ገበን ኲናት ዝፈፀመ ሓይሊ ራዕዳዊ ብናይ ሓባር ቅልፅም ክውገድ ኣለዎ

ብራዕዳዊ ህወሓት ብዝተጀመረ ኲናት ኣብ ዜጋታትን ሃገር ከቢድ ጉድኣት በፂሑ ኣሎ፡፡እዚ ሓይሊ ምስ ናይ ወፃኢ መሻርኽቱ ኮይኑ ሃገርን ህዝባን ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ተሊሙ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ምዕራባዊያንን ተኣኽቱን ከምኡ’ውን ብናይ ሓሶት ፀብፃብ ሽፋን ሚድያ ዝህብዎ ከም እኒ ሲ.ኤን.ኤን ዝኣመሰሉ ትካላት ንቲ እከይ ተግባሩ ተሓባበርቲ ኮይኖም ተዋዲዶም ይሰርሑ ኣለው፡፡ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ብኣንፃሩ ሓድነቱ ኣደልዲሉ ሃገሩ ንምውሓስ ይሸባሸብ ኣሎ፡፡ናብ ዓውደ ግንባር ይወፍር፣ንሰራዊት ምክልኻል ይድግፍን ከባቢኡን ይሕልው ኣሎ፡፡

ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ቐረባ እዋን ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብዝተገበሩ ምርመራታት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዞባታት ሰሜን ወሎን ደቡብ ጎንደርን ንፁሃን ዜጋታት ከምዝቐተለን ዘረፋን ዕንወትን ንብረት ከምዝፈፀመ ተረጋጊፁ’ዩ፡፡እዞም ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ገበን ኲናት ከምዝኾኑ ዘመላኽቱ ኩነታት ከምዘለዉ ‘ውን እቲ ኮሚሽን ገሊፁ’ዩ።ስለዚ እዚ ሓይሊ ገበን ኲናት ዝፈፀመ ሓይሊ ብምዃኑ ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓባር ቕልፅሞም ከወግድዎ ዝግባእ ሓይሊ’ዩ፡፡

እዚ ሓይሊ ራዕዲ ካብ ወርሒ ሓምለ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኲናት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ምስ ምስፍሑ ተደሓሒዙ ካብ 21 ሰነ ክሳብ 22 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ኣብ ዘሎ እዋን ዝሽፍን እቲ ፀብፃብ፣ ክሳብ 30 ነሓሰ 2013ዓ.ም ኣብ ዝተገበረ ምርመራ 128 ቃለ መሕትታት፣ ካብ ስድራ ተጎዳእቲ፣ ነበርቲ እቲ ከባቢ፣ ሲቪልን ኣካላት ፀጥታን ኣካላት፣ ትካላት ተራድኦ ሓዊሱ 21 ናይ ጉጅለ ልዝባት ገይሩ ዝረኸቦ ሓበሬታ፤ ምርመራ ኣብ ዘድሀበሎም ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ብዝተገበረ ኲናት ብውሑዱ 184 ንፁሃን ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ ‘ዩ፤ ከምኡ ‘ውን ብዙሓት ሰባት ጉድኣት ኣካልን ጉድኣት ስነ-ኣእምሮን ከምዝበፅሖም ፣ሰፊሕ ዘረፋን ዕንወትን ንብረት ከምዝፈፀሙ ‘ውን እቲ ኮምሽን ገሊፁ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ሪፖርት ጉጅለ ራዕዳዊ ህወሓት ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንፁሃት ዜጋታት እናቐተለ ከምዝነበረ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ ካብ መንጎኦም ድማ ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ብምዃኖም፣ ኣባላት ሚልሻ ጠቁሙና ኢሎም እንተገድድዎም እምቢ ብምባሎም ከምኡ ‘ውን ዝቖሰሉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ስለዘፅለሉ ዜጋታት በቲ ጉጅለ ራዕዲ ክቕተሉ ተገይሮም ‘ዮም፡፡ዕጡቓት ህወሓት ዝተፈላለዩ ንፁሃን ብዘስካሕክሕ ኹነታት ብምቕታልን ኣብ ሜዳ ብምድርባይ፤ቑፅሮም ብርክት ዝበሉ ናይ መንግስትን ናይ ውልቀን ሃፍትታት ብምዕናውን ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዜጋታት ድማ ኸቢድን ቐሊልን ዝበሃል ሓደጋ ንኽበፅሕ ብምግባር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ንኽበፅሕ ገይሮም ‘ዮም ክብል ኣመልኪቱ’ዩ፡፡ስለዚ እዚ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ንክውገድ መንግስቲ እናገበሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱ ኣስጢሙ ክቃለስ ኣለዎ፡፡ናብ ዓውደ ግንባር ብምውፋር፣ንሰራዊት ምክልኻል ብምድጋፍን ከባቢኡን ብምሕላው ከረጋግፅ ኣለዎ፡፡እናተግበሮ’ውን ይርከብ፡፡

ንዚ ሓይሊ ንምውጋድ ኣብ ቅድመ ግንባር ካብ ዝግበር ኲናት በተወሳኺ መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታቱ ንምሕላው ኣብ መላእ ሃገር ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ብፍላይ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንራዕዳዊ ሓይሊ ይሰርሑ’ዮም ዝተብሃሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር እናውዐለ ከምዝርከብ ይፍለጥ፡፡እዚ ንደሕንነት ዜጋታት ዝውሰድ ስጉምቲ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡ኮይኑ ግና ኣብዚ ከይዲ’ዚ ዘለዉ ሓላፍዘላፋት መንግስቲ እናስተኻኸለ ስራሕቱ ከካይድ ይግባእ። እዚ ተግባር ራዕዳዊ ሓይሊ ንምውጋድ ዝገበር ፃዕሪ ኣካል ምዃኑ ህዝቢ ምርዳእ ግድን ይኸውን፡፡

ራዕዳዊ ህወሓት ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝፈፀሞም ተግባራት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ትግራይ’ውን ህፃናት ኣብ ኲናት ብምስላፍ፣ናብ ትግራይ ክኣቱ ዝነበረ ረድኤት ክተኣጓጉል ብምግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ጥሕሰት ዓለም ለኸ ሕጊ ዝፈፀመ ሓይሊ ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ’ውን ንዚ ሓይሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ቓልሲ እጃሙ ከወፊ ይግባእ፡፡

ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዚ ገበን ኲናት ዝፍፅምን ዓለምለኸ ሕጊ ዝጥሕስ ራዕዳዊ ሓይሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሓድነቱ ብምጥንኻር ሰላምን ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኣለዎ፡፡ኣብዚ ፈታኒ እዋን ህዝቢ ንሰራዊት ብምሕጋዝን ከባቢኡ ብምሕላውን ብፂሒቱ ክዋፃእ ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ 9 ሕዳር 2014

Recommended For You