣተሓሳስብኡ ዝቕየረሉ ኩነታት ክስራሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ክሳብ ሕዚ ኣይተሰርሐሉን ፀኒሑ። በዚ ምኽንያት እዚ ‘ዩ ብቐሊሉ ናብ እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ እዚ ክፅመር ክኢሉ። ካብዚ ዝተላዕለ ብርክት ዝበለ መንእሰይ ሂወቱ ብኸንቱ ይጠፍእ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ድማ ንትግራይ ይኹን ንኢትዮጵያ ሓደጋ ‘ዩ። ህወሓት ፀረ ህዝቢ ምዃኑ ንምርዳእ ሓደ ትካል ክጣየሽ ኣለዎ። በስፍሓት ክስረሐሉ ኣለዎ።
ኮይኑ ግና ኩሉ መንእሰይ ፈትዩ እንተይኮነስ ዝተገደደ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ፤ ገሊኡ ቤተሰብ እቲ ጁንታ ‘ዩ፤ ገሊኡ ድማ ጥቕሚ ተኻፋሊ ‘ዩ። እዚ ጁንታ እዚ እንተተሳዒሩ ብሕጊ ከም ዝጥየቕ ይፈልጥ ‘ዩ። ምኽንያቱ ገበነኛ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ። ብተፈላላዩ ግዕዝይናን ቕትለት ነብስን ዝጥየቕ ምዃኑ ይፈልጥ ‘ዩ። ስለዚ ዘለዎ ኣማራፂ መንእሰይ እናታለልካ ሃገር ምዝራግ ‘ዩ።
ብዝተፈላለየ ጥቕሚ ዝተወደበ መንእሰይ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ብጥቕሚ ዝሰርዖም ተልእኽኡ ዘፍፅሙ ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም። ነዚ ተልእኾ እዚ ንምፍፃም ምዕራባውያን ዝሕግዝዎ ገንዘብ ኣሎ ‘ዩ። ስለዚ ኣብዚ መንግስቲ ቆላሕታ ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ።
ክፍኣት ጁንታ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣይተፈለጦን ዘሎ። ንምንታይ እንተይልና ተዓፊኑ ‘ዩ ዘሎ፤ ኣማራፂ ኣይረኣየን። ኣብዚ ህዝቢ ብደንቢ ክርደኦ ክስረሐሉ ኣለዎ። መንግሰትን ህዝብን ኣብ ናፃነት ህዝቢ ትግራይ ብሰፊሑ ክሰርሕ ኣለዎ። ብኣተሓሳስባ ህወሓት ተሓፂሩ ክነብር የብሉን። ኣተሓሳስባ ህዝቢ ትግራይ ንምቕያር ሰፊሕ ስራሕ ‘ዩ ዝሓትት። ኣብዚ ጎኒ ንጎኒ እዚ ኩናት እዚ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምውዳእ ክስራሕ ኣለዎ። ተሰግሲጎም ዘለዉ ሓይልታት ክፍተሹ ኣለዎም። ተሰግሲጎም ዘለዉ ሓይልታት ቐለልቲ ሓይልታት ኣይኮኑን።
ወጋሕታ፡- ሚድያታት ዓለም ንህወሓት ብምውጋን ናይ ሓሶት ፀብፃባት ከጋውሓ ‘የን ዝስመዓ፤ እዚ ምኸንያቱ እንታይ ‘ዩ ይብሉ?
ኮማንደር ገብረመስቀል፡- እዘን ናይ ሓሶት ፀብፃባት ዘጋውሓ ዘለዋ ሚድያታት ብምዕራባውያን ‘የን ዝወነና። ንኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ትልሚ ዝተጀመረ ምስ ምዕራባውያን ሽርክና ብምፍጣር ‘ዩ። መንቐሊኡ እዚ ‘ዩ። ጁንታ ተለኣኣኺ ምዕራባውያን ‘ዩ። እዚ ራዕዳዊ ጉጅለ እዚ ዝቖፀሮም ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም። እዞም ሚድያታት እዚኦም በቲ ጁንታ ገንዘብ እናተኸፈሎም ‘ዮም ዝሰርሑ። ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ‘ዮም ዘጋውሑ ዘለዉ። ሕማቕ ተግባር ጁንታ ህወሓት እናሸፈኑ ‘ዮም ኣብ መሬት ዘየለ ነገር እናጋውሑ
ዘለዉ። ናይ ጁንታ ጥፍኣት ከይፍለጥ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ፤ እዚ ድማ ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ብምሕላው ንኢትዮጵያ ንምፍራስ ‘ዩ። ተልእኾ ተዋሂብዎም ዝንቐሳቐሱ ዘለዉ ሚድያታት ‘ዮም። ብጥቕሚ ተኣሳሲሮም ንኢትዮጵያ ንምፍረስ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ኣብ ኢትዮጵያ ንዐኦም ዝእዘዝ መንግስቲ ምቕማጥ ‘ዩ ድሌቶም። ምኽንያቱ ዝእዘዞም መንግስቲ እንተሃልዩ ‘ዮም ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ክኽበረሎም ዝኽእል። ጁንታ ህወሓት ባህርያቱ ባንዳ ‘ዩ። ድሌት ምዕራባውያን ከማልእ ዝኽእል ‘ውን ንሱ ስለ ዝኾነ ‘ዮም ዝሕግዝዎ ዘለዉ። ነዚ ‘ዩ ኣብ ጎኑ ጠጠው ክብሉ ተገዲዶም ዘለዉ። ከምኡ ‘ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥቕሚ ሃገሩ ዘቐድም ስለ ዝኾነ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- እዚ ፈተና እዚ ኣብ ሓድነት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዘለዎ ግደ ከመይ ይገልፅዎ? ብዝግባእ ሓድነቱ ክጠናኸር ገይሩ ‘ዩ ዶ ይብሉ?
ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ህዝቢ ኢትዮጵያ ሕዚ ተግባር ራዕዳዊ ህወሓት እናተረደኦ ‘ዩ ዘሎ። ህዝቢ መጀመርታ ትኽክለኛ መንግስቲ መሲልዎ ‘ዩ ተቐቢልዎ ነይሩ። ካብ ሕዚ ንድሓር ዝቕበሎ ኣይኮነን። ቕድሚ ሕዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህወሓት ክፉእ፣ ዘረኛ ምዃኑ ኣይፈለጠን ነይሩ። ሕዚ ግና ብተግባር ይሪኦ ኣሎ ‘ዩ። ፀረ ህዝቢ ምዃኑ ይርደኦ ኣሎ ‘ዩ። ህዝቢ ሓደ ኮይኑ ንኽቓለሶ ወሲኑ ‘ዩ። ይቓለሶ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። እዚ ፈተና እዚ ሓድነት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ከጣናኽር ገይሩ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ከመሓላልፍዎ ዝደልይዎ መልእኸቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፤
ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሃለወ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሓዉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደ ብምዃን ንጁንታ ክቓለሶ ኣለዎ። ካብ እዚ ራዕዳዊ ጉጅለ እዚ ሓራ ንምውፃእ ክቓለስ ኣለዎ ‘የ ዝብል። ጁንታ ምስ
ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ ዘፃለኦ ዘሎ። እዚ ጉጅለ እዚ ንህዝቢ ትግራይ እናጓሳቖለ ዝመፀ ሓይሊ ‘ዩ፤ ዘየድሊ ፖለቲካ እናፃዓኖ ዝመፀ ጉጅለ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ጉጅለ እዚ ዝተጠቐሞ ነገር የለን። ዘይደልዮ ፖለቲካ ብሓይሊ እናፃዓኖ ዝመፀ ሓይሊ ‘ዩ። ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘጋጭዎ ዘሎ ህወሓት ‘ዩ። እዚ ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ክርዳእ ክኽእል ኣለዎ። ካብ ዝባኑ ከውርዶ ኣለዎ። ክሳብ መዓዘ ኣብ ዝባን ህዝቢ ትግራይ ተሓዚሉ ክነብር። ህዝቢ ትግራይ ዝኸፍሎ ዘሎ መስዋእቲ ኣብ ግምት ከአትዎ ኣለዎ። ዝሓሸ መነባብሮ ክነበር እንተኾይኑ፣ ኢትዮጵያ ‘ውን ከትለምዕ እንተኾይና ህወሓት ካብ ምጥፋእ ሓሊፉ ካሊእ ኣማራፂ የብሉን። ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኢትዮጵያን መንግስትን ተሰሊፉ ናይ ባዕሉ ግደ ክፃወት ኣለዎ። እዚ ውግእ እዚ ፀረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ። ሃገር ዝበታትን ‘ዩ።
ዝተሰሓሓተ ርድኢት ሒዙ ዝጎዓዝ ዘሎ ኣብ ደገ ዝርከብ ትግራዋይ ናብ ልቡ ክምለስ ኣለዎ። ጁንታ ህወሓት ንምዕራባውያን ንምሕጓስን ዝተዋረደት ኢትዮጵያ ንምፍጣርን ‘ዩ ተሊሙ ዝሰርሕ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኩናት እዚ ዘይርባሕ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ሰሚዑ ክዕሾ የብሉን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ንምጥቓም ‘ምበር ንምጉዳእ ድሌት የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ክርዳእ ኣለዎ። ብሰንኩ ‘ዩ ኣብ ፀገም ወዲቑ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ጁንታ ህወሓት ክፍለ ክኽእል ኣለዎ። ፖለቲክኡ ብሓይሊ እናፃዓነ ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ስደትን ሞትን ገይርዎ ‘ዩ። ስለዚ ፀላኢኡ ምዃኑ ብምርዳእ ይኣኽለካ ክብሎ ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ‘የ ከመሓላልፍ ዝደሊ።
ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት ኣዚና ነመስግን።
ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ኣነ ‘ውን ስለ ዝጋበዝኩምኒ ኣዝየ እየ ዘመስግን።
መኣርግ ገ/ሄር
16 ሕዳር 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ